መንገድና ከይንስሕት ሓደራ

2018-06-25 13:23:17 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1818 times

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ነቲ ኣብዚ ከባቢና ወትሩ ዝሕቆን ፖለቲካዊ ባህሪ ዝያዳ ዘንቀሳቐሶ ይመስል። ብመሰረቱ ክሳብ ሕጂ ፈጺሞም ኣብ ግምትና ዘይነበሩ ሓደስቲ ምዕባለታት’ኳ እንተዘይኮኑ፡ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝያዳ ይበራበሩ ኣለዉ። ኣብ ከባቢና ዘሎ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ዋዒ እንዳተበራረየ መዛረቢ ክኸውን ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሕጂ ከኣ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን በሪኹ ይረአ ኣሎ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይካቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ እሞ ጌና ተሓቚኑ ዘይጸዓየ፡ ውሽጣዊ ጉዳያተን እውን ኣለወን። እቲ ንክልቲአን ዘራኽበን ጉዳይን፡ እቲ ነናተን ውሽጣዊ ጉዳያትን ነጻጺልካ ዝረአዩ ዘይኮኑስ ኣብ ሕድሕዶም ሓያል ምጽልላው ዘለዎም እዮም።

ሕጂ ዝያዳ ኣብ ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራ ኢና ከነድህብ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኣብቲ መስርሕ ብዙሕ ህይወትን ንብረትን ዝበልዐ፡ ብዙሃት ዜጋታት ካብ መረበቶም ዘመዛበል፡ ሕጂ እውን ጌና ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ፍታሕ ዘይበጽሐ ብመሪር ደማዊ ውግእ ዝሓለፈ ምስሕሓብ እዩ። እቲ መስርሕ ክትርሰዖ እንተደለኻውን ክርሳዕ ዘይክእል፡ ንሓንሳብ ዝዝሕል ንሓንሳብ ከኣ ዝውዒ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት እውን ነናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ከሰላስልሉ ዝጸንሑ ዘሻቕል ጉዳይ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ “ኮንደኾን ይፍታሕ” ዝበል ናይ ተስፋ ምልክት ኣብ ዘርኣየሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ነዚ ተስፋ ቁሩብ ፍሑኽ ዘበሎ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ንመጸዋዕታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ነቲ ናይ ቅድም ቅደመ-ኩነቱ ጓስዩ “ናይ ዘተ ልኡኸይ ናብ ኢትዮጵያ ክሰድድ እየ” ምስ በለ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ናብ ከምዚ ልኡም ዝመስል ደረጃ ቋንቋ ዝመጸ ስለምንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ዓይኑ ኣፍጢጡ ንቕድሚት መጺኡ ዘሎ መዛረቢ እዩ። እሞ ስለምንታይ ኣብዚ እዋንዚ? ዝብል ሕቶ ክውሰኾ እንከሎ ከኣ እቲ ጉዳይ ዝያዳ ሰሓብን ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዕባለ ዝተኣሳሰርን ይገብሮ። ዘይሩዘይሩ ኣየናይ እዩ ብዘየገድስ ንመንግስቲ ኤርትራ ናብዚ ክበጽሕ ዘገደዶ ደራኺ ጉዳይ ኣሎ። እቲ ዘገደዶ ምኽንያት ህርፋን ጉጅላዊ ረብሓ ድዩ ወይስ ህዝባዊ ሓልዮት ከከም ኣብቲ ስርዓት ዘለካ ኣመዛዝና ዝርአ ምዃኑ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ክሳብ ሕጂ ሚዛን ኤርትራውያን ተዓዚብናዮ ኣለና። ብወገነይ እቲ “ጉጅለ ህግደፍ ምእንቲ ሰላምን ህዝባዊ ሓልዮትን ዘርእዮ ቅሩብነትዩ” ዝብል ጠላሕ ኣይብለንን።

እዚ ተበግሶ ካብ ልቢ እንተኾይኑ ጽቡቕ እዩ። ሎሚ ፍታሕ እንተረኺቡ እውን ከምቲ “ካብ ክሒዱስ ውሒዱ” ዝበሃል ምስቲ ብዘይምኽኑይ ድርቅና ዝባኸነ ግዜ ከይተጸባጸብና “እስኪ ሕራይ ይኹን” ኢልና ንሓዞ። ኣብ ውጽኢቱን ትሕዝትኡን ግና ክንግደስ ኢና። ምኽንያቱ ኣብቲ ቀንዲ ዝጽበየና ዘሎ ዘቤታዊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ጉዳይና ጽልዋ ስለ ዝህልዎ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ከኣ እዚ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ኣጀንዳ ካብቲ ንውሽጣዊ ጉዳይና ዝምልከት ቀንዲ ኣጀንዳና መንገዲ ከየስሕተና ምጥንቃቕ እዩ። ከምኡ ዘብለና ምኽንያት፡ እንተደኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ረኺቡስ ከም ኩሉ ክንቃለሰሉ ዝጸናሕና ኤርትራዊ ዋኒን ዝተወደአ ጌርካ ናይ ምውሳድ ምልክት ስለ ዝንጸባረቕ እዩ።

ቀንዲ መሰረታዊ ምኽንያት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ንግሆኡ፡ “ናጻ፡ ልኡላዊትን ሓርነት ህዝባ ዘውሓሰትን” ኤርትራ ምርግጋጽ ነይሩን ኣሎን፡ ኣብ መጻኢ’ውን ከምኡ ኢሉ ክሳብ ዓወት ክቕጽል እዩ። እቲ ንውሓት ግዜ፡ ክብሪ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝተሰግረ ምዕራፋትን ብዘየገድስ ሕመረት ዝተናውሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኣቐዲሙ ደሚቑ ኣብ ትእምርተ-ጥቕሲ ሰፊሩ ዘሎ ረዚን ሓሳብ እዩ። መሰረታዊ ቆላሕታ ቃልስና ከኣ ናብዚ ዝተጠቕሰ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዝቋመት እዩ። እዚ ከኣ ክሳብ ሕጂ ክፋሉ እንተዘይኮይኑ መሊኡ ኣይተረጋገጸን። ቀጻልነት ቃልስና ናይ ግድን ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። ኣብ ኤርትራ ስልጣን ምስ ኩሉ ረብሓኡ ዓትዒቱ ዘሎ ጉጅለ ንምድህላልን መንገዲ ቃልሲ ንምስሓትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ክሳብ ሕጂ ክጸንሕ ዘይግበኦ ዝነበረ ምስሕሓብ እንተ ተፈቲሑስ ኩሉ ቃልሲ ከም ዝውዳእ ጌርካ ናይ ምቕራብ ሰላሕታዊ ወራር ፈንዩ ኣሎ። ምናልባት ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ጉዳይ እንተተወደአ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ብኣውቶቡስ ምምልላስ ይከኣል ይኸውን። እቲ ብኣውንቶቡስ ድዩ ብነፋሪት ናብ ኣስመራ ምስ ኣተኻ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓካ ንፋስ ግና እዚ ሕጂ ኣብኡ ዘሎ ዝተበከለ ኣየር እዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ናይ መወዳእታ ስምምዕ ኪኖ ምውሓስ ዶባዊ ጀኦግራፍያዊ ክሊ ሃገረ-ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ውሽጣ ኮይኑ ዝሕምሳ ዘሎ ናይ ዓመጽን ጭቆናን ሕማም ዝፍውስ ኣይኮነን። ቀንዲ ቃልስና ከኣ ንጀኦግራፍያዊ መልክዕ ኤርትራ ምጽብባቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብታ ዝተመለኻኽዐት ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ብሓጺሩ “ሕማቕን ሕሱምን ባርነት” ክበሃል ዝኽእል ህይወት ዳግማይ ከምዘይድገስ ምፍዋስ እዩ። ኤርትራ ምስ ኩሉ ጸጋታታ ንኤርትራውያን ብማዕረ እትብጸሖም ከም እትኸውን ምግባራ እዩ። ዜጋታታ መሰሎም ተሓልዩ፡ “ሰሪሖም ዘድምዕሉ፡ ተዛሪቦም ዘስምዕሉ” ኩነታት ከም ዝረኽቡ ምግባር እዩ። መሰልን ፍትሕን ካብ ቀዋሚ ሕጊ እምበር ካብ ውልቀሰባት ዘይትልመነሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ። እዚ ዝተጠቕሰ መሰላት ኣብቲ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝረጋገጽ እምበር፡ ምስ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተዓሪቕካ ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን። እቲ ምስ ጐረቤት ሃገር ዝግበር ቃልሲ ግና ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ እንተስ ክትዕወት እንተስ ዘይክትዕወት ግደ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ህልዊ ኩነታትና ክንመጽእ እንከለና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ስለ ዘይተፈትሐ እቲ ቀንዲ ጉዳይና፡ ቀንዲ ኣጀንዳ ኮይኑ ክለዓል ዘይደሊ ሓይሊ ህግደፍ መሕብኢ ይጠቀመሉ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ምስተፈትሐ ግና እቲ ተኸዊልሉ ዝጸንሐ ናይ ሸፈጥ ስለ ዝፈርስ ምኽንያት ስኢኑ ኣብ ጐልጐል ዝወግሖ ዝብኢ ክኸውን እዩ። በዚ ኮነ በቲ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ መወዳእታ እውን ካብቲ ቀንዲ መንገድና ከስሕተና ውዲት ካብ ምፍሓስ ዓዲ ኣይክውዕልን’ዩ እሞ ሓደራ ኣይንተሃመል ንምባል ዝኣክል እዩ።

Last modified on Monday, 25 June 2018 15:27