ቆላሕታ ዘድልዮ ቅዱስ ተግባር

2018-06-06 17:09:20 Written by  ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሆላንድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1844 times

ADE Holland Congress Amsterdam 07 10 2017 1 2

 

ቆላሕታ ዘድልዮ ቅዱስ ተግባር

ልእላውነት ሃገርና ብብዙሕ መስዋእትን ስንክልናን ዝተረጋገጸን፥ ክቡር ታሪኽናን ሓበናን ጥራይ ዘይኮነስክንዕቅቦን ክንሕብሕቦን ዘሎና ፥ ሃገራዊ ሓላፍነትንግዴታን ከምዘለና ኩሉ ኤርትራዊ ክፈልጦ ዝግባእ ሓቂ ኢዩ። ንጀጋኑ ስውኣት ሞጐስ ፥ ንኣካለ ስንኩላና ድማ : ኣብ ጸገሞም ኣለናልኩም ክንብሎም ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ሃገራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ምዝኽኻር ዘድልዮ ኣይመስለና።

ኣብ ሆላንድ እንነብር ግዱሳት ኤርትራውያን ንጸገማት ስንክልና ብምርዳእ፡ ብዘይካ ተጠርኒፍካ ብማሕበር ፣ ነዚ ጉዳይ ምግጣሙ እንተዘይ ኰይኑ ካልእ መንገዲ ስለዘየለ ካብ 2011 ብዕሊ ዝተመዝገበ ፥ ካብ ዝዀነ ፖለቲካዊ ጸጊዕ ነጻ ዝዀነ ማሕበር ኣቚምና ፡ ምስ ከማና ዝኣመሰሉ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ፥ ዓቕምና ዘፍቅዶ ንስንኩላን ክንሕግዝ ጸኒሕና ኢና። ምንጪ እቶትና ድማ ኣብ ኣባላት ማሕበርን ፣ ሰብ-ሕልና ኤርትራውያን ዝተመርኰሰ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ ።

ካብዚ ሓቅታትብምንቃልድማ ፡ ኣብ ሃገርሱዳን (ከሰላ ) ንዝነብሩ ኣካለ ስንኩላን ንምሕጋዝ ፣ 27-05 -2018 ናይድራርዕድመ ኣብ ዘዳለናዮ መዓልቲ ካብርሑቕንቀረባንብኣካልብምርካብንብዝተፋላለየምኽንያትክጥዕሞምዘይከኣሉድማብሕሳብባንክናይዚማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ብምልኣኽ : ቅዱስ ወፈያኦም ከም ዘበርከቱ ክንሕብር ንፈቱ ። ኣብዚ ናይ ድራር ዕድመ መዓልቲ ዝተዋጽኤ ገንዘብ ጠቕላላ ድምር 765,- ኢይሮምዃኑ ንሕብር ። በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ዕዱማት ፣ ነቲ ዘይሕለል ሓልዮትን ርህራሄን ኣብ ልዕሊ ጽጉማን ዜጋታቶም ዘርእይዎ ሃገራዊ ሓላፍነት ነመስግን ። ሕጂ’ውን ሕልንኡ ደሪኽዎ ክሕግዝ ዝደሊ ዜጋ ናብ’ዚ ሕሳብ ባንክ ማሕበር ክሰድድ ይኽእል።

STG. ERITREAN DISABLED FOUNDATION IN THE NETHERLAND

BANK : NL20INGB 0005169954 ጌርኩምክትሰዱትኽእሉ

ኣብ መደምደምታ ነቲ ብኣባላትን ብግዱሳት ኣሓትን፣፣ ግዚኦምን ጉልበቶምን ከይበቐቑ ፣ ኣዳልዮም ዘቕረብዎ ዝተፈላለየ ጥዑም ዓይነትመግብታት፣ ዕዱማት ብልቢ ኣመስጊኖም ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ማሕበር ፣ ንኣዳላውቲ መግቢ ዕዙዝ ምስጋና የመሓላልፍ ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና !!!

ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሆላንድ

Last modified on Wednesday, 06 June 2018 19:19