ቆላሕታ ዘድልዮ ቅዱስ ተግባር
2018-06-06 17:09:20 Written by ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሆላንድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2123 times
ቆላሕታ ዘድልዮ ቅዱስ ተግባር
ልእላውነት ሃገርና ብብዙሕ መስዋእትን ስንክልናን ዝተረጋገጸን፥ ክቡር ታሪኽናን ሓበናን ጥራይ ዘይኮነስ ፥ ክንዕቅቦን ክንሕብሕቦን ዘሎና ፥ ሃገራዊ ሓላፍነትን ፡ ግዴታን ከምዘለና ኩሉ ኤርትራዊ ክፈልጦ ዝግባእ ሓቂ ኢዩ። ንጀጋኑ ስውኣት ሞጐስ ፥ ንኣካለ ስንኩላና ድማ : ኣብ ጸገሞም ኣለናልኩም ክንብሎም ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ሃገራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ምዝኽኻር ዘድልዮ ኣይመስለና።
ኣብ ሆላንድ እንነብር ግዱሳት ኤርትራውያን ንጸገማት ስንክልና ብምርዳእ፡ ብዘይካ ተጠርኒፍካ ብማሕበር ፣ ነዚ ጉዳይ ምግጣሙ እንተዘይ ኰይኑ ካልእ መንገዲ ስለዘየለ ካብ 2011 ብዕሊ ዝተመዝገበ ፥ ካብ ዝዀነ ፖለቲካዊ ጸጊዕ ነጻ ዝዀነ ማሕበር ኣቚምና ፡ ምስ ከማና ዝኣመሰሉ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ፥ ዓቕምና ዘፍቅዶ ንስንኩላን ክንሕግዝ ጸኒሕና ኢና። ምንጪ እቶትና ድማ ኣብ ኣባላት ማሕበርን ፣ ሰብ-ሕልና ኤርትራውያን ዝተመርኰሰ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ ።
ካብዚ ሓቅታትብምንቃልድማ ፡ ኣብ ሃገርሱዳን (ከሰላ ) ንዝነብሩ ኣካለ ስንኩላን ንምሕጋዝ ፣ ብ 27-05 -2018 ናይድራርዕድመ ኣብ ዘዳለናዮ መዓልቲ ፡ካብርሑቕንቀረባንብኣካልብምርካብን ፡ ብዝተፋላለየምኽንያትክጥዕሞምዘይከኣሉድማብሕሳብባንክናይዚማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ብምልኣኽ : ቅዱስ ወፈያኦም ከም ዘበርከቱ ክንሕብር ንፈቱ ። ኣብዚ ናይ ድራር ዕድመ መዓልቲ ዝተዋጽኤ ገንዘብ ጠቕላላ ድምር 765,- ኢይሮምዃኑ ንሕብር ። በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ዕዱማት ፣ ነቲ ዘይሕለል ሓልዮትን ርህራሄን ኣብ ልዕሊ ጽጉማን ዜጋታቶም ዘርእይዎ ሃገራዊ ሓላፍነት ነመስግን ። ሕጂ’ውን ሕልንኡ ደሪኽዎ ክሕግዝ ዝደሊ ዜጋ ናብ’ዚ ሕሳብ ባንክ ማሕበር ክሰድድ ይኽእል።
STG. ERITREAN DISABLED FOUNDATION IN THE NETHERLAND
BANK : NL20INGB 0005169954 ጌርኩምክትሰዱትኽእሉ
ኣብ መደምደምታ ነቲ ብኣባላትን ብግዱሳት ኣሓትን፣፣ ግዚኦምን ጉልበቶምን ከይበቐቑ ፣ ኣዳልዮም ዘቕረብዎ ዝተፈላለየ ጥዑም ዓይነትመግብታት፣ ዕዱማት ብልቢ ኣመስጊኖም ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ማሕበር ፣ ንኣዳላውቲ መግቢ ዕዙዝ ምስጋና የመሓላልፍ ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና !!!
ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሆላንድ