ኣብ መበል 27 በዓል ናጽነት ኤርትራ ፍራንክፎርት ብንጉሰ ጸጋይ ዝቐረበ መግለጺ

2018-06-03 17:42:22 Written by  ንጉሰ ጸጋይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2447 times

ዝኸበርኩም ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፎርትን ከባቢኡን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን

ብቐዳምነት እንኳዕ ናብ መበል 27 ዓመት ነጻነት በዓል ኤርትራ ኣብጻሓና እንዳበልኩ፣ ንኣሰናዳእቲ ናይዚ በዓል ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ደኺምና ከይበሉ ህዝቢ ንምርኻብን ሃገራዊ ኮነ ሰውራዊ በዓላት ኣብ ምስራዕን ምድላውን ንእትገብሮ ዘላ ጻዕርን ንተሳተፎ ተቓለስትን ከመስግን እፈቱ።

መበል 27 ዓመታት በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ እነብዕለሉ ዘለና መድረኽ፡ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ መግለጺ ንከቅርብ ንዝተገብረለይ ዕድመ እንዳኣመስገንኩ፡ ሓደ ካብ ዕላማታት ናይዚ በዓል ተራኽብና ሓስባትና ምልውዋጥን ምዝታይን ስለዝኮነ ንዘቕርብ መልእኽቲ ብናይ ሓባር ሓሳብ ከነህብትሞ ከምእንኽእል እምነተይ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ቅድሚ መግዛኣቲ ወራር ጣልያን ዋላኳ ዝተጠርነፈ ምምሕዳር እንተዘይነበሮ፣ ንኹሎም ኣብ ኤርትራ ዝኣተዉ ባዕዳውያን ገዛኣቲ መንግስታት ግን ሕራይ ኢሉ ዝቕበል ኣይነበረን። ከም ኩሎም ብድሕረት ዝተበልዑን ትምህርትን ስልጣን ዝበኮረን ህዝባታት ብምንባሩ ድማ ኣቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተቓውሞታት ዝተወደበን ዝተጠርነፈን ብዘይምባሩ ከድምዕ ይኽእል ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ንሓያሎይ መራሕቲ ተቓውሞ ኣሕሊፉ ዝሃበን ግዳይ ዝገበረን እዩ ነይሩ። ካባኡ ናባኡ ግን፣ ኣቲ ድሕሪ ስዕረት መንግስቲ ጣልያን ዝተላዕለ ሰልፋዊ ቀጽርታት ተጋድሎ ናብ ዝሓሸ መስርሕ ናህሪ ናይ ቃልሲ ከምዘኣተው ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ብፍላይ እኳ ኣብ እዋንቲ ስማዊ ፈደረሽንን ምፍራሱን ዝነበረ መዋእል ክረኤ እንከሎ ሰማዒ ዝነበሮን ዝጓሃረን መድርኽ ከምዝነበረ ታሪኽ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ይምህረና እዩ።

ይኹን እምበር፡ እዚ እውን ብሰሪቲ ዝነበሮ ምክፍፋላት ክዕወት ዘይምኽኣሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብዝያዳ ንመግዛኣታዊ ሓይልታት ምቹእ ባይታ ፈጢሩ ብስዕረት ተደምደመ። ናይ መዋኣል ፍልልይ እንተዘይኮይኑ ድማ ናይ ኩሎም ገዛኣቲ መንግስታት ባህሪ ሓደ ስለዝኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ድሕሪ ሓደ ብዝኣተዉ ስርዓታት ክጭቆንን ክርገጽን፣ ሃብቱን መሬቱን ክዝመት ክብሪ መንነቱን መለለይኡን ክጋሃስን ክበርስን፡ ክሳብ ትዓስኪሩ ኣብዘይፈልጦ ሃገራትን ውግኣትን ኣደዳ ህልቂትን ሞትን ገይሮሞ እዮም።

እዚ እቲ ሓፈሻዊ ጣባያት ገዛኣቲ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ነቲ ብስርዓት ሃይለ ስላሰ ዝተፈጸመ ግፍዕን፣ ዝነበረ ፈደራላዊ ውዑልን ምምሕዳሩን ምፍራስ፡ ናይ ሰልፍታትን ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳትን ምእጋድ፡ ጻዕቂ ቅትለት ንጹሃት ዜጋታትን ዘዋፈሮ ናይ ምጡቛስን ምፍልላይን ስርሒታት ክጽሮ ብዘይምኽኣሉ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ክሰጋገር ግድን ነይሩ። ሓደ ካብ ቀንዲ መበገሲ ዕላማታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ “ምሉእ ናጽነት ኤርትራ ምርግጋጽን፡ ሓድነት መሬት ኤርትራ ምዕቃብን፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ምቋምን” ኣብ ትሕትቲ ዝብል መርሆ እዩ ብረታዊ ተጋድሎና ካብ ኤርትራ ወጻኢ ተበጊሱ፣ ኣብ ሜዳ ድማ ብስዉእ እድሪስ ሓምድ ዓዋተ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ፈላሚ ናጽነታዊ ጥይት ዝተባርዐ። ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ሓገዝቲ ደጋዊ ረቛሒታት ነይርዎ፡ ባዕላዊ ኲነታቱ ከምቲ ዝድለ ብዘይምንባሩ ኣብ ሜዳ ብዙሓት ጸገማት ተራእዮም። ካብቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ ልሉያት ጸገማት ሰውራና ድማ፡ ምፍንጫላትን ውግእ ሕድሕድን እዩ። ብኣንጻሩ፡ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ ዝድይብ ዝነበረ ናይ ምእራም ቃልሲ እንዳበረኸ፣ ህዝቢ ብሓሳብን ብግብርን እንዳተሓወሶ፡ ወታሃደራዊ ሓያልነት እንዳዓበየ መጺኡስ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ቃልሲ መስርሕ ተጸሚዱ፡ ኩሉ ዝሓዞን ዘረማሰሶን ንሰውርኡ ኣበጅዩ፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ ኣብ 1978 ክዛዘም ስድሪ ተሪፍዎ ዝነበረ ናጽነት ኤርትራ ብሰሪ ሓባራዊ ዕዮን ስምምዕን መራሕቲ ሰውራና ዘይምንር ተኮሊፉ፡ እንደገና ተወሳኺ መስዋኣትን ናይ ቃልሲ ዓመታት ምንዋሕን ኣጋጢሙ። ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ተቓለስቲ ሓይልታትቱ ግን ብዘጋጠሞም ግዝያዊ ስዕረት ተስፋ ከይቈረጹ፣ ብእዋናዊ ሓያልነት ናይ መግዛኣትን ደገፍቱ መንግስታትን ከይሰንበዱ፡ ንዝያዳ ቃልስን ዓወት ብመስዋእቲ ኣብ ዳግመ ውዳቤታት ተኣትዩ፣ ጸረ መጥቃዕትታት ኣብዝተጀመረሉ እዋን እዩ፥ እቲ ንግዝይኡ ሃዲኡ ዝነበረ ውግእ ሕድሕድ ብዓማሚ መልክዑ ብፈላምነት መሪሕነት ህግሓኤን ናይ ቀረባን ናይ ርሑቑን ተሓባበርቶም፡ ካብ ዕለት 28 ነሓሰ 1980 ክሳብ ዕለት 07 ነሓሰ 1981 ዝቐጸለ ውግእ ሕድሕድ፡ ህልቂት ተቓለስቲ መንእሰያትን ብርሰት ንብረት ህዝብን ኣስዒቡ፣ ሰውራ ኤርትራ ናብ ዝኸፍአ ምድኻማትን ምፍልላይን ኣትዩ።

ድሕሪ ነዊሕ ናይ ምርብራብ ወታሃደራዊ ግጥምያታትን መስዋእትን ዲፕሎማስያዊ ቃልስታትን ኤርትራ እቲ ዘይተርፍን ግድነታውን ዝኾነ ዓወት ናይ ናጽነት ብተሳትፎ መላእ ህዝብን ሓይልታት ሰውራን ተሰንዩ፡ ብጉንበት 24.1991 ብወሳኒ ታራ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ኮይና። ህዝቢ ደቢሉን ዓሊሉን፡ ደቁ ሓቒፉ ቅሳነትን ሰላምን ከስተማቕር ትጽቢትን ህርፋንን ገይሩ። ዓወት ናጽነት ኤርትራ ግን ከምቲ ገለ ገለ ስንኩፋትን ትምክሕትኛታትን ብህዝባዊ ግንባር ጥራሕ ዝተረጋገጸ ገይሮም ዝገልጽዎ ዘይኮነስ፡ ውህሉል ናይ 30 ዓመታት ወታሃደራዊ ዓወታት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

ሎሚ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት ክንዝክር እንከለና፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ንምብጻሕ ዝሓለፎ መሪር ናይ ቃልሲ መድረኻት፣ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፣ ዝፈሰስ ደምን ራሃጽን፣ ዝበረሰ ንብረት፡ ዝባደመ ዓድታት፣ ዝሃለቐ ጥሪትን ንብረትን ዝተብታተነ ስድራታትን ጸብጺብካ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ኢና ንዝክር ዘለና። ነዚ ክንዝክር ከለና ድማ ገና ክንገብሮ ዝግባኣና ዘይተረጋገጸ ዕማማት ህዝብና ኣብ ቅድሜና ምህላዉ እዩ ዘመልክትና እምበር፡ ንስለ በዓልን ዝኽርን ጥራሕ ንገብሮ ዘለና ኣይኮነን። እቲ ቃልስን መስዋኣትን መላእ ህዝብና በብዓቕሙ ዝኸፈለሉ ካብ ነበረን ካብ ኮነ ድማ፡ በዓል ናጽነት ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምበር ናይቲ ኣብ ኣስመራ ስልጣን ጨቢጡ ህዝብን ሃገር ዘማስን ዘሎ ጉጅለ ኣይኮነን። እቶም ንምልኪ ዝድግፉ ኮነ እቶም ጸረ ምልኪ ደው ዝበልና ዜጋታት ክብሪ ናጽነት አርትራ ሓደ እዩ ዝብጻሓና፡ ፍልልይና ብኸመይ ነብዕሎን ንምንታይ ንግልገለሉን ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽኣል። ንሕና እቶም ገና ኣብ ቃልሲ ዘለና፤ ንዳግማይ ቃልሲ እንዳለወሉን ሕድሪ ሰማኣታትና ተጠሊሙ ንኸይተርፍ ቃልስና እነሓድሰሉን ክኸውን ከሎ፡ ንሳቶም ግን ንምልኪ ብዘገልግል መሀውተቲ ጭርሖታትን ኣብ ባይታ ዘየሎ ፈጠርናን ገበርና ዝብል ጃህራን ፈኸራን ስለዘሕልፍዎ እዩ።

ኣብዚ ክላዓል ዝኽእል ኣገዳሲ ሕቶታት ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓስቢ ዝኸፈሎ መስዋእትን ዝሰዓበ ሕሰምን መከራን ናይ ቃልሱ ተፈድዩ ዶ? ተጠቃማይ ናይቲ ብደሙን ድኻሙን ዝተረጋገጸ ናጽነት ኮይኑ ዶ? ናይቲ ሃገርና ሃብታም እያ፤ ወርቅን ካልእ ማዕድናትን ኣለዋ፡ ወደባትና ጥራሕ የናባብረና እዩ እንዳበለ ዝሓለፎ መሪር እዋን፡ ተኻፋላይ ተፈጥራዊ ጸጋታት ኤርትራ ኮይኑ ዶ? ዝብል ኮይኑ ነዚ ሕቶታትዚ መሊስና፡ ናብ ሓድሽ መድረኽ ክንኣቱ የድልየና ነይሩን ኣሎን።

እቲ መልሲ፡ ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ተጠቃማይ ውጽኢት ናጽነት ኣይኮነን፡ ብናጽነት ኤርትራ ዝረብሑ ዘለዉ እቶም ንመብጻዓታት ህዝብን ቃልስታቱን ዝጠለሙ ኢሳያስን ውሑዳት ኣገልገልቱን እዮም። እዚ ግን ንዝሓለፍ ጉድለታትካ ክትምርምር፡ ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታት ሃገርናን ህዝብና ወዲቁ ክትድህስስን ኣምሳይኡ ብቃልስን ግጥምያን ከተረጋግጽን እዩ ዝሕግዘካ እምበር፡ ኣብ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዘጣዕስ ኣይኮነን። ንሕና ንጽቡቕ ዝባሃግና ተቓለስቲ ጀብሃ ንኹን ሽዕብያ ዋላዃ ዝተፈላለየ እጃማት ይንበረና እምበር፡ ሕጂ ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ሃለዋት ውጽኢት ቃልስና ምዃኑ ክንግንዘብ የድልየና፡ ክሕደትን ጥልመትን ድማ ካብ ነዊሕ ክስራሓሉ ዝጸንሐ እምበር ሓድሽ ዝተጠርየ ጠባያት መንገዲ ምልኪ ኣይኮነን።

ናይ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኽሕደትን ጥልመትን ህዝባዊ ዕላማታት፤ ካብ እዋን ቃልሲ ጀሚሩ ብልሳንን መደብን ኢሳያስ ተለማሚድዎ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብ ቃልሲ ንዝነበራ ፖለቲካዊ ሓይልታት እንተኮይኑ፡ ኣብ መጋባእያ ብጋህዲ ጽባሕ ናጽነት፡ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ሓደ መስከረም 1996 ኣብዝገበሮ ቃለ-ማሕተት ድማ “ንቐላዓለም እንተዘይኮይኑ፡ ብሓቂ ክንዛረብ እንተኮይኑ ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ተቓሊሱ እዩ ነዛ ሃገር ኣምጺእዋ” ክብል ንመላእ ህዝቢ እዩ ጥልመቱ ዘፍለጠ። ኣብዚ ኣይፋልካን ዝብል ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ዘይምርካቡ ድማ፡ መጀመርታ ንተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር እዩ መሊኹ፡ ጸኒሑ ንውሽጣዊ ድኽመታት መሪሕነት ተሓኤ ተበሊጹ፡ ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን ግዳማዊ ሓይልታት ተማሓዝዩ ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ሰፊሕ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ህዝባዊ ምምሕዳራትን ሰሪቱ፣ ሃገራዊ ናጽነትን ፍትሕን ንምርግግጽ ዝዋደቕ ዝነበረ ግዙፍ ወታሃደራዊ ሓይሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሱዳን ከምዝኣቱ ዝገበረ መስርሕ፡ ጸኒሑ ኣብ መላኣ ህዝቢ ከሽካዕልል ዕድል ዝረኸበ። ሎሚ ግን፡ እቲ ብስዕረት ተሓኤ ዝታሓጐሰ ኮነ ደም ዝነብዐ ህዝቢ፡ ሓቢሩ ይሳቐን ኣብ ስደት ይነብርን ኣሎ።

ሎሚ ህዝብናን ሃገርናን ኣትይዎ ዘሎ ኩለንተናዊ ሰልሚ፣ ምዝርዛር ዘድልየና ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ኩልና እንፈልጦን እንነብሮን ዝለና እዩ። ካብዝሓለፈ ተማሂርና እንታይ ክንገብር ከምዝግባኣና ኢና ብዝርዝር ከንሰርዖን ክንብገሰሉን ዘለና። ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ድኽመት ደምበ ተቓውሞ እዩ ዝነብር ዘሎ፡ እቲ ክእለ ዘለዎ ድኽመት ድማ ቀሊል ክነሱ፡ ቀዳምነታት ናይ ቃልሲ ብዘይምስራዕና ዝፍጠር ዘሎ እዩ። ምጽውዋርን ምድምማጽን ስለዝጐድለና፡ ኣብ ክንዲ ብፖለቲካዊ ራኢ ብጽልእን ቅርሕንትን ፍልልያትና ስለዝዓቢ፡ ኣብ ክንዲ በቶም ንሰማማዓሎም ጉዳያት ተጊህና ኣብ ስራሕ ንኣቱ፡ ኣብቶም ዘየሰማምዑና ነገራት ሃለኽ ስለ እንብል እዩ ግዜ ናይ ቃልሲ ዝነውሕ ዘሎ፡ ብኡ መጠን ድማ ስቅያት ህዝብና ይናዋሕ ኣሎ፡ ማሕበራውን ባህላውን ምብትታንና ብኢሱ ክሳብ ንተሰዲድና እንነብረሉ ህዝብን ሃገርን ሽግር ኮይኑ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ገለ እውን ምስ መንፈሳዊ እምነት ኣታሓሒዞም፡ ንዝተረግመ ህዝቢ እዩ፡ እግዝኣብሔር ሕሱም መራሒ ዝውርደሉ ብምባል ንህዝቢ ኤርትራስ ዝተረግመ ስለዝኾነ እዩ፡ ኣበስኡ በዚሑ ዝብሉ ኣለዉ። ብሸነኸይ ከምኡ ዝብል እምነት የብለይን፣ ምኽንያቱ ኣብ ሃይማኖት እንተኾነ እውን “ኣይትፍረድ ከይፍረካ” እዩ ዝብል። ክብሪ ሃይማኖትን ምእመናንን ልኡል እዩ፡ መሸፈኒ ናይ ሕመቕካ ክትገብሮ ምፍታን ግን ቅኑዕ ኣይመስለንን ኣይኮነን ድማ። ህዝቢ ኤርትራኸ እንታይ ስለዝኣበሰ እዩ ዝተረግመ ዝኸውን፡ ንመሰሉን ክብሪ ሃገሩን ስለዝተቓለሰን መስዋእቲ ስለዝኸፈለን ዲዩ መርገም ወሪድዎ ዝባሃል ዘሎ? ኣይፋሉን፡ ነቲ ፍረ ጻዕርኻ ክህብካ እየ ዝብል መልእኽቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣትሪርና ብምሓዝ ኢና፡ ነቲ ናይ ህዝብና ሕሰም ናብ ራህዋ ክንቅይሮ ዝግባኣና እምበር፡ ንሕምቀትና ድኽመትናን ብሃይማኖት ሸፊና ሓላፍነት ዝስከም ከነናድየሉ የብልናን። እዚ ኣባሃህላ እዚ ድማ፡ ኣብ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንከይትሳተፍ ኢድካን እግርኻን ኣሲሩ፡ ስቅያት ህዝቢ ዘናውሕን፡ ምብርራይ ምልኪ ኣብ ሃገርና ዘጣጥርሕ ስለዝኮነ ክውገድ ዘለዎ ኣብሃህላ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ጉድለት ገይሩ ክባሃል እንተኮይኑ፡ ወዮ ዳኣ ዕጥቂ ብረት የሸቁርሮ ነይሩ ይኸውውን እምበር፡ ብእዋኑ ከሎ ኣብ ክንዲ ንዝተጋገየ ተጋጊኻ ምባሉ፡ እታ “ንስኻትኩም የማናይ ዓይንና፡ ንሳቶም ጸጋማይ ዓይንና” እንዳበለ ንኹሉ ክመጾ ዝኽእል ስዕቤናት ጸይሩ፡ ኣራሚ ስጉምቲ ክወስድ ዘይምጽንሑ ዶኾን! ዘየብል ግን ኣይኮነን። ካብ ብጊሓቱ ጀሚሩ ክቈጻጸሮ ዘይካኣለ ሰውራ እዩ ሓደ ካብጸገማቱ ኮይኑ ሎሚ ሕሰሙ ዝፍደ ዘሎ።  

በዚ ናይ ሕጂ ኵነታት ተስፋ ዝቆረጹን ዝተሰናበዱን መንእሰያት፡ ገለ እውን ብዕላማ፣ ዋላኳ ውሑድ ድምጺ ይሃልዎም እምበር ሎሚ፡ ንታሪኽ ሰውራና ብሽፍትነት፡ ንናጽነት መሬት ኤርትራ ብባርነት፡ በጃ ሃገርን ህዝብን ንዝሓለፉ ስዉኣት ንሓደ ሰብ ኢሎም ዝሞቱ ክስይሙ፡ ንልኡላውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዉ ዝስምዑ ዘለዉ። ገለ ምህራትና እውን እዋናዊ ዘይኮነ ሓሳበ ርእይቶ ኣብ ምቅልቓል ምብጽሖም ንስምዕ ኣለና።

ኣብዚ ነቶም ብዘይፍላጥን ሕጽረት ተመኩሮን ኣብ ምንእኣስ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ወዲቆም ታሪኻዊ ጀግንነት ኣብ ምፍሓቚ ዝርከቡ ዘለዉ መንእሰያትን ገለ ተጋደልቲ ኔርና ባሃልትን፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክትምስረት ከላ ኣብ 1960 ካብ ዝጸደቐ ገለ ካብ መበገሲ ቅዋማት መሪሕነት ላዕለዋይ ባይቶ ነዘን ሰለስተ ነጥብታት ምውካእ ኣገዳሲ መምሃሪ እመስለኒ።

  1. ስም ውድብ፡  ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
  2. ሰንደቅ ዕላማ፡ ሰንደቅ ዕላማ ናይ ተሓኤ እታ ኢትዮጵያ ዘውረደታ ናይ ኤርትራ ሰንደቅ ዕላማ
  3. ዕላማ፡        ምሉእ ነጻነት ምርግጋጽን፡ ሓድነት መሬት ኤርትራ ምዕቃብን፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ምቋምን እዩ ይብል። ኣብዚ ግደን ግቡእን ኣባል ኮነ ናይ ቃልሲ ማሕላን እውን ኣልዎ። (ኣብ መርበብ ሓበረታ ፈረጀት ብ2006 ብዓረብኛ ዝተዘርግሐ፡ ብተጋዳላይ ዓብደላ ሓሰን ናብ ትግርኛ ዝተተርጎመ ሰነድ ምውካስ ይካኣል)

እዚ ከምዚ ዝኣመስለ ሕጋጋት ገይሩ ዝተበገሰ ህዝባዊ ቃልሲ ዳኣ ከመይ ገይሩ እዩ ሎሚ ሽፍትነት ዝሃባል ዘሎ ንዝብል እምባኣር፡ ዓቅሊ ጽበትን ንነገራት ኣማሳቂልካ ምርኣይን ዘበገሶ እንተዘይኮይኑ፣ መሰረት ዘለዎ ኣይኮነን፡ ካብ ታሪኽ ምምሃር ድማ ጽቡቕ እዩ። ሽፍትነት ድማ ግደፍዶ ዝተጻሕፈስ ብቓል ዝእቶ ውዑል ዘይብሉ ብናይ ብረት ዝዓጠቁ ሓያልነት ዝምራሕ ምትእኽካብ እዩ። ነቶም ኮነ ኢሎም ዝጽይቁ ግን፡ ኣብቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ’ኳ እንተዘይኮነ ኣብ ቃልሲ ምስዓሮም ጥራሕ እዩ ኣብ ቅድሚ ተቃለስቲ ዘሎ ምርጫ።

ብዛዕባቶም ብኮንፈደረሽንን ፈደረሽንን ምስ ኢትዮጵያ ዝሓሙ ዘለዉ እንተኮይኑ፡ እቲ ሓሳብ ኣይኮነን ዝጽላእ ዘሎ፡ ናይ ሎሚ ዛዕባና ክኸውን ይግባእዶ ኣይግባእን እዩ እቲ ዘረባ። ኣብ ቅድሜና ንህዝብን ሃገርን ዝረመሰ ክጽወር ዘይካኣል ገበናት ዝፍጽም ዘሎ ከነልግሶ ዝለና ስርዓት እንዳሃለወ ናብ ካልእ ጫሌዳ ክትዕ ንተቃወምቲ ከተኣቱ ምፍታን ብወገነይ መድረኻዊ ኮይኑ ኣይስማዓንን። ኢሳያስ እውን “ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ትርጉም ዘይብሉ ዶብ ክንቅይሮ ኢና፡ ንናጽነት ጥራሕ ኣይተቃለስናን፡ ንሓድነት እውን ተቓሊስና ኢና ክብል ከሎን፡ ነፍሰ ይምሓር ፕረሲደትን ኢትዮጵያ ዝነበረ መለስ ዜናዊ ድማ፡ “ፈደረሽን ኮነ ክንፈደረሽን ድልየት ህዝቢ ዝተሓወሶ ኣብ መንጎ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ዘለወን መንግስታት ዝግበር ውዑል/ዝምድና እዩ” ምባሉ ኣዘኻኺሩኒ። ስለዚ ኤርትራውያን ብሓፈሽ፡ ብመጀመርታ ልኡላውነት ሃገርና ኣጽኒዕና ንሓዝ፡ ሃገርና ካብ ኣደራዕ ምልኪ ህግደፍ ኣገላጊልና፣ ኣምሳያኡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ነቁም፡ ድሕሪኡ ምስ ኩለን ጎረባብትና ንዝህልወና ዝምድና ክንዛረብን ክንሰርዕን እዩ ዘምሕረልና።

ድሕሪዚ ኩሉ ናይ ሎሚ መሰረታዊ ዛዕባና ግን፡ ዕላማታት ህዝብና ብከመይ ነረጋግጽ ዝብል እዩ ክኸውን ዝግባእ። ስለዚ

  1. መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ሃገርን ህዝብን ከብርሱ፡ ባህልን ልምድን ክዝርጉ ኩሉ ዝካኣሎም ኣዋፊሮም ኣለዉ፡ ደምበ ተቓውሞ ድማ ሃገርን ህዝብን ካብ ምልኪ ንምድሓን፡ ብሓደ ወስታን ልሳንን ሓቢሩ ማዓልትን ለይትን ዘይምምካቱ ሓደ ዓብዪ ሃጓፍ ናይ ቃልሲ እዩ። ካብዞም ኣብዚ ዘለናን ኩሎም መቓልስትናን፣ ውድቀት ምልኪ ህግደፍን ናይ ስርዓት ለውጥን፡ ማሕበራዊ ፍትሕን፡ ዲሞክራስያዊ መስላትን ማዕርነትን፡ ልኡላውነት ኤርትራ ምዕቃብን ዘይደልን ዘይብህግን የብልናን። እዚ እምበኣር በበይንና ዘይኮነስ ብናይ ሓባር ጉዕዞን ተወፋይነትን ክንበጽሖ ዘለና ስለዝኮነ፡ “ዝሓለፈስ ሓለፈ፡ ኣይትድገመኒ ብዝተረፈ” ከምዝባሃል፡ እቲ ኩልና ዘይተዓወትናሉ ዝሓለፈ ኣገባብ ኣገጣጥማና፡ ሕጂ ከመይ ጌርና ናብ ዝሓደሰን ኣዕዋትን መንገዲ ንሰግር ክንሓስበሉ ዘለና እዩ። ትማሊ ንቐዳሞት ወለዲ ናጸነት ኤርትራ ኣሕሊፎም ሂቦማ፡ ዝብል ውቀሳ ነይሩና፡ ሎምን ጽባሕን ድማ ሓቢርና ህዝባዊ ሓርነት ከነረጋግጽ ዘይምኽኣልና መጻኢ ወለዶ ክወቕሰና ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን።
  1. ህልውና ብዝሒ ውድባት፡ ኣመኽንዩ ካብ ቃልሲ ዝበኩር ክፋል ህዝቢ እውን ኣለና፡ ሓቂ እዩ፡ ዘለና ብዝሒ ውድባት የሰክፍ ይኸውን እዩ፡ እቲ ስክፍታ ግን ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ናይ ሰባት ዝተሰረተ ምፍልላያት ክከውን ከሎ እምበር፡ ብፖለቲካዊ ራእይ እንተኮይኑ ክታዓረቕ ስለዝኽእል እንተዋሓደ ሓቢርካ ትሰርሓሉ መደባት ክትገብር ስለዝካኣል ጸገም ኣይምነበሮን። መመኽነይታ ንብኹራት ካብ ቃልሲ ግን ክኸውን የብሉን።
  1. ዝተተርነፈን ብሓደ ዝሰርሕን ደምብ ተቓውሞ እንተዝህሉ ድማ፡ ሓያልን በዳህን ሓቐይና ዝኮነ ናጻ በርጌሳውያን ማሕበራት፡ ዝተወደበን ኣድማዕን ናይ ዜና ማዕከናት፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ኣፈኛ ደምበ ተቓውሞ ክኸውን ዝኽእል ኣካላት ምሃለወ እሞ፡ ኣድማዕነት ቃልሲ ምስተረጋገጸ።
  1. ተቓውሞ ክስስንን ክዓብን ድማ እነልዕሎም ጭርሖታት ናይ ቃልሲ፡ ኣሩማትን ሳሓብትን ክኾኑ ይግባእ፡ ነጸግትን ንሰባት ዘርሕቑን ክኾኑ ኣይግባእን።

እዚ ካብቶም ህሉዋት ዝጥቀሱ ሕጽረታት ደምበ ተቓውሞ ኮይኖም፡ ንሎሚ ብውሑዳት ናይ ሓባር ነጥብታት ተበጊስና፡ በብእዋኑ ሕጽረታትና እንዳመላኣና ክንከይድ ዝካኣል እመስለኒ።

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ፡

ናጻ ኤርትራ ትንበር፡

ዓወት ንቃልሲ ውጹዕ ህዝብና፡

ስለ ዝሰማዕኩምኒ ደጊመ የመስግን

02.06.2018

Last modified on Sunday, 03 June 2018 19:50