ህግድፍ ጥራሕ ኣይኮነን ኣንጻርና ዝቃለስ ዘሎ

2018-05-31 06:18:50 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2254 times

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ቅያ ስርሒታቱ ናብ ዓወት ዘብጸሖ ነጥቢ እንተልዩ ሃገራዊ ስምዒት እዩ። እዚ ሃገራዊ ስምዒት እዚ ግን ሱቕ ኢልካ ብሃቦ ተረከቦ ዝመጸ ዘይኮነ ሓባራዊ ታሪኽ ብምስራሕ፡ ነዛ ሃገር ብዘይ ኣፈላላይ ከድሕንዋ ድግድጊት ስለዝተዓጥቁ እዩ። ሽዑ ከምዚ ሎሚ ብኣውራጃ፥ ብሃይማኖት ወይ እውን ብብሄር ተፈላሊዮም ነይሮም እንተዝኾኑ እዛ ሎሚ ካብ ኣፍ ሓራግጽ መግዛእቲ ተላቒቓ ዘላ ሃገር ኣይምተላቐቐትን ነይራ። ልክዕ እዩ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ናይ ሎሚ ሃገርና ምስቲ ናይ ዝሓለፉ መግዛእትታት ከወዳድሩ ከለዉ፥ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝበላለጸሉ መግለጺ ይህቡ እዮም። ንኣብነት “ግዝኣት ቱርኪ” ክብሉ ንሰምዕ ነርና ንኸውን። እዚ ማለት ቱርኪ ሕማቕ ከምዝነበረ ዝሕብር እዩ። ንጣልያን፥ ንእንግሊዝ፥ ንኢትዮጵያ፥ ንኹሎም ነናቶም እንተስ ብእወንታ ወይ ኣሉታ መግለጺ ኣለዎም።

ሃገርና ካብዚኦም ናጻ ምዃና፥ ግን ከኣ እቲ ህዝቢ ዝመሓደረሉ ምሕደራ ምስዞም ዝተጠቐሱ መግዛእቲ ብምውድዳር ዋላ ሓንቲ ዝፍለ ነጥቢ የብሉን። እታ እንኮ ነጥቢ እታ ንፈትዋ ሃገርና ብደም ደቅናን ኣሕዋትናን ዝተረጋገጸ ዋንነት ህዝቢ ምዃና እዩ። እቲ ውጽኢት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነሲቡ (ትዕድልቱ) ስለዝኾነ ብናይ ምልኪ ስርዓት ተዛዚሙ። እዚ ከኣ ሃገርናን ህዝብናን ካብ ባዕዳዊ ኣርዑት ኣብ ናይ ወዲ ሃገር ኣርዑት ምውዳቓ እዩ ዘመልክት። ስለምንታይ እያ ኤርትራ ካብቲ ኩሉ መዓት ንኽትወጽእ ንሰላሳ ዓመታት ደማዊ ኲናት ኣካያዳ ኣብ ጨቋኒ ስርዓት ወዲቓ? ዝብል ከቢድ ሕቶ ክቕልቀል ይኽእል እዩ። ምስኡ ሕውስ ኣቢልካ ድማ ናይ መን ሕመቕ እዩ ኣብዚ ኣውዲቕዋ ዝብል ውን ኣብ ኣእምሮ ለባማት ቅጅል ይብል ይኸውን፥ ክብል ድማ ናይ ግድን እዩ እምበር።

ጭቁን ሕዝቢ፥ ንነፍሱ፡ ንሃገሩን ንህዝቡን ሓራ ከውጽእን፥ ሰላም፡ ርግኣትን ፍትሕን ከንግስን እዩ ዝቃለስ። እቲ ጭቁን ህዝቢ ግን ድሕሪ ዓወት እንታይ ዓይነት ምሕድራ እዩ ዘዋጽኦ ከይተመራመረሉ ስለዝተጓዕዘ እቲ ውጽኢት ወይ ንጥቕሙ ወይ ኣንጻሩ ክኸውን ዝኽእል ነሲብ (ትዕድልቲ) ኢዩ። ነዚ ከኣ ንፍቶ ንጽላእ ክንቅበሎ ዝግበኣና እዩ። ስለዚ ነቲ ሰውራ ዝጨወየ መሓውራት ኣብ ምልጋስ ክንዲ ምቅላስ ብዛዕባ እቲ ኣሉታዊ ውጽኢት ክንቁዝም ንውዕልን ንሓድርን ኣሎና። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ስርዓት እነልግሰሉ ኣገባብ እውን ብምፍልላይና ኣብ ዘየሳኒ ውደባታት ክንወዳደብ ንርከብ። እዚ ግን ነቲ ስርዓት ኣስመራ ብምንም ዓይነት ዝሃስዮ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ንሱ ባዕሉ መታን እቲ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ነንሓድሕዱ ምትእምማን ከጥፍእ ነዳዲ ይንስንሰሉ።

ንኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ፓልቶክ ተቓወምቲ መሲሎም ንደምበ ተቓውሞ ዘየሳኒ ዝነዝሕዎ ዝነበሩ መናፍሓት ተመሊሶም ናብቲ ስርዓት ኢዶም ዝሃቡ ብዙሓት እዮም። ካብቲ ዝውንጭፍዎ ዝነበሩ መናፍሓት ሓደ “ውድባት ኣይረብሓን እየን፥ ሰሚረን ዘይቃለሳ፥ ውድባት ንስልጣን እየን ዝቃለሳ፥ እዛ ባንደራ ናትና ኣይኮነትን፥ ኤርትራ ናጻ ዝወጸትሉ ዕለት ምኽባር ኣየድልን፡ ስውኣት ምልኪ ንምንጋስ እዮም ተቓሊሶም ወዘተ” ዝብሉ ሓረጋት እዮም። እቲ ደምበ ተቓውሞ ድማ ነዘን ሓረጋት ትቕብል ኣቢሉ ኣብ ነንሓድሕዱ ይጠቓቓዕ።

እቲ ብታሕተታሕቲ ዝፍንውዎ ግን፡ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ እቶም ዘርጋሕቲ፡ ተመሊሶም ናብቲ ስርዓት ኢዶም ክህቡ ከለዉ፡ በቲ ስርዓት ዝተዋህቦም መምርሒ ኣተግቢሮም ከም ዝወድኡ እዩ ዘመልክት። ገሊኡ ተቓዋማይ ፈሊጡ ዲዩ ከይፈለጠ፡ እቶም ካብ ኣርበዓታት ኣትሒዞም ሃገርና ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ሃገር ንኽትከውን ዝተሰውኡ ከም ጠላማት፥ ጨቈንቲ፥ ንባርነት ከምተቓለሱ ኢሎም ይገልጽዎም። ኣብ ዓለም ካብ ኣሉታ ናጻ ኮይኑ ብኣወንታ ጥራይ ዝተደምደመ ታሪኽ ክሳብ ለይቲ ሎሚ የለን።
ስለዚ፡ ንታሪኽካ ብኹሉ እወንትኡን ኣሉታኡን ተቐቢልካ አቲ ናብ ኣሉታዊ ሸነኽ ዘብጸሐ ንከይድገም ምእራም ተሪፉ ሃገርን ስርዓትን ሓደ ከምዘይኮኑ ክንርዳእ ተጸጊምና ዘሎና ንመስል፡፥ ከምኡ እውን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ዝተጐናጸፎ ልኡላውነት ሃገርና ብምኽሓድ ሎሚ ብዘይካ ንወገንካ ጠርኒፍካ እምበር ናይ ሓባር ቃልሲ ዝበሃል ከምዘይእመን እውን ኢዩ ዘመልክት። ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ነቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝደልዮ ናይ ምፍልላይን፥ ምጥርጣራትን፥ ዘይምትእምማንን ምስፋን ግርም ገይሩ ይፍጸመሉ ኣሎ። እዚ ማለት ደድሕሪ ስትራተጂ ጨቋኒ ስርዓት ኢሰያስ ብምኻድና ንዕምሪ ምልኪ ነናውሖ ምህላውና ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

Last modified on Thursday, 31 May 2018 08:24