ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-05-22 06:54:18 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2085 times

ብዕለት 20.05.2018፡ ኣኼባ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ብናይ ኣቦመንበር ጨንፈር ሰናይ ምንዮትን እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን እዩ ተኸፊቱ።

ዝነበሩ ኣጀንዳታት፡

1 - ዲሲፕሊን ሰልፊ ምሕላው

2 - እዋናዊ ሰልፋውን ዞባውን ኣህጉራውን ሓበሬታት ምልውዋጥ

3 - ስደት ኤርትራውያን ደው ንምባል እንታይ ክግበር ይከኣል ዝብልን እዮም ኔሮም።

ኣጀንዳታት ቊ. 2ን 3ን ብምትሕሓዝ፡ ናይ ሃገርናን ዞባናን ኣህጉራውን ህልዊ ኩነታት ስፍሕ ዝበለ ምርድዳኣት ተኻይዱሎም።

ኣባል ሽማግለ መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ነዚ ህልዊ ኩነታት‘ዚ ዝገልጽ ብመርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራትን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታትን ዘቕረቡዎ ጸብጻባት ኣመልኪቱ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ነዚ መግለጺታትን ጸብጻባትን‘ዚ ብዝርዝር ዝገልጽ ጽሑፋት ብምድላው ድማ ንኩሎም ኣኼበኛታት ዓዲሉዎም።

ገለ ካብቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፋት ድማ፡ ኤርትራ ን26 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ባይቶ፡ ሕጊ፡ ፍርዳዊ ኣካል፡ ሃይማኖታዊ ነጻነት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ነጻነት መራኸቢ ብዙሓንን ዘየብላ፤ ብኣንጻሩ ድማ፡ ኩሉ ዓይነታት ሰብኣዊ መሰላት ምግሃስን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ሽፋን ባርነታዊ ስልቲ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣስካሕካሒ መቕጻዕትን፡ ነጻ ጉልበት መንእሰያት ኣብ ዕደናን ናይ ሓለፍቲ ትካላትን ኣባይትን ምህናጽን፡ ገደብ ኣልቦ ማእሰርትን ኣገልግሎትን፡ መግረፍትን ምስዋርን፡ ምርሻንን ጾታዊ ዓመጽን፡ ሃይማኖትካ ክትክሕድ ምግዳድን፡ ምእጋድ ምዝራብን ሓሳብካ ምግላጽን ነጻ ማሕበራት ምምስራትን፡ መሰል እሱራት ምእጋድን ብዋሕዲ መግብን ብሕማምን መግረፍትን ኣሳቒኻ ምቕታሎምን፡ ዝብሉን ካልኦት ማእለያ ዘየብሎም ዓይነት ግፍዕታትን እናተጠቕመ ብናይ ራዕዲ ምሕደራ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ምዃኑን እዩ ዝግለጽ።

Frankfurt Branch 20 05 2018

 

ድሕሪ‘ዚ መግለጺታት‘ዚ፡ ኣኼበኛታት በብሓደ ርእይቶኦም እናገለጹ፡ ሕጂኸ እንታይ ይገበር ንዝብል ሕቶ ኣብ ምምላሽ እዮም ኣትዮም። መንእሰይ ክብሮም ድማ ነቲ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ዝቐረበ ጸብጻባትን ሓበሬታታትን ኣብ እስራኤል፡ ስዊትዘርላንድ፡ ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝተራእየ ናይ ምስጓጕ ስደተኛታትን ኣብ ጅቡቲ ዝተራእየ ምእሳር ስደተኛታትን ዘርዚሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ምግሃስ መሰል ስደተኛታት‘ዚ ኣብ ኩሉ ሃገራት ብተመሳሳሊ ንክርአ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣበርቲዑ ይጽዕረሉ ስለ ዘሎ፡ ንሕና ከኣ ውሕጅ ከይመጸ መገዲ ውሕጅ ጽረግ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ኩነታት‘ዚ ከይጸልወና ክንጥንቀቐሉን ስጡም ዝኾነ ንጥፈታት ከነርእን ይግባእ ብምባል ኣተሓሳሲቡ። ኣብዚ ሰሙን‘ዚ ኣብ ስዊትዘርላንድ ዝተራእየ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብነት ብምግባር ድማ ኣብ ዘዘሎናዮ ሃገር መንእሰያት ብፍላይ ክንለዓል ኣሎና ብምባል ኣተባባዕን ኣነቓቓሕን መግለጺ ሂቡ። ብተወሳኺ ድማ ነቲ ኣብዚ ቅንያት‘ዚ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ዓለም ምሉእ ከም ኣብ ኤርትራ መሰል ሰብ ዝተሓለወሉ ሃገር የለን እናበለ፡ ነቲ ዓለም ምሉእ ዝርእዮን ዝሻቀለሉን ዘሎ ህሉው ኩነታት ብሓሶት ክገልጾን ዝቐነየ ዝርዝር መብሂ ሂቡሉ። ኣኼበኛታት ብፍላይ መንእሰያት‘ውን በብሓደ ርእይቶኦም እናሃቡ፡ ነዚ ንምዕዋት እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ምልጋስ ስለ ዝኾነ ኩላተን ተቓወምቲ ሓይልታትን ማሕበራትን ኩሉ ፍልልያተን ኣወንዚፈን ነዚ እዋናዊ ሕቶ‘ዚ ንምምላሽ ክጠራነፋ ከም ዘለወን ተማሕጺኖም። ብተወሳኺ ድማ ሰዲህኤ ነቲ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመኡ ተቢዑን ከይሰልከየ ዝሰርሓሉ ዘሎን ኣሞጒሱ። ከምኡ‘ውን ነዚ ኣብ ዕለት 02.06.2018 ኣብ ፍራንክፎርት ንመዓልቲ ነጻነት ሓቢርካ ምብዓሉ ዝብል ብህዝባዊ ምጥርናፍ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ዝተጸውዐ መድብ፡ ንሓባራዊ ስራሕ ደምበ ተቓውሞ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ብምኻኑን ኩልና ክንጽንበሮ ከም ዘሎናን ኣኼበኛ ተማሕጺኑ።

በዚ ድማ ኣኼባ ኣብ ምዱብ ሰዓቱ ብዝክረሰማእታት ተዛዚሙ።

 

Last modified on Tuesday, 22 May 2018 09:02