“ዘሕዝን እዩ” እናበልና መላኺ ክነልግስ ኣይንኽእልን

2018-05-10 16:04:18 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1826 times

ህዝቢ ኤርትራ ንሚእቲ ዓመታት ዝኣክል እፎይ ኢሉ ከየዕረፈ እነሆ ማሉ፡ ንብረቱን ደቁን እናኣወፈየ ናጻ ዘውጸኣ ሃገር ሲኦል ኮይናቶ ትርከብ ኣላ። ህዝቢ ንኽሉ ዘጋጥሞ ዝነበረ ሽግርን መከራን ከይተጠላለመ ክሳብ ሕጂ ተወጺዑ እንከሎ ምእንቲ ሃገሩ ይጽመም ኣሎ ክበሃል ይከኣል። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽመሞ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ኢልና ክንሓትት ዝግባእ እዩ። ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ገበን ዘይብሉ “ገበን ፈጺምካ” ተባሂሉ ክሳብ ዝኣምን ብርሱን ሓጺን እናተተኮሰ፥ ወይ እናተቐጥቀጠ ኣብ ስቓይ እንከሎ፥ ካብቲ ሽግር እቲ ንኽወጽእ፡ “እወ ገበነኛ እየ” ኢሉ ክቕበሎ ዘይሕሰብ ነገር እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ዘይብሉ ክንሱ ደቁን ቤተሰቡን ኣብ ትሕቲ ጎዳጉዲ ሰፊሮም እንከለዉ ምጽቃጡ “ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ”ዶ ኮይንዎ ይኸውን ዘብል እዩ።

ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለ ብዘይካ ናጽነት ናይ ፖለቲካውን ሓርነታውን ረቂቕ ቃልሲ ዘይተመኮረ ህዝቢ ካብ ጨቋኒ ስርዓት ክርዕድ ናይ ግድን እዩ። ብሓፈሻ ድማ ከምዚ ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ እቲ ህዝቢ “ካብ ኢሰያስ ኣይሕሹን እዮም” ናብ ዘብል ከምርሖን ዘይተኣማመን ከም ዝኸውን ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ካብዚ ፍርሒ እዚ ነቒሉ ድማ እዩ በቲ ቃልቃል ዝብል ሓዊ እናነደደ እንከሎ ተጠርኒፉ ነቲ ስርዓት ወጊድ ክብል ዘየኽእሎ ዘሎ።

ኮይኑ ግን እቲ ካብ ሃገር ሃጽ ኢሉ ኣብ ምንታይ ክዓልብ ምዃኑን ዘጓንፎ ቦታ ከይተረደኦን ዝጠፍእን ወይ ዝበርስን ዘሎ ዓቢኡን ንእሽትኡን ክፋል ሕበረተሰብ ኤርትራ ዓብይ ክሳራ ነታ ሃገር እዩ። ነዚ ኮነ ኢሉ ስርዓት ኣስመራ ንሱ ዘይደልዮም ክጠፍኡሉ እንከለዉ ክሕጎስ፥ ደምበ ተቓውሞ ድማ መኽሰብ ዝረኽበሉ ዘይብሉ ክንሱ ዘሕዝን እዩ ኢሉ ክሰግሮ እንከሎ ድማ ዘተሓሳስብ እዩ።

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ነዚ ወሪዱ ዘሎ ብመንፈስ ሃገራውን ሃገራውነትን ብጽንዓትን እምንቶን ዝገጥሞ፥ የለን በብናተይ እምበር ንሓንቲ ኤርትራ ኢልካ ምቅላስ ዕንወትን ክሳራን እዩ ናብ ዘብል ሓሳብ ይዛዙ ምህላዉ ተሓባባሪ ናይቲ ስርዓት ዘየብሎ ምንም ምኽንያት የለን። እዚ ኣብ ክንዲ ነቲ ወጽዓን ናብ ጥፍኣት ገጹ ዝደፍእ ዘሎን ተጻባኢ ሓይሊ ወይ ስርዓት ንምግጣም ሽምዓ ብምውላዕ፥ “ክንድዚ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፥ ክንድዚ ድማ ናውቲ ከብዶም ተወሲድዎም” እናበልካ ናይ ሓዘን ኣኼባ ምግባር ዘምጸኦ ለውጢ የለን።

ኣብ ክንዲ ተጠርኒፍካ ኣንጻርቲ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ብሓባር ምስራሓ፡ ብናይ ሓዘን መግለጽን ምእካብን ጥራሕ እዚ ስርዓት እዚ ኣይእለን እዩ። እንታይ ደኣ ደንበ ተቓውሞ ናብተን ዘለዋ ሰልፍታት ወይ ውድባት ምስታፍን ምትሕብባርን ምቁጽጻርን እዩ ክዕወት ዝኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ያኢ ቁምነገር ተረኺቡ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ደላይ ፍትሕን ዘይደላይ ፍትሕን ስም ከተውጸኣሉ ህርዲግ ምባል፡ መፍቶ እቲ መላኺ ስርዓት ምዃን ከንቱ እዩ።

ስለዚ ደላይ ፍትሕን ዘይደላይ ፍትሕን ኢልካ ኣብ ክንዲ ምፍልላይ ግደን ፍልልይን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ስቪካውያን ማሕበራትን ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣዕሚቝካ ምርዳእ ናይ ግድን የድሊ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ ብኣንጻር እተን ስቪካውያን ማሕበራት ከም ንስልጣን ተቓለስቲ ተመሲለን ምስ ፖለትካውያን ሰልፍታት ኣብ ፖለቲካዊ ናይ ስልጣን ሜዳ ዝወዳደራ ምህላወን እዩ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ወግሐ ጸብሐ፥ ምርባሕ ውድባት፡ ሰልፍታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ምድሃብ፥ ኣብ ነቲ ስርዓት ዝዓለመ ዒላማ ክንሓስብን ክንሰርሕን እዩ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ።

እቲ ስርዓት ኣብ ነንሓድሕድና ከምዘይንሰማማዕን ከምዘይንረዳድእን ካብኡ ሓሊፉ ጸገማትና ንኸይንፈትሕን ብታሕቲታሕቲ ዘዋፍሮ ብዙሕ ማሕለኻታት ክህሉ ይኽእል እዩ። ነዚ ንምብዳህ ኣብ ክንዲ ነቲ ሃገራዊ ኣዕኑድን መቖሚታትን ኣደልዲልና ንሓድነት ሃገርን ህዝብን ምስራሕ ብቃሕ ዝበለና ዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ክንጎዓዝ እንከለና፡ ነቲ ተንኮላት መላኺ ክንነቕሓሉ ኣይንኽእልን ዘለና። ቃልስና እምበኣር ነዚ መላኺ ስርዓት ኣልጊስካ ዲሞክራሲያውን ዕልማናውን መንግስቲ ምትካል እዩ። ነዚ ዝጻረር ሓይሊ እንተልዩ ድማ መንገዱ ብጋህዲ ከነጽር ይግበኦ።

Last modified on Thursday, 10 May 2018 18:10