ኣድህቦ !

2018-04-19 19:33:00 Written by  መድሃኔ ሃብተዝጊ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1613 times

እንትርፊ ንምልካዊ ስልጣን ከም መከላኸሊ ገበናዊ ተግባራቱ ዝጥቀሙሉን ካብ ምልካዊ ምሕደራ ውልቃዊ ረብሓ ዝምነይን፣ ንምብትታን ስድራቤታትን ህዝብን፣ ንብርሰት ሃገርን፣ ምብላል ኤርትራዊ መንነትን ብኣፍልጦ ብተዓዛብነት ዝምልከት ዜጋ ዋላ ሓደ የሎን።

ሎሚ ጸሎትን ምህለላን፣ ባህግን ትምኒትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ደገን ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ፍትሕን ረኺቡስ ምስኩሎም ወገናቱ እንዳ ተራኸበ፣ ክብረትን፣ መቐረትን፣ ትርጉምን ዘለዎ ኤርትራዊ ህይወት ንኸስተማቅር እዩ። ኣብ ዓድና ሰላምን ቅሳነትን ረኺብና ጸገምና ስእነት እንተዝኾነልናስ ክንደይ ኮን ምሓሸና፣ እንዳበለ ብዘለዎ ኩነታት ዘማርር ደኣምበር ሳላ ዝተሰደድና ዶላራት ሓፊስና፣ ሳላ ዶላራት ዝሓፈስና ድማ ሕጉስን ትርጉም ዘለዎን ህይወት ነሕልፍ ኣሎና ኢሉ ዘመስግን ዜጋ ኮቶ ኣይርከብን። እቲ ምንታይሲ ብፍላይ ንዓና ንኤርትራውያን ትርጉምን መቐረትን ዘለዎ ህይወት ኣብ ጥረ ገንዘብን ንዋይን ዘይኮነስ፣ ይጥዓም ይምረር ምስ ስድራኻን ቤተ ሰብካን፣ ደቂ ዓድኻን ደቂ ጎዶቦኻን፣ ምስ ዓርኪ መሓዙትካን ሓቢርካ ብምንባር እዩ ዝርከብ ዝብል ሓቀኛ እምነትን ኣምልኾን ስለዘሎና።

እዚ ባህጊ ኩሉ ኾይኑ ግን፣ ሎሚ ምናልባት ሊዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዓዱ ክስደድ ተገዲዱ፣ ገሊኡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ከንያ፣ ኡጋንዳ፣ ወዘተ፣ ገሊኡ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ፣ ስዑድ ዓረብ፣ ቀጠር፣ የመን፣ ኢስራኤል፣ ገሊኡ ኣብ ኤውሮጳ፣ ካናዳ፣ ኣመሪካ፣ ኣውስትራልያ ተዘሪኡ ይርከብ። ከም ሓደ ጭቡጥ መርትዖ ናይዚ፣ ምስቲ ምዝጉብን ዘይምዝጉብን መዓልታዊ ንስደት ዝውሕዝ ዘሎ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብዕለት 7 ሚያዝያ 2018 ዓመተ ምሕረት፣ ሓደ ኣብ ሃገረ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ንበዓል ፋሲካ/ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ብመንገዲ ሓደ ኤርትራዊ ፈነወ ራድዮ ኣቢሉ፣ ንሓያለይ ቤተ ሰቡን አዕርኽቱን ናይ ርሑስ በዓል ፋሲካ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ንሱ ኣብ ናይ ርሑስ በዓል ሰናይ ትምኒቱ ብሓፈሻ ገዲፍካ፣ ንነፍሱ ወሲኹ ናይ 44 ኣዝማድን አዕሩኽትን መሓዙትን ሰምዩ። ካብቶም ዝተሰምዩ 44 ሰባት፡ እቶም 17 ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ኮይኖም፣ ዝተረፉ 27 ካብኣቶም ግን ብስደት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ እዮም። ብምእታዊት ክረአ እንተኾይኑ ሊዕሊ 60% ካብ ቤተሰብን ዓርከ-መሓዛን ናይዚ ሰብ እዚ፡ ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበታቲኖም ይርከቡ ኣለዉ ማለት እዩ። እቶም ኣብ ከርሲ ዓዶም ኣብ በዓላትን ውራያትን ብኣካል ዝራኸቡን፣ ንምረትን ደስታን ብሓባር እንዳተቋደሱ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ዘስተማቅሩ ዝነበሩስ፣ ኣብ ተረኽቦ ነጻነታን ልዑላውነታ ዝኣወጀት ኤርትራን፣ ድሮ ሊዕሊ 60% ምእታዊት ካብኣትም ካብ ሃገር ወጺኦም ተበታቲኖም ይርከቡ። ካብዚ ዝኸፍእ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ ምብትታን ህዝብን ብርሰት ሃገርን እንታይ ክህሉ ይኽእል!!! ኣብ ገለ ገለ ስድራ ቤታት 7, 8, ውላድ ዝነበርዎ ኩሎም ንስደት ኣምሪሖም፣ ካብ ወለዶም ነቶም ብህይወቶም ዘለዉ ብዝተፈላለየ ሜላ ናብቲ ዝነብርሉ ሃገራት ስደት ክስሕብዎም ዝቃለሱ ሓያለይ ዜጋታት ክትርኢ ከሎካ ግን፣ ኣብ ገለ ገለስ፣ እቲ ምብትታን ስድራ ቤታትን እንዳታትን ክሳብ 100% በጺሑ ከምዘሎ ይረኣየካ።

ምብትታን ሓደ ህዝብን፣ ስድራ ቤታትን፣ እንዳታትን ብወገኑ ዝፈጥሮ ካልእ ጸገም ክብደቱን ምረቱን ከምዚ እዩ ኢልካ ብቀሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን። ከምቲ ብዘይ ሓድጊ ዝሞተ ሰብ ጸኒቱ ዝበሃል፣ ሓደ ህዝብውን ካብ ኩቡር ባህልታቱን ልማዳቱን ወጺኡ ናብ ባህልን ልማዳትን ኣአንገድቱ ሃገራት ተመሳሲሉ ክነብር ምስ ዝግደድን፣ ንባህልታቱን ልማዳቱን ተቀቢሉ ዝወርስን ዝትክኦን ወለዶ ከዕብን እንተዘይተዓዲሉ፣ ዕጫኡ ካብቲ ብዘይ ሓድጊ ሞይቱ ዝጸነተ ውልቀሰብ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤርትራውነትን ኤርትራዊ ክቡር ባህልታትን እውን ብመንጽሩ፣ ቀስ ብቀስ ይብለልን ይቅህምን።

ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፣ ንህልው ኩነታትና ብዓይኒ ኤርትራዊ ሕልና ንርኣዮ፣ ልክዕ ርዝነቱን ምረቱን ንኽንፈልጥ ድማ ምስ ናይ ርሑቅን ቀረባን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ነገናዝቦ።

 

Last modified on Thursday, 19 April 2018 21:34