ጋዜጣዊ መግለጺ 12 መጋቢት 2018፡ ዘ ሄግ፡ ኔዘርላንድስ

2018-03-19 21:21:25 Written by  ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንፍትሒ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1721 times

 ብኣጋጣሚ ዓለምለኻዊ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ 10 ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ዘ ሄግ ኔዘርላንድስ ካብ 8-10 መጋቢት ተኣኪበን። ``ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ይከበር`` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ ማእከላይ መደበር ባቡር ዘ ሄግ ተበጊሰን ክሳብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት (ICC) ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣካይደን። ኣስዒበን ንህልው ኩነታት ኤርትራ ብሓፈሻ ንኩነታት ደቂ-ኣንስትዮ ሃገርና ድማ ብፍላይ ምስ ኩነታት ስደት ዜጋታትን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ብምትሕሓዝ ዝዘተየን ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎን ረዚንን ዋዕላ ኣካይደን።

እቲ እግሪ ጉዕዞን ዋዕላን ንብዙሕነት ኤርትራ ዘንጸባረቐ ነበረ። ተሳተፍቲ ካብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ደቂ-ኣንስትዮ - ካብ መንእሰያት ጋዳይም ተጋደልቲ ሙያውያን (ፕሮፌሽናላት) ከምኡ`ውን ኣክቲቪስት- ዘሳተፈ ነበረ። ገለ ካብ ዓወታት እቲ ምትእኽካብ

-    እግሪ ጉዕዞ ኣንጻር ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻን ጽልዋኡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብፍላይን ብምግባር ቅዋማዊ ምሕደራን ልዕልና ሕጊ ኣብ ኤርትራ ክነግስ ጸዊዐን።

-    ብመሰረት ጸብጻባት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብምፍጻሙ ተሓታትነቱ ከረጋግጽ ምሕጽንታ ኣቕሪበን።

-   ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ዋዕላ ብቐንዱ ብኸመይ ንዓቕምታት ደቂ-ኣንስትዮ ምሕያል ይከኣል ኣብ ዝብለ ኣርእስቲ ብምዝታይ ደቂ-ኣንስትዮ ነቲ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ማሕበራውን ቁጠባውን ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ውጽኢታዊ ኣበርክቶአን ብምግባርን ተርአን ብምዕዛዝን ንሰላም ርግኣትን ልዕልና ሕጊ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ይጽዕራ

-   ንምድንፋዕ ሓባራዊ ስርሓት ኣብ ውሽጥን ኣብ ዞባናን ከምኡ`ውን ተሳታፍነትን ምምዕባል ዓቕምታት ደቂ-ኣንስትዮ ትከታተል ኣወሃሃዲት ሽማግለ ተመሪጻ

እቲ ዋዕላ ንተሳተፍቲ ነንሕድሕዶም ክላለዩ ተመኩሮ ክለዋወጡን ንደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዘጓንፎም ማሕበራዊ ግድላት ምስ ኩሉ ዓይነት ንጾታመሰረት ዝገበዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ክዝትያ ዕድል ፈጢሩ።

በቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብምሽቓል ዋዕለኛታት ንውሕ ንዝበለ ሰዓታት ብዛዕባ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ምዝታይ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባትን ማሕበራት ደቂ-ኣንስትዮን ብሓባር ክሰርሑን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ጽንኩር ኩነታት ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ንምምጻእ ክጉስጉሱ ከምዘለዎምን ደምዲሙ።

እቲ ዋዕላ ምሕዝነትን ሓድነትን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኤውሮጳን ዓለምን ኣሐዪሉ`ዩ።

ኣብ መወዳእታ ንኹሎም ፋይናንሳውን ሞራላውን ደገፋት ዘበርከቱልና ትካላትን ውልቀሰባትን ከምኡ`ውን ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ናይ ኤርትራ ናይ ሚድያ መድርኻት ነመስግን። ሓገዛትኩም ንተበግሶና ናብ ዝቕጽል መድረኽ ክብ ክነብል ኣኽኢሎና`ዩ።

ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንፍትሒ

Last modified on Monday, 19 March 2018 22:32