ፖለቲካዊ ሕቶና እንታይ ድዩ?

2018-03-10 21:19:13 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1831 times

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ዝልለየሉ ፖለቲካዊ መምዘኒታት ነዊሕ ዝርዝር ምስፋር ይከኣል። ፖለቲካዊ ባህሪኡ፡ ንሕቶ ህዝቢ ዘለዎ ምላሽ፡ ኣተሓሕዛኡ ኣብ ኩሉ መሰል ዜጋታት፡ ቁጠባዊ ፖሊሲኡ፡ ዝምድናታቱ ምስ ጐረባብትን ሕብረተሰብ ዓለምን፡ ፍልልይ ዘይጸውር ፖለቲካዊ መኣገሩ … ወዘተ እንዳበልካ እንተዘርዘርካ፡ “ እቲ ስርዓት ጸረ-ህዝብን ኩሉ መሰላቱን እዩ” ናብ ዝብል ሓጺር መደምደምታ እዩ ዝወስደካ። ብመጽር’ዚ ሕቶ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ንጹርን ንተግባራት እቲ ኣብ ሃገርና ዝዕንድር ዘሎ ስርዓት ዝጻረርን እዩ። ዕላምኡም ድማ ንህግደፍን ባህርያቱን ጸራሪግካ ብዲሞክራስያዊ፡ ፍትሓውን ቅዋማውን ምምሕዳር ምትክኡ እዩ። ብእምንቶይ ኣካላት ሓይልታት ለውጢ ክሳብ ዝኾና ዝፈላሊ ፖለቲካዊ ሕቶን ኣተኻኽኣ ስርዓት ህግደፍ የብልናን።

ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብሳላ ቅሉዕ ተግባራቱ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ፍልልይ የለን። እቲ ጸገምን ፍልልይን ጐሊሑ ዝረአ ኣብ ደንበ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ ሓሓሊፉ ዝንጸባረቕ ዘይንጹርነት እዩ። ሕቶና ኣብ ክሊ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ዘኹድድ ኮይኑ፡ ኣብ ኣተገባብርኡ ግና ዘይምስምማዕ ብንጹር ይረኣ። እቲ ብንጹር ዝረኣ ፍልልያት ገሊኡ ብድኽመትና ዝፈጠርናዮ፡ ገሊኡ ግና ከጋጥም ባህርያዊ ዝኾነ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ኣብ ኣመላልሳ እቲ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ሕቶና ዝረአ ነጸብራቕ፡ ናይቲ ኣብቲ መሰረታዊ ሕቶ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሕዛኡን ዘሎ ዘይንጹርነት እዩ ዝብሉ ወገናት ብዙሓት እዮም። ካብዚ ነቒሎም ድማ ኣብቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ንሕቶ ሃይማኖት ዘምርሕ፡ ኣብ ባህርያት ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት ካብ ዘለዎ ቅኒት እዩ። እቲ ንሕቶ ብሄራት መሪሕ ጭረሖኡ ዝግበር እውን ከምኡ። እቲ ነዚ ክልተ ጫፋት ቅድሚት ዘይሰርዕ፡ ንኤርትራዊ ብዙሕነታዊ ዋልትኡ ገይሩ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ክምልስ ዝቃለስ ከኣ ኣብ ኣገላልጻ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ናቱ ዝተፈልየ ቅኒት ዘለዎ እዩ።

እቲ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ “ቅዋማዊት” ንዝብል ሓረግ ምጉላሕ፡ ቅዋማውነት ካብ ሕጂ ጀሚሩ እግሪ ክተክል ኣለዎ ካብ ዝብል ኣርሒቑ ዝርኢ ኣተሓሳስባ ዝነቅል ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ካልእ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታትና እነስፍሮ ፖሊሲታት እውን ኣብ መጻኢ ናይ እንምረሓሉ ቅዋም መሰረት ንኽከውን እነማዕድወሉ መምዘኒና እዩ። ስለዚ ሎሚ ናይቲ እንቃለሰሉ መደብ ዕዮ ኮነ ንምረሓሉ ውድባዊ ይኹን ሰልፋዊ ቅዋም ምእዙዛት ምዃንን ዘይምዃንን ነቲ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ዝምስረት ስርዓት “ቅዋማዊ ክኸውን እዩ” እንብሎ ዘለና ትብዓትን ድሉውነትን ዘመልክት እዩ። “እተጽግበኒ ቅጫ ኣብ መቑለኣ እንከላ እፈልጣ” ከም ዝበሃል ምስላ ቀዳሞት። ቅዋማዊ ምዃን ከኣ ብዛዕባኡ ደጋጊምካ ብምጽሓፍን ቅዋም ከተግብሩ ሓላፍነት ንዝተዋህቦም እሞ በቲ ንስኻ እትደልዮ ንዘይከዱ ኣካላት ብምንቃፍን ምንእኣስን ዝረጋገጽ ኣይኮነን።

እዚ ኣብ ናይዚ እዋን ፖለቲካዊ ሕቶናን ኣተሓሕዝኡን ዝንጸባረቕ ፍልልይ መንቀሊኡ ብዘየገድስ ምኽሳቱ እምብዛ ዘግርምን ዘሻቕልን ኣይመኾነን። ንቕድሚት ከይንጐዓዝ በዚ ፍልልያትዚ ምዕጋትና ግና ዘገርምን መመሊስና ነንውሽጥና ክንምርምር ዘገድድን እዩ። ከምቲ ግቡእ ነዚ ፍልልያት ፈጺምና ከነወግዶ’ኳ እንተዘይከኣልናን እንተዘይተገደድናን ኣመሓዲርናዮ ንቕድሚት ከይንስጉም ቀፊዱ ዝሕዘና ክኸውን ግና ኣይመተገብኦን። እቲ ሕቶኻ እንታይ ምዃኑ ከተነጽር ምብቃዕ ፍርቂ ፍታሕዩ” ዝበሃል ብሂል ከኣ ኣባና ዝረአ ዘሎ ይመስል።

ብመንጽር እቲ ክትግበረልካ እትጽበዮ ኣተሓሳስባ ኣብ መስርሕ ፍልልያት ከጋጥም ባህርያውን ዘየሰንብድን እዩ። እቲ ዘጋጥመና ዘሎ ግና ዝፈላሊ ጥራይ ዘይኮነ እንትላይ ዘሰማምዕ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ካብቲ ዝፈላልን ዘሰማምዕን ነቲ ምስ ዕላማኻ ዝሰማማዕ ኢኻ እትመርጽን እተዕኩኽን። ስለዚ እቶም ሓይልናን ተዓዋትነትናን ኣብ ሓቢርካ ምቅላስ ምዃኑ ሃብታም ተመኩሮ ዘለና ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ እቲ ከነዕብዮ ዝግበኣና እቲ ዘመሳስለናን ብሓባር ዘጓዕዘናን እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ነቲ ዝሰፍሐ፡ ብሓባር ዘጓዕዘናን ምስጢር ሓይልና ምዃኑ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸን ኣነኣኢስካ፡ ኣብ ናይ “ፍልልይ ዕበይለይ ዕበይለይ” ሓሸውየ ምእታው ግና ዝኾነ ሕብርን ቅጽልን እንተተወሰኾ፡ ካብ ንረብሓ እቲ ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘየብሉ ጨቋኒ ስርዓት ግዳይ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ውድባትና፡ ሰልፍታትናን ማሕበራትናን ነናቶም ኣተሓሳስባ ብዘለዎምን ኣብ ቃልሲ ዝተሰለፉን ሰባት እየን ዝቖማ። እዞም ዘቑምወን ሰባት ነናቶም ዝሕበንሉ ክብደትን ክብርን ኣለዎም። ከም ኣካል ብሓባር ክቃለሱ ምስ ፈቐዱ ከኣ በቲ እኩብ ናይ ሓባሮምን ብሕጊ ዘጸንበልዎን ኣተሓሳስባ እምበር ብውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ኣነነት ኣይኮኑን ዝንየቱ። ብተግባር ከም እንርእዮ ግና ኣብ መንጎ እቲ ካብ ውልቃዊ ኣነነት ዝነቅል ኒሕን ኣብ ጹረትን ምክእኣልን ዝምስረት ናይ ሓባር ኣተሃላልዋን ምድውዋሳት ይረአ እዩ። እቲ ብሰንኪ መሰረታዊ ዘይኮነ ጉዳያት፡ ናብ ምፍንጫል ዝመጣጠር ፍልልያትን ምርሕሓቕን ክፍጠር እንከሎ፡ ብዛዕባ ጠንቁ ክንዛረብ እንከለና “ብሰንኪ ናይ ሰባት ባህሪ ዘይምቅዳውን ንኡስ ምምሕዳርዊ ሕጽረትን ዘጋጠመ እዩ” እንብሎ ከኣ ነዚ ዘነጽር እዩ። ኣብ ከምዚ ነካይዶ ዘለና ኰርኳሕ ጉዕዞ ቃልሲ፡ ጸገማት ክፍጠር እንከሎ እቲ ፍታሕ ካብቲ ጸገም ምርሓቕ ከምዘይኮነ ምርዳኡ ዘጸግመና ኣይመስልንን። ብመሰረቱ እውን ንጸገም ናተይ ኢልካ ተቐቢልካ እምበር ካብኡ ብምህዳም ኣይኮነን እትፈትሖ። ምኽንያቱ ጸገም ስንኻ ነኺስካን ተጸሚምካን ምስኡ እንዳነበርካ እንተዘይፈቲሕካዮ፡ ኣብቲ ዝኸድካዮ’ውን ክስዕበካ ናይ ግድን እዩ። ንስኻ ክትሃድም እቲ ጸገም ክስዕበካ ምንባር ከኣ ኣጸጋሚ እዩ። ናብቲ ቀንዲ ርእሰ ነገርና ክንምለስ ጸገምና ኣብ ውህደት ፖለቲካዊ ሕቶና ከይከውን ኣስተብህሎ ዘድልዮ እዩ።

Last modified on Saturday, 10 March 2018 22:20