ሰንደቕ ዓላማ ወይ ባንዴራ እንታይ‘ዩ ትርጉሙ?

2018-02-19 20:08:11 Written by  ታደሰ ኣስመላሽ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2804 times

ኣብ ኣኼባ ጨንፈር ብብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ ዝቐረበ ኣስተምህሮ 

ሰንደቕ ዓላማ ወይ ባንዴራ እንታይ‘ዩ ትርጉሙ?

ብቐዳምነት ባንዴራ ዝብል ቃል (ከም ቃል) ኣብ መወዳእታ 14 ክፍለ ዘመን እስጳኛውያን ንወተሃደራዊ ኣሃዱታቶም መጸውዒ እጥቀሙሉ ምስ ነበሩ ብእእኡ ጌሩ ድማ ኣብ ሃገርና ምስ መግዛእቲ ጣልያን ዝመጸና ቃል እዩ። ንነዊሕ ግዜ ስለ ዝተጠቐምናሉ ግን ከም ቋንቋና ተቐቢልናዮ ጸኒሕና ኢና። ብትግርኛ ግን ሰንደቕ ዓላማ ይበሃል። ሰንደቕ ዓላማ ድማ ምልክት ወይ መለለዪ ማለት እዩ።

ሰንደቕ ዓላማ ብኸመይ ተጀሚሩ?

ብዙሓት ብዛዕባ ሰንደቕ ዓላማታት ዘጽንዑ ተመራመርቲ (Vexillologists) ከም Tim Marshal, Whitney Smith ዝኣመሰሉን ካልኦትን ከም ዝብሉዎ፡ ሰንደቕ ዓላማ ቅድሚ ሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ ምዃኑ ምልክት (Symbol) ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ኔሩ። ኣብ ዝተፈልየ እዋናት ግን ሃገራት ከም ሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማአን ክጥቀማሉ ጀሚረን። እዚ ንብሎ ዘሎና ምልክት መዓስ ከም ዝተጀመረ ክሳብ ሕጂ ሓደ ፍሉይ እዋን ክትጠቅስ ኣሸጋሪ እዩ፤ ግን በብግዜኡ ገለ ናይ ቅርሲ ተመራመርቲ፡ መሬት ፍሒሮም ዘዝረኸቡዎ ሓበሬታታት እናመርመሩን እናኣጽንዑን ክሳብ ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ገለ ነገስታት ኣብ ቤተ-መንግስቲ እጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ እዩ ዝሕበር። ንኣብነት ኣብ ሻህዳድ (ኢራን) ኣብ 3ይ ክፍለ-ዘመን ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ብእምኒ ዝተወቕረ ቅርጺ ናይ ባንዴራ ዘለዎ ከም ዝተረኽበ ይሕበር። ኣብ ቻይና‘ውን ኣብ ግዜ ዞው ሰርወ መንግስቲ (Zhou Dynasty) ቅድሚ 1000 ዓመት ቅ.ል.ክ. ናይ ንጉስ ምልክት ጻዕዳ ባንዴራ እጥቀም ከም ዝነበረ ይጥቀስ እዩ። ኣብቲ ግዜቲ ገለ ነገስታት ካብ ዕንጨቲ ካብ ብሮንዝን ዝተወቕረ እምንን ከም መለለዪ ንግስነቶም እጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ እዩ ዝፍለጥ። ቀጺሉ ድማ ባሕረኛታት መራኽቦም ናይ ኣየናይ መንግስቲ ምዃነን ከም መለለዪ ይጥቀሙሉ ኔሮም። ጸኒሑ‘ውን እቲ መለለዪ ወይ ባንዴራ ኣብ ግዜ ውግእ ሰራዊቶምን ጸላኢኦምን ንከለልዩሉ ዝሕግዞም ስለ ዝኾነ ሒዞሙዎ ክንቀሳቐሱ ስለ ዝጀመሩ፥ ምስካሙ ምእንቲ ክፈዅሰሎም ብጨርቂ ዝተሰርሐ ባንዴራ ቀይሮም እጥቀሙሉ ኔሮም። ኣብ 1095 ዝተጀመረን ንገለ ዓመታት ዝቐጸለን ብናይ መስቀላውያን (ክሩሰይድስ) ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ኤውሮጳውያንን ኣዕራብን ዝነበረ ውግእ‘ውን በባንዴርኦም ሒዞም እዮም ዝዋግኡ ኔሮም። ኣብ 5ይን 6ይን ክፍለ ዘመን‘ውን ኣዕራብ ኣብ ውግኣት እጥቀሙሉ ኔሮም እዮም።

ብድሕሪ ገለ እዋናት‘ውን ቻይናውያን ብሃሪ (Silk) ሃብታማት ስለ ዝነበሩን ክሳብ ብሲልክ ሮድ (Silk Road) ዝፍለጥ ንግዲ ናይ ሃሪ ንኤውሮጳውያን እልእኩ ኔሮም፡፡ ሃሪ ድማ ክቡርን ድልዱልን መልክዕ ዝህብ መጋየጽን ስለ ዝኾነ ንጉሳውያን ቤተሰብን መራሕቲ ሃርማኖትን ጎይቶትን እዮም ዝጥቀሙሉ ኔሮም። ቻይናውያን ኣብ ሃገሮም ንመጀመርያ ነቲ ብዓለባ ዝነበረ ባንዴራ ብሃሪ ከም ዝስራሕ ጌሮሞ። ብዓለባ ዝተሰርሐ ባንዴራ ብፍላይ ቅብኣት ወይ ሕብሪ ምስ ተቐብአ ስለ ዝኸብድን ብቐሊል‘ውን ንፋስ ከንበልብሎ ስለ ዘይክእልን፥ ብኣንጻሩ ግን ብሃሪ ዝተሰርሐ ምስ ዝኸውን ፈዂስን ተሪርን ንፋስ ብቐሊሉ ዘንበልብሎን ስለ ዝኾነ፡ ቅድም ኣዕራብ ነቲ ብሃሪ ምጥቃም ካብ ቻይናውያን ወሪሶሞ ጸኒሖም‘ውን ኤውሮጳውያን ተጠቒሞሙሉ፡ ከምኡ እናበለ‘ውን ናይ ምሉእ ዓለም ኣህዛብ ተጠቒሞሙሉ።

ሰንደቕ ዓላማ ናይ ባሕረኛታት መራኸብን (Communication) ኣብ ውግእ መለለይ ሰራዊትን ጥራሕ ጌሮም ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ፡ ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ ግን መንግስታት ከም ሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ ክጥቀማሉ ጀሚረን። ስኮትላን ብ9ይ ክፍለ-ዘመን ኣውስትርያ ብ12 ክፍለ ዘመን ደንማርክ ድማ ብ13 ክፍለ-ዘመን ንመጀመርያ ግዜ ከም ሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ ክጥቀማሉ ጀሚረን። ተኸቲለን እውን ኩለን ሃገራት ዓለም ሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ ክጥቀማ ጀሚረን። ብፍላይ ኣብ መበል 17ን 18ን ክፍለ-ዘመን ዳርጋ ዝበዝሓ ካብተን ነጻ ዝነበራ ሃገራት ዓለም ሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ ተጠቒመን። እተን ኣብ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ድማ ናይተን ገዛእተን ሰንደቕ ዓላማ ይጥቀማ ኔረን። ካብ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ክሳብ እዚ ዘሎናዮ እዋን ድማ በብቑሩብ ብዙሓት ሃገራት ነጻ እናወጻን ነናተን ሰንደቕ ዓላማ እናኣውጽኣን ይኸዳ ኣለዋ። ካብ 1965 ጀሚሩ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ኣብ ነፍስ-ወከፍ 2 ዓመት መዓልቲ ባንዴራ እናተባህለ ብደረጃ ዓለም ይብዕል ኣሎ። ኣብዚ ግዜ‘ዚ ዝኾነት ሃገር ከም መለለዪ ልኡላውነታ ዝኾነ ሰንደቕ ዓላማኣ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለማዊ ትካላትን ይኹን ኣብ ካልእ ዞባዊ ማሕበራትን ትካላትን ተሰቒሉ ንረኽቦ። ስለዚ ሰንደቕ ዓላማ ስም ወይ መለለዪ ናይ ሓንቲ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ማለት‘ዩ።

ሰንደቕ ዓላማ ዝህቦ ጥቕምን ትርጉምን

ዝኾነ ሰብ ሰንደቕ ዕላማ ናይ ዝኾነት ሃገር ክርኢ እንከሎ፡ ሓንቲ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር እያ እትረኣዮ። ናይ ሃገርካ ሰንደቕ ዓላማ ክትረኣየካ እንከላ ግን ብቕርጻን ብሕብርታታን ብኣብኣ ተለጢፉ ዘሎ ምልክትን ዝህበካ ትርጉምን ስምዒትን፡ ምልክት ሃገር ጥራሕ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ካልእ ታሪኽን ጀእግራፊካዊ ዋንነትን ሃገራውነትን ተስፋን መጻኢ ሕልምታትን እዩ ዝረኣየካ። ከምኡ ድማ ንካልኦት ኣህዛብ በባንዴራኦም ስሚዒታትን ትርጉማትን ይህቦም። ንሓደ ህዝቢ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰንደቕ ዓላማ ስምዒት ኣይህቦን እዩ። ትርጉማ ንዋናታታ እዩ ስምዒት ዘሕድረሎም።

ሰንደቕ ዓላማታት እውን ተመሳሳልነት ዘለዎምን (Flag Family ወይ sister flags) ፍሉያት ዝኾኑን ኣለዉ። ንሱ ድማ ካብ ሓባራዊ ታሪኽ ናይቶም ኣህዛብ ዝብገስ እዩ። ንኣብነት ፓን ኣፍሪካን ሕብርታት ዝበሃሉ ቀጠልያን ብጫን ቀይሕን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጥቀማሉ እዩ። ኣብ 1896 ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ዓድዋ ንወራር ጥልያን ስለ ዝሰዓረቶ፡ እዚ ድማ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃውያን ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናይ ጸለምቲ ህዝቢ ንኤውሮጳዊት ወራሪት ሃገር ስዒራ ንሃገራ ካብ መግዛእቲ ዘድሓነት ስለ ዝኾነት፡ ንጉስ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግዜቲ ሃጸይ ምነሊክ ካልኣይ ንመጀመርያ ኣፍሪቃዊ ሰንደቕ ዓላማ፥ ቀጠልያ (ንልምዓት ሃገር ዘመልክት) ብጫ (ንመሰል ሃይማኖትን ሰላምን ዘመልክት) ቀይሕ (ንሃገር ንምክልኻል ዝተሰውኡ ህዝቡ ዘመልክት) ሰንደቕ ዓላማ ገበረ። ጸኒሖም‘ውን ናይ ጸለምቲ ኮሙኒቲ ማሕበራት ንሕሰምን ባርነትን ታሪኽ ኣፍሪቃውያን ዝገልጽ ነቲ ብጫ ብጸሊም ሕብሪ ተክእዎ። በዚ ድማ ቀጠልያን ብጫን ቀይሕን ጸሊምን ከም ፓን ኣፍሪካን ሕብሪታት ይፍለጥ።

ፓን ዓረብ ዝበሃሉ ሕብርታት‘ውን ኣብ 1916 ዝነበረ ሰውራ ዓረብ ኣንጻር ናይ ቱርኪ ዑስማናዊ መግዛእቲ ዝጥርንፎም ናይ ፓን ኣራቢዝም ምልዕዓል ካብ ቀይሕን ጻዕዳን ጸሊምን ቀጠልያን ዝሕብሮም ባንዲራታት ጌሮም እዮም ተጠርኒፎም ተቓሊሶም። እዞም ሕብርታት እዚኣቶም ቅድሚ እዚ ምልዕዓላት እዚ‘ውን ዓረባውን እስላማውን ታሪኽ ናይ ሃይማኖትን ዓረብነትን ስለ ዝነበሮም ኣብ ኣዕራብን እስላማዊ ሃገራትን ሃገራት ዝውቱራት እዮም ኔሮም። ኣብዚ ግዜ‘ዚ እውን ብዙሓት ካብኣተን ነዚ ሕብርታት እዚ ይጥቀማ ኣለዋ።
ብዙሓት ኤውሮጳውያን‘ውን ከምኡ ናይ መስቀል ባንዴራታት እጥቀሙ‘ዮም። እዚ‘ውን ምስቲ ደንማርክ ትጥቀመሉ ዝነበረት ሃይማኖታዊ ውግእ ታሪኽ ዝተተሓሓዘ እዩ። ሃገራት ላቲን ኣመሪካ እንተኾና‘ውን መብዛሕትአን ብሰውራ ጌረን ነጻነተን ስለ ዝወጻ ሰንደቕ ዓላማአን ነናተን ናይ ሰውራ ታሪኽ ትርጉም ዝህብ ሕብርታት እየን ዝጥቀማ። ኣብኣተን‘ውን እንተኾነ ነናይ ዞባአን ተመሳሳልነት ዘለዎ ሕብርታት ምስቲ ተመሳሳሊ ታሪኸን ዝዛመድ እጥቀማ እየን። ኣብ እስያን ምብራቕ ኤውሮጳን‘ውን ነናተን ታሪኻዊ መግለጽታት ዘለዎ ሰንደቕ ዓላማታት ኣለወን። ብዙሓት ሃገራት ኣስላም‘ውን ፍርቂ ወርሕን ኮኾብን ይጥቀማ እየን። እዚ ድማ ቅድም ዑስማናውያን ገዛእቲ ንፍርቂ ወርሒ (Crescent) ናይ ባሕረኛታቶም (Navy) ምልክት ስለ ዝነበረት ጸኒሖም ምስ እስላማዊ ሃይማኖታዊ ታሪኽ ኣተሓሒዞም ከም ሰንደቕ ዓላማ እጥቀሙላ ኔሮም። ቱርኪ‘ውን ሕጂ ከም ሰንደቕ ዓላማኣ እያ እትጥቀመላ ዘላ። ከምኡ‘ውን ካልኦት እስላማዊ ሃገራት።

ካልኦት ናይ ኣህጉራዊ ወይ‘ውን ዞባዊ ከምኡ‘ውን ናይ ገለ ትካላት ዓለም ሰንደቕ ዓላማታት‘ውን ንሓድነት ኣህዛብን ኣህጉራዊ መለለይታትን ዝጠቕሙ ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ሕቡራት ሃገራት (UN 1947): ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ (1963)፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ (1955)፡ ቀይሕ መስቀል (1864)፡ ቀይሕ መስቀልን ወርሕን (1919)፡ ኦሊምፒክ (1913) ወዘተ… :: ብዙሓት ናይ ንግዲ ማሕበራት ይኹና ካልኦት ሲቪክ ማሕበራት‘ውን ከም መለለይአን ዝጥቀማሉ ባንዴራታት ኣለወን።
ካብዚ ዝተጠቕሰ መጽናዕትታት ናይ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት እምበኣር ገለ ካብቲ ሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማታት ዝህቦ ስምዒታትን ጠቕምታትን እዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይካኣል፡-
1 - ልዑላውነት ሃገር (Sovereignty)
2 - ሃገራዊ ስምዒት (Nationalism)
3 - ሓርበኝነት (Patriotism)
4 - ሓድነት ህዝብን ሃገርን (Unity)
5 - ጀኦግራፊካዊ ዋንነት መሬትን ባሕርን
6 - ታሪኽ ናይ ሃገርን ህዝብን (ተዘክሮ ዝሓለፈን ንዝመጽእ ወለዶ ትምህርትን)
7 - ባህልን ክብርታትን ወግዕታትን ናይ ህዝቢ (Culture, Values and norms)
8 - ስምዒት ሃገርነት (Feeling of nationhood)
9 - ምልክት ፖሊቲካዊ ስልጣን ህዝብን መንግስትን ምዃኑ (Political power)
10 - መንነት ናይ ህዝቢ (identity)
11 - ምልክት ዓወትን ሞራል ንወተሃደራትን ብፍላይ ኣብ ውግእ
12 - ተስፋን ሕልምን ናይ መጻኢ ( Hopes and dreams)

ሰንደቕ ዕላማታት እምበኣር ምስቲ ዝተፈላለየ ሕብርታቱን ኣብኡ ዝልጠፍ ምልክታትን (Emblem and colour) ዝህቦ ፍሉይ ትርጉማቱ ከምዚ ዝተጠቕሰ ክኸውን እንከሎ፡ ንሓደ ብብሔር፡ ብዓሌት፡ ብባህሊ፡ ብቋንቋ፡ ብሃይማኖትን ካልእ እምነታትን ወይ ኣተሓሳስባታትን ዝተፈላለየ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ሰንደቕ ዓላማ ጠርኒፉ ሓድነታዊ ስምዒት ዘሕድረሉ እዩ። እዚ ግን እታ ሰንደቕ ዓላማ ምስ ኩሉ ምልክታታን ሕብርታታን ብምሉኡ እቲ ሕብረተሰብ ናይታ ሃገር ዝድግፋን ባዕሉ ዝመረጻን ምስ እትኸውን እያ ሓድነቱ ከተዕቝበሉ እትኽእልን፡ ብእኣ ክሕበንን ክኾርዕን ዝኽእልን ክስውኣላ ድሉው ዝኸውንን። ሰንደቕ ዓላማ ብጨርቂ ደኣ ትሰራሕ እምበር ጨርቂ ኣይኮነትን። ሰንደቕ ዓላማ እቲ ኩሉ ዝተጠቕሰ እያ። ሰንደቕ ዓላማ እምበኣር ህዝቢ’ያ። ሃገር ድማ’ያ።

እዚ እናኾነ እንከሎ ግን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰንደቕ ዓላማታት ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዘስምርን ሃገራዊ ስምዒቱ ዘዕቁበሉን፡ ፈላላይን ክሳብ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ዘእቱን ዘፋልስን ኮይኑ ንልዑላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ይኸውን።

እንታይ ኮን ይኸውን እቲ ጠንቂ?

ልክዕ ከምቶም ሃገራዊ ቅዋም፡ ሃገራዊ መዝሙር፡ ሃገራዊ ቋንቋ፡ ሃገራዊ ባጤራ፡ ጉዳይ መሬት … ዝኣመሰሉ ጉዳይ ህዝቢ ዝኾኑ፡ ሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ’ውን ጉዳይ ህዝቢ’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ ኩላቶም ብህዝቢ ክውሰኑ ይግባእ። ሓደ ምልካዊ ስርዓት ነዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ንህዝቢ ዘይውክሉ ጌሩ ኣቚሙዎምን ክግልገለሎምን እንተደኣ ጸኒሑ ድማ፡ ዕድመ ናይዞም ጉዳያት እዚኦም ምስ ዕድመ ስልጣኑ’ዩ ዝውዳእ። በዚ ምኽንያት ድማ ሓደ ከምዚኦም ዝበሉ ስርዓታት ብዕልዋ ይኹን ብኻልእ መገዲ ክቕየር እንከሎ፡ ኩሎም እዞም ዝበልናዮም ጉዳያት በቶም ድሕሪኡ ዝመጹ ስርዓታት ይቕየሩ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ እንተረኣና፡ ኣብ ግዜ ንጉስ ሃይለ ስላሰን ኣብ ግዜ ደርግን ኣብ ግዜ ኢሂኣደግን እዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት እዚኦም ኩሎም እናተቐያየሩ እዮም መጺኦም። ናይ ደንማርክ ሰንደቕ ዓላማ ጥራሕ እያ ካብ 700 ዓመት ንላዕሊ ጌራ ዘላ ከይተቐየረት። ኣብ ካልኦት ሃገራት ግን ብፍላይ ኣብዘን ወግሐ-ጸብሐ ዕልዋታት ዝካየደለን ኩሉ እዚ ጉዳያት እዚ እናተቐያየረን እናተተኻኽአን እዩ ዝኸይድ።

መደምደምታ፡-
ብዙሓት ምልካውያን መራሕቲ እምበኣር ኣብ ክንዲ ንስምዒታትን ታሪኽን ክብርታትን ህዝቢ ዝውክል፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ወይ ስድራ-ቤቶም ውልቃዊ ዝና፡ ወይ ታሪኽ ዓሌቶም፡ ብሔሮም፡ ሰልፎም ወይ ውድቦም ወይ’ውን ሃይማኖቶም ዝነበረ ኣርማታት፡ ዝውክሎም ቅርጽታትን ምልክታትን ዲዛይን ጌሮም ኣግላሊ (exclusive) ዝኾነ ሰንደቕ ዓላማ ሰሪሖም፡ ንህዝቢ ኣገዲዶም እዚኣ’ያ ሃገራዊት ሰንደቕ ዓላማኹም ተቐበሉዋ ብምባል እዮም ዝእውጁሉ።

እዚ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ህዝቢ ብሰንደቕ ዓላማታት ዝበኣስ። ገዛእቲ ሓይልታት’ውን እንተኾነ ናትካ ሰንደቕ ዓላማ ኣውሪዶም ናቶም ሰንደቕ ዓላማ ክትቅበል እዮም ዘገድዱኻ። ወጻእተኛታት ገዛእቲ ኤርትራ’ውን እዚ ስለ ዝገበሩ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ንሰንደቕ ዓላማኡ ወይ ልዑላውነቱ ንምዕቋብ፡ ምስ ኩሉ ፍልልያቱ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ሰንደቕ ዓላማ ተጠርኒፉ ብሓድነት፡ ንነጻነት ሃገሩን፡ መንነቱን፡ ክብሩን መሰሉን ተቓሊሱ ሃገሩ ነጻ ዝገበረ። ንሕና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎና ደለይቲ ፍትሒ እምበኣር፡ ሰንደቕ ዓላማ ንኩሉ ህዝቢ እታ ሃገር ዝምልከት ጉዳይ ምኻኑን፡ ብሓደ ወይ ውሱናት ውድባት ወይ ክፍሊ ሕብረተሰብና ጥራሕ ከም ዘይውሰን ተረዲእና፡ ኣብዚ ዘሎናዮ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ግዜ ብሰንደቕ ዓላማ ክንሰሓሓብ ኣይግባእን እዩ’ሞ፡ ቀዳምነታት ናይ ቃልሲ ዕማማትና ሰሪዕና፡ ሓቢርናን ሓድነትና ኣረጋጊጽናን ተጠርኒፍና ንመላኺ ስርዓት ንምውዳቕን ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓንን ክንቃለስ ይግባእ። ጉዳይ ባንዴራ ግን ጉዳይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ንህዝባዊ ውሳኔ ዝግደፍ እዩ፡ ናይ ሕጂ ዋኒንና ድማ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ መንእሰያትና ከም መሳሓሓብን መፈላለይን ክጥቀምሉ ኣይግባእን።

     

Last modified on Monday, 19 February 2018 21:23