ኤርትራዊ መንነትና’ዩ ክብርኽ ዝግበኦ!

2018-01-13 19:53:58 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2126 times

ኤርትራውነት ንኹልና ኤርትራውያን ብማዕረ ዝብጸሓና ዜግነታዊ መለለይና እዩ። እቲ ኣብ መስርሕ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝፍጠር ሓላፍዘላፍን  ሓደ ልዕሊ እቲ ካልእ ምስራዕ ዝመስልን ምፍልላይ ከቶ ነቲ “ዜግነታና ንኹልና ብማዕረ ዝብጸሓና መለለይና እዩ” ዝብል ኣምር ዝቕይሮ ኣይኮነን። እዚ ኤርትራዊ ዜግነት ወይ ናይ ሓባር መለለዪ ኣብ ሓደ ጀኦግራፊያዊ ክሊ ስለ እንነብር ጥራይ እንውንኖ ዘይኮነ ኪኖቲ ጀኦግራፊያዊ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ሓባር ታሪኽን ዓሚቕ ርዝነትን እውን ኣለዎ።

ኣብ ትሕቲ እዚ ክንቕነቕ ዘይግበኦ ናይ ሓባር ዜግነትና ዝስራዕ ካልእ “ኣነ ከምዚ እየ” እንብለሉን ነቲ ዝሰፈሐ ሓድነትና ዘራጉድን እምበር ዘይጻረር ናይ መንነት መግለጽታት እውን ኣለና። ኤርትራዊ፡ መንእሰይ፡ ጓዳለንስተይቲ፡  ተመሃራይ፡ ሰራሕተኛ፡ ሓረስታይ፡ ናይዚ ቋንቋዚ ተዛራቢ፡ ናይ ከምዚ ሃይማኖት ሰዓቢ፡ ናይዚ ብሄርዚ ኣባል፡ ናይዚ ከባቢ ነባሪ፡ ናይዚ ሞያዚ ክኢላ …. ወዘተ እንዳበልና ንገዛእ ርእስና እነፋልጠሉ መንነት እውን ኣለና። እዚኣቶም እውን ከምቲ ንኤርትራዊ ዜግነትና እንሕብሕቦን እንሕልዎን ምክንኻንን ሓለዋን ዘድልዮም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነፍስወከፍ እዞም ናይ መንነት መለለይታት ነቲ ሰፊሕ ጠማሪ ኤርትራውነት ብዘይጻባእ መንገዲ ክምዕብሉን ክውደቡን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ምኽንያቱ ንሓያልን ጽኑዕን ኤርትራውነት ዝምግብዎን ዝሕይልዎን ንሳቶም ስለ ዝኾኑ። ምእንቲ እዚ ኢና ከኣ ኣብ ትሕቲ ጻላል ኤርትራውነት ንዝተፈላለየ ውዳበታት እነተባብዕን ንቐጻልነቶም እንጽዕትን። ኣብ ክንዲ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ዜግነትን እቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘጽልል መንነታትን ዘሎ ዝምድናን ምድግጋፍን ሚዛናዊ ዝኸውን ሓላፍ ዘላፍ እንተኾይኑ፡ እቲ ህላወ ስጡም ኣይከውንን እዩ። ኤርትራዊ ዜግነት ነቲ ካልእ ዓማጺጹ ሚዛናውነት ብዝጐደሎ እንተነጊሱ ጭቆናን ምግሃስ መሰላትን እዩ ዝወልድ። ብኣንጻሩ እቲ ሓቛፊ ኤርትራዊ ዜግነት ሃሲሱ፡ እቲ ካልእ ናይ መንነት መግለጽታት ዝያዳ ሰዊዱ ከኣ ሓድነትን ዜግነትን ይዳኸም እሞ በበይንኻ ምውፋር ዕድል ይረክብ። በበይንኻ ምውፋር ከኣ ናይ ሓባር ሓይሊ ዘዳኽም እዩ። ስለዚ ዜግነት ዝማእከሉ ሚዛን ምሕላው ኣድላይን ኣገዳስን እዩ።

ንሕና “ኤርትራውያን ኢና” ክንብል እንከለና ዜግነትና ካብ ምሕባር ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ ዘለዎ ኣይኮነን። ምናልባት ገለ  ነዚ ኣበሃህላ ብግጉይ ተረዲኦም ከም ናይ ኣነነትን ትምክሕትን መግለጺ ገይሮም ክወስድዎ ዝፍትኑ ኣለዉ። እዚ ዜግነታዊ መንነት ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ዱብ ኢሉ ዝመጽእ ጸጋ ዘይኮነ፡ ብናይ ቃልሲ መስርሕ ዝጥረን ቀጻሊ ምሕብሓብ ዘድልዮን ኮይኑ፡ እንዳማዕበለ ዝኸይድ እዩ። ኤርትራውያን ነዚ ዜግነታዊ መንነትና ንምርካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ኣንጻር ኤርትራዊ መንነት ንዝተላዕሉ ወረርትን ገዛእትን ተቓሊስና ብምስዓር ዝዓቀብናዮ ውጽኢት ጅግንነትን መስዋእትን እዩ። ዜግነትና ኣብ ኤርትራዊ ክሊ ንእንነብር ህዝቢ ዝወሃብ እዩ ክንብል እንከለና፡ እዚ ሕጂ “ኤርትራና” እንብሎ ክሊ ንሕናን ጐረባብትናን መን? ኣበይ? ናይ ኣየናይ ሃገር ዜጋ ይኹን? …ወዘተ ተመኺርናን ተላዚብናን ዝኸለልናዮ ዘይኮነ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ዘለዎን ብናይ ሽዑ ገዛእቲ ድሌት ዝተቐየሰ ምዃኑን ፍሉጥ እዩ። ምናልባት ብናትና ድሌት እንተዝኸውን፡ ኤርትራ ካብዚ ሕጂ ዘላቶ መዓበየት ወይ መነኣሰት። ናይቶም ኣብኣ ንነብር ዘለና ህዝቢ ናይ መንነት መለለይታት እውን ወይ ከምዚ ዘለዎ መኾነ ወይ ድማ መተቐየረ። እዚ ናትና ፍሉይ ዘይኮነ ኣብ ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ዝረአ እዩ። ብዝኾነ ነቲ ሓይልታት መግዛእቲ ንዓኣቶም ክጥዕሞም ብድሌቶም ዝኸለልዎ፡ እንደጋና ምኽላሱን ምዕራዩን ከምጸኦ ዝኽእል ዝነበረ ሳዕቤን ብምርዳእ ብናይ ሽዑ መራሕቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከም ዝነበሮ ከም  ዝጸድቕ ምስተገብረ እነሆ ኤርትራ ሃገርና እዚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ዓቂባ ብዙሕነታዊ መንነታ ሓቚፋ።

ኣመጻጸኣ ኤርትራ ኮነ ካለኦት ሃገራት፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ በበይነን ጐረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ግና ድማ  ተመሳሳሊ ሃይማኖት፡ ባህልን ቋንቋን ዘለዎም ሰባት ምህላዎም ርኡይ እዩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ መንነታት ሓደ ክንሶም ዶብ ደሪትዎም ናይ በበይኑ ዜግነት ኣባላት ምዃኖም ከተሓሳስቦም ከኣ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ነቲ ዜግነታዊ ዶብ ከይጠሓስካ ብሳላቲ ዘመሳስለካ መንነታት፡ ተቐራሪብካ፡ ክትነግድ፡ ክትዋሰብን ክትተሓሓጋገዝን ዘኽእል መንፈስን ዝምድናን ፈጢርካ ክትነብር ከም ዝከኣል ክዝንጋዕ የብሉን። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ሳይነሳዊ ዕቤት ናብ ሓንቲ ገዛ ማዕቢላትሉ ዘላ መዋእል እዚ ቀሊል እዩ። ናይ ግድን ኣይኮነን ኣብ መንጎኻ ጀኦግራፍያዊ ዶም ስለ ዘሎ ብዓይኒ ጽልኢ ክትረአአን ክትረሓሓቕን። ነዚ ክትበቅዕ ግና ናይ ኩልኻ ምጽውዋር፡ ምክብባርን ሰላማዊ ሃዋህው ምፍጣርን የድሊ።

ናብ ኤርትራ ክንምለስ እንከለና ሎሚ ናይቶም ብግቡእ ክተሓዙ እንከለዉ ንኤርትራዊ ዜግነት ዝጻብኡ ዘይኮነስ፡ መሊሶም ዝኹልዑ ምውድዳባት እንዕዘብ ኣለና። ናይ ሓባር ሃይማኖትካ፡ ቋንቋኻ፡ ብሄርካ፡ ሞያዊ ክእለትካ፡ ጾታኻ፡ ባህልኻን ሞያኻን ናይ ምምዕባል መሰላት ከም ዝሕሎ ንምግባር ዝካየድ ውዳበታት መሰል እውን ስለ ዝኾነ ዝድገፍ እዩ። ነዚ ውዳበታት እዚ ንሓንሳብ ልዕሊ ንሓንሳብ ድማ ማዕረ ኤርትራዊ ዜገነት ክትሰርዖ እንከለኻ ግና ነቲ ብኤርትራዊ ዜግነት ሓደ፡ በቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝሓቁፍ መንነታት ድማ ብዙሓት ኮይና ክሳብ ሕጂ ዘመዝገብናዮ ዓወትን፡ ኣብ መጻኢ ዝጽበየና ናይ ሓባር ጉዕዞን ዘብቅዕና  ክብደትንን ዓቕምን ስለ ዝሃስዮ፡ ሓደን ብዙሓትን ኮይና ኤርትራውነትና ከነበርኽ ይግበኣና።

Last modified on Saturday, 13 January 2018 20:56