ኣብ ክንዲ ንመዓዳዶ፡ ዘይንቀራረብ!

2018-01-01 21:59:43 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2584 times

ኣብዚ እዋንዚ፡ ከም ኤርትራውያን ጸገምና እንታይ ምዃኑ ኣብ ዝተረዳእናሉ ደረጃ ንርከብ ኣለና ዝብል እምነት ኣለና። ብዓይብይኡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ብኹሉ መልክዑ እዚ ዝሓሸ ኣለዎ፡ ዘይበሃል ወጽዓ ጠንቂ ናይቲ ንሃገርና ብዘይሕጊ ዊን ከምዝበሎ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ደረ-ዲሞክራስን ጸረ-ህዝብን ባህርን ተግባርን ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ኣብ ደንበ ናይ ለውጢ ሓይልታት ክንመጽእ እንከለና ድማ ጸገምና ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ በሪኹ ዝረአ  ተኸኣኢልካን ተወሓሒጥካን ብሓባር ክትስጉም ዘይምብቃዕ እዩ። እቲ “ምክኣል” ዝብል ረዚን ቃል ስሙ ከም ዝሕብሮ ክትጽመሞ ዝግበኣካ ዕማም ከም ዘሎ እዩ ዘመልክት። ኣብ ዝርዝሩ ክንኣቱ እንከለና ንዓና ቅኑዕ ኮይኑ ዘይረኣየና ናይ መኻይድና ቅኑዕ ምስ ዝኸውን፡ ምስ ዝህልወና ዕቃበ ከም ናትና ቅኑዕ ሒዝናዮ ናይ ምጉዓዝ ሓላፍነት ከም ዝጽበየና ዘመልክት እዩ። ኣብ መስርሕ ምጽማምን ምክእኣልን፡ እቲ ሎሚ ንዓና ቅኑዕ ኮይኑ ዘይረኣየና ጽባሕ ምስ ዝፍጠር ምዕባለ፡ ናትና ቅኑዕ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ። እቲ ንመጻምድና ሎሚ ቅኑዕ ኮይኑ ዘይራዮ ናትና ቅኑዕ’ውን ጽባሕ  ናቱ ቅኑዕ ኮይኑ ዝቕርበሉ ዕድል ዕጹው ኣይኮነን። እዚ እንተዘየጋጠመ ከኣ ናይቲ ላዕለዋይ ኢድ ዘለዎ ህዝቢ ናይ ምውሳን ሓላፍነት እዩ ዝኸውን። ስለዚ ኢና ከኣ እንተገደደስ ብሓሳብ ደኣ ንፈላለ እምበር ጽባሕ ብወሳኒ ግደ ህዝቢ ውዱእ መልክዑ ኣብ ዝሕዝ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ሎሚ ብዓይኒ ጽልኢ ኣይንመዓዳዶ እንብል።

ንኩነታታና ብዕምቆት ክንዕዘቦ እንከለና፡ ዝከኣል ክነሱ ዘይከኣልናዮ ዕማም እዩ ብሓባር ንቕድሚት ከይንስጉም ዓንቁጹና ዘሎ። እቲ ሓቂ ከምኡ ምዃኑ ከኣ በቲ ተመዓዳዲና እነስመዖ ዘለና ክቀራረብ ዘይበቐዐ መጸዋዕታታት ዘነጽሮ እዩ። ከምቲ ግቡእ ኣተሓሕዛን ኣፈታጥሓን ዓንቀጽቲ ጉዳያት፡ ጸገምና እንታይ ምዃኑ ፈሊጥና፡ መፍትሒኡ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦ  ካብ ኣመትና፡ እቲ ዝተርፍ ናይ ምቅርራብ ትግባረ ኮይኑ፡ ዝቐለለ ክኸውን መተገበአ። ነዚ ክንበቅዕ እንተዘይክኢልና እቲ እንብሎ ካብ ልቢ ዘይነቐለ መሲልካ ንምቕራብ ዝበሃል መኸወሊ እዩ ዝኸውን። ርግጽ እዩ ፍልልያት የብልናን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ብቕንዕና እንተሒዝናዮ  እቲ ዘሰማመዓና ብስፍሓቱ ኮነ ብትሕዝቶኡ ካብቲ ዝፈላልየና ከም ዝዓቢ ፍሉጥ እዩ። እቲ ጸገም ከኣ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝሰፍሐ ዘሰማመዓና፡ ነቲ ዝጸበበ ዝፈላልየና ኣዕቢና ከነቕርብ ንሃልኽ ምህላውና እዩ።

ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ መሃሪ ተጽዕኖ ኣለዎ። እቲ ኣብ ክንዲ ትመዓዳዶ ምቅርራብ ኣድላይነቱ ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ዝዓዘዘ ይኸውን ኣሎ። ኩልና ከም እንረደኦ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ’ሞ እንተቐጺሉ ንህልውናን ቀጻልነትን ሃገርና’ውን ዘስግእ ወጽዓ ህግደፍ መመሊሱ እንዳገደደ ክኸይድ እንከሎ፡ ናትና ብሓባር ናይ ምስጓም ኣድላይነ ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ እዩ ክዓዝዝን ክቕልጥፍን ዝግበኦ። ድሌትና ተመሳሳሊ “ምድሓን ህዝብን ሃገርን” እናሃለወ ብሓባር ናይ ዘይምስጓምና ምስጢር ናይቶም ሰብ ጉዳይ ብሓባር ይኹን ብውልቂ፡ ብዓል ቤታዊ ድኽመትን ዘይሃናጺ ኒሕን ዓብይ ግደ ከም ዝህልዎ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ጸገም ካብ ዝግለጸሉ ምልክታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ድኽመታት ንምጽብጻብን ምክሳስን ዝያዳ’ቲ ንቕድሚት ዝጽበየካ ዕማም ግዜን ጉልበትን ምሃብ ከም ምልክት በዓል ቤታዊ ድኽመትና ዘይውሰድ ኣይኮነን። ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣብ ክንዲ ናይ ርኢቶ መወዳዳሪ መጻልእን መፈኻኸርን ጌርካ ምውሳድ ካልእ ንበዓልቤታዊ ድኽመትና ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ሓደ ውደባ ወዮ ካባኻ ዝተፈልየ ርኢቶ ሃልይዎ ነብሱ ክኢሉ ተወዲቡስ ዝተወደበሉ ርኢቶ ገዲፉ ናትካ ርኢቶ ከም ዝርዕም ከተገድዶ ምፍታንን ኣብኡ ሕራይ እንተዘይሉ ኣብ ክንዲ ብዓይኒ መወዳድርቲ ብዓይኒ ጽልኢ ክትርእዮ ምድንዳንን ካልእ ዓንቃፊ ኣተሓሕዛ እዩ።

ከምቲ ብዉዱብ ኮነ ብዘይውዱብ ኣገባብ ብዛዕባ ሃይማኖት፡ ብሄርን ዝኣመአሉ ዛዕባታትን ሒዝናዮ ዘለና መርገጻት፡ ጽባሕ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምርጫ ምስ ኣየናይ ከም ዝኸውን ምግማት እምበር፡ ርግጸኛ ኮይንካ ውዱ መደምደምታ ክትህብ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ መርገጽ፡ ንናይ ካልኦት መርገጽ ብዘየነውርን መወዳደሪ መድረኽ ብዘየጻብብን ኣገባብ ካብ ምግላጽን ምውድዳርን ሓሊፍካ ሓላፍነት ህዝቢ ተኪእካ ክትፈርድ ኣጸጋሚ እዩ። ምእንቲ ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን መሰል እትቃለስ ክነስኻ፡ መን ኣብቲ ናይ ቃልሲ መድረኽ ይዋሳእ መንከ  ኣብቲ መድረኽ ኣይዋሳእን ምድራት ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ሓላፍነት ኣይኮነን። በቲ ብሓባር እትሰርሓሉ ሰፊሕ ጽላል ኣቢልካ ነዚ ጉዳይዚ ዝምልከት ቀጥዒ ኣውጺእካ መንዩ ውዱብ ሓይሊ ምምማይ ዘኽእለካ ቀጥዒ ምውጻእ ግና ዘይከኣል ኣይኮነን። ጥበብን ውሕልነትን ተጠቒምካ ኩሉ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ዘዝዓቕሙ ክድርቢ ቅሩብ ዝኾነ ዝሳተፈሉ ኩነታት ምፍጣር ከኣ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ኩሉ ክንበቅዕ እምበኣር ኣብ ክንዲ ንመዓዳዶ ክንቀራረብ ናይ ግድን እዩ።

Last modified on Monday, 01 January 2018 23:02