ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ሕገ-መንግስቲ ምትካል

2017-10-21 19:41:18 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2954 times

እዚ ምእንቲ ሓርነት እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፥ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓመጸኛ ስርዓት ቀይርካ፥ ኣብ ክንድኡ  ንህዝቢ ዘገልግል ህዝባዊ መንግስቲ ዝኾነሉ ለውጢ ምምጻእ እዩ። እዚ ከኣ እቲ ኩሉ ግዚ  “ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር” ዝብል  ኣምር፥ ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት እዩ። ምኽንያቱ ካብቲ መላኺ ስርዓትን ምልክን ንምልቓቕ ብሃውሪ ወይ ከኣ ብሃቦ ተረከቦ ዘይኮነስ ስነ-ፍልጠት ተኸቲልካን ከመይነት ናብ ለውጢ ንምብጻሕ ንጥቀመሉ ፖለቲካ ክኸውን ኣለዎ።

እዚ እነካይዶ ዘሎና ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ካብ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ወጺእና ንመላኺ ስርዓት ኣልጊስና ለውጢ ንምምጻእ እዩ። ግን “ለውጢ ንመን?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ። መልሱ ቀሊል እዩ። ግን ቅድሚ ናብቲ መልሲ ሃሰው ምባል፥ መጀመርያ “እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይ ለውጢ እንታይ እዩ?” ንምዘን። እወ! ለውጢ ንራህዋ፡ ቅሳነት፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ቅኑዕ ምሕደራን እዩ። እዚ ብሓሳብ ክትርእዮ እንከለኻ ቀሊል ይመስል ግን ከኣ ብርቱዕ ጻዕርን ፍልጠትን ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ለውጢኸ ደኣ ብምንታይ እዩ ዝመጽእ ዝብል ሕቶ እውን ክቐርብ ይኽእል። ለውጢ ብጸርፍን፥ ፈኸራን፥ ጸለመን ፥ምርሕሓቕን ኣቢልካ ዝብጻሕ ኣይኮነን። ለውጢ ንታሪኽ ኣቦታትናን፥ ሰማእታትናንን ኮታ ምእቲ ሃገር ኢሎም ዝተቓለሱ ኩሎም ብምንሻው እውን ኣይብጻሕን እዩ። ለውጢ ንዝተሰማማዕካሉ ሓሳባት ይኹን ዝቕይደካ ድንክል ብምንጻግ ኣይመጽእን እዩ። ለውጢ ዝመጽእ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ኩርኳሕ ክኾኑ ዝኽእሉ  መዕለቢ ዘድልዮም ጉዳያት መሚኻ ብምፍላጥ ዝምስረት መንግስቲ እዩ እዚ ማለት ነቲ ክም ሰረት እንደልዮ ርግኣት ዘለዎ ስርዓት ህላዌ ድሞክራሲያዊ ህይወት ንኽዓዝዝ ዘኽእል ረቛሒታት ዘበርኽ ግብርን ሓሳብን ምውህሃድ። ምኽንያቱ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ እቲ ሕብረተሰብ ክዕቅቦን ክኽተሎን ኣብ ግብሪ ክትርጉሞን ዝኽእለሉ ባይታ ምምድማድ የድሊ።

ሕብረተሰብ ኣብ ደረጃ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዝርዕም እቲ ለውጢ ናይ መላእ ህዝቢ ንክኸውን ዝእምት ተስፋ ዘለዎ ይኸውን። በዚ ኣቢሉ ድማ መላእ ህዝቢ ንዲሞክራሲ ብግቡእ ተረዲኡን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ክፍትንን፡ ነቶም ዝብድህዎ ደቀቕቲ ይኹኑ ዓበይቲ ጉዳያት ብግልጺ ኣልዒሉ ክዛረበሎምን ፍታሕ ከናድየሎምን ይኽእል። እዚ ንምግባር ግን ኣብ ብሄራትዶ ሃይማኖት ወይ’ውን ኣውራጃ  ዝተኸፋፈለ ሕብረተሰብ ዲሞክራሲያ ክማዕብል ኣይክእልን እዩ። ኣብ ርእሲዚ እቲ መራኸቢ ብዙሃን ንገዛእ ርእሱ ንዲሞክራሲ ብዝግባእ ተረዲኡ ንሕብረተሰብ ዘስተምህር ሓበረታን ኣፍልጦን ከሰንቕ እንተዘይክኢሉ ንምዕባለ ዲሞክራሲያውነት ዓቢ ሃስያ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ኣብ ሓድነት እቲ ህዝቢ እውን ኣሉታ ክፈጥር ይኽእል። ከምኡ እውን ስልጣን ካብ ህዝቢ ዝምንጩ ምዃኑ ዘንጊዑ ንስልጣን ዝሃርፍ ሰልፍታት ምስ ዝህሉ እቲ ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓት ናይ ምትካል ተኽእሎ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እዩ ዝኸውን። ውጽኢቱ ድማ እቲ ለውጢ ንረብሓ ኩሉ ዜጋ ዘይኮነስ ንገለ ውሱን ክፋል ዘርብሕ ይኸውን።

ስለዚ እቲ ለውጢ ንመን እዩ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ እምበኣር፥ ካብዚ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ኣምር ዲሞክራሲ ብምብጋስ መልሱ ክርከብ ይከኣል። እቲ ለውጢ ብርግጽ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኮይኑ፥ ንረብሓ ኩሉ ተቓዋሚ ዲዩ ደጋፊ፥ ብማዕረ ዝረብሑሉ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ግን ገበነኛ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣይቀርብን ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብቲ ቅዋም ዝተሓንጸጸሉ ህሞት ምስ በጻሕና ዝውሰን ጉዳይ እዩ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ህዝቢ ኣብቲ ዝኸይድ ፖለቲካዊ መስርሕ ክዋሳእን ክሳተፍን ይግበኦ። ኣብቲ ዝኸይድ ፖለቲካ ጉዳዩ ምዃኑ ኣሚኑ ንገዛእ ርእሱ ኣማዕቢሉ ጥዑይ ምሕደራ ንክምስረት ሓጋዚ እዩ ዝኸውን። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ህዝቢ ነቲ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ጉዳያት ከም ዘይናቱ ምስ ዝርእዮ ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ክዕብልል ዘሎ ተኽእሎ ንጹር እዩ። እቲ ለውጢ ንኹሉ ዜጋ እዩ ካብ ተባህለ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ካብ ናይ ወጻዒ፥ ኣግላሊ፥ ነጻግን፥ ዓብላልን ኣተሓሳስባ ነጻ ክኸውን ይግበኦ። ኩሉ ዜጋ ካብ ተንኮልን ንዓይ ይጥዓመንን ነጻ ምስ ዝኸውን ከኣ፡ ሰላም፥ ምዕብልናን ዲሞክራስን ይጥጥዕ። እዚ ምስ ዝጥጥዕ ከኣ እዩ እቲ ጥዑይ ምሕደራ ዝፍጠረሉን ፍትሒ ዝነግሰሉን ባይታ ብሱል ዝኸውን እሞ፡ ኩሉ እቲ ትልሚ ንረብሓ ኩሎም ዜጋታት ከም ዝውዕልን፥ እቲ መንግስቲ ከኣ ኣገልጋሊ እቲ ሕብረተሰብ ከም ዝኸውንን ውሑስነት ዝህልዎ።

 

Last modified on Saturday, 21 October 2017 21:44