ኣይፋልካን ዶክተረ (ሻድሻይ ክፋል)

2017-09-24 10:48:04 Written by  ብሃይለ ገብሩ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2616 times

ሻድሻይ ክፋል

8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእክላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እናተኻየደ ከሎ፡ ብፈጻሚት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ውሳኔ፡ ኣብ መስከረም ተጠቂዑ ርኢናዮ። እቲ ከምዚ ዝገበረ ኣካል፡ ንሓድነት ሰልፊ ክሕሉ፡ ንምዕባለ ሰልፊ ንቕድሚት ምእንቲ ክውንጨፍ’ዩ ገይርዎ ዝብል እምነት የብለይን። ንድፊ ፈጻሚት ሽማግለ ውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ኣምሲልካ፡ ኣብ መስከረም ምጥቅዑ ጥቕሙ እንታይ ምዃኑ ባዕሉ እቲ ዝጠቀዖ’ዩ ዝፈልጦ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ብኸምዚ ዝመስል ሕሱር ስራሕ ጉዕዝኡ ክዕንቀፍ ኣይኮነን።

ብውድባዊ መስኖታት ኣቢልካ ርእይቶኻ፡ ለበዋኻ፡ ተቓውሞኻ ምግላጽ፡ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍቑድ’ዩ። ካብ ውድባዊ መስኖታት ወጺእካ፡ ኣብ ወብሳይታት ክትራገም ምውዓልን ምስጢራት ሰልፊ ምዝራውን ግን ሃናጺ ኣበርክቶ የብሉን። እቶም ከምዚ ዝገብሩ ዘለው ኣካላት ካብ ኣዕናዊ ምንቅስቓስ ወጺኦም ኣብ ውሽጢ ውድባዊ መድረኽ ሃናጺ ግደ ክጻወቱ’የ ዝመኽሮም።

እቲ ሓቂ ንምድፋን ምስሊ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን መራሕቱን ንምድዋንን ኣብ ወብ ሳይታት፡ በቶም ኣባላት ሰልፊ ምዃኖም እናገለጹ ዝጽሕፉ ዘለው ዝቐርብ ዘሎ ጉዳያት፡ በብሓደ ብዝርዝር ክትምልሰሉ ምፍታን ኣዝዩ ኣድካሚ ስራሕ’ዩ። እቲ ብወገነይ ዝመረጽክዎ ኣገባብ፡ ነቲ ኣዳናጋሪ ዝመሰለኒ ኣምራት መብርሂ ምሃብን ምስኡ ኣጐዛጒዘ ድማ ንኣምር ዲሞክራሲን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ብዓቕመይ ከም ትምህርቲ ምቕራብን እዩ።

ሓቂ ንምድፋን ካብ ዝቐረቡ ሓሳባት፡ ምብራቓዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይመርሕዎ ከምዘለው ዘመልክት፡ ተሓንጊርና ኣስመራ ክንኣቱ ትጽቢት ከምዝነበረና ትጽቢትና ምስ ማህመነ ግን ሓሪቕና ምስ ገሊኦም ከም እተባኣስና፡ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምልክነት ነጊሱ ምህላው፡ ቀንዲ ጸገም ሰልፍና ፈራዲ ኣካል ስለ ዘየለ ምዃኑ ወዘተ. ዝብል እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ውን ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት ብምእታው ካብ ሚንስተር ዝነበረ ዘመዶም ዝጽበይዎ ዝነበሩ ሓላፋታት ብዘይምርካቦም ኮርዮም ዝጸንሑ ብዝብል ኣዝዩ ሕሱር ነውራም ቃላት ቀሪቡ።

ምብራቓዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት

- ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ሒዝካ ክትቃለስ ፍቑድ እዩ። ምብራቓዊ ኣተሓሳስባ ሒዙ ክቃለስ ዝደሊ ክቃለስ ይኽእል እዩ። ምዕራባዊ ኣተሓሳስባ ሒዙ ክቃለስ ዝደሊ ውን ክቃለስ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ይኹን ኣተሓሳስባ ሒዝካ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትቃለስ ክትፍትን ከለኻ ግን ንዝበዝሑ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዕጊብካ ኢኻ ንሓሳባትካ ከተዓውቶ እትኽእል። ንዝበዝሑ ኣባላት ሰልፊ ምዕጋቦም ስኢንካ፡ ካብ መስኖታት ውድብ ወጺእካ ኣብ ወብሳይታት ምብራቓዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዓብሊሎም እናበልካ ምርጋም ግን ኣብ ዲሞክራስያዊ መድረኽ ከም እተሰዓርካ’ዩ ዘመልክት።

- ዲሞክራስያዊመድረኽሰልፊዲሞክራሲህዝቢኤርትራነቶምዝጸዓሩነቶምብስነስርዓትእተቓለሱብልጫዝህብ።ይኹንእምበር፡ሎሚተሳዒሩድምጺብዙሓትዘይረኸበ፡ብኣዕጋቢኣገባብእንተተቓሊሱንእንተጽዒሩንጽባሕክስዕርንድምጺብዙሓትክረክብንዘኽእሎማዕጾይኸፍተሉእዩ።ነዚኣገባብብስነስርዓትክሕዞድሉውዘይኮነግን፡ካብዲሞክራስያዊመስርሕክሃድምዘለዎ።ካብዲሞክራስያዊመስርሕሃዲሙኣብወብሳይታትምስሓከለከኣ፡ክራገምእምበርኣብውሽጢሰልፊዲሞክራሲህዝቢኤርትራካልእኣድማዕንሃናጽንኣበርክቶክህልዎኣይክእልንእዩ።

- ምብራቓዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት ዝብል ኣብ ወብ ሳይታት እንሰምዖ ዘለና ዘረባ እምበኣር፡  ሓቂ ንምግላጽ ዘይኮነ ሓቂ ንምድፋን ዝመጽእ ዘሎ እዩ። እቶም ምብራቓዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ብሓይሊ ዘይኮነ ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፎም ርእይቶኦም ከዓውቱ ዝሓስቡ እንተኾይኖም ከኣ፡ ምልካውያን ዘይኮነስ ዲሞክራስያውያን’ና ንብሎም ። ድምጽኻ ኣብ ውሑዳት ኮይኑ፡ ንድምጺ ብዙሓት ብቓል ይኹን ብግብሪ ከትዕምጽ ምፍታን ግን ጠባይ ዲክታቶራውያን እዩ። ሎሚ ሓይሊ ስለ ዘይብልካ ኣብ ወብ ሳይታት ሓኪልካ ተጸልም ኣለኻ፡ ሓይሊ እንተትረክብ ግን እንታይ ምገበርካ ክግመት ዝኽእል እዩ።

ሓንጋርን ተሓንጋርን

-ተሓንጊርና ኣስመራ ክንኣቱ ትጽቢት እንተነይሩና እንቛዕ ወዮ ትጽቢትና ፈሽለ። ስልጣን ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ክኣቱ እናተቓለስና ከለና፡ ተረዲኡና ድዩ ከይተረደኣና ተሓንጊርና ኣብ ኣስመራ እንተንኣቱ ንህዝቢ ኤርትራ ተወሳኺ መከራ’ዩ ምኾነ። ወዮም ሓንገርትና ብኢደወነኖም ኣብ ኣስመራ ኣትዮም ስልጣን ክጭብጡ እንተኾይኑ ሕልሞም ከኣ ንሶም ውን እንቛዕ ኣይሰለጦም።

-እቲ ኣጸላሚ ጸሓፋይ ግን ኣብ’ቲ ሓንጋሪ እምነት ስለ ዘለዎ ይመስለኒ፡ ነቶም ተሓንገርቲ ጥራይ’ዩ ከሲሱ። ብዛዕባ እቲ ሓንጋራይ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደለየን። ወዮ ኣጸላሚ፡ እቲ ሓንጋራይ ብኢደ ወነኑ ስልጣን ኣብ ምሓዝ ዓቕምን ተሞክሮን ከምዘለዎ’ዩ ዝኣምን። ስለዚ እቶም ዝኸሶም ዘሎ ተሓንገርቲ ኮርዮም ካብ ዝባን ሓንጋራይ ምስ ወረዱ፡ ንዝባን ሓንጋራይ ብሒቱ ክሕዞ  ዝመረጸ’ዩ ዝመስል። እቲ ንድምጺ ብዙሓት ዝንዕቕ ቃንኡ ነዚ’ዩ ዘመልክት። ንመስርሕ ዲሞክራሲ እናነዓቕካ፡ ንውልቀሰብ ክንድዚ ዝኸውን ክብርን እምነትን ምሃብ ንመላእ ሰልፍን ትካላቱን ኣብ ዝባን ሓደ ውልቀሰብ ዘቐምጥ ኣረኣእያ ምቕራብ ዘገርም እዩ።

-ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ሓይልን ዓመጽን ዝምርኮስ ዝሓለፈ ተሞክሮና ብዝግባእ ገምጊሙ፡ ንዘይዓመጻዊ ኣገባብ ዝመረጸ ሰልፊ እዩ። ብሓይሊ ብረት ኣቢልካ ንድምጺ ብዙሓት ዓሚጽካ ስልጣን ምሓዝ ኣይድግፍን እዩ። ኣንጻር ምልካውያን እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ምስ ተዓወተ ድማ፡ ስልጣን ኣብ ኢድ ጀነራላት ዘይኮነስ፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን’ዩ ቃልስና። ዝበዝሕ ኣካል ህዝብና ድምጹ ዝሃቦ ሰልፊ ድማ’ዩ፡ ክመርሓና መሰል ዝህልዎ። ነዚ ዕላማና እዚ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ኣካል ሓንገርትን ተሓንገርትን ዝብል ሕሱር ሞጐት ከቕርብ ከሎ ግን፡ ንዓና ዘይኮነስ ንገዛእ ነብሱ’ዩ ዘዋርድ ዘሎ።

ቀንዲ ጸገምና ፈራዲ ኣካል ዘይምህላው እዩ

-ንህዝብናንመንእሰያትንቅኑዕእንተመሃርናዮምጠቕሚዘለዎ።ክትተሃላልኽክትብልዘየለምቕራብነውሪእዩ።ኣብዓለምናኣብውሽጣቤትፍርዲዘለዎሰልፊሰሚዐኣይፈልጥን።ከምኡእንተኾይኑድማኣብሓደሃገር 10 ሰልፍታትእንተድኣረኺብና 10 ቤትፍርድታትእተንሰልፍታትክንርኢኣለናማለትእዩ።ሓጋጊፈጻሚፈራዲዝብልኣምራትኣብኣሰራርዓመንግስቲንረኽቦኢና።ኣብኣሰራርዓሰልፍታትግንብምልኣትክንረኽቦኣይንኽእልንኢና።ምኽንያቱሰልፊንውሱንዕላማከዐውትብፍቓዶምእተኣኽኸቡሰባትኣጠቓሊሉነቲዕላማዘረጋግጽቅርጺኣሰራርሕንሕግታትንዘቐምጥፖለቲካዊኣካልእዩ።ካብኣምርሃገርንመንግስትንኣዝዩእተፈልየእዩ።ኣብሓርነታዊቃልስናእተንውድባትቤትፍርድታትነይርወን፡እዚግንኣብናጻቦታታትዘምሓድርኦህዝቢስለዝነበረንከምመንግስቲክሰርሓይግደዳ ብምንባረን እዩ።

ኣምር ዲሞክራስያዊ ማእከልነት

-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ንምትሕስሳብ ዝምችእ ቅርጺ ክህልዎ ኣገዳሲ እዩ። ወዮ ኣጸላሚ ጸሓፋይ ንዲሞክራስያዊ ማእከልነት፡ ምብራቓዊ ኣተሓሳስባ እናበለ ብጽልኢ ብዘንባዕ ኣገባብ ከቕርቦ ከሎ ተዓዚብና ኢና። ቅኑዕ ሓሳባት፡ ካብ ምብራቕ ይምጻእ ካብ ምዕራብ ክንቅበሎ’ዩ ዝግብኣና። እቲ ግዝኣተ ሕጊ ዝብል ኣምርን ዲሞክራስያዊ ማእከልነትን ከኣ ብደቂቕ እንተመርሚርናዮ ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎ ኣይኮነን። ዲሞክራስያዊ ማእከልነት ግን ዝያዳ ኣብ ኣሰራርሓ ዘተኮረ እዩ። ሓደ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ቅርጺ ኣሰራርሕኡ ንዲሞክራስያዊ ማእክልነት ዘዕግብ ክኸውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ ዝመስል ቅርጺ ኣሰራርሓ’ዩ ንተሓታትነት ንዕዉት ኣፈጻጽማ ስራሕን ዝምችእ። ኣብ ምብራቕ ኣብ ተግባራዊ ኣፈጻጽማ እቲ ኣምር ፍሽለት እንተተረኽበ ከኣ፡ እቲ ፍሽለት ነቶም ተግበርቱ እምበር ነቲ ኣምር ከነሰክሞ ኣይግባእን።

-ዲሞክራስያዊ ማእከልነት፡ ውሳኔታት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብድምጺ ብዙሓት ክትውስን’ዩ ዘፍቅድ። ድሕሪ ምውሳንካ ከኣ ብውሳኔኻ ክትቅየድ ስለ ዘለካ’ዩ ማእከልነት ዝመጽእ። ስለዚ እቲ ዲሞክራሲ ነቲ ማእከልነት፡ እቲ ማእከልነት ድማ ነቲ ዲሞክራሲ’ዩ ክድግፍ ዘለዎ።  ነዚ መስርሕ’ዚ ብክለሳሓሳብን ግብርን ብቕኑዕ ኣገባብ ዝኽተሎ ሰልፊ እንተረኺብና፡ እቲ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ እዩ።

-እቲ ዲሞክራሲ ክምእከል እንተዘይኪኢሉ ግን ዕንወት’ዩ ዝርከብ። ማለት እተወሰነ ዘይፍጸም፡ እተመርጸ መሪሕነት ምእዙዙነት ዘይረክብ፡ ድምጺ ብዙሓት ዘይክበር እንተኾይኑ ዓወት ዘይኮነ ዕንወት’ዩ ዝርከብ።

-እቲ ማእክልነት ካብ ዲሞክራስያዊ መድረኽ ወጺኡ፡ ተመሊሱ ናብ ዲሞክራስያዊ መድረኽ ዝመጸሉን ምትሕስሳብ ዝፍጸመሉን ኣገባብ እንተቦዂሩ ውን ዕንወት’ዩ ዝርከብ። ውሳኔታት በብእዋኑ ብኣኼባታት ክኽለሱ እንተዘይክእሎም፡ መሪሕነት እተዋህቦ ውሱን ሓላፍነት ኣብ ግዜኡ ኣረኪቡ ንምትሕስሳብ ፍቓደኛ እንተዘይኮይኑ ዕንወት’ዩ ዝርከብ።

- ስለዚ እቲ ምስጢር ዓወት፡ ንዲሞክራስን ንማእከልነትን ብሚዛን ምሓዝ እዩ። ዝኾነ ዲምክራስያዊ ሰልፊ ነዚ ኣምር’ዚ ብሚዛን ዝሕዝ ቅርጺ እንተዘይኣማዕቢሉ ውድቀቱ ዘይተርፍ እዩ። ማእከልነት እንተተጋኒኑ፡ ውሳኔታት ኣብ ውሱን ግዜ በብእዋኑ ክኽለሱ እንተዘይክኢሎም፡ መሪሕነት ካብ እትዋህቦ ድሩት ግዜኡ ኣሕሊፉ ከምድልየቱ ብዘይ ገደብ እንተመሪሑ ምልክነት ይነግስ። ዲሞክርስያውነት ቀይዲ እንተስኢኑ፡ እተወሰኑ ክፍጸሙ እንተዘይክኢሎም፡ እተመርጹ መራሕቲ ክመርሑ ኣብ ዘይክእልሉ ኩነታት እንተበጺሖም ከኣ ምብትታን’ዩ ዝመጽእ። ሓድነት እቲ ሰልፊ ይፈርስ ውድቀት ከኣ ዘይተርፍ ይኸውን።

- ነዚ ከምዚ ዝመስል ትሕዝቶ ዘለዎ ኣምር ዲሞክራስያዊ ማእከልነት፡ ከም ወረቐት ዝቐዳድዶን ዘይትርጉሙን ዘይትሕዝትኡን ዘልብሶ ኣካል ምርኣይና ብሓቂ’ዩ ገሪሙና። ኣብ ዝደልዮ ዕላማ ክበጽሕ ምስሊ ሰልፊ ዲሞክራስን መሪሕነቱን ክድውን እተበገሰ ጸሓፋይ፡ ንፍሉጥ ፖለቲካዊ ኣምራት ከምድላዩ ጠማዚዙ ከቕርቦም ፍጹም ዘይምሕፋሩ ይገርመኒ እዩ።

-ክቕጽል እዩ-

Last modified on Sunday, 24 September 2017 12:50