ትካልን ግደ ኣካላቱን

2017-08-04 23:55:08 Written by  ገ/ህይወት ጸጋይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2091 times

ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ተመሳሳሊ ዕግበትን ተረድኦን ዘለዎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ሓደ ትካል ይውደቡ። በዚ ውዳበ ኣቢሎም ድማ ፋሕ ኢሉ ዝጸንሓ፡ ኩለ-መዳያዊ ዓቕሞም ኣወሃሂዶም ናብቲ ብሓባር ዘማዕድዉዎ ሸቶ ዘብጸሖም ዓቕሚ የጥርዩ። እቲ ዘዋህለልዎ ዓቕሚ ከድምዕን ናብቲ ዘማዕድዉዎ ናይ ሓባር ሸቶ ንክብጻሕን ምእካቦም ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ነዚ እኩብ ዓቕሚ ኣብ መዓላ ዘውዕል ሕጋዊ ኣሰራርሓን፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝጸላሎ፡ ዝተሓጋገዝን ሕድሕድ ዝቆጻጸርን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ናይ ግድን ይህሉ። እቶም ስራሕ ተኸፋፊሎም ዝዋፈሩ ኣካላት ነናቶም ዝዓምዎ እጃም ይወሃቦም። ዝዋስእሉ ድሩት ናይ ሓላፍነት ክሊ እውን ከምኡ።

እቲ ናይ ሕድሕድ ምጽልላውን ምቁጽጻርን፡ ብፍላይ እቲ ትኹላዊ፡  ላዕለዋይ ነቲ ታሕተዋይ ብኸመይ ይቆጻጸሮ  ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሪ ኣለዎ። እቲ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝወርድ ኣብ መወዳእታ ናይ ምግዳድ ባህርን ስልጣንን ክህልዎ እንከሎ እቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝድይብ ግና ናይ ምትሕስሳብ፡ ለበዋ ምቕራብን ምዝኽኻርን እጃም እዩ ዘለዎ። እቲ ታሕተዋይ ናይቲ ላዕለዋይ እጃም እንተዘይወሰድኩ ኣብ ዝብለሉ ግዜ ጉዳያት ይዝረግ ርግኣት ከኣ ይጠፍእ። እቲ ላዕለዋይ ኣካል እውን ኣብ እጃም እቲ ታሕተዋይ እናሻዕ ኢድ ምስ ዘእቱ ዝበልሾ ጉዳያት ይህልዉ። ካብዚ ንምድሓን ንከምዝታት ከወግድ ዝወጽእ ቅዋምን ንዓኡ ተመርኲሱ ዝወጽእ  መምርሕን ምርዳእን ምኽባርን መተካእታ የብሉን። ነዚ ሕጊ ከተኽብር እንከለኻ ከኣ ቀንዲ ማእከልካ ንሱ እቲ ሕጊ እምበር ነቲ ሕጊ ከተግብሩ ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ዘለዉ ሰባት ክኾኑ ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ወሳኒ እቲ ሕጊ እምበር እቶም ዝቀያየሩ ሓለፍቲ ኣይኮኑን።

ኣብዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ መዋስኢ ውድብ ወይ ሰልፊ እቲ ምክፍፋል ስራሕ ኣብ ደረጃን ዓይነትን ዕማም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣሰፋፍራ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ክዝርግሑ ውሁብ እዩ። ግና ድማ ኣብ ጽላል ሓደ ውድብ ናይ ሓባር ዕማም ኣብ ምዕዋት ምእንቲ ከድምዑ፡ ግቡእ ሓበሬታ ክሰንቁ ኣድላይ እዩ። ነዚ ዝዓምም ድማ እቲ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝቕመጥ ኣካል እዩ። ስለዚ ኣብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ናይቲ ትካል ዘሎ ምዕባለ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘለዉ ኣካላት ይፈልጥዎ እዮም። ንኣብነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዘሎ ጉዳያት፡ ኣብ ኣወስትራልያ፡  ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዘለዉ ኣካላት ይከታተልዎ እዮም። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ንኹሎም  ከማእክሎምን ክመርሖምን ፈትዮም ኣብ ሕጋዊ በሪኽ መድረኽ  ዘንበርዎ ኣካል ንኣካላት እቲ ዝመርሖ ሰልፊ ወይ ውድብ ምምእካል እዩ ቀንዲ ስርሑ። ናይዚ ኣካል’ዚ (መሪሕነት) ውሳነታት ካብቲ  ቀንዲ ሕጊ ፈሊኻ ዘይረኣዩን ዝትግበሩን መምርሕታት እዮም። ነዚኦም እንዳዋሰንካ ዝተሓዝ መንገዲ ሕጋውን ስርዒታውን እዩ ምባል ግና ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ዘይሕጋዊ ክንስኻ ምእንቲ ደጋጊምካ ምስባኽ ከኣ፡ ከንቱ እዩ።

ነዚ ሕጋዊ ናይ ሓበሬታ ኣዘረጋግሓን ኣፈጻጽማ ውሳነታትን መስመር እንዳጠሓስካ ዝግበር ጐድናዊ ናይ ሓበሬታ ኣዘረጋግሓ ንዘይሕጋዊ ኣከያይዳ ዘተባብዕን ኣፍራስን እዩ። ሰባት ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ዝመርጹ ከኣ ዘመሓላልፍዎ ሓበሬታ ዘይጥዑይ ክኾኖም እንከሎ’ዩ።  እቲ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝዕሸዉዎ ዝደልዩ ከኣ  ብዘይሕጋዊ መስመር ኣዕናዊ ሓበሬታኦም ከሰኪሞም ከዕብድዎ ዝደልዩ ወገን እዩ። ኣቐዲሙ ብዛዕባቲ ብሕጓ ዝብልዎ በቲ ሕጋዊ መስመር ጥዑይ ሓበሬታ ከም ዝወነነን ብውሽጡ ይዕዘቦም ከም ዘሎን ኣይርድኡን እዮም።

ንኣብነት ብዛዕባ’ቲ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ መሪሕነቱን ቅዋሙን ከምዚ ንሳቶም ጥራይ ዝፈልጥዎ፡ ብዙሕ ይዛረቡ። እቲ በቲ ናቶም ቅኒት ከኹድድ ዝደልይዎ ኣካል እንተኾነ ካብኣቶም ንላዕሊ፡ እንተዘየሎ ከኣ ክንደኦም ብዛዕባቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ እውን ይርስዑ እሞ መቲሮም ዘዝሃብዎ ጸይቂ ጥራይ ዝኹልስ ይመስሎም። ምናዳ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ዘይረኸበ ሚዛኖም ንዒቑ፡ ስሚዑን ኣንቢቡን ስቕ እንተበለ ዝተቐበሎም ዝመስሎም እውን ይመስለኒ። ግና ሱቕ ኣብ ውሽጡ “በሉ ሰሚዕናኩም ኣለና። ካልእ እንተልይኩም ደኣ ኣምጽኡ እምበር እዝስ ኣይሕራይን።” ዝብል ተረድኦ ዝሓቖፈ መልሲ ምዃኑ ምርዳእ ይስእኑ እሞ ከምዚ “ሌባሌባ እንተበልዋስ ልዋልዋ ዝበልዋ ይመስላ” ከም ዝበሃል መመሊሶም የኮማስዕዎ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘሎ ኣካል፡ ካብቲ ቀንዲ ስረሓቱ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ፡ በብኹርንዑ ብሕጊ ዝተሰለዓሎም ናይ ዕማምን ሓላፍነትን ሒዞም ዝዋስኡ ኣካላት ምቁጽጻር እዩ። ኣብቲ መስርሕ ጽቡቕ ንዝሰርሑ ይንእድን የተባብዕን። መንገዶም ንዝሰሓቱ ድማ ይመክር፡ የጠንቅቕ ከም ኣድላይነቱ ከኣ ይግስጥን ይቐጽዕን። ነቲ ዕማም ዘይበቕዕዎ ኣካላት ከኣ ካብ መዝነት የውርድን ካብኦም ይሕሹ ብዝበሎም ከኣ ይትክእ። እዚ ኩሉ ግና ከከም ዊንታኻ ዝትግበር ዘይኮነስ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ንኣብነት ኣብ ጉባአ ዝጸደቐ ቅዋምን ንዓኡ ዘነጽር ሕግታትን እንዳተመራሕካ እዩ። ሓደ ውድባዊ ኣካል ጨንፈር ንበሎ ዞባ ምናልባት እውን ንኡስ ዞባ፡ እቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣካል ቅኑዕ፡ ሕጋውን ቅዋማውን ኢሉ ብዝኣመነሉ ኣገባብ ካብ ሓላፍነት ምስ ወረደ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝነበሮ ቦታ ሎሚ ሕጋዊ ኣይኮነን። ዝነበረ እዩ ዝበሃል። ምኽንያቱ ሎሚ ዘበን ብናይ ዓሚ ብዕራይ ኣይሕረስን እዩ። እንተደኣ ኣብቲ ሰልፊ ኣለኹ ዝብል ኮይኑ ከኣ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወስደ ኣራሚ ስጉምቲ ምስ ኩሉ ዘለዎ፡ ዕቃበን ዘይዕግበትን ክቕበሎ ናይ ግድን እዩ። እዚ ኣገባብ ኣካል ዲሞክራስያዊ መስርሕ እምበር፡ ከምቲ ገለ ወገናት ከካብ ውልቃዊ ስምዒትን ዘበርዓነ ሕሳብን እንዳነቐሉ ዝብልዎ፡ ዘይሕጋዊ፡ ዘይቅዋማዊ ፈንጫሊ ኣይኮነን።

 

Last modified on Saturday, 05 August 2017 01:58