ጋዜጣዊ መግለጺ

2017-07-23 20:23:07 Written by  Tzegai Negash Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2838 times

PressReleaseEVRDenver2017 1

ጋዜጣዊ መግለጺ

              ሓሙሻይ ዓመታዊ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ 

ዳግመ ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.ነቲ ሰፊሕን ክቡርን ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ከም ዘይፍለ ኣካል ሓርነታዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቐቢሩ ከይተርፍ፡ ከይርሳዕ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንምእካቡን ንምስናዱን ካብ 2012 ዝጀመረ ተበግሶ ለብዘበን ዓመት`ውን ካብ 30 ሰነ- 2 ሓምለ 2017 ኣብ ደንቨር- ኮሎራዶ ተኻይዱ።

  1. ናብ ዝመጽእ ወለዶ ምስግጋሩ፡ ነቲ ተመክሮ ብግቡእ ብምጽናዕ፡ ካብኡ እንመሃሮ ንናይ ግዜናን መጻኢትን ኤርትራ ዘጋጥሙ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሽግራት ንምፍታሕ ዚህልዎ ኣበርክቶ ንምልላይን፡ ህዝብና ብግቡእ ከም ዚመሃረሉ ንምግባርን፣
  2. ኣብ ሃገርና ኣካቢቡ ዘሎ ሓደጋታት ብምግምጋም፡ ንህዝብና ካብ ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ጸበባን ደልሃመትን ኩነታት ከነገላግሎ፡ ንዝተዋህለለ ዓቕምታትና ኣኻኺብና፡ ዝተሰንቀ ተመክሮታትና ዳግም፡ ብዚበለጸ ኣሐዲስና ክንዋስኣሉ
  3.  ካብ ዘለናዮ መንቀራቕሮ ንምውጻእ፡ ናይ ልቦና ዕምቆትን ናይ ኣሰራርሓ ዝተሓደሰ ተበላሓትነትን፡ ዘማለኤ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ምድህሳስ ተራና ከነዐዝዝ ካብ ዘለና ሓላፍነት ዝተወስደ ተበግሶ፣
  4. ንውጉኣት ሓርነት ንምጥዋርን፡ ሃለዋቶም ንምክትታልን... ኣብ ዝተሰረተ ዕላማ...ንመበል ሓሙሻይ ዓመት ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ተኻይዱ።

PressReleaseEVRDenver2017 2

ናይ 2017 ሓሙሻይ ዳግመ ርክብ ተ.ሓ.ኤ. ካብተን ዝሓለፋ ዳግመ ርክባት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ታሪኽ ተመራመራይን ሰናድን ጀርመናዊ ኣቶ ጉንተር ሹረደር፡  ተረኺቡ ዘቕረቦ ኣበጋግሳ ሰውራ ኤርትራ ዝድህስስ ዝርዝር ሓበሬታን መርትዖታትን ኢዩ። ካብቲ ዘቕረቦ ሰነዳት ቅድሚ ሕጂ ተረኽቲ ሰውራ ኤርትራ ዘይቀረበ ነይሩ። ኣቶ ጉንተር ንነዊሕ ዓመታት ሓያል ጻዕርን ድኻምን ኣካይዱ ዝሰነዶ ናይ 1950ታት ኤርትራውያን ሓርበኛታት ንናጽነት ምልዕዓላት መዓስን ከመይን ከምዝነበረ ብንጹር ተንቲኑነ ቕሪብዎ።

ብጻይ ዓብደላ ሱሌማን፡ ኣብ ቃልሲ ምእራም ሰውራ ኤርትራ ኣብ 1966 ዝጀመረ ብኣካል ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበረሉ ምንቅሳቓስ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ናብ ደንከልያ ክትኣቱ ኣብ ዝተገብረ ጻዕርን፡ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሓላፊ ኣብ ዝነበረሉን፡ ኣዝዩ ሃብታም ተመክሮ ኣቕሪቡ።

ብጻይ ሕድራይ ፍሓ፡ ንቂያ ስርሒታት ናይ ተ.ሓ.ኤ. መቐጸልታ ናይ`ቲ ብሰፊሑ ከቕርቦ ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ድማ ናይ ስዉእ ፍሃየ ጅግና መስዋእቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከቕርብ ከሎ፡ ብጾት ዶክ. ግርማይ ነጋሽን ዶክ. ኣንገሶም ኣጽባሃን፡ ``ብድሆታት ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ`` ብዝብል ቴማ ዘቕረብዎ ዓሚቝ ሓተታ ንዳግመ ርክብ ናይ 2017 ዝልለ ድምቀት ፈጢርሉ።

ዳግመ ርክብ 2017፡ ብጉዳይ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ዘትዩን ናይ ገንዘብ ወፋያ ተገሩን። ከምኡ`ውን ኣዝዮም ውፉያት፡ ንናይ ኣጋይሽና ናይ ነፋሪት ቲኬት፡ ናይ ሆቴል፡ ናይ መግቢ ውጻኢታት ብኣርባዕተ ሃብሮማት ዜጋታት ክሽፈን ምኽኣሉ፡ ካሜራን ስእልን ምልዓል (ናይ`ቲ ስነዳ ቀንዲ መትኒ)፡ ነቲ ኣኼባ ዝኸውን ናይ ድምጺ መግልሒ መሳርሒታት፡ ጉልበቶም ፍሉይ ክእለት ንስለ ዘወፈዩ ውፉያትን ንኹሎም እቶም ንናይ 2017 ዳግመ-ርክብ ክዉን ንምግባር ዝልለ ጻዕሪታት ንዝገበሩን ፍሉይ ምስጋና ዝግበኦም`ዩ።

Last modified on Sunday, 23 July 2017 22:47