ተሓቢአ ትብል ኣብ ሳንዱቕ: ወረኻ ግና ኣብ ሹቕ

2017-07-19 08:05:55 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2910 times

ኣብ ሓደ ጓይላ፡ ሓደ ሰብ ክሕሱ ደልዩ  ግን ከኣ ዝፈልጥዎ ከይህልዉ ስለዝሰግአ፥ “ክንሕሱስ ደቂ ዓድናዶ ኣብዚ ኣለዉ“ በለ እንዳተባህለ ይዝንቶ። ነዚ ዝሰምዑ “እወ ኣሎና” ምስ በሉ ከኣ “እሞ ደቂ ዓድና ዘይፈልጥዎ ደኣ እንታይ ክንብል” ኢሉ ክሕሱ  ካብ ዝሓሰቦ ተቖጠበ” ይበሃል።  ብቐሊሉ ንክብሩ ዝትንክፍ ዝነበረ ሓሶት ከይሓሰወ ከኣ ሓበኑን ክብሩን ዓቀበ።

ልክዕ እዩ ኩሉ ግዜ ሓሶት ምዝራብ ኣዝዩ ቀሊል ስለዝኾነ ሰብ ይፈልጠኒ እዩ  ክትብል ኣይትሓስቦን ኢኻ። በዚ ዝኣክል ሓሶት ንሓቂ ቀዲማታ ክትጐዪ ስለ እትኽእል፡ ሓቂ  ንግዘኡ ክትክወል ትኽእል።  ሓቂ ተዓቢጡ ሓሶት ክትቕልቀል እንከላ ኣብ ደቂ ሰባት ዝነበረ ጥዑይ ዝምድናን ምትእምማንን ኣብ ምጥራጣር እዩ ዝኣቱ። ምኽንያቱ ኣብ ሓድሕድ ምቅርራብ፥ ይኹን ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ሓቂ እምበር ሓሶት ጥዑይ ዝምድና ክፈጥር ኣይክእልን። ብዘይ ምትእምማን ዝፍጠር ዝምድና ከኣ ኣብ ሑጻ ከም ዝተሰረተ ገዛ ፈራሲ ብምምዃኑ።

ሓሶት ብመሰረቱ ብስነምግባር ጌጋ ጥራይ ዘይኮነስ ንምትእምማን ዘጥፍእ እዩ። ምትእምማን እንተዘየልዩ  ዉዑላት ይኹን ዝተሰማማዕካሎም ጉዳያት ትርጉም  ክህልዎ ኣይክእልን። ኣብ ሓሶት ባእሲ፥ ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ፥ ምርሕሓቕን ጭካነን ክፍጠር ከሎ፡ ኣብ ሓቂ ግና እምነት፥ ሕያውነት፥ ትሕትና፥ ምቅርራብ፥ ዘይምጉድዳእ ባይታ ይፍጥር። ስለዚ እምነት ብዘይ ሓቂ፥ ዝምድና ከኣ ብዘይ ምትእምማን ኣይፍጠርን እዩ።

ልክዕ እዩ ሓድሓደ እዋን ህይወትካ ንምድሓን፥ ወይ እውን ንደቂሰባት ብፍላይ ንሕጻናት ንምትብባዕን ምብርባርን ኢልካ ምንኣድን ሓሶት ምጥቃምን ነውሪ የብልሉን። ሓቂ ንምድፋን ኢልካ ሓሶት ክትጥቀም ግና ስነምግባራዊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ኣብ ምህዞ ወይ ጭብጢ ኣብ ዘይብሉ ዝተመርኮሰ ሓሶት ፍታሕ ዘይርከቦ እዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ሓሶት ዘዘውትር ኣብ ቅድሚ ሓቂ ብቕዓትን ዓቕምን ስለዘይብሉ፥ ሓቂ ቦሎኽ ኢላ ንኸይትወጽእ ብምስጋእ ካብ ስምዒት ዝነቐለ ጭብጢ ዘይብሉ ምጥቃንን፥ ኣሉ ቀጣን ምባልን የብዝሕ።

ንሓቂ ሓቢኡ ክሕሱ እንከሎ፥ ኩሉ ግዜ ነቲ ንሱ ኽዕውቶ ወይ ክረብሓሉ ዝደሊ ጠቕምታት ልዕሊ ኩሉ የቐድም። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ብኣግኡ እንተዘይተገቲኡ ንድኹማትን፥ ኣብ ሰንኮፍ ዘለዉን፥ እቶም ንሓሶት ልዕሊ ሓቂ ገይሮም ዝወስዱ ክደናገሩ ይኽእሉ እዮም። ካብ ሓሶት እንኸስቦ ይኹን እንመሃሮ ወይ ውን እንቐስሞ ፍልጠት ፈጺሙ የለን። ብኣንጻሩ ሓሶት ስኒት ዘጥፍእ፥ ቅኑዕ ሓበረታ ዝዓብጥ፥  ሰባት ተፋቒሮምን ኣሳንዮምን ንኸይነብሩን  ስምምዕ ንኸይፍጠርን ዝገብር … ወዘተ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንህኩይ፥ ንዘየስተውዕል፥ ንድኹም መንፈስ፥ ሓይሊ ዝህብን ፍታሕ ዘምጽእን ኮይኑ ይስምዖ እዩ።

ሓሶት ንግዚኡ ንብዙሕ ሓቅታት ክድምስስ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ጭብጥታት ኣምጺእካ ምስ እትገጥሞ ህጣሙ እዩ ዝጠፍእ። በዚ ዝኣክል እዮም ከኣ ኣበው “ካብ ሰራቕስ ሓሳዊ የጥፍእ” ዝብሉ ዝነበሩ። ሓሳዊ ተሓቢኡ ዘሎ መሲልዎ ዝፈልጦን ዘይፈልጦን፥ ንሓቅታት ጠምዚዙ ሓቂ ብዝመስል ኣገባብ እናተጠቕመ ዝፈልጠኒ ኣይክህሉን እዩ ኣብ ዝብል እዩ ዝተኣማመን። ይኹን እምበር ከምቲ ምስላ ዓረብ “ንስኻ ኣብ ሳንዱቕ ወረኻ ግና ኣብ ሹቕ” ዝብሎ እዩ። ዘይስማዕ ደኣ መሲሉካ እምበር ወረኻስ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ’ዩ ማለት እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ከኣ ነቲ ናቱ ድሌትን ዝኣለሞ ውዲትን ሓቢኡ ብኣንጻሩ ንሰብ ክእምን ምፍታን እዩ። እዚ ከኣ እቲ ንድቂ ሰባት ኣብ ተግባራዊ ስጉምቲ ንምኻድ ፍሕት ምባል ከሊኡ ዘሎ ዓቢ ነጥቢ ድሌታቱን እምንትኡን ሓቢኡ ብሓሶት ካልእ ፍጥረት ክትመስል ምድላይ እዩ።  ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከል ወይ እውን ዲሞክራሲያዊ መትከል ክሕይልን ይኣምን እየ እናበለ፡ ብውሽጡ ግና ካልእ ዘየሳንን ዘየተሓቛቊፍን ሓዚሉ እንከሎ ንካልኦት ከናሹን ከነኣእስን ዝብገስ ኣሎ።

እቲ ዝገደደ ከኣ ከምቲ ምስላ ኣበው “ራዛ ናይ ኣብኡ ሓዛ” ዝብሎ እታ ትማሊ ኢሳያስ ዝኸዳ ጐደና ማለት ክርስትያን ተወጺዑ ብማለት ንህዝቢ ዘዳህለለት ሽርሒ ተኸቲልካ ምኻዱ እዩ። ንሱ ድማ እነሆ ብዓሌት፡ ብኣውራጃን ብብሄርን እናተቐራረብካ፥ ነቲ ሓብራዊ ሃገራዊ መንነት ንድሕሪት ገዲፍካ ምኻድ እቲ ሓባራዊ ቃልሲ ንኸይዕምብብ ዕንቅፋት ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። እቲ ከምዚ ዝዓይነቱ ጥርናፈ ንምልኣት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝረብሕ እዩ ምባል ኣብ ክልተ ገረብ ምድያብ ማለት እዩ ከስምዕ። ከመይሲ እቲ ኣብ ሓድሕድና ክነጥርዮ ዝግበኣና ፍቕሪ፥ ሕውነትን ምትእስሳርን ተሪፉ ብጠቕምን ረብሓን ተጠሚቱ ሃገር ንምህናጽ ዘይኮነስ ነናትካ ኣጓዱ ምህናጽ ማለት እዩ።  በዚ ኣገባብ ውደባ ንሃገራዊ ጉዳይን ሓድነትን ብማዕረ ዝካየድ መንፈስ ንርድኦ ኢና ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ። ከምቲ “ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ነየሕድረኒ” ዝተባህለ ንሓደ ብሓሶት እናዘለፍካን እናጠቀንካን፥ ነቲ ካልእ ምስ ስርዓት እናጸጋዕካ፥ ሰልፍታት የለዋን ንሕና ኢና ንቃለስ ዘሎና፥ ንሕና ምስ መጻእና ኢና ስርዓት ኢሳያስ ርዒዱ እናበልካ ዝንዛሕ ጃህራ፡ ፈኸራን ናይ ሓሶት ፖለቲካ ምንዛሕን ዓወት ዘጐናጽፍ ኣይኮነን። ብኣፍና ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ግዝኣተ-ሕጊ ክነንግስ እንዳበልና፥ ብተግባር ግን ሕጊ ምጥሓስን ፋሕ ብትን ዘብል ሓሶት ምንዛሕን ነዘውትር። ስለዚ ሕጊ ተኸቲልካ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን፥  ምዕቃብ ብሓድነትን ሓቢርካ ብምስራሕን፥ ዘጋጥም  ሽግራት ብምግጣም ሓባራዊ ትልሚ ብምእማም እምበር ሓሶት ሰኒቕካ ጉዕዞ ናብ ደልሃመት እዩ።

Last modified on Wednesday, 19 July 2017 10:17