ወዲ ዓሻስ ክልተሻብ ይውቃዕ

2017-06-22 07:35:12 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2571 times

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ተሓኤ ብሰንኪ ውግእ ሕድሕድን ውሽጣዊ ጸገማታን ሜዳ ኤርትራ ለቒቓ ናብ ሱዳን ምስ ኣተወት፡ “ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ” ዝብል ስም ሒዛ እያ ቀጺላ። ኣብቲ እዋን  ተሓኤ ብዓባያ ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ተመቕለት። ነቲ ብጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕነት ብጉባኤ ክወርድን ኣብ ህዝቢ ቀሪቡ ክሕተትን ስልጣኑ ከረክብን  ሕጋዊ ብምንባሩ ብምእማና ካብተን ዝተረፋ ክልተ ጉጅለታት ጸብለል ኢላ ዝወጸት ነበረት። ህዝቢ እውን ነዚ ሓፈሻዊ መስመር ወይ ከኣ ብዓረበኛ “ተያር ኣልዓም” ብዝብል ስም ይጽወዓ ነይሩ።

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዋላ ካብ ሜዳ ኤርትራ ትውጻእ እምበር፡ ምስቲ ኣብ ሜዳ ዝተረፈ ሓይሊ ህዝባዊ ግምባር ክትደጋገፍ ድልውቲ ነይራ። ነዚ ብተግባር ከተሰንዮ ከኣ ካብቲ መንግስቲ ሱዳን ሒዛቶ ዝነበረት ኣጽዋር ተሓኤ እቲ  ከበድቲ ብረት ንህዝባዊ ሰራዊት ንኽወሃብ ወሰነት። ቀጺላ ኣውን ሰውራዊ ባይቶ ምእንቲ ሃገራዊ ነጽነት ንምቅላስ ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ሓቢራ ክትሰርሕ ናታ ስትራተጂካዊ ቦታ ንኽትሕዝ ሓቲታ  ተቐባልነት ግን ኣይረኸበትን።

ኣብ 1991 ህዝባዊ ሰራዊት ንመላእ ኤርትራ ተቖጻጺሩ መሬት ኤርትራ  ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ኣውጸኣ። ሓይሊ ሰውራዊ ባይቶ እናዓኾኸን እናዓበየን መጺኡ ህዝቢ እውን ክስዕቦ ምስ ጀመረ፡ ነዚ ብምርኣይ  ህዝባዊ ግንባር ብ1992 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰውራዊ ባይቶ፡ ንካልኣይ ግዜ  ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ወሰደት። 

ድሕር’ዚ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኤርትራ ነጻ ምውጻኣ ደገፋ ኣብ ልዕሊ ምግላጻ፡ ኣብ’ቲ ንኤርትራ ዝተቖጻጸረ ኣውንታዊ  ፖለቲካዊ መርገጻ ኣነጸረት። እቲ ፖለቲካዊ መርገጻ ከኣ “እቲ ዝተበገስናሉ ዕላማ  ነጻነት ኤርትራ ሽቶኡ ስለዝወቕዐ፡ ደጊም ብረታዊ ቃልሲ ኣብቂዑ ቀጻሊ ንሓርነት ምቅላስ እዩ” ዝብል ሓላፍነታዊ ውሳነ ወሰነት። ነዚ እውን ፖለቲካዊ ዋጋ ከፊላትሉ እያ። ምኽንያቱ በቶም ካልኦት ሓይልታት ነቲ ዕላማ ከም ምኽሓድ ስለዝተወስደ።

ብድሕሪ እዚ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተባርዐ ህዝቢ ዘይተጸበዮ ውግእ፡ ንስርዓት ህግደፍ ጠንጢኖም ምስ ዝወጹ እሞ ውድብ ዝመስረቱ ሓይልታት ህዝባዊ ግምባር ነበር ንሓርነታዊ ቃልሲ ሓቢርካ ንምቅላስ ብዝብል ምስ ሰውራዊ ባይቶ ርክብ ተጀመረ። ኣብ 2008 ከኣ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ናብ ሰልፊ ማዕበለት’ሞ ስለፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝብል ስም ሒዛ ወጸት። በዚ መሰረት ከኣ ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ርክባት ኣብ 2010 ኮንፈረንስ ተኻይዱ ናይ ክልቲኡ ሰልፍታት መሪሕነታት ከምዘለዎ መሰጋገሪ መሪሕነት ክኸውን ተወሰነ። ኣብ 2011 ከኣ ቀዳማይ ሰልፋዊ ጉባኤ ተኻይዱ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናብ ዝብል ሰፊሕ ሰልፊ ተሰግረ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምቛሙ ኣብ ክልቲኡ ሰልፍታት ዝነበረ ኣባል፡ “ሓቢርካ ምቅላስ ዝያዳ የዕውት” ዝብል ተረድኦ ሒዙ ተበጊሱ። እዚ ተባዕ ስጉምቲ ዝሓለፈ ውግእ ሕድሕድን ምንጽጻግን ዘሕደሮ ስንብራት ናይ ምሕዋይ ከቢድ ግና ድማ ኣድላይ ሓላፍነት ሒዙ እዩ ነቒሉ። ብዘይካዚ ኤርትራ ናይ ጀብሃ ወይ ናይ ሻዕብያ ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ናይ ኩልና እያ ብዝብል ናይ ክልቲኤን ገዳይም ውድባት ታሪኽ እወንታኡ ይኹን ኣሉታኡ ናይ ኩልና ምዃኑ ምቕባልን ምኽባርን ግድን እዩ ዝብል ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ ነይሩ። እተን ክልተ ባንደራታት ሓንቲ ታሪኻዊት መለልዪት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፥ እታ ሓንቲ ከኣ  መለለዪት ናይ ሎሚ  ሃገረ ኤርትራ ብምዃነን ክልቲአን ክሳብ ህዝቢ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ውሳኔ ዝህበሉ ብሓባር ከም ምልክት ክንጥቀመለን ተሰማምዐ።

እቲ ናይ ስምረት ጉዕዞ ብብዙሕ መስርሓት ተጓዒዙ ኣብ ናይ ፍጹም ምጽንባር ተበጽሐ። ነቲ መስርሕ  ብዙሓት ክድግፍዎ ከለዉ፡ ዝነጽግዎን ዘይናቱ መልክዕን ስምን ዝህብዎን’ውን ነይሮም። ሕሉፍሓሊፎም ነቲ ተባዕ መስርሕን ውጽኢቱን ከም ካልኣይ ገጽ ናይ ህግዲፍ ኣምሲሎም ዝገልጽዎ’ውን ነይሮም እዮም። ሓለይቲ ታሪኽ ተሓኤ ወይ ህግሓኤ መሲሎም ዝቐርቡ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን።  ግብራዊ ውጽኢቱ ከምይ ነይሩ፡ ኣሎን ክኸውን እዩን ብዘየገድስ ብመትከላዊ ዓይኒ እቲ በተን ክልተ ሰልፍታት ዝተውስደ ስጉምቲ ቅቡል እዩ። ንመጻኢ እውን ኩሉ ዋጋ እናተኸፍሎ ክቕጽል ዝግበኦ እዩ እብል።

Last modified on Thursday, 22 June 2017 21:36