ኤርትራ ብርግጽ ነጻ ሃገር ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን

2017-05-21 18:10:07 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2546 times

ኣብ ኣተረጓጉማ ቃላት ብፍላይ ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ትርግርኛ ክትርጎም እንከሎ ሓደ ቃል ሓደ ትርጉም ጥራሕ ዝህብ ከምዘሎ ገርና ምስ እንጥቀመሉ ኣብ ድንግርግር ከእትወና ይኽእል ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ኣብ ፍልልያት ከብጸሓና ይኽእል እዩ። ንኣብነት ትርጉም ናይ ሰለሰተ እንግሊዘኛ ቃላት እንተርኢና ኣብ ትግርኛ ሓደ ዓይነት ትርጉም እዩ ዘለወን። (Independence, freedom  liberty)ትርጉም ናይዘን ሰለስተ ቃላት ኣብ እንግሊዘኛ ተመሳሳልነት’ኳ እንተለወን ዝተፈላለያ ኢየን። ከምቲ ኣብ ጉጉል ዝገልጾ (Independence) ማለት ነፍስኻ ተመሓደረሉ፥ ማንም ደጋዊ ሓይሊ ዘይቆጻጸርካ ወይ እውን ነጻ ምዃን እዩ። ንኣብነት ሓደ ወዲ ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሐ ሓዳሩ ምስ ገበረ ኣብ ስድርኡ ኣይምርኮስን እዩ።  እዚ ማለት ገዝኡ ሓዳሩ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቱ ኮይኑ ማለት እዩ። ስለዚ ካብ ስድርኡ ነጻ እዩ።

ኣብ ቋንቋ ዝተመርኰሰ ናይ ትግርኛ ብዙሕ ኣፍልጦ የብለይን፥ ግን ከኣ ትርጉም ሓደ ቃል ኩልና ክንሰማምዓሉ ምእንቲ ናይ ፊደላት ፍልልይ ገይረ ክገልጾ ክፍትን እየ። ናይዘን ብእንግሊዘኛ ተጻሒፈን ዘለዋ ቃላት ብትግርኛ ብዘይካ ሓርነት እተን ክልተ ሓደ እዩ ትርጉመን ናጽነት ዝብል እየን ዝውክላ። ስለዚ ነቲ (Independence) ዝብል ብ ‘ነ’ ነቲ (freedom)ዝብል ከኣ ብ ‘ና’ ክጽሕፎ እየ።

ስለዚ ነጻነት ክበሃል እንከሎ ተቐማጦ ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ደውላ ብናይ ገዛእ ርእሶም ምምሕዳር ከስተማቕሩ ከለዉ  ዝጥቀሙሉ ቃል እዩ። ሓንቲ ሃገር ነጻ ኣብዘይኮነትሉ  ጽግዕተኛ  ተባሂላ ትጽዋዕ። ብስፍሕ ዝበለ ትርጉም ገለ ጉጅለ ወይ ጉጅለታት ናይ ህዝቢ ንሓደ ውሱን ጂኦግራፍካዊ ዙርያ ምሉእ ቁጽጽር ምስ ዝህሉ ነጻ ንብሎ። እዚ ከኣ ካብ ቁጽጽር ደጋዊ ሓይሊ ወጻኢ  ማለት እዩ። እዚ ካብ ጉጉል ዝተዋጸአ እዩ። እሞ ነጻነት መሬትን ህዝብን ክበሃል ከሎ፥ ሓደ እቲ መሬት ወይ እታ ሃገር ካብ ባዕዲ ነጻ ኰይና ማለት እዩ። እቲ ኣብታ ሃገር ዝቕመጥ ህዝቢ ከኣ ብናይ ባዕዳዊ ትእዛዝ ወይ ሕጊ ዘይኮነስ ብናቱ ሕጊ ክመሓደር ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ኤርትራ ተሳኢኑ ዘሎ ነጻነት መሬት ዘይኮነስ ነጻነት ህዝቢ እዩ ተሳኢኑ ዘሎ። ንሱ ድማ እቲ ልኣላውነት ህዝቢ ዝብል እዩ።

ናጽነት፥  ግደ ሓቂ  ዋላ እውን ኣንጻር መንግስቲ ይኹን ኣብ እኩብ ህዝቢ ዝርከበሉ ቦታታት ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ኣብታ ነጻ ዝኾነት ሃገር  ናብ ዝኾነ ቦታ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ምህላው እዩ። ብዝሰፍሐ ትርጉሙ ከኣ ኣብታ ነጻ ዝኾነት ሃገር ዝቕመጥ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ውሱን ቦታታት ናይቲ መሬት ማዕረ ዝኾነ መሰላትን ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን መድረኽ ብዘይፍርሃት ሓሳባቱ ንምግላጽ ናጽነት ክህልዎ ከሎ እዩ’’። እዚ ኣበሃህላ ኣብ ጉግል ዝተረኽበ እዩ። እዚ ብሓጺሩ እቲ ስልጣን ናይ ህዝቢ ተመንዚዑ ስለዘሎ፥ ኩሉ መሰላት ይኹን ዝዳነየሉ ሕግታት ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ተጨቢጡ ስለዘሎ እቲ ህዝቢ መሰል ናይ ምዝራብ፥ ምእካብ፡ ምቅዋም፥ ወዘተ ዝብሉ ተሓሪሙ ስለዘሎ ናጽነት የብሉን ዘስምዕ እዩ። ኣብዚ እቲ ልኡላውነት ህዝቢ ተመንዚዑ ስለዝኾነ ናጽነት የብሉን ማለት እዩ እምበር እታ ሃገር ነጻ ኣይኮነትን ከስምዕ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ህዝብን ሃገርን ካብ ባዕዲ ነጻ ኮይኑ ብርኩ ፈልዩ ከም ማለት እዩ።

ሓርነት’ውን ዋላ ብዝተፈልየ መልክዑ ይገለጽ እምበር ንነጻነትን፥ ናጽነትን ናይ ህዝቢ ንጥቀመሉ ቃል እዩ።  ሓደ ህዝቢ ናይ ነጻ ዝኾነት  ሃገር  ዝኾነ ይኹን  ክኽደን ናቱ ምርጫን፥ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክኸይድ መሰል ሃልይዎ ክንርኢ ከሎና ሓርነት ዝብል ቃል ብልማድ እንጥቀመሉ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነት ህዝቢ ሓራ ኮይኑ ይነብር ኣሎ ንብል’’። እዚ’ውን ካብ ጉጉል ዝተወስደ እዩ። እዚ እቲ ወዲ ሰብ ካብቲ ንካልኦት ዝጐድእ ጥራሕ ኣይኹን እምበር ኣብ ህይወቱ ድላዪ ክኸውን፥ ዝመረጾን ዘደለዮን ክውስን ብሕጊ ዝቕይዶ ክህሉ የብሉን ዘስምዕ እዩ። እዚ ምስቲ ናጽነት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከሎ፥ ብመሰረቱ እታ ነጻነት ናይ መሬትን ህዝብን ዝብል እቲ ሓደ ሸነኹ ጌና ኣይተማለአን ዘሎ። ንሱ ድማ እቲ ነጻነት ህዝቢ ዝብል እዩ። እቲ ነጻነት ህዝቢ ስለዘይተማለአ ከኣ እቲ ናጽነትን ሓርነትን ንምርካብ ንቃለሰሉ ዘሎና ምኽንያት እዩ።   

ሃገርና ኤርትራ እንተርኢና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተላቒቓ ዋንነት ሃገር ናይ ህዝባ ምዃኑ ተረጋጊጹ ከምዘሎ ምንም ዘጠራጥር የብልናን። ምኽንያቱ ኤርትራ ምስ ህዝባ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ኮይና እያ። እቲ ፍልልይ እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ብጸረ-ህዝቢ ምምሕዳር ወዲ ሃገር ዝተተኪአ ምዃኑ እዩ። እዚ ግን እታ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ኣይኮነትን ከብልና ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ እታ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ወይ ካብ ባዕዳዊ ምርኰሳ ተላቒቓ ስለ ዘስምዕ ነጻነታ ረኺባ ኣብ ነፍሳ ተመርኲሳ ማለት እዩ። በዚ ዝኣክል  እታ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተላቐቐትሉ   ዕለት ምልክት ነጻነት ወይ እውን ዋንነት መሬት ዝተረጋገጸ ብምዃኑ ክነብዕሎን ክነኽብሮን ናይ ግድን እዩ።

ልክዕ እዩ እቲ ካልኣይ ጉኑ ማለት ነጻነት ህዝቢ ዝበሃል ኣይተረጋገጸን ዘሎ። ህዝቢ  ዝመርጾን ዝቆጻጸሮን መንግስቲ፥ ከምኡ እውን ንሱ ዝሓንጸጾ ቅዋምን ዝምረሓሉ ስልጣንን ኣይጨበጠን። ይኹን እምበር እታ ሃገር ካብ ባዕዲ  ነጻ ዝወጸትላ ዕለት ኣብ ግዜ መላኺ ስርዓት ይኹን ድሕሪ መላኺ ስርዓት ከቢራ ክትውዕል እምበር ምልኪ ምስተቐየረ እታ ዕለት ክትቅየር ኣይኮነትን። ስለዚ እታ ነጻነት ናይቲ መላኺ ዘይኮነትስ ናይ ህዝቢ ምዃና ዝእምት እዩ እሞ ደቂ ሃገረይ ኤርትራ ብስምዒት ጥራሕ ተደሪኽና ክንከይድ ኣይግባእን። ነዘን ዝተፈላለያ ትርጉማት ክንርዳእ የድሊ። ንሱ ድማ  ናጽነት ብጠቕላላ ካብ ነጻነት ዝተፈልየ እዩ። ህዝቢ ዝኾነ ይኹን ብዛዕባ ምርጭኡ ዋላ ውን ኣንጻር  ናይ መንግስቲ ፖሊሲ ክዛረብ ከሎ ንናጽነት ትብል ቃል ብፍላይ ንጠቐም። እዚ ስለዝኾነ ከኣ እዩ እቲ ህዝቢ ነጻ ኣይወጸን እንብል እምበር እቲ መሬት ነጻ ኣይወጸን ክንብል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ፍልልይ ናይዘን ክልተ ነጻነትን ናጽነትን ክነስተብህለለን ይግባእ።

ዮሃና ንዕለተ ነጻነት ኤርትራ ካብ ባዕዲ።
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና።

Last modified on Sunday, 21 May 2017 20:19