ድሕሪ’ቲ ስቕታ ዝሰምዖ ዝሰኣነ ኣውያት

2017-02-15 11:07:56 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2880 times

ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ናጽነቱን ቃልሲ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ እዩ። እቲ በብግዜኡ ዝያዳ ጎሊሑ ዝዝረበሉ ግና እቲ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ዝተኻየደሉ መስርሕ እዩ። ጉዕዞ ብረታዊ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት እቲ ኣውንታኡ ከም ዝዛይድ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣሉታታት ዘይተፈልዮ ምንባሩ ካልእ ኩልና ዘይንኽሕዶ እዩ። መበቆል ናይዚ ሕጂ ሃገርና ዘላቶ መትሓጃ ዘየብሉ ሃለዋት ከኣ እቲ ሽዑ ኣዝዩ ንኡስን ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእልን ዝመስል ዝነበረ ናይ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ኣሉታ እዩ። ኣብዚ ዝተናውሐን ጌና ሕጂ’ውን ቀጻሊ ዘሎን ቃልስና ጸጸኒሖም ዝገሃዱ መጠምዘዚ ኩርነዓት ነይሮም እዮም። 1961 ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ በሊሕ መልክዑ ዝተሰጋገረሉ ኩርናዕ ነይሩ። 1991 ከኣ መስርሕ ቃልሲ ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ተዛዚሙ ናብ ሓድሽ ልኡላዊት ሃገር ናይ ምህናጽ ዝተሰጋገርናሉ ወሳኒ ኩርናዕ ነይሩ። ነዚኣቶም ደኣ ከም ፍሩያት ኣብነት ጠቒስና እምበር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎም ካለኦት ነናቶም ጽልዋ ዝነበሮም ኩርነዓት’ውን ነይሮም እዮም።

ኣብዞም ወሰንቲ ዝበልናዮም ኣገደስቲ ኩርነዓት ዝውሰድ ስጉምቲ ነቲ ድሕሪኡ ዝኸይድ መስርሕ ወሳኒ ጸላዊ እዩ። ንኣብነት ኣብቲ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ተዛዚሙ፡ ናብ ቃልሲ ምህናጽ ሃገር ዝሰገርናሉ ኩርናዕ፡ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተወስደ  ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ እነሆ ሳዕቤኑ ይረአ። እቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተረጋገጸሉ ግዜ ዓለምና ንብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባ ወሳኒ ኣቓልቦ እትህበሉ ዝነበረት’ዩ። ብዙሕነት ክበሃል እንከሎ ብዙሕ መልክዕን ኣገላልጻን ዘለዎ ኮይኑ፡ ሕጂ ንግደሰሉ ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት እዩ። ኣብ ኤርትራ እዚ ብዙሕነት ኣብ ቅድሚ ናጽነት እውን ነይሩ እዩ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሐደ ውድብ ንላዕሊ ንክህሉ ዝደረኸ ከኣ እዚ ብዙሕነት’ዚ እዩ። ሓደ ኮይንካ ንሓደ ዕላማ ካብ ምድፋእ ብዝነበረና ድሌት ነዚ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ምዃን ዘይደገፍናዮ ብዙሓት ነይርና። እንተኾነ ክውንነት ዝወለዶ ስለ ዝነበረ ከነወግዶ ኣይከኣልናን። እቲ ዝሃሰየና ከኣ ነዚ ብዙሕነት ከነወግዶ ዘይምኽኣልና ዘይኮነ፡ ብስልጡን ኣገባብ ከነመሓድሮ ዘይምኽኣልና እዩ። ሎሚ ሎሚ እሞ ከኣ ክኢላን ሓላፍነታውን ኣመሓዳሪ እንተረኺቡ ብዙሕነት ጐዳኢ ዘይኮነስ፡ መልክዕን ሓይልን ምዃኑ ተኣሚንሉ ዝስረሓሉ ዘሎ እዩ።

ኣቶ ኢሳይያስ ነቲ ናይ 1991 ብዙሕነት ዘቐድም ሓቢርካ ሃገር ናይ ምህናጽ ሓድሽ ምዕራፍ፡ ናይ ውሱናት መዋስኢ ጥራይ ከም ዝኸውን ንምምልካት “ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሸውየ የለን” ብዝብል ምስ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ዓለማዊ ኩነታት ብዘይቃዶ ጭረሖ እዩ ጀሚርዎ። እዚ ትምክሕታውን በሓትን ንቕሎ ነተን ሽዑ ዝነበራ ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ናጽነት፡ ነናተን ብጽሒት ዝነበረን ውድባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ኣቶ ኢሳይያስ “ናትና እዩ” ይብሉ ንዝነበሩ  ወገናትን’ውን ብስራት ኣይነበረን። እቲ ውዱብ ኣንጻር ህግደፍ ዝካየድ ቃልሲ ደንበ ተቓወምቲ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ምልዕዓል ተጋደልቲ 1993፡ ሕቶ ውጉኣት ሓርነት ማይሓባር፡ ምሕጽንታ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተበግሶ በርሊን ማንፈስቶ፡ ብዓብይኡ ድማ መኸተ ጉጅለ 15፡ ኣከያይዳ ኣቶ ኢሳይያስ ናይ ደሓን ከም ዘይነበረ ዘመላኽቱ  ኣብነታት እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ስድራቤት ስቕታ ዝዓብለሎን ሰማዒ ዝሰኣነን “ናይ መንገዲ ትስሕት ኣለኻ” ቀጻሊ ኣውያት ኣሎ። ክሳብ ሰማዒ ዝረክብ ክቕጽል ከኣ ባህርያዊ እዩ።

ኣብዞም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ናይ ምዕራይ ወፍርታት ዝተሳተፉ ኤርትራውያን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸልማት ንምቕንጣጥ ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበረሉ ገይሮም። ዋጋ ከኣ ከፊለምሉ። እቲ ነቲ ንቕሎ ዝሰመዐን ዝተዓዘበን ካብ ራህዋ እምበር ካብ ጭቆና ዘይርባሕ ህዝቢ እንተ ዝጽንበሮ ድማ መተዓወተ’ሞ ምስሊ ኤርትራ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ዝጸበቐ መኾነ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣይተገብረን። ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ክውንነትን ርትዕን ንምህዳም ኣይፋል ንዝበልዎ “ዝሓንቀቑ፡ ምስ ጸላኢ ዝተዓስቡ፡ ብናይ ምዕራብ ባዶ ተስፋ ዝተሰልቡ፡ ….. ወዘተ” ዝብሎ ከም ሓቂ ወሲዶም “ሕራይይይይይይ ገበሮም” ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት ክሳብ ክንደይ ካብ ፍትሕን ሓቅን ርሒቖም ከም ዘለዉ ይርደኦም ደኾን ይኸውን። ስርዓት ህግደፍ ክገብሮ ዝግበኦ ዝነበረ፡ ግና ዘይገበሮ ንጹር ክነሱ፡ “እንታይ እሞ ዘይገበረ?” ዝብሉ ፈሊጦም ስለ ዝደቀሱ ነቕኒቕካዮም ዘይበራበሩ’ውን ኣለዉ።

ነቲ “እንታይ’ሞ ዘይገበረ?” ዝብል፡  ከሎ ጌና ምሉስ ሕቶኦም ክንምልሰሎም። እቲ ስርዓት ንመንእሰያት ኣገዲዱ ናይ ግዜ ገደብን ክፍሊትን ንዘይብሉ ክዕስክሮም ኣይነበሮን፡ ንኹሉ መሰላት ሕገ-መንግስታዊ ውሕስነት ክህብ ነይርዎ፡ ኤርትራ ናይ ኩሎም ንህልውናኣ ዋጋ ዝኸፈሉ ዜጋታታ ከም እትኸውን ክገብር ነይርዎ፡ ካብ ውድባዊ ክሊ ወጺኡ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሜዳ ክዋሳእ ነይርዎ፡ ኤርትራውያን ንዘቕርብዎ ሕቶ ልብን ቀልብን ክህብ ነይርዎ። እዚ ነቶም ህግደፍ እንታይ ክገብር ከም ዝነበሮ እንዳፈለጡ ከም ዘይፈለጡ ዝኾኑ ንምትንባህ ኢና ንዝርዝሮ ዘለና። ጉድለት ህግደፍ ንጹር ክነሱ በብሓደ ምዝርዛር ግዜን ጉልበትን ዝበልዕ እዩ። ካብቲ ብሓጺር ክግለጸሉ ዝከኣል ንምጥቃስ ዝከኣል፡ እቲ ጉጅለ እዛ ሃገር ናይ ኩሎም ዜጋታታ ምዃና ዝቕበል ጹረትን ትዕግስትን ዘየብሉ  እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ናይ ገዛእ ሃገሩ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ታሪኹን ጥራይ ኣይኮነን ዝዘምቶ ዘሎ፡ እንተላይ ናይ ምሕሳብ ናጽነቱ እምበር።

እቲ ኣዝዩ ዘገርምን ዘተሓሳስብን እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እኩይ ኣተሓሳስባ ናይቲ ጉጅለ ናብ “ተቓወምቲ ኢና” ዝብሉ ወገናት እውን ዝልሑዅ ምዃኑ እዩ። ኩልና ከምዘይንዝንገዖ ነቲ ጉጅለ ምቅዋም ማለት ዓዲ ቀይርካ ካብኡ ርሒቕካ ምንባር ማለት ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ርሒቕካ ኣንጻሩ እትጭርሕ ክንስኻ ነቲ ኣካይድኡ ምድጋሙ ምቅዋሙ ማለት ኣይኮነን። ንድሕሪት እንተጠሚትና ምስዚ ጉጅለ ዘተኣሳስር ታሪኽን ድሕረ-ባይታን ክህልወና ይኽእል። እቲ ሕሉፍ ተመኩሮ ናቱ ግቡእ ቦታ ክሕዝ ዝግበኦ እምበር ንድሕሪት ተመሊስካ ዝስረዝ ኣይኮነን። ኣብዚ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ንቕድሚት ከነማዕዱ ናይ ግድን ዝኾነሉ መድረኽ ግና ኣብቲ ምስ ህግደፍ ዘመሳስለና ሕሉፍ፡ ዘይኮነ ኣብቲ ምስኡ ዝፈላልየና መጻኢ ኢና ከነድህብ ዝግበኣና።  

Last modified on Wednesday, 15 February 2017 12:13