ኤርትራ ናይ ጽባሕ ከ፡ ንኹልናዶ ንገሌና?

2016-10-28 07:58:53 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2193 times

ኤርትራ ብበበይኑ ናይ ብዙሕነት ሕብሪ ዝወቀበት ናይ ሓባርና ሃገር እያ። ብዙሕነታ፡ ብሃይማኖታዊ እምነት፡ ብብሄራት፡ ብቋንቋ፡ ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ባህልን ይግለጽ። እዚ ብዙሕነት’ዚ ዝፈጥሮ ኣብ ብዙሕ ተረኽቦታት ዝንጸባረቕ ናይ ሓሳብ ብዙሕነት እውን ኣብ ኤርትራ፡ ነይሩ፡ ኣሎን ክቕጽልን እዩ። ኩሉ እዚ ብዙሕነት ኣብ ክውንነታ ነናቱ እጃም ዘለዎ፡ ኣሳንዩ ክነብር ዝግበኦ እምበር ዝውገድ ኣይኮነን። ገለ ካብዚ ብዙሕነት ከተወግድ ወይ ከተስተናዕቕ ምፍታን ከኣ ንምሉእነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለ ዝኾነ፡ ቅቡል ኣይኮነን።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብዙሕነት ተቐቢሉን ኣኽቢሩን ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ፡ ብሄራዊ፡ ቀቢላዊ፡ ባህላውን ቋንቋውንብዙሕነት ይኣምንን ከም ሃገራዊ ቅሙጥ ጸጋን ሓይልን ይቖጽሮን።” ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ሰነዳቱ እዩ። ነዚ ብዙሕነታዊ ሓሳብን እምንቶን ናይ ምዕቃቡ ግቡእ ከም ዘለዎ  ንምዕዛዝ ከኣ “ኤርትራ፡ ሰላምን ሓድነትን ዝሰፈና ሃገር ንኽትከውን፡ ነዚ ናይ ብዙሕነት ባህልን ሓርበኛነትን ጸጋ ብምልላይ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ብዙሕነትን ንምዕቃብ ይጽዕር።” ብዝብል ነዚ ቀዳማይ ሓሳብ የራጉዶ።

እዚ ብግቡእን ሓልዮትን እንተ ተመሓዲሩ መልክዕናን ግርማናን፡ ተዘይተመሓዲሩ ከኣ ክፋእናን ውድቀትናን ዝኸውን ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና ኣብ ብዙሕ መዳያት እዩ ዝንጸባረቕ። ኣብ ኣገላልጻ ፖለቲካዊ መንነት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለ ይንጸባረቕ።  “ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ብኸመይ’ያ ትመሓደር?” ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ እውን ይንጸባረቕ። ገሊኦም “ጉጅለ ህግደፍ ናይ ውሱን ሃይማኖታዊ እምነት ወኪል’ዩ” ይብሉ። ገሊኦም ድማ ናይ ውሱን ብሄር ወኪልን ሓላው ረብሓን እዩ” ካብ ምባል ድሕር ኣይብሉን። ገሌና ከኣ “ጉጅለ ህግደፍ ውሱን ጸረ ህዝቢ ባርያትን ጸቢብ ረብሓን ናይ ዘራኽቦም ኣንጻር ህዝቢ ዝጨከኑ፡ ንዝኾነ ኤርትራዊ ሃይማኖትን ብሄርን ዘይውክሉን ዘየኽብሩን ውሑዳት ምትእኽካብ እዩ” ንብል። “ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ ሕቶ ደሞክራሲ ብኸመይ ይምለስ?” ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሲ እውን በቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዝጽለው እዩ።

ገሊኦም ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዝምስረት ስርዓት ሃይማኖታዊ ክኸውን ይጽዕቱ። ገሊኦም ድማ የለን ነናይ ብሄርካ መንግስቲ ብምምስራት እባ ክብሉ ይስምዑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዙርያ እዚ ሸነኻዊ እምነታት ይውደቡን ነቲ ጌጋ ዝብልዎ ናይቲ ጉጅለ ኣካይዳ ይደግምዎን። ገሌና ከኣ ብፍላይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዞም ክልተ ንብዙሕነታዊ ሓድነትና ዘህስሱ ሓሳባት፡ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ናይ ምስራዞም ስልጣንን ሓላፍነትን’ኳ ተዘየብሉ፡ ኣብ ኤርትራ በዞም ዝተጠቕሱ ጫፋት ዘይእለ፡ ደሞክራስያውን ዘይሃይማኖታውን (ሰኩላር) ስርዓት ክምስረት ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። ንምዕዋቱ ድማ ይቃለስ። ኣብ ክንዲ “ንገሌና” ንኹልና ዝብል ሓሳብ ንምጐልባት ድማ ከይሰልከየ ይሰርሕ። ካብዚ ንኤርትራዊ ውድዕነት ዘንጸባርቕ እምነቱን መትከሉን ዝነቅል “ሰደህኤ ማእከላዊ እምንቶኡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ህያው ንምግባር ኣብ ሞንጎ ብሄራትን ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለታትን ሰላምን ቅሳነትን ተዋሃሂድካ ናይ ምንባር ባህሊ ከስፍን፣ ነቶም ንኤርትራዊ ሃገርነት፡ ብዙሕነትን ሃገራዊ ልዑላውነትን ዝፈታተኑ ግድላት ብንቕሓት ክብድሆምን ክምክቶምን እዩ፤ .. ሰዲህኤ ሰኩልያር ስርዓተ-መንግስቲ ንምህናጽ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ኢድ ምትአትታው ክህሉ ከም ዘይብሉ ይኣምን። ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ሰዲህኤ ሓያልን ኣዎንታዊ አምንቶኡን ኣብ ሃይማኖታዊ ናጽነት የረጋግጽን፣ ሃይማኖት ኣብ ዉልቀን ሕብረተሰብን ዘለዎ ክብርን ጽልዋን ድማ ይፈልጥን የኽብርን።” ዝብል መትከል ቀንዲ ኣካል መሰረታዊ ሰነዳቱ እዩ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝተወደብና ተቓወምቲ ውድባት ነዚ ካብ ብዙሕነትና ዝምንጩ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ከነከኣእሎ እምበር ከነወጋግዶ ኣይንኽእል ኢና። ነዚ ፍልልያት ኣሳንዩ፡ ንዘድልዮ ዓቂቡ ንዘየድልዮ ገሊፉ ናይ መወዳእታ መልክዑ ከትሕዞ ዝኽእል ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝመሓደረሉ ቅዋም ከጽድቕ ኣብ ዝኽእለሉ መድረኽ ምስ ደየበ ጥራይ እዩ። ሽዑ እዩ እቲ ህዝቢ ዝድግፎ ኣተሓሳስባ ኣካል ቅዋም ኮይኑ ዝትግበርን ኩልና ክንቅየደሉ እንግደድን። እቲ ተቐባልነት ዘይረኸበ ኣተሓሳስባ ከኣ ንክስማዕ ዕድል ይረክብ። እዚ ዝትግበር ኣምበኣር እቶም ሕጂ ኣብ ህዝባዊ ዳኛ ዘየብሉ ሜዳ “ናተይባ ይበልጽን ይሓይሽን” ንበሃሃል ዘለና ውድባት ነንኣምነሉ ኣተሓሳስባ ሒዝና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሕጋዊ፡ ኣሳታፊ፡ ሰላማውን ደሞክራስያውን ውድድር ነካይደሉ መድረኽ ምስ ጣጥሐ እዩ።

ብእምንቶይ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣሊኻ ናብቲም ምስ ህዝብና ዘረኽብ መድረኽ ዘብጽሕ ኩልና እንጐዓዘሉ መንገዲ ናይ ሓባር ጐደና እዩ። እዚ መንገዲ እዚ፡ ናይ ድሕሪ ህግደፍ ፖለቲካዊ እምነቶም ትሕዝቶ ብዘየገድስ፡ ንኹሎም ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎምን ንምትግባሩ ዝቃለሱን ወገናት ናይ ሓባሮም እዩ። ዋላ ሓደ ኣካል  “እዚ መንገዲ ናይ ከምዚ ፖለቲካዊ እምነት ዘለዎም ጥራይ እዩ” ኢሉ ነቲ ካልእ ከግልል ስልጣን የብሉን። ንረብሓኡ’ውን ኣይኮነን። ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ዘተርንዕ ዘዳኽም ስለ ዝኾነ። ሎሚ ክትስጉም እንከለኻ ብዛዕባ ጽባሕ ምሕሳብ’ኳ ሕማቕ ተዘይኮነ፡ ናይ ጽባሕ ትጽቢትካ፡ ንናይ ሎሚ ስጉምትኻ ዘዕንቅፍ ከይከውን  ምጥንቃቕ ግና የድሊ። ናይ ሎሚ ውሕልነትካ ንናይ ጽባሕ ተዓዋትነትካ ዝውስን ስለ ዝኾነ። “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝብል ብሂል ዘይምርሳዕ። ጽባሕ ኣብ ዝግበር ናይ ፖሊሲ ውድድር ከይበልጸኒ ኢልካ፡ ከሎ ጌና ሎሚ ተዘየርሓቕኩዎ ምባል ነቲ ካብ ሎሚ ናብ ጽባሕ ዘብጽሕ ናይ ሓባር ዓቕሚ ምድኻም ከም ዘስዕብ ምስትብሃል የድሊ። ከምዚ ዓይነት ልቦና እንተልዩ ጥራይ እያ እምበኣር ናይ ጽባሕ ኤርትራ ናይ ግሌና ዘይኮነትስ ናይ ኩልና እትኸውን።

Last modified on Friday, 28 October 2016 10:02