ሓበሬታ ንህንጸትዶ ንዕንወት

2016-10-11 09:15:13 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2117 times

ሓበሬታ ኣብ ፍሉይ ፖለቲካዊ ዕማም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወት ደቂ ሰባት ዘለዎ ቦታ ዓብይ እዩ። ሓበሬታ ንንኡስ ግዚያዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሰፊሕን ዓሚቕን ፍልጠትን ምምርማርን መሰረት’ውን እዩ። ሓበሬታ ዘየብሉ ኣካል ካብ ብዙሕ ነገር ከም ዝተርፍ ተረድኦ ስለ ዘሎ እዩ ከኣ “ሓበሬታ ሓይሊ እዩ” ዝበሃል። ተፈላሊና ጸኒሕና ክንራኸብ እንከለና “እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ” እንበሃሃሎ ከኣ ነዚ ዘመልክት’ዩ። ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብን ዘይምርካብን ኣብ ምሉእ ህይወት ናይቲ ተሓባሪ ተጽዕኖ ኣለዎ። ናይቲ ሓባሪ መንነት እውን ዝገልጽ እዩ።

ኩልና ከም እንፈልጦ ከምቲ ቅኑዕን ሓቀኛን ሓበሪታ ዘለዎ ሃናጺ ረብሓ፡ ግጉይ ሓበሬታ ከኣ ኣዕናውን ናብ ሕማቕ መንገዲ ዝመርሕን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ንሰባት ናብ ግጉይ መንገዲ ካብ ዝመርሑ ሓደ፡ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ቅኑዕን ሃናጽን ሓበሬታ ዘይምርካብ እዩ። እቲ ዝሕብር ኣካል ገሊኡ ኮነ ኢሉ ግጉይ ሓበሬታ ሂቡ፡ ነቲ ዝሕብሮ ኣካል ከጋጊ ዝተዓጥቀ ክኸውን ይኽእል። ማለት ንኻለኦት ኣጋግዩ ናብ ኣዕናዊ መንገዲ መሪሑ፡ ንዓኡ ሓቀኛ ዝገብሮ ስለ ዝመስሎ። ገሊኡ ግና ኮነ ኢሉ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ቅድሚ ንካለኦት ምሕባሩ ንገዛእ ርእሱ ብዛዕባቲ ጉዳይ ንጹር ሓበሬታ ሰኣን ምርካብ ግጉይን ኣዕናውን ሓበሬታ ዝህብ’ውን ክኸውን ይኽእል። ናይዚ ኩሉ ፈውሲ እምበኣር፡ ሓደ ኣካል ብዛዕባ ሓደ ተረኽቦ ክሕብረካ እንከሎ፡ ቅድም ብዝግባእ ምስምዑን ሓበሬታኡ ከነጽር ኣጸቢቕካ ምጥዋቑን። ድሕሪኡ ብዛዕባቲ ዝተሓበረካ ባዕልኻ ምግንዛብን ክኸውን ይኽእልዶ ኣይክእልን ምምዛንን። እዚ እኹል እንተዘይኮይኑ ድማ ብዛዕባቲ ዝተዋህበካ ሓበሬታ ብኻለኦት ብዛዕባኡ ይፈልጡ እዮም እትብሎም ከተነጻጽሮን ከተጻርዮምን ምፍታ። በዚ ኩሉ መንፊት ምስ ሓለፈ ነቲ ሓበሬታ ናትካ ጌርካ ምውሳዱን ኣብኡ ተመስሪትካ ሃናጺ መርገጽ ምሓዝን ኣብ ሕማቕ ዘውድቕ ኣይከውንን።

ኣብ ውድባት ኤርትራ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ብኩራት ሳዕቤኑ ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ ክሳብ ክንደይ ሃሳይ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብዚ እውን ከምቲ ኣብ ካልእ መዳይ ገሊኡ ብገርህን ሓቂ መሲሉካ ግጉይ ሓበሬታ  ምዝርጋሕ የጋጥም እዩ። ኣብ ገሊኡ ግና ኮነ ኢልካ ግጉይ ሓበሬታ ነዚሕካ፡ ንገለ ሰባት ኣብ ዘይፈልጥዎ ምስ ውድባት ኣጻሊእካ ናባኻ ከም ዝስለፉ ንምግባር ዝንዛሕ እዩ። ኣብዚ ቀንዲ ግጉይ እቲ ኮነ ኢሉ ግጉይን ኣዕናውን ናይ ጸለመ ሓበሬታ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም  ከየጻርዩ ከም ዘለዎ ተመንጊጎም እዚ ሓበሬታ ኣብ ዝበከሎ ግጉይ መንገዲ ክኸዱ ዝውስኑ’ውን ካብ ተሓታትነት ክወጹ ኣይክእሉን እዮም። ብፍላይ ንውድባት ብዝምልክት መራሒኻ ብዛዕባ ካለኦት ውድባት ዝሃበካ ሓበሬታ ወይ መግለጺ ከም ዘለዎ ሒዝካ ኣንጻር ርኡይ ሓቂ ካብ ምውሳን ናይቲ ብዛዕባኡ ትሕበሮ ዘለኻ ውድብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ግብራዊ ምንቅስቓስን ምርኣይን ምስቲ ዝተበሃልካዮ ምንንጽጻርን መሰረታዊ እዩ። ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ውድባት ፖለትካዊ መደብ ዕዮኣንን ተዛመድቲ ሰነዳተንን ኩሉ ግዱስ ክረኽቦ ኣብ ዝኽእል ከቐምጠኦ ዝግባእ። ንኣብነት ኣብ መርበብ ሓበሬታአን።

ሓበሬታ ጠማዚዝካ ሰባት ኣዕሽኻ ናብ ኣዕናዊ ኣቕጣጫ ምምራሕን ብዙሕ መልከዓትዩ ዘለዎ። ናይ ገለ ፖለቲካዊ ኣምራት ትርጉም ምጥምዛዝ ናይዚ ግጉይ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ተግባር ሓደ መግለጺ እዩ። ንኣብነት፡ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ጽገና፡ ዘተ ምስ ጸላኢ፡ ጐነጻዊ ኣገባብ፡ ለውጢ ካብ ሽጢ … ወዘተ ንዝኣመሰሉ ሓረጋት ዝምልከትን ኣጋጊኻን ምስ ውድዕነት ኤርትራ ከይቃነኻን  ምቕራብ፡ መርኣያ  ናይ ዘይሃናጺ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ምዃኑ ተዓዚብና ኣለና።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ናይ ሓደ ውድብ ኣባል ኤርትራዊ መንእሰይ ብኣጋጣሚ ተራኺብና ዕላል ጀሚርና። ብዛዕባቲ ኣባሉ ዝኾነ ውድብ ሓደሓደ ኤርትራዊ ጉዳያት ከብርሃለይ ሓቲተዮ። ካብቲ ዝጠቐስኩሉ ዛዕባታት፡ ሚዛኖም፡ ኣብ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል፡ ሃይማኖታዊ ውዳበ፡ ኣገባብ ቃልሲ፡ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ውሳነ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ውድቦም ምስ ካለኦት ውድባት ዝገብሮ ምቅርራብ ዝብሉ ይርከብዎም። እንተኾነ ብዛዕባ ዋላ ሓደ ካብዚኣቶም ዝፈልጦ ከም ዘየብሉ ኣረጋጊጹለይ። መራሕቱ ሓበሬታ ሓሪሞም ኣብ ዘይፈልጦ መንግዲ ይኹብኩብዎ ከም ዘለዉ ከኣ ክዕዘብ ክኢለ።

ብኻልእ ኣገባብ ከኣ ቀሪበዮ፡ ብዛዕባ መትከላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ውድባትን ዝፈልጥ እንተኾይኑ  ሓቲተዮ።  ኣብዚ እውን ብዙሕ ሓበሬታ የብሉን። ዝያዳ ካብቲ ኣባሉ’የ ዝብሎን ጉልበታውን ገንዘባውን ኣበርክቶ ዝገብረሉን ውድቡ ብዛዕባ ካለኦት ከም ዝንገሮ ግና ተገንዚበ። እቲ ዝርካቡ ዝተነግሮ ሓበሬታ ግና ንሓቀኛ መንነት ናይተን ውድባት ዘይገልጽን ዘቀሓሕርን እዩ። ዝያዳ ዕላል ክቕጽል ምስ ደፋእኩዎ ከኣ፡ “ሰደህኤ ኣብ ጽገና ዝኣምን፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ዝራኸብ፡ ንዘተ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝብልዎ ዘይሰምዕ ሰልፊ  … እዩ እዮም ዝብሉና” ኢሉኒ። ያኢ መንእሰይ እዩ እሞ ንጉዳያት ናይ ምምስኻር ንያት ይህልዎ ይኸውን ኢለ ከኣ “ነዚ ዝተበሃልካዮ ሓቅነቱ ንምጽራይ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰደህኤኸ ኣንቢብካዶ ትፈልጥ? ካብ ኣባላት እቲ ሰልፊ ረኺብካ ከተዕልሎልም ዝፈተንካዮኸ ኣሎዶ?” ኢለ ሓቲተዮ። መልሱ ሓጺርን ንቑልቑል ዝኣፉን “ኣየንበኩን ዝፈልጦ ኣባል ሰደህኤ የብለይን። ከምኡ ዝብለካ ዘለኹ በዓል እገለ (ሓደ ካብ መራሕቲ ውድቡ) ዝበሉኒ ኣሚነ እየ” ዝብል ነይሩ። ንመጻኢ ግና ኣብ ርእሲ እቲ ኣነ ዝሃብኩዎ መብርሂ፡ ናቱ ናይ ምምስኻር ስራሕ ክሰርሕ’ሞ ኣብኡ ተመርኲሱ ርትዓዊ መርገጺ ክሕዝ ምዃኑ ቃል ኣትዩለይ ተፈላሊና።   ሓበሬታ ንኣዕናዊ ተግባራት ክውዕል እንከሎ ማለት እምበኣር ከምዚ እዩ።

Last modified on Tuesday, 11 October 2016 11:17