መግለጺ ሽማግለ መበል 25 ዓመት በዓል ናጽነት ኣብ ፍራንክፎርት

2016-05-27 19:55:40 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማግለ በዓል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1917 times

ዝኸበርክንንዝኸበርኩምንኣዳለውቲመበል 25 ዓመትናጽነትኤርትራ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል ብሓፈሻ

ድሕሪ ዕዙዝ ናይ ቃልሲ ሰላምታ፡ እንኳዕ ድማ ናብ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብጻሓና እንዳበልኩ፡  ነቶም ነዚ መበል 25 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ዘዳለዉ ኣሕዋት ከመስግን እደሊ።

ሎሚ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከነብዕል እንከለና፣ ነቲ ብቓልስን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ እተረጋገጸ ዓወት ኢና ንዝክር ዘለና። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ሰላማውን ዕጥቃውን ተጋድሎ  ኣካይዱ መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ ህይወትን ንብረትን ጕልበትን መስዋእቲ ብምኽፋል'ዩ ብዕለት 24 ጉንበት 1991 ንሰራዊት ባዕዳዊ ገዛኢ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕዳሩን ደገፍቱን ጸራሪጉ፣ መቁሕ ባዕዲ ሰይሩ፡ መሬት ኤርትራ ሓራ ዝገበረ።

ኤርትራ፡ በቲ ብ1993 ዓ.ም ዝተኻየደ ህዝባዊ ሪፈረንደም ላኣላዊትን ናጻን ሃገር ኰይና፣ ኣብ ኣህጕራዊ መድረኽን ሕብረተ-ሰብን ተፈላጥነት ረኺባ፡ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኰይና ኢያ።  እዚ ብክልተ መልክዑ ዝተረአጋገጸ ናጽነት’ዚ፤ ኵሉ ኤርትራዊ ክሕበነሉን ክሕልዎን ዝግባእ ክቡር ዋጋ ኢዩ። በዚ ድማ ኤርትራውያን ክሕጐሱን ክሕበኑን ይግባእ። 

ክቡራትን ክቡራንን ኣሓትን ኣሕዋትን፡

መሬትን ህዝብን ኤርትራ ካብ ቍጽጽር ባዕዳዊ መግዛእቲ ደኣ ናጻ ይውጽኡ እምበር፡ ህዝብና ካብ ጭቆናን ምልክን ግን ጌና ሓራ ኣይኰነን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ እቲ ህዝብና ዝተቓለሰሉ ናይ ፍትሒ፡ ሰላም ብልጽግና፡ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዕላማታት ጌና ኣይተረጋገጸን። በዚ ድማ፡ ከም ኤርትራውያን ጓሂ ክስምዓና ግድን ኢዩ።

ስለ’ዚ፡ ሎሚ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከነኽብር ከለና እተፈራረቐ ስምዒታት ሓቊፍና ኢና እነብዕሎ ዘለና። ብሓደ ሸነኽ፣ ሓጐስ ይስምዓና፡ ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ዝኸፈልናዮ ዋጋ እንቋዕ ከንቱ ኰይኑ ኣይተረፈ ንብል። ሕማቕ ምደራን ፖለቲካዊ ስልጣንን እምበር፡ ሕማቕ ሃገር እዃ እተዘይየል፡ ከም ኣባሃህላ ግን፡  ትሕመቕ ትጸብቕ ሃገር ኣላትና ክንብል በቒዕና ኢና። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ህዝብና እዚ ኩሉ ተቓሊሱስ፤ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክወድቕን ዘሕልፎ ዘሎ ኩለንተናዊ ሓሳረ-መከራን ከጕህየናን ከሕምመናን ከሕዝነናን ናይ ግድን ኢዩ።

ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ዋላ’ኳ ቅድሜና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንተተላቐቓ፡ ወይ ናጻ ሃገራት እንተዀና፡ ህዝበን ግን ጌና ሓርነቱ ኣይተጐናጸፈን ዘሎ። ህዝበን ብገዛእቲ ደቂ ሃገር እናተጨቈነ ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ናይ ኤርትራ ይኹን ናይ’ዘን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ምእንቲ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ብልጽግናን ሰላምን ኣንጻር ኣብ ሃሃገረን ዘለዉ ጨቆንቲ ደቀባት ገዛእቲ ስርዓታት ዝካየድ ቃልሲ፡ ብዓይነቱ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተኻየዱ ቃልስታት ዝተፈልየ ኰይኑ፡ ምስኡ ዝዛመድ ሓድሽ ኣገባብ ቃልሲ ዝሓትት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ዘሕለፎ ተመኵሮታት ኣዝዩ መሪር ኢዩ።  ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ኣብ’ቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እተኻየደ ውግኣት ተሰዊኦምን ቆሲሎምን፤ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ኣብ ማእሰርትን ጐዳጕድን ሰፊሮም፤ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ካብ ሃገሮም ተሰዲዶምን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ተመዛቢሎምን፤  በኣማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት ድማ፡ ብስም ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናይ ባርነት ወፍሪ ተጸሚዶም ይርከቡ ኣለዉ።

ኣሓትን ኣሕዋትን፡   

ብ3 ሚያዝያ 2016 ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ታዕሊም ወዲኦም ናብ ዓሰብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሞ ቅትለት፡ ንኣረሜናዊ መንነቱ ደጊሙ ዘቃልዐ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝኣተዎ መቃነዪ መብጽዓታትን ሓሶታትን ዘፍኰሰ ተረኽቦ ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ተረኽቦ’ዚ ብኣውያትን ዳርባ እምንን ተቓውሞታቱ ገሊጹ ኢዩ። እዚ ቍልዒ ናይ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ዓቢ ባርዕ ከምዝሰጋገር ድማ እምነትና ኢዩ። እምነት ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ ግን፡ እዞም ኣብ ደገ መሰል ናይ ቃልስን ምንቅስቓስን ዘለና ኤርትራውያን ብትብዓል ክንቃለሰሉ ይግባእ።

እዚ ስርዓት’ዚ፡ ዝፈጸሞምን ዝፍጽሞም ዘሎን ዝዓበየ ገበን ድማ፥ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ትጽቢትን ተስፋን ዘጸልመተ፡ ንክብርታቱን ሞያታቱን ዘቆናጸበ፡ ግዳይ ድኽነት፡ ሕማምን ድንቍርናን ምብትታንን ዝገበረ ስርዓት ስለዝዀነ ኢዩ።

ንመበል 25 ዓመት በዓል ናጽነት ኣብ እነኽብረሉ ዘለና እዋን፡ ብሓደ ሸነኽ ንናጽነትና ላኣላውነትናን ንምክልኻልን ንምጥባቕን፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣውዲቕና ፍትሒ፡ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና፣ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ድርብ ቃልሲ ንምክያድ ቃል እንኣትወሉ ዕለት ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፥ ነቲ ብ3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ናይ ቅትለት ተግባር ኰኒኑ፡ ነቶም ናይ ቅትለት ትእዛዝ ዘመሓላለፉ መራሕቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከእቱን ናብ ፍርዲ ከቕርብን ካብዚ መድረክ'ዚ ንጽውዕ። ከምኡ’ውን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆናን ዓፈናን መደምደምታ ንምግባር፡ እምቢ ንምልኪ ክብልን ኣብ ጐድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ንኽብል ደጊምና ንምሕጸን።

ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ነዚ ኣብ ተረኽቦ 3 ሚያዝያ ዘርኣያ ህዝባዊ ተቓውሞን ቍጥዐን ኣበሪኹ ንምእላይ ናይ’ቲ ስርዓት ከውዕሎ ንናይ መወዳእታ ግጥምያ ክዳሎ ይግባእ።

ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ድማ፡ ብዋሕዚ ናይ ስደተኛታት ተሰናቢዶም፡ ንቀንዲ ጠንቂ ናይ’ቲ ስደት ዝዀኑ ስርዓታት ገንዘብ ብምሃብ ነቲ ዋሕዚ ደው ንምባል ዝገብርዎ ዘለዎ ከንቱ ፈተነ፡ ፍረ ከምዘይብሉ ተገንዚቦም፥ ደገፎም ናብ’ቲ ደላዪ ፍትሕን ሰላምን ዝዀነ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባቱን በርገሳውያን ማሕበራትን ከማእዝንዎ ኣትሪርና ነተሓሳስብ።

ኣብ መጠረስታ፡ ነዚ በዓል ክዉን ንምግባር ዝደኸምኩምን ዝጻዓርኩምን ኣሕዋት ደጊመ እንዳኣመስገንኩ፡ ኣብዚ ይድምድም። 

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!

ዓወት ንፍትሓዊ  ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ናጻ ኤርትራ ትንበር!

የቐንየለይ።

ፍራንክፎርት 21.05.2016

Last modified on Friday, 27 May 2016 22:12