ኮሓሊት መሲላስ መንቆሪት

2016-05-25 07:06:00 Written by  መዓሾ ኣስራት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1807 times

ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትዎም ቀያሕትን ጸለምትን ደቁ መስዋእቲ ከፊሉ፣ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር ቃልሲ ልኡላዊት ሃገር ኩዉን ከምዝገበረን፡ በዚ ድማ ንዓለም ከም ዘደነቀን ኩላትና ንሰማምዓሉ ጉዳይ ኢዩ። ብኡ መጠን ከኣ ከም ኤርትራውያን መዓልቲ ናጽነትና ዓመት መጸ ከነኽብር ዉሁብ እዩ እመስለኒ። ኣብዚ ብምምርኳስ ከኣ ክልተ ዝተፈላለየ ሓሳባት ክቀላቐል ንዕዘብ ኣለና። እቲ ሓደ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ 25 ዓመታት ኣብ ልምዓትን መኸተን ዝብል ኰይኑ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ብላሽ ኢዩ፡ እዞም ዝተሰዉኡ ንኢሰያስ እዮም ተሰዊኦም ዝብሉ ኢዮም።

መቸም ኣብዚ ናይ 25 ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ናይ ክልቲኦም ኣታሓሕዛ ዝገርም'ዩ። በቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ክጅምር፡ እዚ ስርዓትዚ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ብጀካ ብርሰትን ጥፍኣትን እንተዘይ ኰይኑስ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቅም እንታይ ገበረ እንተበልካስ፡ ኣቲ መልሲ ዋላ ሓንቲ እዩ። ካብ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት እናታለለ ብዘይ ሕጊ ምርጫን ብህዝቢ ዝተመርጸ መራሕን፡ ብዘይ ቅዋም፡ ከም ድላዩ ዝገብር ዉልቀ መራሒ ዝዝውራ፡ ክሓስሞ ከሎ መን ከም ህዝቢ ኤርትራ እናበለ ዘመጉስ፡ ክጥዕሞ ከሎ ድማ እዚ ህዝቢዚ ዘይገብሮ ዘይብሉ ብማለት ዳርጋ ቀይዲበተኽ ጌሩ ዝገልጾስ ከመይ ጌሩ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ክኸውን ሃገር ኣብ ልምዓት ክጽመድን። ኣቱም ሰባት ብሓቂ ኣአምርኡ ንዝሰርሕ'ስ፣ መንእሰያት ፍቕሪ ስድራቤት ከይጸገቡ መንጢሉ ብወተሃደራዊ ሕግታት ቀይዱ ፍርሕን ራዕድን ከም ዝሓድሮም ዝገብር፡ እታ ብገዛእቲ እኳ ዘይተዓጽወት ሓንቲ ዝነበረት ዩኒቨርስቲ ንሓዋሩ ዓጽዩስ ከመይ ገይሩ እዩ፡ ሓላዪ መንእሰያትን መማዕበሊ ትምህርትን ክኸውን ዝኽእል?

ካልእ'ውን ሃብታማት ኤርትራውያን ሃብቶም ኣብ ሃገሮም ኣዋፊሮም ንነብሶምን ህዝቦምን ክጠቕሙ ንዝሓሰቡ ዕድል ምኽላእ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣበሳጭዩ ዘባርር፡ ህዝቢ መጽለሊ ክረክብ ከተማታትና ድማ ክዓብያን ክግርማን ኢሎም ኣባይቲ ንዝሃነጹ፤ ክሳብ ኣብ መፈጸምታ ዝበጽሕ ከም ጥዑይ ክዕዘብ ጸኒሑ ዝተሃንጸ ዘፍርስ ስርዓትስ ከመይ ጌሩ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ክኸውን ይኽእል? ስለዚ ኩሉ በቲ ስርዓት ዝገብር ዘሎ ብስም በዓል መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብዝገብሮ ብልጭልጭ ህዝቢ ብምትላል ስልጣኑ ኣናዊሑ ንሃገርን ህዝብን ከጽንት እምበር ሓልዮት ከምዘይኮነ ተረዲእና ንምልጋሱ ሓቢርና ክንቃለስ ይግባእ።

እቶም ንመዓልቲ ነጻነት ምብዓል ዝቃወሙን ንስዉኣት "ንብላሽ ኢዮም ተሰዊኦ፡ ንኢሰያስ እዮም ተሰዊኦም" ዝብሉ ድማ፡ ነቶም ብዘይ ፍላጥን ህልዊ መላኺ ስርዓት ካብ ዝፈጠሮ ብስጭትን፡ ምስቲ ወሪዱ ዘሎ ሕሰም ብምዝማድ፣ ኣብ ሓደ ግዜ መዓልቲ ናጽነት ምዝካር  ነቲ ስርዓት ምድጋፍ ኮይኑ ዝስምዖም ዜጋታት ኣይፋልኩምን ካብ ምባል ሕሊፍካ ዝባሃል የለን። ናይቲ ስርዓት ኣበዓዕላ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ጠቄዮ ዘለኹ ስልጣኑ ንምንዋሕዩ። ንሕና ግን በቲ ሓቀኛ መግለጺኡ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ብተጋድሎኣ ናጻ ሃገር ዝኮነትሉን፡  ከም ህዝቢ ንሕና እውን ንመጀመርታ መንነትና ኤርትራውያን ክንብል ብሓበን ክንገልጽ ዝጀመርናሉ ስለዝኾነን፡ እዚ ብጀጋኑ ስዉኣትና ዝተረጋገጸ ናጽነት ምዃኑ ኣሚና ብሓበንን ክብርን ከነብዕሎ እዩ ዝግብኣና።

 እቶም ነዚ ኩሉ እናፈለጡ ብላሽዶ፡ ባርነትዶ ዝብሉ ድማ፡  ናጽነት ኤርትራ ከም ሃገር ምኽባርን፡ ህላወ ምልክዊ ስርዓትን በደላቱን ፈላልዮም ክጥምቱን ምደለኹ። እዚ ድማ   ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ መኸተና ከነትርር እዩ ዝገብረና። ካብዚ ወጻኢ ንዝኸዱ ግን፡ ቃልስና ንከይነስምር ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተዋፈሩ ከይኾኑ ካብ ምባሎም ሓሊፈ ካልእ ዝብሎም የብለይን።

ኣብ መጨረሽታ ክብሎ ዝደሊ፣ ነባሪ ህዝቢ እምበር፡ ነባሪ ስርዓት ስለዘየለ ብህዝብናን ሃገርናን ጥራሕ ክንሓስብን  ኣብ መንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ከኣ ንፍለጦ እብል።

መዓሾ ኣስራት

24 ጉንቦት 2016

Last modified on Wednesday, 25 May 2016 09:10