ወዲ ሰብ ኣይትዓሹ፥ እቲ ትብሎ ንዓኻ ክሓተካዩ ተመሊሹ !

2015-11-21 21:32:52 Written by  ብጽሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2187 times

ኣብ ናይ 100 ዓመታትጉዕዞ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራዝነበረተረኽቦታትን ፍጻሜታትንካብ ኣቦሓጎታትና፡ ኣቦታትና፡ ንሕና፡ ደቅና ክሳብ ደቂ ደቅና ከም ታሪኽ እንተዝሕበርነፍሲወከፍ ዝተሳተፈ ዝረኣየ ዝሰምዔ እንተዝነግር ወይ እንተዝጽሕፍ ንስፍሓቱን ጻዕቂ ብዝሑን ፡ ልክዕ ዳርጋ 100 ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዓለምና ዘይተነግረ እምበር ዘይተፈጸም የለን

ከምቲ ኣብ ታሪኽ ዝዝንቶ ማለት``ንጉስ ሰሎሙን፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤ ይደጋገም ደኣ ኣምበር ሓዲሽ ኣይኮነን``ኢሉ ይብሃል። ምናልባት እዚ ኣባሃህላ ብጽሞና እንተ ኣስተብሂልናሉ ናብ ትኣምኖ ዝመርሕ ግብራዊ ትርኢ ወይ ትረክብኣብ እንነብረሉ ዘሎና መዋእል በዘይካ እዚ ዝተራቐቐሓዲሽ ናይ ተክኖሎጂ (ዲጂታል) ዓለም ተነቃፊ ጽንዓቱን ኣገልግሎቱን ዝተወሰነ ጊዜ ዝኾኑ ብልሓታት ፍልስፍናታት ፈጠራታትን እንተዘኮይኖም፡ ቶም ናይ ቅድሚ 2000ዓመታት ዝተሰርሑን ዝተፈጥሩን ጹኑዓትን ብኣገራሚ ብሓትን ክእለትን ዝተስረሑ ዝወረስናዮ ምዕባሌ ዝጸንሓና ኢና ክሳብ ሎሚ እንጥቀመሎም ዘሎና።

ከም ኣብነት መስተንክርዝኾነብልሓት ፍላስፍናፈጠራታትን ናይ ግብጻውያን፡ ግሪኻውያሮማውያን...ወዘተ ምስ እንዝክር፡ ናይ ሎሚ ዘሎ ሰብ ብብቕዓት ይኹን ብጉልበት ክሰርሕን ክፈጥርንኣይከኣለን። እንታይደኣ በቲፍልስፍና ናይ በዓል ሶክራተፈጠራ ናይ ጋሊለዮ ጋሊለይማርኮኒ፡ ምሕደራታት ግብጻውያን ፎርዖናት ናይ ግሪኻውያን፡ ናይ ሮማውያን ናይ ንጉሳውን ቤተ ክህነትን ... ወዘተ ኣብ መጨረስታ ከኣ ናይ ለኒን ማርክስ ... ወዘተ ከማዕብል ወይ ከመሓይሽ ዝግበሮ ብሩህ ግብራዊ ምስክር እዩ።                                                                                                                               

ኮይኑ ግና ከምቲ እነብሮ ዘሎና መዋእልብሰንኪ ፖሊቲካውን ምጣኔሃታውን ሕብረተሰባውን ዘይምዕሩይ ሂወትእቲ ብልሓቶም ወይ ፈጠራኦም ንሕና ናይ ሎሚ ደቂ ሰባት ወነንቲ ሓይሊ ስልጣን ኮና፡ነቲ ዝነበረ ፈጠረታት ናብ ናይ መን ዓብለለ ውድድራት ክንጥቀምሉ ህርድግ ንብል ኣሎና። ዋላ እኳ እቶም ዘለዉና ኪኢላታት ጸሓፍቲ፡ ደረስቲ፡ ደረፍቲ፡ መራሕቲ ገዛእቲ ምስ ኣታሓሳስቦኦምን ጥቅሞምን ኣዛሚዶም ነቲ ተረኽቦ ቁንጭል ቁንጭል ኣቢሎም ብረቀቲ ሜላታት ክትንክፍዎከተግብርዎን እንተፈተኑ፡ ኣኸቲሎም እውን ክሳብ ብሓይሊ ብዓመጽ ከተግብርዎ፡ ወይ እውን ብዘሎዎም ትሕዝቶን ስልጣንን ጠውዮም ብኻልእ ከም ዝተፈጸመ ኣቅሪቦም`ኢደይ ሕጹብ ከም ፒላጦስ..`ክብሉ እንተፈተኑ ሓቅን ነቲ ተረኽቦን ዝተፈጸመሉ እቲ ቦታ መሬት እምኒ ገረብ ዋላ ክዛረብን ክጽሕፍን ዘይክእል ይምሰል፡ ወዲ ሰብ ብዘይተጸበዮ ብገለ ክዛረብ ወይ ክሕበር ከመልክት ክሳብ ክምስክር ይከኣል ስለ ዝኾነ ... ታሪኽ ግን ብፍጹም ኣይምሕርን እዩ

ብተወሳኺ ከኣ ... `በትሪ ሓቂ ትጥን እምበር ኣይትስበርን`ዝብል ለባምን ብሩህብሱልምዕዶ ኣቦታትና ክዝክር ገደ። ምኽንያቱ ህልዊ መሪር ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ከኣ ኣሰካፊ ብዝሒ ዋሕዚ ዕሸላት መንስእሰያትህይወቶም ኣብ ቅድሜና ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገክጠፍእእንዳረኤና ከም ዘይናትና ክንሰግሮ ወይ እውን ንዓና ከም ዘይምልከት ንስትኩም(ተቋወምቲ ዉድባት መራሕቲ..ወዘተ) ንሶም (ተቋወምቲ ዉድባት ማሕበራት) ኢልና ... ኣብዚ የለኹ ኣብቲ የለኹ... ክንብል እንታይ ይበሃል?

ንሕና መን ኢናብመን ኢና ንዛረብ ዘሎና ንዝክር ኣሎናዶ?ኣካል ናይቲ ንዛረበሉ ዘሎና ህዝቢ ምዃና ንዝክሮዶ ኣሎ?ወይ እታ ሃገር ብመንዲያ ሃገር ትብሃል ?በይኖም ብዘይብኣና ወይ ንሕና ብዘይብኦም እታ ሃገር ክህሉ፡ ክትስመ ትኽእል ዲያ? ከም ልሙድ ዝኤን ዝስማዕን ክትምልከት ከሎኻ ሎሚ ዝብና ጽምእት ናይ ለውጢ ስለ ዘሎዎ ዝመጸ ወይ ዝረአሓዲሽ ወረ ወይ ተርእዮ ፍጻሜ ብታህዋከይተመራመረ ይተሎ፡ ወይ ቅልጡፍ ሚዛን ወይ ፍርዲ ክህብ ይርኤ ይርከብ።

እዚ ኩሉ ስለምታይ ይጥቀስ ኣሎ ይበሃል ይኸውን፥ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምጥቃስሱ ድማሃለዋት ህዝብናን ፍትውቲ ሃገርና ኤርትራኣብመሪርሓደገኛኩነታትሳጥሖም ዘለዉ ብሓባር ኰና ክነድሕኖም ዘይምህቃንናሓደ፡በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ክልተ በላሕቲ ህሞት ፡ ምጀመርታ ንክብርን ድሕነትን ነብስናድሓር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ሓርነታዊ ተጋድሎ ካብቲ ተወዲቡ ዝሳተፍ ዘሎ እቲ ከይተወደብ ዝዛረብ ዘማርር ዝኸስስን ዝፈርድን ዝጽበን ዘሎ ዳርጋ 99% ህዝብና ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ምንቃል ከኣ እምበኣርደቂስናተንሲኢናብምሕሳብ መልሱ ናበይ ወይ ካብ መን ምዃኑንምሃብኣዝዩ ዝሕርብት ስለዝኾነ መልሲ ንምርካብሃየ እስኪ ብሓባር ብጽሞና ንሕሰበሉ ንማር ንዛተ። እቲ ናይ 50 ዓመታት ተመክሮ ቃልሲወይ እውን ተመክሮ ሰውራ ዓቢ ዩኒቨርሲት ስለዝኾነ ኣበይ ተጋጊና ስለ ምንታይተጋጊና ብኸመይ ፈቲሕናዮ እንታይ ከሲርና እንታይ ከሲብና ስለምንታይ ዝብሉ ብህድኣት ብጽሞና ብምክኣልምክብባርብጎደና ልዝብዘተንሲኒት ነዕብያ መድሕን ሃገርናን ህዝብናን ክብርናን ልዕላውነትና እዋናዊ ትጽቢትን፡ ድሌትን፡ መልእኽትን፡ ዉጹዕ ጽኑዕ ህዝብና ምእንቲ ክዕወትን ክሰምረልናን ብቅንዕና ንጋደል። ከምቲ ኣርእስቲ ዝሕብሮ ዘሎ ኤርትራዊ ሓወይ ሕብተይ ኣንዓሹ እቲ ሕቶ ንዓና እዩ ዝሓተና ተመሊሹ...ከመይ ንዝብል ኩሉ ናትና፡ ካብና፡ ብኣና፡ ንዓና፡ ስለ ዝኾነ ነብስና ክንሓትት ክንልውጥ እምነ ኩናዕ ናይ ዕላማና ይኹን።

ታሪኽ ኣይምሕርን እዩ !!! በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና !!!

ውድቀት ንገባቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ።                                                                      

Last modified on Saturday, 21 November 2015 22:35