ወዲ ሰብ ኣይትዓሹ፥ እቲ ትብሎ ንዓኻ ክሓተካዩ ተመሊሹ !
2015-11-21 21:32:52 Written by ብጽሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2187 timesኣብ ናይ 100 ዓመታትጉዕዞ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራዝነበረተረኽቦታትን ፍጻሜታትን፥ካብ ኣቦሓጎታትና፡ ኣቦታትና፡ ንሕና፡ ደቅና ክሳብ ደቂ ደቅና ከም ታሪኽ እንተዝሕበር፥ነፍሲወከፍ ዝተሳተፈ ዝረኣየ ዝሰምዔ እንተዝነግር ወይ እንተዝጽሕፍ ንስፍሓቱን ጻዕቂ ብዝሑን ፡ ልክዕ ዳርጋ 100 ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዓለምና ዘይተነግረ እምበር ዘይተፈጸም የለን።
ከምቲ ኣብ ታሪኽ ዝዝንቶ ማለት``ንጉስ ሰሎሙን፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤ ይደጋገም ደኣ ኣምበር ሓዲሽ ኣይኮነን``ኢሉ ይብሃል። ምናልባት እዚ ኣባሃህላ ብጽሞና እንተ ኣስተብሂልናሉ ናብ ክትኣምኖ ዝመርሕ ግብራዊ ትርኢ ወይ ትረክብ።ኣብ እንነብረሉ ዘሎና መዋእል በዘይካ እዚ ዝተራቐቐሓዲሽ ናይ ተክኖሎጂ (ዲጂታል) ዓለም ተነቃፊ ጽንዓቱን ኣገልግሎቱን ዝተወሰነ ጊዜ ዝኾኑ ብልሓታት ፍልስፍናታት ፈጠራታትን እንተዘኮይኖም፡ በቶም ናይ ቅድሚ 2000ዓመታት ዝተሰርሑን ዝተፈጥሩን ጹኑዓትን ብኣገራሚ ብልሓትን ክእለትን ዝተስረሑ ዝወረስናዮ ምዕባሌ ዝጸንሓና ኢና ክሳብ ሎሚ እንጥቀመሎም ዘሎና።
ከም ኣብነት መስተንክርዝኾነብልሓት ፍላስፍናንፈጠራታትን ናይ ግብጻውያን፡ ግሪኻውያንሮማውያን...ወዘተ ምስ እንዝክር፡ ናይ ሎሚ ዘሎ ሰብ ብብቕዓት ይኹን ብጉልበት ክሰርሕን ክፈጥርንኣይከኣለን። እንታይደኣ በቲፍልስፍና ናይ በዓል ሶክራተስፈጠራ ናይ ጋሊለዮ ጋሊለይ፥ማርኮኒ፡ ምሕደራታት ግብጻውያን ፎርዖናት ናይ ግሪኻውያን፡ ናይ ሮማውያን ናይ ንጉሳውን ቤተ ክህነትን ... ወዘተ ኣብ መጨረስታ ከኣ ናይ ለኒን ማርክስ ... ወዘተ ከማዕብል ወይ ከመሓይሽ ዝግበሮ ብሩህ ግብራዊ ምስክር እዩ።
ኮይኑ ግና ከምቲ እንነብሮ ዘሎና መዋእል፥ብሰንኪ ፖሊቲካውን ምጣኔሃብታውን ሕብረተሰባውን ዘይምዕሩይ ሂወት፥እቲ ብልሓቶም ወይ ፈጠራኦም ንሕና ናይ ሎሚ ደቂ ሰባት ወነንቲ ሓይሊ ስልጣን ኮና፡ነቲ ዝነበረ ፈጠረታት ናብ ናይ መን ዓብለለ ውድድራት ክንጥቀምሉ ህርድግ ንብል ኣሎና። ዋላ እኳ እቶም ዘለዉና ኪኢላታት ጸሓፍቲ፡ ደረስቲ፡ ደረፍቲ፡ መራሕቲ ገዛእቲ ምስ ኣታሓሳስቦኦምን ጥቅሞምን ኣዛሚዶም ነቲ ተረኽቦ ቁንጭል ቁንጭል ኣቢሎም ብረቀቕቲ ሜላታት ክትንክፍዎንከተግብርዎን እንተፈተኑ፡ ኣኸቲሎም እውን ክሳብ ብሓይሊ ብዓመጽ ከተግብርዎ፡ ወይ እውን ብዘሎዎም ትሕዝቶን ስልጣንን ጠውዮም ብኻልእ ከም ዝተፈጸመ ኣቅሪቦም፡`ኢደይ ሕጹብ ከም ፒላጦስ..`ክብሉ እንተፈተኑ ሓቅን ነቲ ተረኽቦን ዝተፈጸመሉ እቲ ቦታ መሬት እምኒ ገረብ ዋላ ክዛረብን ክጽሕፍን ዘይክእል ይምሰል፡ ወዲ ሰብ ብዘይተጸበዮ ብገለ ክዛረብ ወይ ክሕበር ከመልክት ክሳብ ክምስክር ይከኣል ስለ ዝኾነ ... ታሪኽ ግን ብፍጹም ኣይምሕርን እዩ።
ብተወሳኺ ከኣ ... `በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን`ዝብል ለባምን ብሩህንብሱልንምዕዶ ኣቦታትና ክንዝክር ንገደድ። ምኽንያቱ ህልዊ መሪር ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ከኣ ኣሰካፊ ብዝሒ ዋሕዚ ዕሸላት መንስእሰያትንህይወቶም ኣብ ቅድሜና ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገና ክጠፍእእንዳረኤና ከም ዘይናትና ክንሰግሮ ወይ እውን ንዓና ከም ዘይምልከት ንስኻትኩም(ተቋወምቲ ዉድባት መራሕቲ..ወዘተ) ንሶም (ተቋወምቲ ዉድባት ማሕበራት) ኢልና ... ኣብዚ የለኹ ኣብቲ የለኹ... ክንብል እንታይ ይበሃል?
ንሕና መን ኢና፥ብመን ኢና ንዛረብ ዘሎና ንዝክር ኣሎናዶ?ኣካል ናይቲ ንዛረበሉ ዘሎና ህዝቢ ምዃና ንዝክሮዶ ኣሎና?ወይ እታ ሃገር ብመንዲያ ሃገር ትብሃል ?በይኖም ብዘይብኣና ወይ ንሕና ብዘይብኦም እታ ሃገር ክትህሉ፡ ክትስመ ትኽእል ዲያ? ከም ልሙድ ዝረኤን ዝስማዕን ክትምልከት ከሎኻ ሎሚ ህዝብና ጽምእት ናይ ለውጢ ስለ ዘሎዎ ዝመጸ ወይ ዝረአሓዲሽ ወረ ወይ ተርእዮ ፍጻሜ ብታህዋኽከይተመራመረ ይኽተሎ፡ ወይ ቅልጡፍ ሚዛን ወይ ፍርዲ ክህብ ይርኤ ይርከብ።
እዚ ኩሉ ስለምታይ ይጥቀስ ኣሎ ይበሃል ይኸውን፥ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምጥቃስሱ ድማሃለዋት ህዝብናን ፍትውቲ ሃገርና ኤርትራንኣብመሪርንሓደገኛኩነታትተሳጥሖም ዘለዉ ብሓባር ኰና ክነድሕኖም ዘይምህቃንናሓደ፡በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ክልተ በላሕቲ ህሞት ፡ ምጀመርታ ንክብርን ድሕነትን ነብስና፥ድሓር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ሓርነታዊ ተጋድሎ ካብቲ ተወዲቡ ዝሳተፍ ዘሎ እቲ ከይተወደብ ዝዛረብ ዘማርር ዝኸስስን ዝፈርድን ዝጽበን ዘሎ ዳርጋ 99% ህዝብና ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ምንቃል ከኣ እምበኣርደቂስናተንሲኢናብምሕሳብ መልሱ ናበይ ወይ ካብ መን ምዃኑንምሃብኣዝዩ ዝሕርብት ስለዝኾነ መልሲ ንምርካብሃየ እስኪ ብሓባር ብጽሞና ንሕሰበሉ ንማኸር ንዛተ። እቲ ናይ 50 ዓመታት ተመክሮ ቃልሲወይ እውን ተመክሮ ሰውራ ዓቢ ዩኒቨርሲት ስለዝኾነ ኣበይ ተጋጊና ስለ ምንታይከተጋጊና ብኸመይ ፈቲሕናዮ እንታይ ከሲርና እንታይ ከሲብና ስለምንታይ ዝብሉ ብህድኣት ብጽሞና ብምክእኣልንምክብባርንብጎደና ልዝብንዘተንንሲኒት ነዕብያ መድሕን ሃገርናን ህዝብናን ክብርናን ልዕላውነትናን፡ እዋናዊ ትጽቢትን፡ ድሌትን፡ መልእኽትን፡ ዉጹዕ ጽኑዕ ህዝብና ምእንቲ ክዕወትን ክሰምረልናን ብቅንዕና ንጋደል። ከምቲ ኣርእስቲ ዝሕብሮ ዘሎ ኤርትራዊ ሓወይ ሕብተይ ኣንዓሹ እቲ ሕቶ ንዓና እዩ ዝሓተና ተመሊሹ...ከመይ ንዝብል ኩሉ ናትና፡ ካብና፡ ብኣና፡ ንዓና፡ ስለ ዝኾነ ነብስና ክንሓትት ክንልውጥ እምነ ኩናዕ ናይ ዕላማና ይኹን።
ታሪኽ ኣይምሕርን እዩ !!! በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን !!!
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና !!!
ውድቀት ንገባቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ።