ግዚኡ ሃገር ኣድሕን እምበር ሕቶ መበቆል ምንዳይ ኣይኮነን

2015-09-13 06:53:30 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2815 times

ሎሚ ዓለምና ኣብ ንእሽቶ ቆሸት እናተቐየረት ትጓዓዘሉ ዘላ እዋን፥ ናይ መንነት ይኹን ናይ ዜግነት ወይ መበቆል መምዘኒ ኣልዒልካ ናብ ቅልውላው ዘእቱ ሃዋህው ምፍጣር ኣይግባእን። ከመይሲ ዓለም ብእተፍርዮ ፍርያትን ተወዳዲራ ብእተምጽኦ ምዕብልናን ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፥ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን፡ ጠቕምን ዝደጋገፍ ግዜ፡ ወይ ከኣ ብዓውለማ ወይ ግሎባላይዘሽን ዝፍልጥ መድረኽ ኢያ ትርከብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ እዚ፡ ኩለን ሃገራት ዓለም ከመይ ይተሓባበራን፥ ዶባት እውን ኣብ ነንሓድሕደን ክፉት ኰይኑ፡ እቲ ዘፍርይኦ ፍርያት ዕዳጋ ረኺቡ፡ ብመሰረት ዝቐርቦ ጠለብ ከማልኣ ክጽዕራ ኣለወን። ካብኡ ሓሊፉ፥ ምዕብልና ይኹን ስልጣኔ ብዓብላልነት ወይ እውን ብኣግላልነት ሓሳብ ተዋሒጥካ ክብጻሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ዓለምና ኣብ እሂን ምሂን ኢልካ፥ ንተፈጥሮ ኣብ ጥቕምኻ ከመይ ተውዕሎ ደኣ ምሕሳብ እምበር፥ ጉጅላዊ ባህሪ ሒዝካ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ይኹን ንተክኖሎጂካዊ ዕቤት ምግጣም ኮቶ ኣይከኣልን።

ተኽኖሎጂ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ተራ ዘለዎ ኰይኑ፥ ከም ኣብነት ኢንተርነትን፡ ሞባይልን ጂኦግራፊካዊ ርሕቀት ከይዓንቀጾ ኣብ መላእ ከፍለዓለማት ዝርከባ ሃገራት ብደቒቅ ከምዝራኽባን ዝተኣሳሰራን ይገብር ኣሎ። ህዝቢ እውን ከምኡ ናብ ቃሕ ዝበሎ ክገይሽን፥ ኒየው ነጀው ክብልን ክንቀሳቐስን ከሎ፥ ነናቱ ዝተፈላለየ ሓሳባትን፡ ጠመተን፡ ልምድን ሒዙ ናብቲ ዝኸዶ ሃገር፥ ጠቓሚ ዝኾነ ነገራት ይዝርጋሕን የስፋሕፍሕን ኣሎ ማለት ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ጠቓምን ጎዳእን ዝኾነ ልምዲ ብሓንሳብ ስለዝዝርጋሕ፥ ዓውሎማ ዝስዕቦ መዝዝ እውን ክህልዎ ናይ ግድን ስለዝኾነ፡ ነቲ ዝነበረ ባህሊ ወይ ከማዕብሎ ወይ እውን ከህስሶ ይኽእል ኢዩ።

ብዝተረፈ ዓውለማ ናይ ንግድን ስራሓትን ውድድራትን ስለዘበርክት፥ ዕዳጋታት ኣዝዩ ክነጥፍን፡ እቲ ሃላኺ ነገራት እውን ክምዕብል ዕዳጋ ክረክብን ሓደ ካብቲ እወንታዊ ናይ ዓውለማ ኢዩ። ክምኡ እውን ብምኽንያት ዝፍጸም ውድድር ዝሓሸ ኣቑሑትን ጸጋታትን ንመላእ ዓለም ዝኸውን ከማዕብልን ክሃንጽን ይርከብ። እዚ ብመጠኑ ጠቕሚ ናይ ዓውለማ ክኸውን ከሎ፥ ዓውለማ ብግቡእ ክኸይድ እንተኾይኑ ግን፥ ምትእምማንን፡ ቅሳነትን፡ ናጽነትን ዲሞክራሲያዊ ሕጊ የድሊ። እዚ እንተዘየልዩ ናይ ምትዕምማጽ ወይ ስርቂ ወይ ከኣ ናይ ምጥልላም መንፈስ ወይ ምጉጅጃል ከስፋሕፍሕ ምዃኑ ዘይተርፍ ኢዩ።

ካልእ እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ናይ መንነት ይኹን ዜግነት ብሕጋዊ መንገዲ ክሳብ ዝስራዕ፥ እዚ ወዲ ዓዲ ኣይኮነን፥ እዚ ከምዚ ኢዩ ተባሂሉ ክነፋፈግን ክረሓሓቕን እንተኾይኑ፡ እቲ ናይ ሓድሕድ ዝተፈላለየ ክእለትን ፍልጠትን ክወራረስን ክምዕብልን ኣይኽእልን ኢዩ። ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ቁጠባውን ስነኣእምሮኣውን መዳይ ዘስዕቦ ዓቢ ጸገማት እውን ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ደቀቕትን ዓበይትን ፍልልያት፥ ከምኡ እውን ዘይምዕቡል ኣተሓሳስባ ኩሉ ግዜ ነቲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕብልና ንድሕሪት ክጎቶ ስለዝኽእል፥ ብዝተኻእለ መጠን ምዕቡልን ስልጡንን ኣተሓሳስባ ክነዘውትር ኢዩ ዝግባእ።

ኣብ መድረኽ ዓውለማ መብቆል ዘይኮነ ዘገድስ፥ እንታይ ደኣ፡ ግጉይ ኣተሓስስባን ጭቖናን ምውጋድን ኣብ ክንድኡ ድማ ዲሞክራሲያዊ ምሕድራን፡ ፍትሓዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽን ዘሎ ድልውነትን ተቐባልነትን ኢዩ ወሳኒ። እዚ ማለት ግን፡ ንልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝበጽሕ ድረጃ ክኸውን ኣይግባእን።  ንጸረ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ዝብገሰሉ እዋን ግና በቲ ናይታ ዝቕመጣ ሃገር ሕጊ ዘፍቅዶ መሰረት ክዳነን ክፍረድን ድማ ናይ ግድን ኢዩ። ንኣብነት ኣመሪካ እንተርኢና፥ ዳርጋ ህዝቢ ናይ መላእ ከፍለዓለም ዝርከባ ሃገራት ዝሓቘፈት ኢያ። ኩሉ እኳ እንተዘይተባህለ መብዛሕትኡ መበቆሉ ብዝየገድስ ኣመሪካዊ ዜግነት ሒዙ ነታ ሃገር ብቑጠባ ይኹን ብሓሳብ ወይ እውን ብናይ ተክኖሎጂ ምዕብልና ኮታ በቲ ዘለዎ ዓቕሚ ንሃገረ ኣመሪካን ህዝባን የገልግል ኣሎ። ንሃገረ ኣመሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ንሃገሩን ንቤተሰቡን ንዕኡን ይረብሕ ኣሎ።

ንኣብነት፡ ፕረሲደንት በራክ ሑሴን ኦባማ እንተወሲድና፥ ብቡኡ ኬንያዊ፡ በዲኡ ድማ ኣመሪካዊ ኮይኑ፡ ብመብቆሉ ኣፍሪቃዊ ኢኻ ተባሂሉ መሰል ኣይተነፍገን። በታ ናይ ክብርቲ ወላዲቱ ኣመሬካዊ ዜግነት ከኣ መበቆሉ ብዘየገድስ ኣመሪካዊ ዜግነት ረኺቡ እነሆ ክሳብ ኣብ መሪሕነት ደራጃ በጺሑ እንርእዮ ዘሎና ናይ ዓይኒ ምስክር ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ድማ እዛ ሎሚ እንነብረላ ዘሎና ሃገር፥ ናይ ብዙሓት ዓሌታትን መበቆላትን ዘለዎም ስድራቤታት ዝሓቘፈት ሃገር ኢያ። ስለዚ ኣሽንኳይዶ በቡኡ ወይ በዲኡ ኤርትራዊ መወለድ ዘለዎ ብኤርትራውነት ኣሚኑ ክነብር ዝደሊ ኤርትራዊ መበቆሉ ምጽብጻብ ብፍጹም ርትዓዊ ኣይኮነን።

መጻኢት ኤርትራና እምበኣር፡ ሰላምን ምርግጋእን ዘሰፈና ሃገር ኮይና፥ ቁጠባውን፡ ማሕበራውን፡ ፖለቲካውን ክምዕብል እንተኾይኑ፥ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልና ሕግን ዝኸብሩሉ ባይታ ክምድመድ ኣለዎ። እዚ ባይታ እዚ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምምስራት ስለዝኾነ ንኣሎ ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ማእከሉ ዝገብር መስርሕ ኣሳታፍነት ሒዙ ክጎዓዝ ከሎ ኣብ መበቆልን፥ ዓሌትን ክምርኰስ የብሉን ማለት ኢዩ። ብናይ መበቆል ፍልልይ ዝግዛእ ሕብረተሰብ ተሓቛቚፉን ተኸባቢሩን ንኽነብር ስለዘጸግሞ ኣብ ነንሓድሕዱ ክገራጮን ክመናጨትን ኢዩ ግዜኡ ዘሕልፎ። ብዘይካ እዚ ነታ ኤርትራ እትበሃል ሃገር ፋሕፋሕ ከእትወላ ዝኽእል ሽግራት እውን ይፍጠር። እዚ ማለት፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝሰርሖ ታሪኽን ሓርበኝነትን ድኣ ኢዩ ሃገራውነቱ እምበር ብመበቆሉ ወይ ብመንነቱ ጥራሕ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ብመበቆል ይኹን፥ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣን ሃይማኖትን ብምፍልላይ ነታ ሃገር ኣብ ክልተ ክመቕላ ዝኽእል ዝእንፍት ብምዃኑ ምጥንቃቕ የድሊ። ምኽንያቱ ሰላምን ቅሳነትን ዝኸልእ መድረኽ ስለዝፈጥር፥ እታ ሃገር ክትብልጽግን፥ ክትምዕብልን ዝግበኣ ብኹለንተናኣ ማለት፡ ብፍልጠት፥ ብእተሓሳስባ፡ ብምህዞ፡ ዝደኸየት ትኸውን እሞ ተሳንዩን ተኸባቢሩን ክነብር ዝኽእል ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ዝፍጠር ወርትግ ኣብ ምግርጫውን ምፍልላያትን ተነቚታ ከምትነብር ይገብራ።

እሞኸ ደኣ እንታይ ክግበር ኣለዎ እንታይ ኢዩኸ እቲ ፍታሕ? ዝብል ክንምልሶ ንግደድ። ነዚ እንተዘይመሊስና ሓንቲ ስጉምቲ እኳ ትኹን ንቕድሚት ክንስጉም ኣይክንክእልን ኢና። እቲ ፍታሕ ከይዱ ከይዱ ኣብ እምንቶን ኣብ ኣተሓሳስባን እዩ። ንመበቆሉ ከም ቀንዲ መሳርሒ ገርካ ካብ ምውሳድ ምቚጣብ። ካልኣይ ነጥቢ ኣብ ናይ ሓድሕድ መናፍሓትን ምቅንጻላትን ናይ ስም ምክፋእን ደው ክብልን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምድምማጽን ስነስርዓት ዝመልኦ ኣገባብን ስነፍልጠታዊ ዝኾነ ፖለቲካ ምኽታል። ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ብተናጸል ወይ ብውልቂ ወይ እውን ካልእ ትሕተ ሃገራዊ ዝኾነ ጥርናፈ ፍታሕ ከምዘየምጽእ ተረዲእና ዓሌት ወገን ኣውራጃ ወይ መበቆል ከይተጸባጸብናን ከይፈለናን ብስም ሓንቲ ሃገር ኤርትራ ክንተሓባበርን፥ ተኸኣኢልናን ተጸዋዊርናን ምስራሕ። ከምኡ እውን ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሃገራዊ ወንን ስምዒቱን፥ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ሕልናን ንኸይጠፍእ ወይ ከይድምሰስ ፈላላዪ ዝኾነ ሓሳባት ካብ ምዝውታር ምቑጣብ።

ኣብ ምወዳእታ ንጹህ ኣእምሮን ንጹህ መንፈስን ክህልወናን ካብ መሃዪምነት ዝተበገሰ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ናጻ ክንከውን የድሊ። ከምኡ እውን ንመንእሰይ ወለዶ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ንኽወርስ እምበር ኣንጻር እቲ ቅድሚኡ ዘነበረ ወለዶ ክጉስጐስ ወይ ክጉስጉስ የብሉን። ሓዲሽ ወለዶ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ዘቆናጽብን ዘስተናዕቕን እንተኾይኑ እቲ ሓርበኘትን ሃገራውነትን እውን ብኸምኡ ክሃስስን ክጠፍእን ኢዩ። ስለዚ ሓዲሽ ወለዶ ኣርሒቑ ክሓስብ ክኽእል ኣለዎ፥ ኣርሒቑ ክሓስብ እንተኾይኑ ድማ በቲ ዝቐስሞ ጽጹይ ፍልጠትን ዘይተዛበዐ ታሪኽን ኢዩ። ነዚ እውን ብዝሰምዖ ጥራሕ ከይተወሰነ ነቲ ዝሰምዖ ክመራመረሉን ክድህስሶን፡ ሚዛናዊ ዝኾነ ኣረኣእያ ክህልዎን ይግባእ። ካብኡ ብዝተረፈ ኣብ ኣጉል ናይ ዕንኪላሎ ዘይስነፍልጠታዊ ተንታን እናሃብካ ወይ እናኣቕረብካ ንሓንጎል መንእስያት ምብካልን ምድንዛዝን እምበር ሃገር ክትድሕን ኣይትኽእልን።

ድራር መንታይ

Last modified on Sunday, 13 September 2015 08:55