ጨንፈር ሰዲህኤ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣካይዳ

2015-09-07 18:45:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2510 times

ጨንፈር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ብ6 መስከረም 2015 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼበኣ ኣካይዳ። ኣብዚ ኣኼባ ከም መእትዊ ንሰልፊ፡ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት ሓበሬታ ተዋሂቡ። ኣብቲ ንሰልፊ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ድሕሪ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ብዓወት ምዝዛሙ፡ ኣብቲ ጉባአ ዝተመርጸ መሪሕነት መጻኢ መደባቱ ንምጥጣሕ ይገብሮ ብዛዕባ ዘሎ ምድላዋት ተገሊጹ። ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ሓድሽ ምዕብልና ከም ዘየብሉ ኣብዚ ወርሓዊ ኣኼባ ጨንፈር ከም ዝተዘርበሉ ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ ካብቲ ቦታ ዝለኣኾ ዜና የረድእ።

ድሕሪ እዚ ምውህሃብ ሓበሬታ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምዝዛም 5ይ ኣኼባኡ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ብንባብ ቀሪቡ። ኣብ ርእሲ እዚ ብዛዕባ’ቶም ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣገዳስቲ ነጥብታት ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ። ድሕሪ እዚ ዘይበርሁ ንክበርሁ ናይ ሕቶን መልስን መስርሕ ተኻይዱ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብ ዝሓለፈ 30 ነሃሰ 2015 ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዳልዩ ንዝነበረ ናይ ምዝንጋዕ መደብን ፖለቲካዊ ትርጉሙን ብዝምልከት ኣብቲ ምድላው ዓብይ እጃም ብዝነበሮም ኣካላት መብርሂ ተዋሂቡ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ምስ ኩሉ ሕጽረቱት፡ እቲ ዝተራእየ ተሳትፎ ናይቲ ኤርትራዊ ስደተኛ መንእሰይ ንናይ ለውጢ ንቃልሲ ምልዕዓሉ ዘመልክት ስለ ዝኾነ፡ ንመጻኢ እውን ዝኾነ ኣጋጣሚ ፈጢርካ ክድፈኣሉ ዝግባእ ምዃኑ ኣኼበኛታት ከም ዘስመርሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እውን ኣባላት ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ፖለቲካዊ ውሳነታትን ደምዳሚ መግለጽን 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤትራ ብዝምልከት ሃናጺ ምይይጥ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

7 መስከረም 2015

Last modified on Monday, 07 September 2015 20:47