ኣሎናዶ ኣብ መትከልና

2015-08-26 10:03:42 Written by  ብድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2134 times

ልዕልና ሕጊ ክነንግስ ኢዩ እቲ ሕቶ
ንሱ ኢዩ ንኣፍደገ ሰላም ዝኸፍቶ
ንኡ ሰጊርካ ምኻድ ፍትሒ ነይርከብ ከቶ
እንኮ መገዲ ንሱ ኢዩ ንጽላእ ንፍቶ
ሻርነትን ኣድልዎን ዝገበረ ብርሃን ከሎ ይጽልምቶ
ሓቂ ገዲፉ ደንበርበር ይብል ቦሶላኡ ከም ዝጠፍኣቶ
ኣብ ልዕልና ሕጊ ብምጽናዕ ኢዩ ዓዲ ዝእቶ
ሕጊ ተኸቲሉ ዝኸይድ ዲሞክራሲያዊ የብሉን ዝዓግቶ
ናተይ እንተዘይሰማዕኩም ግን ኣይብልን ገደል ይእቶ።
    ብውሽጥን ደገን ሓቢርና ከይንስጉም ዝሕንኩሉና
    ዓቕልና ክጽንቀቕ ተስፋ ከቕሩጹና
    ኣቕልና ኣይነጽብብ ትዕግስቲ ኢዩ ጽንዓትና
    ኣለና እወ! ክንብድህ ንኹሉ ተጻጊምና
    ዲሞክራሲያዊ መትከልና ክዕወት ፍልልያት ተጻዊርና
    ክንሰግሮ ኢና እወ ንጽንኩር ኩነታት ዘጋጥመና
    ኣብ መትከልና ጸኒዕና ወለቕ ዘለቕ ከይበልና
    ምትእምማን ዘስርጽ ልዕልና ሕጊ ተኸቲልና
    ግሉጽነትን ተሓታትነትን ክነግስ ክሃስስ ፍልልያትና
    ኣሳታፍነት ኢዩ ሓባሪ መገዲ ዓወትና
    ስምምዕ ከኣ ቀንዲ መሐየሊ ቅላስና።
ዓብላሊ ተዓብላሊ ነንሓድሕዱ ከይሓንሓነ
ዲሞክራሲያዊ ሕጊ ተኸቲሉ ዓጊቡ ክዳነ
ንረብሓታት ከይጠመተ ንምልኪ ክገብሮ ዕነምነ
ብስምዒታት ተጠቒዑ ንካልኦት ከጥቅዕ ከይሃቀነ
መልሓሱ ካልእ ግብሩ ድማ ዝቘንቘነ
መትከል ኢዩ ፈራዲ ክዕሉቕ ዝፈተነ።
    ሱር ከዲዕዎ ገረብ ኣይጠጠዐን
    ቆጽሊ እውን ነቒጹ ሙቘት ጸሓይ ኣይሰሓበን
    ጉንዲ ጥራሕ ትርሪፉ ደሪቑ ኣምበር ኣይጠለለን
    ዲሲፕሊን ስኢኑ ዲሞክራሲ ኣይሰፍሐን
    ሕጊ ይጠሓስ ምትእምማን ኣይሰሰነን
    ግብሪ እምበር ብኣፍ እምነት ኣይሰርሐን
    ሓሳብን ግብርን ጌና ሓደ ኣይኮነን
    እቲ ቃልሲ እውን ዛሕቲሉ ኣይሓነነን
    ሓሳባት ከይቀራረብ ወግሐ ጸብሐ ይበታተን
    ኣብ ነፍስና ጌና ለውጢ ኣይተገብረን
        ብኸምዚ መገዲ ኢሰያስሲ ክወድቕ ኣይኮነን።
ኢደይ ኢድካ ንበል ንሰጉም ብሓበራ
ሓቂ ትቕልቀል ኣላ ንኹሉ ስዒራ
ዘራጊቶ ዝፈዂሰላ ዝቃላዕ ሱራ
ቅሂማ ክትተርፍ ሰላም ክትረክብ ኤርትራ።

ድራር መንታይ

Last modified on Wednesday, 26 August 2015 12:09