መግለጺ ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ

2015-05-12 13:08:04 Written by  ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2265 times

መጀመርታ ንህዝቢ ኤርትራ እንቛዕ ናብ መበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኣብጻሓኻ እንዳበልና፡ ብምኽንያት መበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ ብጥርኑፍ ብደረጃ ከተማታት ማለት ነዚ ዝስዕብ መግለጺ ነውጽእ። ህዝብና በቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠሞ ዘስኻሕኽሕን ዘሕዝንን ቕዝፈት ኣብ ዕሸላት ደቑ ኣብ ከቢድ ሓዘን ከምዝርኸብ ዝፍለጥ እዩ።እቲ ኣይኾነን ኣብ ደቕኻ፡ ኣብ ዝኾነ ፍጡር’ኻ ኽወርድ ዘይትጽበዮ ዘስኻሕኽሕን ዝነውርን ቕዝፈት ኣብ መንእሰያትና ብምውራዱ ብልቢ እንዳሓዘንናን እንደጋሃናን ፡እዚ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕ ኣብ ጎኒ ህዝብና ደው ብምባል ምስ ህዝብና ክንሓዝን ምኻናን ብኡ መሰረት ድማ እቲ ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝበዓል መዓልቲ ናጽነት ካብ ጋይላ ብምሕራም ብዘተፈላለዩ ሰሚናራትን መልእኽቲ ናጽነትን፡ ንብዳዕሽን፡ ባሕርን ዝጠፋኡ መንእሰያትና ብምዝኻር ከንሕልፎ ወሲና ኣለና።

እዚ ኽንብል እንከለና እታ ንዓመታት ከቢድ መስዋእቲ ዝተከፍለላ ኽብርቲ ነጻነት ኣብ ቦታኣ ኮይና፡እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ከቢድ ሓዘንን ንብዓትን ሚዛኑ ኣኽቢድና ስለዝረኣናዮን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርኸቡ ወለዲ ኣብ ከቢድ ሓዘን ብምህላዎምን ፡ከምኡውን ዝበዝሐ ካብ ህዝብና ገና ከይተረድአን ሎሚዶ ጽባሕ ይርዳእ እንዳበለ ከብዱ ሓቒፋ ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ንሕና ክንስዕስዕን ኽንዘልልን ዘይሓላፍነታውን ዘይሃገራውን ኮይኑ ስለዝረኽብናዮ ምስ ህዝብና ክንነብዕን ኽንሓዝንን ብምውሳን ናይ ለብዘበን መዓልቲ ናጽነት ሳዕስዒት ዘይብሉ ንህዝብና ናይ መጸናንዒ መልእኽትታት ብምትሕልላፍ ከነብዕሎ ምኻና ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ንገልጽ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ንኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ነዚ ሚዛናውን ዘኩርዕን ዘይርሳዕን መርገጺ ብምውሳደን ብስም እቶም ስድራ ግዳያትን፡ ሃገረ ኤርትራን ምስጋናና እንዳሕለፍና ኣብ ኤውሮፓን ኤስያን ኣፍሪቃን እትርከቡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ነዚ ሓላፍነታዊ መግለጺ ኣሰር ኽትስዕቡ ንጽውዕ።ንኩሉም ኤርትራውያን ድማ ነዞም ናይ ሓንቲ መዓልቲ’ኻ መዓልቲ ሓዘን ዘይተኣወጀሎም ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ብልቡ ብምዝኻር ካብ ጋይላን ዳንኸራን ብምሕራም ሓዘኑ ክገልጽን ንስድራ ግዳያት ከጸናንዕን ንጽውዕ ንወለድን ህዝብን ኤርትራ ድማ ጽንዓት ይሃብኹም ንብል።ነዚ መግለጺ እዚ ዘውጻኣ ከተማታት እዘን ዝስዕባ እየን። 

North America Deleyti fthi

Last modified on Tuesday, 12 May 2015 15:11