መርሓባ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡
2015-03-15 09:30:15 Written by ካብ ዘርኤ ትርፈ ስያትል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2499 times8 መጋቢት መጺኣ መዓልታ ጸብጺባ
ሃየ ንቀበላ ብዕልልታ ብጨብጨባ
ክብርቲ መዓልቲ ኢያ ዓወት ዝተረኽባ
መሰል ጓልኣንስተይቲ ክሕሎ ኣንቂሓ ወዲባ
ታሪኻዊት ዕለት ኢያ ንበላ መርሓባ
እንቋዕ ሓጎሰኪ አርትራዊት ኣደ
ዑዙዝ አዩ ሞያኺ አቲ ዝኸበደ
መኪትዮ ኩሉ ብሓባር በቢ ሓደ
ንድርብ ወጽዓኺ ሸፊኑ ዝጋረደ
ንሞያ ቃልስኺ ፍጹም ዝኸሓደ
ሃየ መክትዮ ከይመጽእ ዝገደደ
መፍትሒ ርኽብሉ ሱር ከይሰድደ
ኣሎኪ አዩ ተሞክሮ ዓቢ ግደ
ከይርሳዕ ኩሉ ታሪኽ ጉዑዞኺ
መስዋእቲ ከፊልኪ ሃገር ዝሰራሕኪ
መኣስ ተሪፍኪ ካብ ጎኒ ብጾትኪ
ሰጊርክዮ ኩሉ ባህርያዊ ጸገምኪ
ኤርትራ ትመስክር ኣሎ እንድዩ መቓብርኪ
ንሱ አዩ መንነትኪ መሰረት ሞቦቆልኪ
ንመሰልኪ ምቅላስ ሕጂ አውን ቀጽሊ በርትዒ
ኣሎና ኣብ ጎድንኺ ኣብ መትከልኪ ጽንዒ
ጽረግዮ ኩሉ ጭቆና ግፍዒ
ኣይተረኽበን ራህዋ ጽላል መጸግዒ
ክንደይ ግዜ ድኣ ክትሓዝኒ ክትነብዒ
ኤረ ክሳብ ክንደይ ኢኺ ከኩፉኡ ክትሰምዒ
ከይበርስ ሞቦቆልኪ ኣስተውዕልሉ
ባህልኺ ከይበርስ ጥንቃቐ ግበርሉ
ምክብባር ጠፌኡ አዚ ግዜ እንድዕሉ
ናትኪ ግደ አዩ ኮፍ ኢልኪ ዘትዩሉ
ይደልድል ሓድነትኪ ጻማ ክትረኽብሉ
ኣርሒቂ ጠምቲ ንቕሓት ወስኹሉ
ኣንቲ የዋህ ኣደ ወላዲት ኩሉ
ኩርኳሕ አያ ዓለም ንስኺ ዘይብሉ
ንጡሙይ ተዔንግሊ ሽግሩ ትፈትሕሉ
ንሓጎስ ተዕልሊ ንሑዙን ትበኽይሉ
ሰፊሕ አዩ ሞያኺ ቃላት ሲኢነሉ
ክቡር ህያብ አዩ ዘይርከብ ብቐሊሉ
እወ ንስኺ ወላድት ጀጋኑ
ንዓለም ዝፈረኺ በቢ አዋኑ
መብራህቲ ገዛ ንኹሉ ዘዕነኑ
ንስኺ ዘይብሉ ስድራ ይተርፍ ተበቲኑ ።
8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ
ንዘላኣለም ከቢራ ትንበር
ካብ ዘርኤ ትርፈ ስያትል