እቲ ለውጢ ናይ ኣተሓሳስባ እንተዘይኮይኑ!

2015-02-01 15:17:25 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4148 times

ቃልስና ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ቃልሲ እዩ። ለውጢ ክንብል እንከለና ካብዚ ዘለናዮ መትሓጃ ዘይብሉ ኩነታት ናብ ራህዋ ዘስግር ለውጢ ማለት እዩ። ኮታ ካብ ኣሉታ ናብ ኣውንታ ዝግበር ጉዕዞ ሒዝና ኢና ሰለይ ንብል ዘለና። እዚ ጉዕዞና ንክዕወት ክንስዕሮ ዝግበኣና ንለውጢ ዝዕንቅጽ ኣካል ኣሎ ማለት ምዃኑ ኩላትና ዘይንስሕቶ እዩ። እዚ ጉዳይ ከይገፍሓና ናብቲ ናይ ቀረባ ጉዳይና ክንምለስ። ቃልስና ኣንጻር እቲ ንህዝብና ታሪኹ መንዚዑ፡ ንመስዋእቱ ክሒዱ ደም ዘንበዖ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ጉጅለ ህደፍ ክለዓል እንከሎ ከም ርዱእ ዲክታቶር ኢሳይያስን ደቀ መዛምርቱን ዝዝውርዎ ጉጅለ ማለትና ምዃኑ ከይደቀስካ ዝተሓልመ እዩ። ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍን ተዋሳእቱን ካብ ዘለና ጽልኢ ዝነቐለ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ከም ሰባት ብዝኾነ መንገዲ ካብዛ ዓለም ንክእለዩ እንጽልን እንምነን ብዙሓት ኢና። ምናልባት እውን ናይ ኩላትና ደለይቲ ለውጢ ሕልምን ጸሎትን እዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን።

ንኢሳይያስን ሰዓብቱን ከም ሰባት ሕማቖም ምምናይና ጌጋ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብሰንኮም እያ ሃገርና ኣብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቀራና መንገዲ ኮይና ውድቀት ወይ ድሕነት እትጽበ ዘላ። ኣብዚ ግና ሓደ ከነስተውዕለሉ ዝግበኣና ጉዳይ ኣሎ። ንቀንዲ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ወሲኽካ ንሰባት ብሰብነቶም ዘይኮነስ ብመንጽር እቲ ዝምርሕሉ ኣተሓሳስባ ኢና ክንመዝኖም ዝግበኣና። እዚ ነቶም ንጸልኦም”ሞ ክውገዱልና እንደልዮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም እንድግፎምን ነዊሕ ዕድመ ንምነየሎም እውን ዝምልከት እዩ። ሰባት ብሃይማኖቶም፡ ብጾታኦም፡ ብዕድሚኦምን ብቦታዊ መበቆሎምን ዝተፈላለዩ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ንምምዛኖም ክንጥቀመሉ ዝግበኣና መለክዒ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም እዩ። ንሕና “ዲክታቶር ኢሳይያስ ይወገድ” ክንብል እንከለና ነቲ ነዊሕ፡ ሓላኽ፡ ተንኮለኛ፡ ንነዊሕ ግዜ ቅድም ንህግሓኤ ደሓር ድማ ንህግደፍ ዝመረሐን ዝመርሕ ዘሎን ዘይግራኡ ዝኾልል ውልቀሰብ ሰብ ዘይኮነስ፡ ነቲ ንሱ ኣብዚ ነዊሕ ናይ ምምራሕ ግዜኡ ክምረሓሉ ዝጸንሐን ዘሎን ዘየናሕሲ ኣተሓሳስባኡ ኢና። ካብዚ ብምንቃል ኢና ድማ ጉጅለ ህግድፍ ዝምዘን ብመንጽር ስብእና ናይቶም ዝዝውርዎ ዘለዉ ባእታታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብመንጽር እቲ ዝምርሕሉ ዝነበሩን ዘለዉን ለውጢ ዘይቅበል፡ ጸዋግ፡ ጸቢብን ጸረ-ህዝብን ኣተሓሳስባኦም ክኸውን ይግበኦ። እዞም ንዛረበሎም ዘለና ሰባት ካብዚ ዝተጠቕሰ እኩይ ኣተሓሳስባ ነጻ እንተዝኾኑ ምስኣቶም ኣብ ተጻራሪ ደንበታት ንስለፈሉ ምኽንያት’ውን ኣይመሃለወን። እቲ በብግዜኡ “ቃልስና ናይ ሰባት ዘይኮነስ ናይ መሰረታዊ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምርግጋጽ እዩ” እንብሎ ኸዓ ካብዚ እዩ ዝነቅል።

ዕድሚኦም፡ ናይ ቃልሲ ድሕረባይተኦም፡ ቋንቋኦም፡ ዜግነቶም ካባና ዘይፍለዩ ኣብ ጓይላ ህግደፍ ዘኹድዱ ሒደት ኤርትራውያን ኣለዉ። ንሳቶም በቲ ሓደ ወገን፡ ንሕና ድማ ኣብቲ ካልእ ወገን ተሰሊፍና ንክንተፋነን ቀንዲ ምኽንያትና እምበኣር ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትና እዩ። ስለዚ ንህግደፍ ከም ጉጅለ ክንመዝኖን ክንትንትኖን እንከለና ቀንዲ መለክዒናን ቆላሕታናን የንቀሳቕስዎ ናይ ዘለዉ ሰባት ስብእና ዘይኮነስ እቲ እዚ ጉጅለ ዝምረሓሉ ዘሎ ዘይቅርዑይ ኣተሓሳስባ ክኸውን ይግበኦ። ምናልባት እዚ ኣተሓሳስባኦም ካብቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባይታ ከይተጓሕፈ፡ እዞም ናይ ሕጂ ተዋሳእቱ ብዝኾነ መንገዲ እንተ ተወገዱ’ውን፡ ጽባሕ እውን ኣብዚ ዝጐደፈ ባይታ ካልኦት ዲክታቶራት ናይ ምፍራዮም ዕድል ክፉት እዩ ዝኸውን። እቲ ባይታ ዲክታቶርን ዲክታተርነትን ብዘይቅበል ኣገባብ እንተ ተመድሚዱ ግና ጽባሕ ካልእ ወጻዒ ዘይበቝሎ ውሑስ እዩ ዝኸውን። ስለዚ እነመዝግቦ ናይ ለውጢ ዓወት ውሑስ ዝኸውን ንዲክታተራት ጥራይ ዘይኮነስ ቀንዲኳ ደኣ ንዲክታተርነት ክንስዕር እንተኽኢልና ጥራይ እዩ።

እዚ ሕጂ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና፡ ግዜኡ ዝሓለፈ ጸረ ለውጢ ኣተሓሳባ፡ ብኻብኡ ዝማዕበለ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ እምበር፡ ከም ወተሃደራዊ መዛግብ ብሓይሊ ኣጽዋር ኣይኮነን ዝፈርስ። ኣተሓሳስባ ንወዲ ሰብ እንተ ናብ ጥፍኣት ወይ ናብ ልምዓት ዝመርሕ ረቂቕ መሳርሒ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣወጊድካ ብቅኑዕን ህዝባውን ኣተሓሳስባ ንምትክኡ፡ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ብዝሰርጽ ረቂቕ ቃልሲ እዩ ዝትግበር። ነዚ ለውጢ እዚ ከተዕውት ከምቲ ናይ ዓውዲ ውግእ ቅልጽምን ድፍረትን፡ ወይ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ኣይኮነን ዘድሊ። ኣብዚ መዳይዚ እቲ ቀንዲ መዕወቲ መሳርሒ እምበኣር፡ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት፡ ዘይስስዑነት፡ ርትዓውነትን ሕድገትን ዝሕመረቱ እሞ ካብ ገዛእ ርእስኻ ዝጅምር ተወፋይነት ዝሓትት እዩ። ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ “ንገዛእ ርእሱ ነጻ ዘይኮነ ንካለኦት ነጻ ከውጽእ ኣይክእልን እዩ” ንብል ኢና። እዚ ሓቂ እዩ። “ኣብ ገዛእ ርእሱ ወይ ኣብቲ ዝዋሰኣሉ ፖለቲካዊ ትካል ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዘየረጋገጸ ኣካል፡ ናይ ለውጢ መሪሕ ወይ ሓይሊ ክኸውን ኣይክእል እዩ” ምባል እውን ቅኑዕ እዩ። ጸገም ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ንነብስኻ ካብቲ ጸገም ኣርሒቕካ ናብ ካልኦት ከተላግቦ ምፍታን፡ ንገዛእ ርእስኻ ቅድም ኣካል ናይቲ ጸገም ኮይንካ ምፍታሽ፡ ደሓር ከዓ ፍታሕ ካብ ካልኦት እትጽበ ዘይኮነስ ኣካል ናይቲ ፍታሕ ኮይንካ ምውሳእ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።

ኩልና ከም ዘይንዝገዖ ኣብዚ እዋን ንኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ኣሰላልፍኡን ዝጸልውዎ ዝንባለታት ብዙሓት እዮም። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ጸላዊ ኣተሓሳስባ ፍልልያትን ኣሰላልፋኡን በዚ ኣጋጣሚ ምዝርዛሩን ብዛዕባ ነፍሲ ወከፉ ምዝራብን ስለ ዝሰፍሕ፡ ጃንዳ ህግደፍን ደንበ ተቓውሞን ጠቒሰ ጥራይ ክሓልፍ እየ። ኣብ መንጎ ክልቴና ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ደንበታት ሓደ መፍለይ መስመር ኣሎ። ናይ እዚ መስመርዚ ቀንዲ መግለጺ ናይቶም ደደንበና ሒዝና ንጠማመት ዘለና ኣካላት ሰብእነት ዘይኮነስ ሐሒዝናዮ ዘለና ኣተሓሳስባ እዩ። ምስቲ ደቂ ሓንቲ ዜግነትን ሃገርን፡ ሰብ ናይ ሓባር ታሪኽን ምዃና ናይ መልክዕ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ክልተ ደንበታት፡ ናይ ኣተሓሳስባ ምትሕውዋስ ከም ዘሎ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብቲ ሓደ ደንበ ናይቲ ካልእ ደንበ ጽልዋ ክህልው ባህርያዊ እዩ ንምባል ዝኣክል እዩ። ንኣብነት ኣብቲ ጉጅለ ህግደፍ ግዝኣተይ ኢሉ ኣጽኒዑ ሓጺሩ ዝሕልዎ ኤርትራዊ ክሊ ኮነ ፈቐዶ ከባቢ ማሕበረኮማተይ ዝብሎ እንዳተሸምረረ ዝኸይድ ዘሎ ውዳበታት፡ እቲ ዝበዝሕ ብኣካል እምበር ብኣተሓሳስባስ ኣካል እኳደኣ ወሳኒ ዓቕሚ ደንበ ተቓውሞ እዩ። ምናልባት እቲ ፍልልይ ናይ ልብኻ ኣግሂድካ ክትዛረብ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ ዝኸውን። እዚ ኩነታት ስለ ዝፈርሕ ዓው ኢሉ ኣይዛረበሉ እምበር፡እዚ ኩነታት ካብ ጉጅለ ህግደፍ’ውን ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብዙሕ ጸገማት ኣለዉ። ካብዚ ጸገማት እቲ ቅድሚት ዝስራዕ ብሓባር ክንሰርሕ እንዳደለናን እንዳጨራሕናን ክንትግብሮ ዘይምኽኣልና እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግሞም “ናይዚ ጸገማትና ጠንቂ፡ ብዙሓት ውድባት ምህላውና እዩ ዝብሉ” ኣካላት ኣለዉ። እንተኾነ ብዙሕነትና ንክህሉ እንቃለሰሉ ደሞክራሲያዊ መርኣያና እምበር ናይ ጸገማትና ጠንቂ ኣይኮነን። ናይ ሃገርና ምንኣስን ሓዳስ ምዃንን፡ ናይ ህዝብና ዋሕድን “ጸገምና ብዙሓት ውድባት ምህላውና እዩ” ንዝብል መረጋገጺ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚ ስለ ዝርዳእ እዩ ሰደህኤ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ዓንቀጽ 10፡2፡6 “ዝተፈላለየ ህዝባዊ ውደባታት ክህሉ እናተባባዕና፡ ንህዝብና ዝጥርንፍ ሓባራዊ ጭረሖ ንክህሉ ክንቃለስ ኢና” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ዘሎ። ኣድላይነት ሓድነት ስለ ዝርደኣና ንምርግጋጹ ብዙሕ ጻዕርታት ኣካይድና ኢና። ታሪኽ ተቓውሞና ጥራይ ዘይኮነ ብዓብይኡ ታሪኽ ፖለቲካዊ ቃልስና፡ ታሪኽ ላዕልን ታሕትን ምእንቲ ሓድነት እዩ እንተተባህለ እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። እሞ ድማ ክሳብ ሕጂ ዘይተዓወተ። ሕቶ ሓድነት ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ካብ ኮነ ደኣ ስለምንታይ ዘይነዕውቶ? ዝብል ሕቶ ምልዓልና ኣገዳሲ እዩ። እቲ ሕቶ ጥራይ ዘይኮነ እቲ መልሲ እውን ኣብ ኢድና ዘሎ እምበር ካብ ካልእ ኣካል ዘይንጽበዮ ምዃኑ ከዓ ኣይንረስዕ። ነዚ ዝወሃብ መልሲ ከከም መላሲኡ፡ ሕድገት ስለ ዘይንገብር፡ ምጽውዋር ስለ ዘየብልና፡ ካብ በበይኑ ድሕረ-ባይታ ስለ ዝመጻእና፡ ጸቢብነት ስለ ዘጥቀዓና፡ ካብ ክውንነት ንቕበል ናይ ኒሕ እሱራት ስለ እንኸውን፡ ናይ ግዜ ዝሑል ውግእ ኣተሓሳስባ ግዳይ ስለ ዝኾና፡ ኣብ ክንዲ ሓቢርና ንተዓወት ዓወት ንሓዴና ጥራይ እያ ኢልና ስለ ንኣምን፡ ኣብ ክንዲ ናይቲ ጸገም ይኹን መፍትሒኡ ኣካል ንኸውን ነብስና ስለ እነግልል፡ ኣብ ክንዲ ናብ ኣተሓሳስባኦም ናብ ሰባት ስለ እነተኩር .. ወዘተ ዝብሉ ይርከብዎ። እዚታት መልሲ ኣይከውንን እዩ’ኳ እንተዘይተባህለ፡ እቲ ቀንዲ መልሱስ “ናይ ሓድነት ፈተነታትና ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ስለ ዘይምስረት እዩ” ብዝብል እዩ ዝጠቓለል ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ዘይበሰሉ፡ ምናልባት እውን ዘይተላዕሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ሓቢእካ፡ ንግዝያዊ መፈከሪ ኢልካ፡ ብደጊኡ ናይ ሓሶት ካባ ሓድነት ኣልቢስካ ምቅርራብ፡ ብዙሕ ከይሰጐመ ጸሓይ ከም ዝወቐዖ በረድ መኺኹ ከም ዝፈስስ ተመኩሮታትና ኣርእዩና እዩ። ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል፡ ወዮ ንሓቂ ሓቢኡ ኣብ ዘይጥጡሕ ባይታን ቃለዓለማዊ ኣተሓሳስባን ንግዝያዊ ሃልኪ፡ ዝነቐለ ምቅርራብ ክፈርስ እንከሎ፡ ዝያዳ ዝጐድኦ ነቶም ተዋሳእቱ እዩ። ናይዚ በሰላ ቀልጢፉ ዘይሓውን ንቐጻሊ ቃልሲ ምእንቲ ሓድነት ንድሕሪት ዝመልስን ምዃኑ ከዓ እቲ ካልእ ሃስያኡ እዩ።

ግደ ኣተሓሳስባ ከምቲ ናይ ለውጢ ሓያልነቱ፡ ምርግጋጹ እውን ግዜ ዝበልዕ መሪርን ቀጻልን ቃልሲ ዝሓትት እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ልዕልነትቃልሲ ኣብቲ መስርሕ ብውሽጣውን ግዳማውን ምዕብልናታት ዝጽሎ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ምዕብልናታት እንዳተኸታተልካ፡ ኣብቲ ሓንሳብ ዝሓዝካዮ መንገዲ ከይደረቕካ፡ ነቲ ዝዕንቅፍ እንዳወገድካ ዝኽየድ ናይ ክብል ለጠቕ ጉዕዞ ስለ ዝኾነ፡ ንምዕዋቱ ዝሓቶ ፖለቲካዊ ውሕልነትን ትብዓትን ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ጸዋር ውሕልነት ዝሓትት ፖለቲካዊ ጉዕዞ ናብ ምርግጋጽ ልዕልና ቅኑዕ ኣተሓሳስባ፡ ኣብዘየብጻሕካዮ፡ እቲ ጸገም ኣብቲ ዝመረጽካዮ ኣገባብ ውደባ መሲሉካ፡ ከምዚ ሓሓሊፉ ክንጸባረቕ ንርእዮ ዘለና፡ ናብ ካልእ ሸነኻዊ ኣወዳድባ ሃንደፍደፍ ምባል ከዓ ክሳራኡ ቀሊል ኣይኮነን’ሞ ከሎ ጋና ምስትብሃል ይሓትት።

1 ለካቲት 2015

Last modified on Sunday, 01 February 2015 16:18