ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ኣብ ለንደን ተራኺቡ

2014-12-17 03:55:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3043 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

17 ታሕሳስ 2014

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ ልኡኽ ብ15 ታሕሳስ 2014 ብዛዕባ'ቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ለንደን ተራኺቡ።

ሓው ጐይትኦም መብራህቱ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦ ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ንሓላፊ ጕዳያት ኤርትራ ኢትዮጵያን ኣብ'ቲ ሚኒስትሪ፡ ኣቶ ብረንደን ፊትስፓትሪክ ብምርካብ ጠንቅታት  ናይ'ቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ ቅልውላትን ዋሕዚ መንእሰያትን ንስደትን ሕማቕ ምሕደራ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ደረትን ፍትሕን ዘይብሉ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንትጽቢታትን መጻኢ ዕድላትን መንእሰያት ዘጸልመተ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ልኡኽ ሰዲህኤ ናይ ስደተኛታት ጕዳይ ዶባት ብምዕጻውን ናብ ሃገሮም በስገዳድ ብምምላስን ከምዘይፍታሕን ሰዲህኤ፡ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ነቲ ሕማቕ ምሕደራ ምቕያር ምዃኑ እምነቱን ኣስሚርሉ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ንውሳኔታት ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ኣብ ሱዳንን ዝርከቡ ስደተኛታት ሞያውን ኣካዳሚካውን ትምህርቲ ክቐስሙን ናይ ስራሕ ዕድላት ክውሃቦምን፡ ናይ'ቲ ዞና መንግስታት ብሓባር ንነጋዶ ደቂ ሰባት ክዋግኦኦም ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ልኡኽ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ልኡኽ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ተወካሊት፡ ወይዘሮ ሸይላ ኪትሁርስን ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተሰነዱ ግህሰታት መሰላት ደቂ ሰባት ኣትኵሮ ክገብረሉ ተማሕጺኑ።

Last modified on Wednesday, 17 December 2014 04:56