ንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን- ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ

2025-09-25 10:32:33 Written by  ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 53 times

ንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን- ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ

_________________________________________________________

መቕድም                 

ንሕና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስ-ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባን፡ ሕብረተሰብን፡ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታን ዝመጻና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ እንነብር ህዝቢ ኩልና- ኣብ ምክልኻል ናጽነት ሃገርናን፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ልኡላዊ መሰላትን ብሓደ ደው ኢልና ኣለና።

እዚ  መግለጺ‘ዚ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምርግጋጽን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነትን ሓርነትን መሰሉ ክዉን ንምግባር ዝውሰድ ዘሎ-ሕጋዊ መርገጽን፣ ታሪኻዊ ናይ ሓድነት ጻውዒትን፣ መጻኢ ዕጫ ኤርትራ ዝውሰን ከኣ ብህዝባ ጥራይ ምዃኑ ንምእዋጅን እዩ።

ጎስጓስና ንፍሉይ መንግስቲ፡ ውድብ፡ ወይ መራሒ ንምክልኻል ተባሂሉ ዘይኮነስ፡ ንባዕላ ንሃገረ ኤርትራ - መሬታን፡ ባሕራን፡ ህዝባን፡ ከምኡ’ውን ከም ሃገር ነጻን ሓራን ኮይና ናይ ምንባር መሰላ ንምሕላው እዩ።

Untitled 1

ፖለቲካዊ ካርታ ኤርትራ፡- እቲ ካርታ ኤርትራን ከባቢኣን ምስ ኣህጉራዊ ዶባት፡ ሃገራዊ ርእሰ ከተማ፡ ኣስመራ፡ ምምሕዳራዊ ርእሰ ከተማታት፡ ዓበይቲ ከተማታት፡ ዓበይቲ መስመራት ኣየርን ባቡርን፡ ከምኡ’ውን ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ የርኢ።

ድሉውነትና ድማ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ነረጋግጽ፤

  • ምሉእ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብኣህጉራዊ ሕግን ብድሌት ህዝባን ዝተረጋገጸ ምዃኑ፡
  • ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንልዑላውነትና ዝበቅዕ ፍትሕን ናጽነትን ሓላፍነታዊ ምሕደራን ዘውሕስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክመጽእ።
  • ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ኩለን ሃገራትን ዝግበር ዝምድናታት፣ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመስረተ ሰናይ ጉርብትና ክኽውን፡

መርገጺና

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መሬት ኤርትራን ባሕራን ንምውራርን- ንወደብ ዓሰብ ከኣ ብሓይሊ ናይ ምሓዝን ዘስዓቦ ስግኣት ሓዊሱ - ቀጥታዊ ምጥሓስ ናይ፤

  • ኣህጉራዊ ሕጊ
  • ውጽኢት ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቆጻጸሮ ረፈረንደም 1993
  • ብዓውዲ ኣፍሪቃ፡ እቶም ኣብ እዋን ናጽነት ዝተወርሱ ዶባት፡ ብመሰረት መትከል ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ መግዛእቲ ዘመን ዶባት ይኽበሩ፡ "ከምቲ ብሕጊ እትውንኖ።" (Uti Possidetis Juris)-ዝብል መትከልን እዩ።

ታሪኽ፡ ጂኦግራፍያዊ ቅርበት፡ ወይ ፖለቲካዊ ምቹእነት ብዝብል ምስምስ፡ ናጽነት ኤርትራ ንምድኻም ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ንነጽጎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ውግንነቱ ብዘየገድስ፡ ንዝኾነ ይኹን ምጥቃዕ ይኹን ጎበጣ ንምምካት ብሓድነት ደው ክብል እዩ።

ጻውዒትና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፤

1. ግዝኣት ኤርትራ ወይ ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ ንምሓዝ ይኹን ምውናን፡ ብወደብ ዓሰብ ይኹን  ወይ ብኻልእ ወደብ ትገብሮ ጠለባት ደው ከተብል።

2. ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩሉ ተጻባኢ ተግባራትን መደረታትን  ከተቋርጽ።

3. እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ናይ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣፍልጦ ዝሃቦ ውጽኢት ናይ 1993 ረፈረንደምን፡ ልዑላውነትን ኤርትራ ከተኽብር።

4. ንመጻኢ ጠንቂ ናይ ዝኾነ ግርጭት መታን ከይከውን፡ እቲ ብኮሚሽን ጉዳይ ዶብ ሓንሳብን ንሓዋሩን መፍትሒ ክረክብ ዝተበየነ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳኔ ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ብህጹጽን ከተተግብር።

5. ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትና ዘሎ ፍልልያት ንምፍታሕ እቲ እንኮ ኣማራጺ ሰላማዊ ዘተ ምክያድ ምዃኑ ቃል ክትኣቱን፡ እዩ።

ጻውዒትና ንመንግስቲ ኤርትራ

ልኡላውነት ኤርትራ ብዝበለጸ ዝዕቀብ ብሓድነትን ድሌትን ህዝቢ እምበር- ብሕቡእ ውዕላትን፡ ብተጋራጫዊ መልእኽትታት፡ ወይ እውን ብሓደ ሸነኻዊ ወተሃደራዊ ፍልመተበግሶን ከምዘይኮነ ንመንግስቲ ኤርትራ ነዘኻኽር።

በዚ መሰረት መንግስቲ ኤርትራ፤

1. ንኢትዮጵያ ግዝኣታዊ ወይ ናይ ባሕሪ ጠለባታ ዝድግፍ ወይ ምውናን ዘኽእል ተባሂሉ ክትርጎም ዝኽእል ኩሉ ፖለቲካዊ ምልክታት ወይ ምቅርራብ ደው ከብል፥

2. ምሉእ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብግልጽን ብዘየጠራጥር መንገድን ደጊምካ ምርግጋጽ።  ንዝኾነ ባዕዳዊ ጠለብ ናይ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ናይ ምውናን ባህግታት ምንጻግ።

3. ምሕንጻጽ ዶብ ብዝምልከት ተጋራጫዊ መግለጺታት ካብ ምውጻእ ምቑጣብ-ሓንሳብ ከም ቁምነገር ዘይብሉ ጌርካ ምውጋድ፡ ካልእ ግዜ ድማ ከም መመኽነይታ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ። መርገጺ መንግስቲ ስሩዕን፡ ግሉጽን፡ ምስ ዘላቒ ሃገራዊ ረብሓና ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ።

4. "ከይቀደሙና ንቐድሞም" ብዝብል ምስምስ ምትኹታኽ ዝፈጥር ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውጋድ። መርገጽ ህዝቢ ኤርትራ ተኻላኻልን፡ ሕጋውን፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝቕየድን እዩ።

5. ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ምእታው ይኹን፣ ኣብ ዕጥቃዊ ወተሃደራዊ ግጭታቶም ካብ ምስታፍ ምቑጣብ።

6. ኣብ ኩሉ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ምስ ህዝቢ ብግልጺ ምውሳእ። ዝውሰዱ ውሳነታት ናይ ውሑዳት ሕሳባት ዘማልኡ ዘይኮነስ ድሌት ህዝቢ ዘንጸባርቑ ምዃኖም ምርግጋጽ።

7. ምዕፋን ፖለቲካዊ መሰላት ኤርትራ ደው ክብል፡ ምክልኻል ዶባትና፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጻውዒታት ንምዕፋን ከም መመኽነይታ ክውዕል የብሉን።

ጻውዒትና ናብ ህዝቢ ኤርትራ

ንኩሎም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን፡-

1. ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ ኣብ ምክልኻል ናጽነትና ብሓድነት ደው ንበል።

2. ኣብ እዋን ግዳማዊ ስግኣታት፡ ሃገራዊ መርገጽና ዘዳኽም ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ምፍልላያት ምንጻግ።

3. ልኡላውነትናን መሰል ህዝብናን ዘጠናኽር ሕጋዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምድጋፍ።

4. ድምጽና ኣብ ሙሉእ ዓለም ንኽስማዕ፡ ኣብ ህዝባዊ ንጥፈታት ማለት ብመራኸቢ ብዙሓንን፡ ብዲፕሎማስን  ብሰላማዊ ምልዕዓልን ምንጥጣፍ።

5. ታሪኽናን ሓድጊታታናን መታን ክዕቀብ፡ ሓቅነት ቃልስና ንናጽነትን ሓርነትን ናብ መጻኢ ወለዶ ምትሕልላፍ።

6. ሓቀኛ ለውጢ ክረጋገጽ ዝኽእል ምልካዊ ምሕደራ ብምስራዝን፡ መሰልን ናጽነትን ክብረትን ኩሉ ዜጋ ዘውሕስ ቅዋማዊ ስርዓት ብምትካል ጥራይ ኢዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ምሓዝ።

ጻውዒትና ናብ ማሕበረሰብ ዓለም

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ኩለን ፈተውቲ ሰላም ሃገራትን፤

1. ብናይ ኣህጉራዊ ሕግን: ብጹዕነት ኣፍልጦ ዝረኸቡ ዶባት ምድጋፍ።  

2. ግዝኣታዊ ቁመና ኤርትራ ብሓይሊ ይኹን ብግዴታ ንምቕያር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ምኹናን።

3. ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍጠሩ ግጭታት ብዘተን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ምድጋፍ።

4. ዘላቒ ፍታሕ ናይ ዶብ ግጭት ንምርግጋጽ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳኔ ምሕንጻጽ ዶብ ብህጹጽ ተግባራዊ ክኸውን ምድጋፍን።

5. ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ንልዑላውነት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ብምኽባርን፡ ብሰላማዊ ዘተን ሓባራዊ ስምምዕን ጥራይ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል፡ ድሌትን ድልውነትን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ።

መደምደምታ

እዚ ኣዋጅ‘ዚ መብጽዓ እዩ። ልኡላውነት ኤርትራ ንመሸጣ፡ ንዘተ ወይ ንዋጋ-ዕዳጋ ኣይወርድን። ብሓድነትን ክብርን ቆራጽነትን ክንከላኸለሉ ኢና። ቃልስና ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ናጽነትና ክድምስስ ዝደሊ ፖሊሲ ይኹን ተግባር እዩ።

ናጽነትናን ልኡላውነትናን: ዘለኣለማውን ዘይስበር እዩ!

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራመስከረም 23, 2025 (ካልኣይ ሕታም)

 

ዳሕ ናብ

1. ክቡር ማርኮ ሩቢዮ – ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

2. ክብርቲ ይቨት ኩፐር – ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመንዌልዝን ልምዓትን ዓባይ ብሪጣንያ

3. ክብርቲ ኣናሌና ባርቦክ – ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

4. ክቡር ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ – ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ

5. ክብርቲ ካያ ካላስ – ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ንጉዳያት ወጻኢን ፖሊሲ ጸጥታን

6. ክቡር ፊሊፖ ግራንዲ – ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት

7. ክቡር ቮልከር ቱርክ – ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት

8. ክቡር ዶክተር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር – ፍሉይ ጸብጻቢ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

Last modified on Thursday, 25 September 2025 12:47