ሓድሽ ኮማንድ ፖስትን፡ ምኽፋት ዋና ቤ/ጽ ዲስትን

2025-07-20 06:40:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 151 times

ኣብ ትግራይ 9 ዝኣባላቱ ሓድሽ ማእከላይ መእዘዚ (command post) ከም ዝቖመ ኣፍሪቃ ኢንተልጀንስ (African Intelligence) ዝተባህለት ማዕከን ዜና  ኣፍሊጣ። ናይዚ ኮማድ ፖስት ኣባላት ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካብ መሪሕነት ህወሓትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝተዋጽኡ እዮም። ናይዚ ሓድሽ ማእከላይ መእዘዚ ኣካል ኣቦመንበር ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ኣቦመንበር ናይታ ኣባልነታ ተሰሪዙ ዘሎ ውድብ ህወሓት ክኸውን እንከሎ፡ ምክትሉ ከኣ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዩ።

እቶም ካለኦት ኣባላት ናይቲ መእዘዚ ማእከል፡ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄርን ዶር ኣብረሃም ተኸስተን ካብ ህወሓት፡ ጅነራል ፍሰሃ ኪዳኑ (ፍሰሃ ማንጁስ)፡ ጀነራል ምግበይ ሃይለ፡ ጀነራል ሃይለስላሴ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ)ን ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርግስ (ጆን መዲድ)ን ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት እዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ ኣብ መስርሕ ምምስራት ዘሎ “ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ዲስት)” ኣብ ከተማ መቐለ ዋና ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተ መርበብ ሓበሬታ ቲክቫህ ኢትዮጵያ (tikvah Ethiopia) ኣፍሊጣ። ኣብ ርእሲቲ ናይ መቐለ፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ’ውን ጨንፈር ከም ዝኽፈተን እቲ መስርሕ ኣብ ካለኦት ዞባታት፡ ወረዳታትን ቀበለታትን ትግራይ’ውን ከም ዝቕጽል እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ውድብ ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሃሰ ወግዓዊ መስራቲ ጉባአ ከካይድ ትጽቢት ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ከይዶም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣቢሉ ናብ ትግራይ ክመሓላለፈሉ  ካብ  ዘመሓላለፎ በዓል 8 ነጥብታት መልእኽቲ፡ ወሓት ሕጋዊ ውድብ ስለዘይኮነ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ደው ክብል፡ ህወሓት ምስ ሻዕብያ ዝገብሮ ዘሎ ርክብ ደው ከብልኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂን ዝውውር ሰብን ዝተዋፈሩ ሓዊሱ ምስ ፋኖ እናተራኸቡ ሰላም ዝዘርጉ ጀነራላት ንፌደራል መንግስቲ ኣሕሊፍኻ ክወሃቡ፡ ህወሓት ካብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክወፅእን ማሕተምን ቢሮን ንዝምልከቶም ኣካላት ከረክብ።” ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ ብ18 ሓምለ 2025 ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ዶር ኣብይ ኣሕመድኳ እንተተራኸቡ ዝርዝር መዘራረቢኦም ግና ንመድያታት ዕጽዊ ስለ ዝነበረ ኣይተፈልጠን።

Last modified on Sunday, 20 July 2025 08:43