ባህግና Bahgna Media 08.06.2025: ዕቡድ ይሕሾ እምበር፣ ኣይድሕንን፡ ሃንቀውታ ኢሳያስ‘ስ፣ እንኳዕ ዳኣ በነነ:
Written by Bahgna mediaMedia
ብጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ፡ ናይ ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ብዝተሰርዐ ወርሓዊ መደብ መሰረት፡ ብ7 ሰነ 2025 ንኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲኤ) ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ነቲ “ህንጸት ሃገራዊ መንግስቲ ምስ ህንጸት ሃገር ” ብዝብል ኣርእስቲ ብምዝማድ፡ መቐጸልታ ነቲ ብ22 ለካቲት 2025 ዝቐረቦ ኣስተምህሮ ዝሃበ ሓው ኣሰፋው በርሀ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ እዩ።

ብጻይ ኣሰፋው በርሀ ኣብቲ 2ይ ክፋል ኣስተምህሮኡ፡ ህንጸት ሃገረ-መንግስቲ ምስ ህንጸት ሃገር ብምዝማድ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ክልቲኦም ዛዕባታት ዝመላልኡ ምዃኖም ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ሓደ ከባቢ ሃገር ንክበሃል ከማልኦ ብዛዓብ ዝግበኦ ተደልይነታ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ 193 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ኮይነን ዝተመዝገባ፡ ኣብ ሸውዓቲኡ ክፍለ ዓለማት ዝተዘርገሓ ሃገራት ምህላወን ኣብ መግለጺኡ ኣብሪሁ።
ኣተሓሒዙ ከኣ ኣመጻጸኣ ኤርትራ ከም ሃገር ክጠቅስ እንከሎ፡ ነቲ ምእንተኣ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝተኻየደ ቃልስን፡ መስርሕ ረፈንደምን ድሕሪኡ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ብወግዒ ምምዝጋባን ኣመልኪቱ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቡ። ከምኡ ከኣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘሕለፈቶ ሓሳረ-መከራ ዘርዚሩ፡ ሎሚ እውን ሃገር ብዘይቅዋም ኮና ከምዘላ ኣዘኻኺሩ።
ብጻይ ኣሰፋው ሎሚ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ውዳቤታት ተሰሊፎም ቃልሶም ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ መስርሕ ህንጸት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእትን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍን ብዝምልከት ኣገዳስቲ ዝበሎም መነጻጸሪ ነጥብታት ንተሳተፍቲ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ንግደ ዜጋታት ኣብ ምህናጽ ሃገርን ክኽተልዎ ዝግበኦም ፖሊስን ዝምልከት’ውን ሓሳብ ኣቕሪቡ። ህንጸት ሃገር ኣብ ምዕዋት፡ ኣብ መዳይ ምልላይ ናይቶም ዝተፈላለዩ ባህልታት ዘዘውትሩን ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኤርትራዊ ዜጋታት ምውህሃድን ምትእምማንን ምፍጣር ከም ዘድሊ ጠቒሱ፡ ሓያሎ ተዛመድቲ ዝዕባታት እውን ብኣብነት ዘርዚሩ።
ድሕሪቲ መብርሂ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ መንጸፍ ንህንጸት ሃገር፡ ድሕሪ ነጻነት መስርሕ ህንጸት ሃገር ናህሩ ሓልዩ ናይ ዘይምቕጻሉ ጠንቂ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበዝሐ ቅድም ኮነ ሎሚ ኣብ ኣብ ምቕጻል ሃገራውነቱ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት፡ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ተወሰኽቲ መብርህታት ብተሳተፍቲ ክቐርቡ እንከለዉ፡ “መስርሕ ሃገራውነት ኤርትራ መዓስዩ ጀሚሩ?” ዝብል ዝርከብዎም ሕቶታት ቀሪቦም ግቡእ መልሲ ተዋሂብዎም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣስተምህሮ ንኽቕጽል ንኣካየድቲ ጥምሮ ኣብያተ ጽሕፈት ለበዋ ኣቕሪቦም።
ምሁራትን ክኢላታትን ተወለድቲ ኦሮሞ ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፎም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብቶም ደብዳበ ዝጻሓፉ ብኸፊል ዝርከብዎም፡
ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካን ኣወስትራሊያን ዝነብሩ ዳርጋ ኩሎም ናይ ዶክተራት ማዓርግ ዘለዎም ምሁራትን ክኢላታትን ደቂ ኦሮሞ ብ5 ሰነ 2025 ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣብ መርበብ “ኦሮሞ መዲያ ኔትዎርክ (oromo media natwork) ወጺኡ።
እዞም ዝርዝር ኣስማቶም ምስቲ ደብዳበ ኣተሓሒዞም ዘስፈሩ 85 ምሁራትን ክኢላታትን፡ ኣብቲ ደብዳበኦም “ኣብ መበል 34 መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘስማዕካዮ መደረ; ኣብ ልዕሊ መንነት ኦሮሞ ንዝፈጸምካዮ፡ ዘይተጸበናዮ መጥቃዕቲ ኣዕዚዝና ንኹንኖ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ናብ ሰልፊ ብልጽግና ዘትኮረ ዝመስል መደረኡ፡ ምስ ኦሮሞ ከተሓሕዞ ብምፍታን “ኦሮሞማ” ብዝብል ሸፈጥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እዚ ተግባር ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንነት ኦሮሞ ዝነበሮ ኣወንታዊ ሚዛንን ኣረኣእያን ዘበላሹ እዩ ኢሎም ገሊጸምዎ።
ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ዘይጥዑይ መልክዕ ምሓዙ፡ ብ28 ለካቲት 2020 ናብ ኢሳያስ ደብዳበ ጽሒፎም ከም ዝነበሩ ዝጠቐሱ እዞም ምሁራትን ክኢላትታን፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ መልእኽቶም፡ ኢድ ኣእታውነት ንክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዘየርብሕ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ካብ ምእታው ንክትቁጠቡኳ ተማህጺነምዎ እንተነበሩ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ምሕጽንታ ተቐቢሉ፡ ዘመሓይሽ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዘለዎ ኣረኣእያ እናኸፍአ ከም ዝመጸ ኣብቲ ደብዳበኦም ጠቒሶም።
እቶም ምሁራት ብኦሮሞነቶም ከም ዝሕበኑ ብምጥቃስ፡ እንተደኣ “ኦሮሞነት” ብኣሉታ ዝግለጽ ኮይኑ፡ “ትግርኛነት ከደኣ ብኸመይ ቅኑዕ ይኸውን?” ክብሉ ብምጥቃስ፡ መደረ ኢሳያስ ተጋራጫዊ ምንባሩ ኣስፊሮም። ኣብቲ ኣብ ዘየለ ነገር ዝበልዎ፡ “ኩሽቲኽ-ሰመቲክ” ዝበልካዮ ድማ ከምኡ ዓይነት ትረኻ ዝዕድም ዘሎ እዩ ዝመስል ኢለምዎ። “ኤርትራኸ ካብቲ ዝበልካይ እንታይ እያ እትጥቀሞ? ንዝበል ሕቶ ከኣ መልሱ ንዓኻ ንገድፎ ድማ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ዞባና ሰላም ርሒቕዎ ናብ ግሁድ ቅልውላው ዝኣቱ ዘሎም ምዃኑ ጠቒሶም፡ መደረ ኢሳይስ ድማ ነቲ ወጥሪ መሊሱ ወጥሪ ዝውስኽ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንመንነት ህዝብና ዘዋርድ እዩ” ኢለሞ።
እዚ ኢሳያስ ኣብ መደረኡ ንብሄር ኦሮሞ ብዝምልከት ዝጠቐሶ፡ ቅድሚ እዞም ምሁራትን ክኢላታትን ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ደቂ ኦሮሞ መዛረቢ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ።
بمناسبة عيد ألأضحى ألمبارك لعام 1446 هجريا , يتقدم حزب الشعب الديمقراطي ألارتري بأصدق ألتهاني وأطيب ألأماني الى جميع الشعب ألارتري والامة الاسلامية, سائلين الله عز وجل أن يعيده على الجميع بالخير واليمن والبركات.
يأتي هذا العيد المجيد وشعبنا يواجه تحديات كبيرة , في ظل غيوم الحرب التي تلبد سماء وطننا , والتي يجب أن تزال بنضال جميع مكونات الشعب ألارتري دون استثناء .
ونأمل أن يكون عيد المحبة والتضامن , وتقوية أواصر الوحدة , وتعزيز روح التسامح والتأزر.
كل عام وانتم بخير
حزب الشعب الديمقراطي ألارتري
مكتب الاعلام
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኣመንቲ ምስልምና፡ “እንኳዕ ናብ መበል 1446 በዓል ዒድ ዓረፈ (ዒድ ኣል ኣድሓ) ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” እናበለ፡ እዚ ክቡር በዓል ናይ ሰላም፡ ቅሳነትን ራህዋን ክኾነልና ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።
ኣብዛ ናይ መስዋእትነት ዕለት ኮይና፡ መጻኢና እዚ ኣብ ከባቢና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ውግእን ህውከትን ተቐንጢጡ፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና ዝረጋገጸሉ ኩነታት ንምፍጣር ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖትን ካልእን ሓቢሮም ኣንጻር ኩሉ ወጽዓታት ተቓሊሶም ዘተኣማምን ህድኣት ዘውሕስሉ ንክኸውን ዘለና እምነት ደጊምና ንገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
6 ሰነ 2025
ፕረሲደንት ኣሚሪካ ሮናልድ ትራምፕ፡ ብ4 ሰነ 2025 ነቲ ኣብ ናይ ቀዳማይ ዙር ስልጣኑ ጀሚርዎ ዝነበረ ብምሕዳስ፡ ዜጋታት ኤርትራ እትርከበን12 ሃገራት ናብ ሃገሩ ከይበጽሑ ዝእግድን ናይ ካለኦት 7 ሃገራት ዜጋታት ድማ መሰል ዝግድብ ውሳነ ከም ዝኸተመ ኤኤፍፒ (AP) ሓቢሩ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ምርካቡ፡ ነዚ ካብ 9 ሰነ 2025 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል እገዳን ገደብን ዝወሰነ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሚሪካ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጸ እዩ። ካብዘን 12 ሃገራት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ስልጣን ትራምፕ ኣብ ዝርዝር እገዳ ዘይነበራ ከም ዝርከበን እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እተን ኣብዚ ሓድሽ ውሳነ ዜጋታተን ኣሜሪካ ከይበጽሑ ዝተኣገዱ 12 ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያማር፡ ቻድ፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶሪኣል ጊኒ፡ ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊቢያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳንን የመንን እየን። እተን ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ሓያል ገደብ ዝተነበረ 7 ሃገራት ከኣ ቡርንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሰራልዮን፡ ቶጎ፡ ቱርክመስታንን ቨንዝዋላን ምዃነን ኣብቲ ዜና ኤኤፍፒ ተጠቒሱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ምሉእ እገዳን ምድራትን፡ ሕጋዊ መንበሪ ፈቓድ ንዘለዎም፡ ህያው ዝኾነ ቪሳ ዝሓዙ፡ ከምኡ እውን ሃገራዊ ረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ምሕላው ንዝርከቡ ዜጋታት እተን ሃገራት ከምዘይምልከት ተፈሊጡ።
ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሜሪካ ነቲ ውሳነ “ናይ ታህዋኽ ስጉምቲ” ክብልዎ እንከለወ፡ ካለኦት ግና ትራምፕ ነቲ ሃገሩ ካብ ናይ ወጻኢ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝኣተዎ ቃል’ዩ ዝፍጽም ዘሎ ይብልዎ ኣለዉ። ትራምፕ ብወገኑ ደጋጊሙ እቲ ውሳነ ናይ ኣሜሪካን ህዝባን ድሕንነት ንምሕላ እዩ ኢሉ እዩ ዝገልጾ።
More...
የማነ ገ/መስቀል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ዓሻ መሓመድ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ
ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ወይዘሮ ዓይሻ መሓመድ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መበል 34 ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዝበሎ መልሲ ሂባ። ንሳ ኣብቲ ንናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ዝሃበቶ ሓጺር መብርሂ፡ “ሃገር እዮም ኢልካ ክትጽወዖም ዘጸገሙ ሃገራት፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረቡ ምፍታኖም ዝተለምደ ባህሪኦም እዩ” ክትብል ሸምጠጣ ኣቕሪባ።
ነዚ ምላሽ ዝሃበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ብ3 ሰነ 2025 ንናይ ዓሻ ኣሽሙር ክምልስ እንከሎ፡ “ኣብዚ እዋንዚ ተጻረፍቲ ደገፍቲ ብልጽግና፡ ኩሉ ቆላሕተኦም ናብ ኤርትራ ገይሮም ኣለዉ” ክብል ኣብ ናይ ኤክስ/X ገጹ ጽሒፉ።
ናይ ቅድም ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ኣባል ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያት ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ “ኤርትራውያን መዓልቲ ነጻነት ከኽብሩ ኣይደልዩን እዮም” ብዝብል ኣበሃህላኡ ዝፍለጥ፡ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኑ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ንከተውጽእ ተጽዕኖ ይግበረላ ክብል ሓድሽ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ኣንበሳደር ዲና ሞፍቲ እውን ንመደረ ኢሳያስ ኣብ መዓልቲ ነጻነት መልሲ ብዝመስል መልክዑ፡ ኣብቲ “ሆርን ረቪው” ኣብ ዝተባህለ ትካል ዜና ዘስፈሮ ርኢቶ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ብሄር ምስ ካልእ ብሄር ከተባእስ ምፍታን ዝኣረገ ባህሊ እዩ” ክብል ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝህቦ ሓገዝ የቋርጽ ከም ዝበለ፡ እቲ ኣብ ሆርን ረቪው ዝወጸ ርኢትኡ ይሕብር።
እዚ ምምልላስ መራሕቲ ክልቴን ሃገራት፡ ካብቲ ብኢድ ኣዙር ብማሕበራዊ መራኸብታት ክሸማጠጥዎ ዝጸንሑ ወጺኦም ናብ ቀጥታዊ ናይ ቃላት ዳርባ ይኣትዉ ከምዘለዉ የመልክት። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ኣብ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መፍትሒ እምበር፡ ኣብ ውግእ ረብሓ ዘየብሉ ክልቲኡ ህዝብታት ድምጹ ንከስምዕ ዝጽውዕ ደወል’ዩ።
ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ዑመር የሕያ፡ ብ3 ሰነ 2025 “ኣብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ገዳርፍ ተሰዊኡ” ዝብል ዜና ብኣዝዩ የሰንብድን ከቢድ ሓዘንን ሰሚዕናዮ።
ብ1943 ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ግራረት ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ ኣብ ከረንን ኣስመራን ዝተማህረ መሓመድ ዑመር የሕያ፡ ብሞያኡ መምህር ኮይኑ፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ካብ ኣባልነት ማሕበር ሸውዓተ (ሓረካ) 1958 ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተሳተፈ፡ኣብውራ ድማ ብሰንኪቲ ኣብ ከተማ ከረን ብ03 መጋቢት 1958 ኣንጻር መደባት ስርዓት ሃይለ ስላሰ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፍን ተሳትፎኡን ብጸላኢ ንዝተፈላለያ ግዳያት ይቃላዕ ከም ዝነበረን ብዛዕባ ድሕረ-ባይትኡ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዎም ይምስክሩ።
ድሕሪ ብረታዊ ተጋድሎ ምምስራት ከኣ፡ ንዝተጀመሮ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምዕዋት ብ1963 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ይኹን እምበር ንዝነበሮ ኣፍልጦን ስፍሓት ርኽክብን ኣብ ኣገልግሎት ሰውራ ንምውዓል፡ ንህዝቢ ንምውዳብ ናብ ከተማታት ተመሊሱ ዕማማቱ ንምቕጻል ተመደበ። ጸኒሑ ግን ጠሪሱ ንሜዳ ወጺኡ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ካብ ካርቱም ክሳብ መላእ ሃገራት ዓረብን ኢራንን ብተወፋይነት ግዲኡ ኣበርኪቱ። ደሓሪኡ’ውን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዝተፈላለዩ ጽፍሒ መሪሕነታዊ ሓላፍነታት ኣብ ሜዳን ወጻእን ግቡኡ ዝፈጸመ ሓርበኛ እዩ።
መሓመድ ዑመር ንጡፍ፡ መደባቱ ንከዕውት ጐዩ ዘይደክምን ዝተረኣዮ ካብ ምዝራብ ንድሕሪት ዘይብልን፡ ተዋዛያይን መኽበሪ ብጾቱን ምንባሩ እውን ዝምስከረሉዩ።
ብመስዋእቲ ምሕላፍ ናይ ኩልና እንኸፍሎ ዕዳ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና መሓመድ ዑመር የሕያ እውን ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ብጾቱ ኣብታ ዋጋ ዝኸፈለላ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይምርካቡ እዩ።
መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ ነባር መቓልስቶም ዝኾነ ሓርበኛ ተቓላሳይ መሓመድ ዑመር የሕያ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም እናገለጹ፡ ንስዉእ መንግስተሰማያት፡ ንቤተሰቡ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይምነዩ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
4 ሰነ 2025
ዘመናዊ ዲፕሎማሲ modern diplomacy) ዝተባህለ ትካል፡ ብ2 ሰነ 2025 ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝፈጸሞ በደል ከይተቐጽዐ፡ ዝነወሐ ግዜ ኣብ ስልጣን ጨቋኒ ምምሕዳር ዝጸንሐ፡ ኣብ ዘይሓላፍነታዊ ውግኣት ተመኩሮ ዘጥረየ፡ ከምኡ እውን ከባቢ ኣብ ምሕማስ ሰፊሕ ግደ ዝጸንሖ ባእታ“ ክብል ገሊጽዎ። እቲ ትካል ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ምስዚ ኩሉ ገበናቱ ብዓለም ለኻዊ ትካላት ትኹረት ክግበረሉ ከም ዘይጸንሐ እውን ኣስፊሩ።
ዘመናዊ ዲፕሎማሲ ኣተሓሒዙ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናይ 1998-2000 ውግእ ንኣስታት 20 ዓመታት፡ ኣብ ኩነተ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ኣብ 2018 ከም ዝተቐየረ መዝጊቡ። እንተኾነ እቲ ናይ 2018 ስምምዕ ኣብ ኣርሒቑ ዝርኢ ናይ ሓባር ራኢ ዘይኮነ፡ ኣብ ጽልእን ናይ ሓባር ጸላእየይ እትብሎ ምጥቃዕን ዝተሰረተ ምንባሩ ምስክርነቱ ሂቡ። እቲ ናይ ሓባር ግዝያዊ ሸቶኦም ነቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ልዑል እጃም ዝነበሮ ህወሓት ምጥቃዕ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።
እቲ ትካል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ኣብ ዘእተወሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባትን ንብረትን ህልቂትን ዕንወትን ከም ዘውረደ ብትካላት ሰብኣዊ መሰላት ተመዝጊቡ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እኝተኾነ እቲ ምስ መሻርኽቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝሓዝዎ ሸቶ ንሱ ጥራይ ከምዘይነበረ ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ ሓደ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ከእቱ ቅኑዕ ኣይነበረ ኢሉ፡ እንተኾነ ሎሚ እውን ዋላ’ኳ እቲ ውግእ፡ ብስምም ምቁራጽ ተኹሲ ጠጠው እንተበለ፡ ኢሳያስ ግና ካብ ምስዋር ውግእ ዓዲ ኣይወዓለን ኢሉ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ዘመናዊ ዲፕሎማሲ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣብ መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ብዝርዝር ጠቓቒሱ፡ ነቲ ክሱ ዝተለምደ ናይ ኢድ ኣዙራዊ ተግባር እዩ ኢልዎ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨቋኒ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግዳይ ኩሉ በደላት ኮይንዎ ዝጸንሐ ዘርዚሩ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኤርትራ ብዝሓለፈ ዘይኮነ፡ ብሰንክዚ ኢሳያስ ኣብዚ እዋንዚ ዝፈጥሮ ዘሎ ዞባዊ ዕግርግር ግዳይ እገዳ ክትከውን እትኽእሎ ከምዘሎ ብምግማት ስግኣቱ ኣስፊሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ነቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንከኣቶ ዝፈቐዶ ተሓታቲ ክኸውን ይግበኦ’ውን ኢሉ።
ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ
ካብ ብሄራዊ ምርጫ ብርድ ኢትዮጵያ፡ ን3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ግዝያዊ ምስክር ወረቐት ዝተዋህበ ሓድሽ ውድብ፡ “ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ዲስት)” ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 6 ሳምንታት መስራቲ ጉባአኡ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ። እዚ በቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ዝነበረ ኣካል ህወሓት ዝምስረት ዘሎ ውድብ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ትግራይ ካብ ላዕሊ ክሳብ ቀበለ ኣካላቱ ዘርጊሑ ኣብያተ-ጽሕፈት ከም ዝኸፍት፡ ኢትዮ-ኢንሳይደር ነቲ ብ31 ጉንበት 2025 ኣብ ሆቲል ሸራተን ኣዲስ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምጥቃስ’ያ ሓቢራ።
ናይቲ ሰልፊ ናይ መጀመርያ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ፡ ሓደ ካብቶም መስረቲ ዝኾነ ናይ ቅድም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወሃቢ ቃል ዝነበረ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ነቲ ግዝያዊ ናይ 3 ኣዋርሕ ፈቓድ ዝረኸቡ ከባቢ ሚእቲ ኣባላት ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ናብ ዕላዊ ጉባአ ንምእታው ዘኽእልዎ ኣባላት ናይ ምምልማል መደብ ከም ዘለዎ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። ናይ መመልመሊ መዕቀኒኦም ብዝምልከት ከም ዝጠቐሶ ድማ መጻኢት ትግራይ ንዝሃንጽ መንእሰይ ወለዶ ፍሉይ ዝያዳ ቆላሕታ ከም ዝህቡ ኣብሪሁ።
ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣተሓሒዙ፡ ናይቲ ሓድሽ ውድብ ቀንዲ ኣካላት ሰለስተ ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ እሞ ኣብ ለውጢ ዝኣምኑ፡ ናይ ቀደም ናይቲ ውድብ ባልላት ነይሮም ንለጢ ክቃለስ ዝጸንሐን ንጡፋት ካድራት ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉን ክብል ዘርዚርዎም። ኣብ ርእሲዚ ኣባላት ህወሓት ትግራይ ንዘይነበሩ መንእሰያትን ምሁራት ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዝወሃብ እውን ኣመልኪቱ። እቲ ኣገባብ ኣመላልምላ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ ናይ ጽባሕ ትግራይ ኣብ ምህናጽ ኣስተዋጸኦ ክገብሩ እዮም ዝበሎም ንምስታፍ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ንኣመሰራርታ ብዝምልከት ከኣ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኢትዮጵያን ኣብ ወጻእን ኣብ ዘሎ ትግራዋይ ከም ዘተኩሩ ብምጥቃስ፡ በቲ ናይ ኣመሰራርታ ኣዋጅ መሰረት፡ ሓደ ብሄራዊ ሰልፊ ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ መስራቲ ጉባአኡ ካብ ዝሳተፉ ልዕሊ 60% ነበርቲ ናይቲ ክልል ክኾኑ ስለ ዝግባእ፡ ቀንዲ ቆላሕተኦም ኣብ ትግራይ ከም ዝኸውንን መስራቲ ጉባአኦም ኣብ ክልል ትግራይ ከም ዝካየድን ሓቢሩ።
እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝድሕረ-ባይትኡ “ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ትግራይ” ዝምስረት ዘሎ፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ብዶ ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ኣካል ህወሓት፡ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ “ውድባዊ ኣባልነቱ ተሰሪዙ” ኣብ ዝተባህለሉ እዩ።