Eritrea. Liberty Magazine Issue Nr.84
Written by EPDP Foreign Office Affairsትካል መግቢ ዓለም፡ 3 ናይ ረዲኤት መግቢ ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ማእከላይ ዳርፎር እናተጓዕዛ ከም ዝተጨውያ ብ30 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። “ዝተወሃሃደ ደሕንነት መግቢ” ዝተባህለ ኣካል ብወገኑ፡ ኣብ ሱዳን 755 ሺሕ ናብ ደረጃ ዓጸቦ ዝበጽሑ ወሲኽካ፡ 26.6 ሚልዮን ሰባት ተጸባይቲ ረዲኤት መግቢ ምዃኖም ኣፍሊጡ። እዚ ጸገም ናብ 14 ኣብ ኮርደፋን፡ ዳርፎንን ስናርን ዘለዋ ከባብታት ዝያዳ ከይሰፍሕ ስግኣት ከም ዘሎ እውን ኣፍሊጡ።
ብመሰረት መግለጺ ትካል መግቢ ዓለም፡ መንነት ናይቶም ነተን መግቢ ዝጸዕና መካይን ዝጨወዩ ዕጡቓት ኣይተፈልጠን። እቲ ትካል ኣተሓሒዙ ነዚ ኣሸሓት ሰባት ክምግብ ዝነበሮ መግቢ ንዝወሰዱ ኣካላት ተሓተትቲ ንክገብርዎም ናብ ሓለፍቲ ናይቲ ከባቢ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።።
ምስቲ ኣብ ዳርፎር ዘሎ ዝተሓላለኸ ኩነታት ጸጥታ፡ ትካል መግቢ ዓለም እቲ ጭውያ ዝተኻየደሉ ውሱን ቦታ ኣይጠቐሰን። ኣብ ዳርፎር 6 ከባብታት ኣብ ትሕቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝመሓደራ ክኾና እንከለዋ፡ 3 ከባብታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ብዓብደል ዋህድ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ከም ዝመሓደራ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ፡ “ዓለምለኻዊ ትካል ዝምድና” ብወገኑ፡ ብ24 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት እቶት ሕርሻን ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ረዲኤትን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2024 ናይ ህዝቢ ዳርፎርን ኮርደፋንን 15% ማለት 2.5 ሚሊዮን ናይ ሞት ሓደጋ ከጋጥሞ ይኽእልዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።
ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ሱዳን ይሓላልኹ ካብ ዘለዉ ሓደ ህግደፍ እዩ። በዚ መሰረት ካብ ዝተፈላለዩ ብሄረሰብ ምብራቕ ሱዳን ዝተዋጽኡ 4ተ ውድባት፡ ብድምር ኣስታት 7 ሺሕ ሰራዊት ኣብ መሬት ኤርትራ ብናይ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ለኮይብን ሳዋን ይዕለሙ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ይሕብሩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ድሕሪ ናጽነት ብሓፈሻ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣሰሓሓብቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ሓደ: ጉዳይ ባንዴራ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ኤርትራ ነናተን ታሪኻዊ ኣመጻጸኣን ጽልዋን ዘልወን ክልተ ባንደራታታት ስለ ዘለዋ እዩ። በዚ መሰረት ሓደ ወገን ናይታ ነባር ሰማያዊት እቲ ካልእ ድማ ናይታ ሓዳስ 3ተ ዝሕብራ ልዕልና ንምርግጋጽ ብዝፍጠር ምውጣጥ እዩ እቲ ምስሕሓብ ከጋጥም ዝጸንሐ።
እታ ኣብ ማእከላ ብ34 ኣቑጽልቲ ኣውሊዕ ዝወቀበት ሰማያዊት ዝሕብራ ተጋዳሊት ባንደራ ኤርትራ ብመሰረት እቲ ናይ 1952 ሕገመንግስቲ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝረኸበት፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ማዕረማዕረ ባንደራ ኢትዮጵያ ዘምበልበለት እያ። እቲ ናይ ሽዑ ካብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተወኪሉ ዝተመርጸ 68 ወናብር ዝነበሮ ፓርላማ ኤርትራ፡ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ከም ምልክት ኤርትራ ንክቕበላ ቀሊል ኣይነበረን። ዝተፈላለዩ ምርጫታት ስለ ዝነበሩ ንዓኣ ተቐቢሉ ንከጽድቓ፡ ክንድቲ ትግርኛን ዓረብኛን ከም ናይ ስራሕ ቋንቋታት ንክቕበል ዝገበሮ ጻዕሪ ነዊሕ ምጽውዋርን ሓልዮትን ዘይተፈልዮ ክተዓት ኣካይዱ እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርላማ ኤርትራ ብዝጸፈዮም ኤርትራውያን ኣባላት ፓርላማ ኣቢሉ መስርሕ ምፍራስ ፈደረሽን ብግህዶ ምስ ጀመረ ሰማያዊት ባንደራ ብ3 ታሕሳስ 1958 ካብ ዝነበራ ክብሪ ብዓመጽ ወሪዳ ብባንደራ ኢትዮጵያ ድማ ተባሒታ።
ምውራድ ሰማያዊት ባንደራን ምፍራስ ፈደረሽንን ፖለቲካ ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንክሰጋገር ካብ ዝደረኹ ተርእዮታት ነይሩ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1961 ምስ ተበሰረ፡ ወያ ኣብ ከተማታት ኣብ ትካላት መንግስቲ ተምበልብል ዝነበረት ውቅብቲ ሰማያዊት ባንደራ ናይ ጽንዓት ምልክትን ኣርማን ኮይና ናብ ሜዳ ተሰሊፋ። ንክብሪ እዚ ሓርበኝነታ ከኣ ኣብ ሜዳ ብዝነበሩ ወናማት ተጋደልቲ “እንቲ ሰማያዊት ኣብ በረኻዶ ሰፊርኪ ከም ኣራዊት” ተዘይሙላ። መግዛእቲ ስዒራ ብናጽነት ተሰንያ ናብ ክብራ ከም እትምለስ ንምምልከት ከኣ ብተቓለስቲ ስነ-ጥበባውያን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ “ሰማያዊት ምልክት ናይ ዕድል ግዜኺ መጺኡ ዘደላድል “ ተዘሚሩላ። ናጽነት ኤርትራ ከምዘይተርፍ ዝተኣማመና ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣብ ዘዝረኸበኦ ኣጋጣምታት’ “ኣውሊዐይ ባንደራይ ስየ፡ ክሳብ ዝመጹለይ ኣሕዋተይ ክጽበ እየ” ኢለን ደሪፈናላ። ክሳብ ናጽነት ድማ ኣርማን ጽላልን ኮይና ቀጺላ። ናጽነት ክብሰር እንከሎ ከኣ ኤርትራዊ ካብቲ ብምስጢር ዓቂብዋ ዝጸንሐ እናውጸአ ክሳብ ብ1993 እትትካእ ኣምበልቢልዋ። እነሆ ሎሚ ድማ ቃልሳ ምእንቲ ሓርነት፡ ዲሞክራስን መሰረታዊ መሰላትን ትቕጽል ኣላ።
ድሕሪ ረፈረንደም ኤርትራ ብ24 ጉንበት 1993 እዛ ብሰለስተ ስሉስ ኩርነዓት ዝቖመት ሰማያዊ፡ ቀይሕን ቀጠልያን ዝሕብራ፡ ኣብ ማእከላ ወርቃዊ ሕብሪ ቆጽሊ ኣውሊዕ ዘለዋ ባንደራ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰቒላ ወግዓዊት መለለይት ኤርትራ ናይ ምዃን ሕጋውነት ረኺባ። እዛ ዳሕረወይቲ ባንደራ ብውሳነ ሓደ ውድብ ምናልባት’ውን ብናይ ሓደ ውልቀሰብ፡ ብዘይ ቀጥታዊ ይኹን ዘይቀጥታዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰነት፡ ሕገመንግስታዊ መሰረት ዘየብላ እያ። እንተኾነ ብሳላ ናይ ታሪኽ ትዕድልታ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝተሰቕለት ኣህጉራዊ መለለይት ሃገረ ኤርትራ ክትከውን ግድን ኮይኑ።
ስለዚ ክልቲአን ባንደራታት እታ ቀዳመይቲ ብዘለዋ ታሪኻውን ሓርበኛውን ክብሪ፡ እታ ዳሕረወይቲ ከኣ ብዝረኸበቶ ተቐባልነት ኣድለይቲ ኮይነን ኣለዋ። ኣብ መንጎአን ዝነበረ ናይ ኣጠቓቕማ ፍልልይ ንምትዕራቕ ቀሊል ኣይነበረን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ክልቲአን ታሪኻዊ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ድሕረባይታ ዘለዎም ኤርትራውያን ሓቢሮም ንሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ሓዳስ ኤርትራ ንክቃለሱ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ፍልልያት ንምዕራቕ ሓያል ጻዕሪ ኣካይዱ እዩ። ክሳብ ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ውዳበታቱን ብናይ ሓባር ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎኦም “ናትና እዩ” ዝብልዎ ሕገመንግስቲ ወኒኖም ብኡ መሰረት ባንደራ ዝቐርጹ፡ ክልቲአን ባንደራታት ኣርማ ናይቲ ሰልፊ ክኾና ወሲኑ።
ሰዲህኤ ነዚ ብምውሳኑ ዘጋጠሞ ብድሆታት’ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ግና እዚ ውሳነ’ዚ ዳርጋ ብኹሉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተቐባልነት ረኺቡ ዝትግበር ዘሎ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰዲህኤ ሰማያዊ ሕብሪ ከም መለለይኡ ውሲዱ፡ ኣብ ቅዋሙ ኣብ ናይ መላለይ ዓንቀጽ 1.2 “መለለይ ሕብሪ ሰዲህኤ ሰማያዊ እዩ። ትርጉሙ ከኣ፡ ንሰላም፡ ህድኣት፡ ንልምዓትን ብልጽግናን፡ ንጸጋታት ባሕሪ ኤርትራን ንተስፋታት መንእሰይ ሃገር፡ ከምኡውን ንሕሉፍ ተመክሮ ቃልሲ ህዝቢ ይገልጽ” ዝብል ቀዋሚ ሕጡብ ኣስፊሩ’ሎ። ብዘይካዚ ካብ ጠቕላላ ጉባአታቱ ጀሚሩ ክሳብ ፈስቲቫላቱ፡ ብሰውራዊ ባይቶ ዝተጀመረ ብምቕጻል፡ ንሰማያዊ ሕብርን ቆጽሊ ኣውሊዕን ብደረጃ ማልያ፡ ቆቢዕን ካልእ ምልክታትን ብቐጻሊ ከም መለለይኡ የንጸባርቕ።
ሰማያዊት ባንደራ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ልቢ ተጋዳላይ ዝነበራ ቦታ ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ። ተጋዳላይ ክንቀሳቐስ እንከሎ ኣምሪሑዋ ይጐዓዝ። ዕድል ክረክብ እንከሎ ኣብ ቀዋሚ ቦታ እውን ምልክት ቃልሱ ገይሩ ሰቒልዋ። ኣብ ከም ጽንብል ምጅማር ሰውራ ኤርትራን ካልእ መድረኻትን ድማ ክቡር ቦታ ሂብዋ። ንምስቃላ ኩነታት ኣብ ዘይፈቅደሉ ከኣ ብኽብሪ ዓጺፉ ኣብ ሳንጥኡ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ዓቂብዋ ተንቀሳቕሱ። ከምዚ ሎሚ ባንደራ ኣዚዝካ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቐሊሉ ናይ ምርባሕ ተኽእሎ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብምስጢር ሰማያዊ ዓለባን ቀጠልያ ፈትልን ገዚኡ ብወሓላሉ ደቂ ኣንስትዮ ኣጥሊፉ ይሰርሓን ይሕብሕባን ነይሩ። ምስዚ ግና ገለ ወገናት ሕገመንግስታዊ ድሕረ-ባይታኣ ብምዝንጋዕ “ብሕቡራት መንግስታት ዝተተኹበትልና’ያ” ብዝብል ምስምስ ክብራ ከጉድሉ ክፍትኑ ይስምዑ እዮም። ካብዚ ሓሊፎም’ “ባንንደራ ጀብሃ” ብዝብል ከጽብብዋ ዝደናደኑ ኣይሰኣኑን።
ኣብዚ እዋንዚ ሰማያዊ ሕብሪ ናይዛ ባንደራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ናይ ክዳን ኮይና ሸነን ክትብል ንዕዘባ ኣለና። ማዕበል ብሪገድ ንሓመዱ ምስ ሰማያዊ ሕብሪ ምዕሳሉ፡ ኣሰር ኣያታቱን ታሪኽ ቃልሶምን ከም ዝሰዓበ ካብ ዘመልክቱ ሓደ እዩ። ጽልዋ ሰማያዊ ሕብሪ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ንገለወ ወገናት ሎሚ ዝጅመር ዘሎ ዝመስሎምን ኣይኮነን። እቲ ናይ ብሪገድ ንሓመዱ ንሰማያዊት ባንደራ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ዝያዳ ንምፍላጣ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ነዊሕ ሓርበኛዊ ድሕረ-ባይታኣ ኣብ ሜዳን ከተማታትን ኤርትራ ዘንጊዕካ፡ ሎሚ ኣብ ኣደባባያት ዲያስፖራ ከም ዝጀመረ ኣምሲልካ ምውሳዱ፡ ነቲ ዝያዳ ክሰርጽን ክዓኩኽን ዝግበኦ መስርሕ ምትኽኻእ ከይሃሲዮ ብልቦና ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ።
ብዓብይኡ ክረአ እንከሎ ከኣ’፡ ሎሚ ኣድህቦናን ቃልስናን ኣብ ምውድዳርን ምትህልላኽን ብጉዳይ ባንዴራታት ዘይኮነ፡ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ኣወጊድካ፡ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ክኸውን እዩ ዝግበኦ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ29 ሰነ 2024 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ፡ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ፡ መጻኢ ግዜ ናይ ዓወትን ኣሳልጦን ክኸውን ዘለዎ ተስፋን እምነትን ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣፋሊጡ፡ መበገሲ ዝኾኑ ኣገደስቲ እዋናዊ ነጥብታት እውን ጠቒሱ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ከም ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ተዳልዩ ዝቐረበን ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ዝሃብሉን ዓመታዊ ጸብጻባት በብሓደ መዚኑን ኣድላይ ዝበሎ ምትዕርራያትን መመላእታን ወሲኹ ናብ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንክቐርብ ወሲኑ። ኣብቲ ነዚ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ብፍላይ ካብ ዘተኮረሎም ዛዕብባታት፡ ምዕዋት ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሃሰ 2024 ዝካየድ ስምፖዝየምን ቀጺሉ ዝቃናዕን ውጽኢት ስምፖዝየም ዝብሰረሉ ፈስቲቫልን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ይርከቦም። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ ኣገደስቲ ዝበሎም ዛዕባታት ሰዲህኤ እውን ተመያይጡ ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ መጻኢ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶ ብዝምልከት እውን ተመያይጡ። ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይካቲ በብግዜኡ ከከም ኣድላይነቱ ዘካየዶም ህጹጻት ኣኼባታት፡ ብቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 6፡1፡11 መሰረት፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዘካይዶ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ የካይዱ።
ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰዲህኤን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን፡ ብመንጽር ክብደት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ኣብ ከባቢና በብግዜኡ ዝረአ ዘሎ ሓደስቲ ምዕባለታትን፡ ጭቆና ህግደፍ ተወጊዱ፡ ልዕልና ህዝቢ ኤርትራ ዝረጋገጸሉ ስርዓት ክሳብ ዝትከል ከይሰልከዩ ቃልሶም ከሕይሉ ጸዊዑ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ፡ እንታይ ንምርግጋጽ ምዃኑ፡ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ እዩ። ህግደፍ እውን ኮነ ኢሉ “ጸማም እዝኒ” ንምሃብ እንተዘይኮይኑ፡ ብህዝቢ እንታይ ክገብር ይሕተት ከም ዘሎ ኣዳዕዲዑ ዝርደኦ እዩ። ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይምምላስ ካብ ዝጥቀሞም ብዙሓት ተንኮለኛ ሜላታት ንህዝቢ ቀዳምነቱ ዘረስዕ መህደሚ ኩነት ፈጢርካ ቅድሚት ምስራዕ እዩ። ብፍላይ ከኣ ናብ ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዘነጻጸረ ዘሰንብድ ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲካ ምቕራብ ሓደ ካብቲ ሜላታቱ እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ባይታ ዘየለ ሓደጋ ፈጢርካ ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት ውግእ ብምኽፋት ክሕንክሮ ዝጸንሐ “ደጊም ይኣክል” ክበሃል ዝግበኦ መምሃሪ ተመኩሮ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ቀዳምነት ሰሪዑ ካብ ዝቃለሰሎም ጠለባት፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ናይ ምርካብ መሰረታዊ መሰል ሓደ እዩ። በዚ ሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን ከምኡ እውን ኣድላይ ኣብ ዝበልካዮ መድረኽ ተወዲብካ ናይ ምቅዋም መሰል ጠልብ ኣለዎ። ኣብ ርእሲዚ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ዝረጋገጸሉ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዝዝርጋሕ ዲሞክራሲያዊ ምርጫታት ከካይድ ካብቲ ዝቃለሰሉ እዩ። ኢሳያስ ነዚ ጠለባት ህዝቢ፡ በቲ ምስ ጐደልኡ ክትግበር ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ “ከይተተግብረ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ምስ በሎ፡ ንተስፋታትን ትጽቢታትን ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣጸልሚትዎ እዩ።
ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኣማምን ሰላም ተፈጢሩ ብመንፈስ “ንገድ ነጋዳይ፡ ሕረስ ሓረስታይ” በብዘለዎ ዓቕምን ጥሪትን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከውፍር ይብህግ። ህግደፍ ግና ዕላምኡ ጸረ ባህጊ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ከም መንግስቲ ኣብቲ ዜጋታት ክዓምዎ ዘይክእሉ ጥራይ ከውፍር ቅሩብ ኣይኮነን። ሓረስታይ ዋና መሬቱ ኮይኑ፡ ሓሪሱ ንገዛእ ርእሱ ተቐሊቡ ዝተረፈ እቶቱ ናብ ዕዳጋ ዘውርደሉ ኩነታት ክጣጣሑሉ ይጽበ ነይሩ። ብዘይካዚ ነቲ ኣብ ህልውና ሕብረተሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ምህናጽ መጽለሊ ኣባይቲ’ኳ ብኤርትራውነቱ ዕድል ዝኸፍተሉ ባብ ምርሓው ኣብ ግምት ክኣቱ ካብ ዘይተተግበሩ ሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ ኩነታት ብፍላይ ኣብ መዳያት ትምህርትን ሕክምናን ህልውናን ቀጻልነትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ ዝውስኑ እዮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ካብ ስድራቤቶም ከይረሓቑ ካብ ወተሃደራዊ ተጽዕኖ ናጻ ኮይኖም ትምህርቶም ዝቕጽልሉ ባይታ ክፍጠር ሓደ ካብ ዝተቓለሰሉ እዩ። ሕክምና ብቐጥታ ከም ህዝቢ ህልውና ዝውስን እዩ። ኣብዚ መዳይዚ መጀመርያ መንግስቲ ኩነታት ብምጥጣሕ ሓላፍነቱ ክፍጽም ህዝቢ ተጸብይዎ። ንሱ ኣብ ዘይዓመሞ ከኣ ዓቕሚ ብዘለዎም ኤርትራውያን ዜጋታት ንክምላእ መንግስቲ ኩነታት ከጣጥሕን ሓላፍነት ክወስደሉን ዝነበሮ ነይሩ።
ብግብሪ ኣብ ኤርትራ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱን ካለኦትን ጠለባት ህዝቢ ካብ መጀመርታኡ ዝበኾሩ እዮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ህግደፍ ይምልከተኒ እዩ ኢሉ ኣልዒልዎ’ውን ዘይፈልጥ ዛዕባ እዩ። እቲ ህግደፍ ኣብ በበይኑ መድረኻት ብሕገመንግስቲ፡ ብምርጫን ዲሞክራሲን ዝሕጭጮ ናይ ዘይምግዳሱ መርኣያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ብዓንተብኡ ዕላማኡ ዘይምንብሩ ዘርኢ እዩ። እቲ ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኣብ ቁጠባ ምውፋርስ ይጽናሕ እሞ፡ ነባር ጋራጃት፡ ድኳናትን መሰል ናእሽቱ ትካላትን ንምዕጻው በብግዜኡ ዝወሰዶም ስጉምትታት ምዝካር ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ “ድኳናት ሕድርን 09ን” እሱር ንክኸውን ዝፍጽሞ በደላት ካልእ መርኣያ እዩ። ኣብያተ-ትምህርቲ ናብ ሳዋ ኢደን ሂበን ንክጭፍለቓን ስርዓተ-ትምህርቲ ብውትህድርና ክቃነን ንርእዮ ዘለና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኣብ ዓዱ መባእታዊ ሕክምናን መድሃኒትን ክረክብ ዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካምፓላ፡ ኢስታንቡልን ካልእ ከተማታትን ከርተት ዝብሎ ዘሎ፡ ህግደፍ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ።
ህግደፍ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጨቋኒ ተግባሩ ንምሕባእ፡ ናብ ደገ ንምምዕዳው ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮኡ ምስ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነትን ብቐጥታ ውግእ ብምኽፋትን ዝዛመድ እዩ። ሎሚ ድማ ኣብ ርእሲቲ ከም ካልእ ገጽ ናይቲ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነቱ፡ ሜላ ቀይሩ ናብ ቁጠባዊ መዳህለሊ ሜላ ምምራጽ ዝኣተወ ይመስል። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ኢጣልያውያን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣውፈርትን ዝርአዮ ሕግብግብ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዞም ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ኣብ ምምዕባል ወደባትን ዝርጋሐ ትሕተ-ቅርጻን ከም ዘተኩሩ ከተንብሁ ሰሚዕናዮም ኢና።
ብዓብይኡ እዚ ኣብ ዓድኻ ኣልሚዕካ ንገዛእ ርሽኻን ህዝብኻን ናይ ምጥቃልም መሰል ጠቕሊሉ ዝኸሓደ ህግደፍ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ምውድኽዳኹ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዝተበላሸወ ምስሉ ናብ ምጽብባቕ እንተዘይ ኮይኑ፡ ቁጠባዊ ሕቶ ህዝብና ናብ ምምላስ ዘድሃበ ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ነዚ ዝጸውር ባህሪ ስለ ዘየብሉ። መንግስቲ ጣልያን ቅድሚ ሕጂ’ውን ነዚ ዝባሃል ዘሎ ፕሮጀክት ብ60 ሚልዮን ዶላር ንምትግባሩ ወጢኑስ፡ ብናይ ህግደፍ “እቲ ገንዘብ ሃቡና ባዕልና ክንሰርሖ ኢና” ብሃልነት ንድሕሪት ተመሊሱ እዩ።
ናይ ሎሚ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ንናይ ውጻኢ ኣውፈርቲ ጠለብ ክጸውር፡ ብሰንኪ ህግደፍ ዝደረኾ ግዱድ ውትህድርናን ጽዑቕ ስደትን ዕለታዊ ናይ ሓጐስን ሓዘንን ማሕበራዊ ተርእዮ ዝዓምም ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘየብሉ፡ ቀረብ ጸዓትን መራኸብታትን ኣብ ዝተደረተሉ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ ሕጊ ወፍሪ ኣብ ዝበኾረሉን ቀጥዒ ዘየብሉ ጸጥታዊ ምቁጽጻርን ሸፈጥን ናይቲ ጉጅለ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጥ ናይ ግዳም ወፍሪ ክህሉ ዝግመት ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ብህዝቡ ዘይተኣምነ ጉጅለ ብናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክእመን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ምናልባት ከምቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ ሰንበል ኣሎ ዝበሃል “እንዳ ኮርያ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ምስ መሰረታዊ ድሌትን ዓቕምን ሓፋሽ ህዝቢ ዘይመጣጠን ህግደፍ ግና ዝፍክረሉን ንወጻእተኛታት እናካረየ ካዝናኡ ዘህጥረሉን ርሻናት ይህነጽ ይኸውን። እዚ እዩ ከኣ እቲ “ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ኣይኮኑን” ዘብል። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን በዚ ዘብለጭልጭን ንሃልኪ ዝቃላሕን ዜናታት ከይተደናገረ፡ በቲ መሰረታዊ ሕቶታቱ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምምላስ ሒዝዎ ዘሎ ቃልሱ ንክትቅጽል ጻዋዒትና እዩ።
ነባር ተጋዳሊት ኣልማዝ ወልዱ፡ ብ21 ሰነ 2024 ከም ዝዓረፈት ዝሕብር ዜና ምስ ተሰምዐ ኣዝዩ መሪር ሓዘን ተሰሚዑና። ብ1973 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈት ሓርበኛ ኣልማዝ ወልዱ፡ ካብ ግዜ ንእስነታ ጀሚራ ምእንቲ ህዝባን ሃገራን ብተወፋይነት ዝተቓለሰት ምንባራ ታሪኻ ይሕብር።
ኣልማዝ ብዝነበራ ትግሃትን ተወፋይነት ኣብ መስራቲ ጉባአ ጠቕላላ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣባል መሪሕነት ኮይና ከም ዝተመርጸትን ኣብ ዝተመደበቶ ጽፍሕታት ብብቕዓት ግቡኣ ዘወፈየትን ምንባራ ይፍለጥ። ኣብ ጉዕዞ ቃልሳ ሕውስቲ፡ ጠርናፊት፡ በዓልቲ ልዑል ተስፋን ኣዝያ ሓላይትን ርህርህትን ከም ዝነበረት እውን ናይ ቀረባ መቓልስታ ይምስክራ።
እነሆ ከኣ ምእንቲ ሓርነት ይካየድ ኣብ ዘሎ ቃልሲ’ውን ከይበኾረት፡ ኣብ መወዳእታ ብዝሓደራ ሕማም፡ ብበዓል ቤታን ደቃ ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፋ፡ ከም ኩሎም ቅድሚኣ ዝተሰውኡ ብጾታ፡ ኣብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለትላ ሃገራ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይረኸበት ተቓላሲት ኮይና፡ 5 ሓምለ 2024 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ካስል ሓመድ ኣዳም ክትለብስ እያ።
ተቓላሲት ኣልማዝ ካብዛ ዓለም ብምት ምፍላያ፡ ዝተሰማዒ መሪር ሓዘን እንዳገለጽኩ፡ ብስም መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነፍሰ-ይማሃር ኣልማዝ መንግስተ ሰማያት የዋርሳ፡ ንመላእ ስድራን ቤተሰብን ድማ ጽንዓት ይሃብኩ እምዳበልኩ፡ ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃና ይሕብር።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ
27 ሰነ 2024
ዳይረተር ትካል ጥዕና ዓለም ድር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ
ትካል ጥዕና ዓለም/WHO፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ ሱዳን ዋና ከተማ ግዝኣት ሰሜን ኮርደፋን ኣል-ፋሸር ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ኣደታትን ህጻናትን ብዝተፈጸመ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ኣፍሊጡ። ኣብ ምጥቃዕ እዚ ሆስፒታል ሰራዊት ሱዳንን እቲ ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይልን ክልቲኦም ከም ዝኽሰሱ እውን እቲ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብቲ ሻቕሎቱ ዝገለጸሉ ዜና ጠቒሱ።
ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖ ገ/ እየሱስ፡ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሆስፒታል ዝተወስደ መጥቃዕቲ “ዘሻቕልን ዘሰንብድን እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣካላት ሱዳን ድሕነት ኣደታትን ህጻናትን ክሕልዉን ውሑስ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኩነታት ክፈጥሩን ኣተሓሳሲቡ። ናይ ረዲአት ትካላት ብዘቕረብዎ ጸብጻባት መሰረት፡ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ካብ 15 ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዓሰርተታት ኣሸሓት ከም ዝተቐትሉን ኣስታት 10 ሚልዮን ድማ ከም ዝተመዛበሉ እቲ ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም/WFP፡ ብወገኑ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ተንታን ኣብ ሱዳን 44 ናይ ሕሱም ጥሜት መርኣያ ነቑጣታት ከም ዘለዋ ሓኢሩ። እዘን ቦታታት መዛሕትአን ኣብ ከም ካርቱም፡ ዳርፎርን ጀዚራን ዝኣመሰላ ውግእ ዝጻዕጸዐን ዝርከባ ኮይነን፡ ኣብኣተን ኣስታት 2.6 ሚልዮን ዝኸውን ኣብተን ዝያዳ ብጥሜት ዝተጠቕዓ ዝሰፈረን 5 ቦታታን ከም ዝርከባ ኣስፊሩ።
More...
ርእሰ ዓንቀጽ
ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ተጸሚድና ዘለና ኤርትራውያን ሃገርናን ህዝብናን ክኾንሉና እንደልዮም ብዙሕ ባህግታት ኣለዉና። ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዝሰፈና፡ ህዝባ ዓው ኢሉ ዝዛረበላን እግሩ መሊኡ ዝረግጸላን ሃገር ክትኮነልና ንብህግ። ኤርትራ ብቕዋም እትመሓደር፡ ብህዝቢ ብዝተመርጹ ኣካላት እትምራሕ፡ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑላ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝተረጋገጸላን ህዝቢ ልዕሊ መንግስቲ ዝበረኸላን ክትኮነልና እውን እንቃለሰሉ ዘለና ዕላማ እዩ። ምስ ጐረባብታ ኣብ ናይ ሓባርን ምክራን ዝተሰረተ ዝምድና ክህልዋ ነማዕዱ። እዚ ስለ ዝበኾረ ኢና ከኣ ኢና ኣብ ቀጻሊ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዘለና።
እዚ ባህግታት’ዚ፡ ንውሱናት ደገፍትን መሳርሕን ህግደፍ ገዲፍካ፡ ናይ መላእ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ንምዕዋቱ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እውን ናይ መላእ ህዝቢ እምበር፡ ናይ ውልቃውያን እሞ ጽልኢ ዝወለዶ ኣይኮነን። እቶም ብዙሓት ሓቢርና ተቓሊስና ሓቢርና ክንዕወት እንብህግ ቅድም በብውልቅና ከነዕርዮ ዝግበኣና ኣካይዳን እነተኣታትዎ ሃናጺ ኣተሓሳስባን ኣሎና። ነናትና ከየዕረና ናይ ካለኦት ከነዕሪ ምጽዋዕ ኮነ ምጭራሕ ግና ኣየድምዕን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ካለኦት ክገብርዎ እንደልዮ ካባና ክጅምር ግድን ስለ ዝኾነ።
ኤርትራውያን ተቓልስቲ ናብ ሓርነት ንምብጻሕ ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ዝገብሩና ድማ ኤርትራዊ ልኡላውነትና፡ ህግደፍ ክውገድ ዘለና እምነትን ንመጻኢ ራህዋ ህዝብና ዘለና ተስፋን ትጽቢትን ከኣ ካብቶም ብዙሓት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነናይ ገዛእ ርእስና፡ ሃይማኖትን ቋንቋን ወሲኽካ መለለይታትን ስምዒታት’ውን ኣለዉና። እዞም መለለይና ስምዒታት ደረት ሰጊሮም ልዕሊ እቶም ከም ኤርትራዊ ናይ ሓርነት ሓይሊ ሓደ ዝገብሩና ከይስርዑ እሞ መንገድና ከየስሕቱና ብግቡእ ከነመሓድሮም ይግበና። ካብቲ ክንዋሰኣሉ ዘለና ሰፊሕ ናይ ሓባር ዓውዲ ከየውጽኡና እሞ ዓቕምና ከይብተን ከኣ ምስትውዓል የድልየና።
እዞም ብግቡእ እንተዘይተመሓዲሮም፡ ሓድነትና ኣዳኺሞም ኣንጻር ወጽዓ ተኣማሚና ከይንወፍር ከዕንቅፉና ዝኽእሉ ስምዒታት ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክፈታተኑና ዝጸንሑን ጋና ክሳብ ሎሚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዘይሰዓርናዮምን እዮም። ጸላእትና እውን ከዳኽሙና ካብ ዝኽእልሉ መንገድታት ሓደ ሕድሕድና ዘሪጎም ዘይምትእምማን ምፍጣር ምዃኑ ብምእማን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክሰርሕሎም ፈቲኖም ግና ሳላ ጽንዓትና ኣይተዓወቱን።
እንተኾነ ሎሚ እውን ህግደፍ ንፍልልያትና መዝሚዙ ካብ ምስዋር ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀደም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ከይተረፈ ስዒርናዮም ኔርና ካብ እንብሎም ሓደ ዝኾነ ኣውራጃዊ ስምዒትን ምውጣጥን ኣብ ውሱን ኩርናዕ ኣጀንዳ ኮይኑ ከዛርብ ንዕዘቦ ኣለና። ሃይማኖት ብግዲኡ ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ኣጀንዳ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ከም ዝንነበረን ጋና ሎሚ’ውን ኣሰራቱ ውልዕ ጥፍእ ክብል እንዕዘቦ ዘለና እዩ። እቲ ኩነታት ብፍላይ፡ ኣብቲ ብዕድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣተሓሳስባ በሊጹ ካብ ጸቢብ ስምዒታት ነጺሁ ሓቛፊ ስምዒት ብምፍጣር ሓቀኛ ተረካቢ ሕድሪ ሓርበኛታቱ ክኸውን እንጽበዮ መንእሰይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቢብ ስምዒታት ምንጽብራቑ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንስጉም ንድሕሪት ንምለስ ከም ዘለና ዘመልክት ስለ ዝኾነ፡ ኣዝዩ ዘሻቕልን ግዜን ዕድልን ክወሃቦ ዘይግባእን እዩ።
እዚ ንድሕሪት ከይመልሰና እሞ ሓድነትና ላሕሊሑ መፍቶ ህግደፍ ኣዕንገልቱን ከይንኸውን ዝፍትነና ዘሎ ስምዒት ብውልቀሰባት ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ ተባሂሉ እምብዛ ኣየሰክፈናን ይኸውን። እንተኾነ ብዓንተቦ ከካብ ውልቅና ጀሚርና ክሳብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ውዳበታት ተቐላጢፍና እንተዘይወጊናዮ ናብ ውዱብ ኣፍራሲ ደረጃ ዘይሰግረሉ ምኽንያት የለን። እዚ ጉዳይዚ ዘየሻቕሎ ናይ ለውጢ ኣካል ከም ዘየለ ከኣ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ብኽንድቲ ንሻቐሎ ደረጃዶ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ ካለኦት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍና እውን ከም ዘሎ ተረዲእና ንሓስበሉን ንንቀሳቐሰሉን ኣለና ዝብል ዘተሓሳስብ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ “ንገዛእ ርእስኻ ከይዓረኻ፡ ኣይተዕርን ኢኻ” እንብል ዘለና።
ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ናይ ሓባር መድረኽ ከም ዘድልየና ናይ ነዊሕ ግዜ ባህግና እዩ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ካብ ምንቅስቓስ እውን ዓዲ ኣይወዓልናን። ዘመዝገብናዮ ዓወት ግና ትሕቲ ባህግና እዩ። እቲ ብምሉእ ዓቕምና ከይንስጉም ዓንቂፉና ዘሎ ምኽንያት ካባና ወጻኢ ምስ ካለኦት ዝህሉ ጥራይ ኣይመስለናን። ስለዚ ነቲ ዕንቅፋት ንምጽራግ ኣብ ኢድና ብዘሎ ዓቕሚ ብዘይምጥቃምና ኢና ንፍተንን ንጽገምን ዘለና። ምስዚ ግና ንሕና እንተደኣ ዕድል ሂብናዮ፡ እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ እውን ከምዘይንቀራረብ ካብ ምግባርና ዓዲ ኣይውዕል እዩ። ዕምቆት ናይቲ ኣጻርና ዝፍሕሶ ተንኮላት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እንርዳእ ግና፡ ንሕና ካብ ታሕቲ ጀሚርካ ክሳብ ላዕሊ፡ ብደረጃ ውልቂ ኮነ ብደረጃ ውዳበታትን ማሕበራትን ኩሉ ክንዓሞ ዝግበኣና ምስ ዓመምና እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ባዕልና ከነዕርዮ ዝግበና ከየዕረና፡ ኣጻብዕትና ናብ ህግደፍን ካልኦትን ምቕሳር ጥራይ ፍታሕ ዘምጸኣልና ኣይኮነን። ናይቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ቃልስና በቲ ንብህጎ ኣቕጣጫን ቅልጣፈን ዘይምስጓሙ፡ ጠንቅታቱ ብዙሓት ከም ዝኾኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ግብራዊ ምንቅስቓስና ማዕረቲ ንብህጎን ንጭርሖን ዘይምዃኑ ግና ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ እዩ።
ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግራሽን ስዊዘርላንድ ክርስቲን ሽችራንነር ቡርገንነር
ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግራሽን ስዊዘርላንድ ክርስቲን ሽችራንነር ቡርገንነር ፡ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ናብ ሓንቲ ሃገር ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣራኻቢ ኦፊሰር ከም እትመዝዝ፡ “ሶንታግስ-ብሊክ/SonntagsBlick.” ምስ እተኣህለት ናይታ ሃገር ጋዜጣ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መጠይቕ ሓቢራ። ንሳ ከም ዝገለጸቶ ምስ ኤርትራ ብዛዓ ዝኾአ ዛዕባ ንምዝርራብ፡ ዜጋታታ ንክትቅበል ቅርብቲ ምዃና ቅድመ ኩንነት እዩ።
እታ ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግረሽን፡ ኤርትራ ዜጋታታ ካብ ዝኾነት ሃገር ንምቕባል ብተደጋጋሚ ክትሕሰም ዝጸነሓት ሃገር ምዃና ጠቒሳ፡ ስዊዘርላንድ ድማ ሓንቲ ካብተን ንነዊሕ ግዜ ምስ ኤርትራ ዛዕባ ምምላስ ስደተኛታት ክዘራረባ ዝጸንሓ ሃገራት ምዃና ኣብቲ ቃለ-መጠይቓ ሓቢራ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ስዊዘርላን 260 ናይ ቕዑባ ሕቶኦም ስለ ዝተነጽገ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝግበኦም ኤርትራውያን ከም ዘለዉ እውን ጠቒሳ፡።
እታ ጸሓፊት ኣተሓሒዛ እቲ ዝምደብ ስዊዘርላንንዳዊ ኦፊሰር ቦታኡ ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ከም ዝኸውንን ከም ስሩዕ መራኺቢ ምስ ኤርትራ ኮይኑ ከም ዝሰርሕን ኣፍሊጣ። ኣተሓሒዛ ድማ እቲ ስደተኛታት ብ3ይ ሃገር ንምስግጋር ዝተወሰነ ውሳነ፡ ነቲ ስዊዘርላን ንጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ሒዛቶ ዘላ መስርሕ ከምዘይቅይሮ ጠቒሳ።
ዋላኳ ፓርላማ ስዊዘርላንድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራውያ ብ3ይ ኣካል ኣቢልካ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ወሲኑ እንተነበረ፡ ዙሓት ኣባላት ናይቲ ፓርላማ ግና ቅድሚ ኣብኡ ምብጻሕ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ከም ዝቕበሎም ንምግባር ዝካየድ ተጽዕኖ ክቕጽል ይግበኦ ዝብል ርኢቶ ከም ዘለዎም እታ ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግረሽን ኣፍሊጣ። በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ስደተኛታት ብ3ይ ኣካል ኣቢልካ ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝብል ውሳነ ብሓሻ ብኹሉ ሸነኻቱ፡ ብፍላይ ከኣ ብመጽር ሰብኣዊ መሰል ይጽናዕ ከም ዘሎ ተፈሊጣ።
ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ጉባኤኡ ኣካይዱ
Written by ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤቀዳም 22 ሰነ 2024 መብዛሕትአን ኣባላት ዝተሳተፈኦ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ ተኻይዱ። ጉባኤ ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮን ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ ተኸፊቱ’’ ሓፍቲ ኣድያም ነቲ ካብ ዝሓለፈ ጉባኤ ማለት 14 ሕዳር 2020 ክሳብ ሕጂ ክሰርሕ ዝጸንሐ መሪሕነት ድሕሪ ምምስጋን ንብድሕሪ ሕጂ’ውን እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ዝሓየለን ዝበለጸን ክኸውን ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ መድረኽ ንዝጸንሐ መሪሕነት ኣረኪባ።
ቀጺሉ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ስራሕ ተመኩሮ ተመርኲሱ ኣድላዪ ዝተባህለ ምምሕያሽ ድሕሪ ምግባር ቅዋም ምትእስሳር ኣጽዲቑ።
ስዒቡ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ስራሕ ጸብጻብ ቀሪቡ። ዝተመዝገበ ዓወታትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ብዝርዝር ጉባኤ ተመያይጡ ብምሉእ ድምጺን ዕግበትን ኣጽዲቑዎ። ብድሕሪ’ዚ ክሳብ ዝመጽእ ጉባኤ ንእርባዕተ ዓመታት ትመርሕ ብሰለስተ ኣባላትን ክልተ ተጠባበቕቲን ዝቖመት መሪሕነት መሪጹ። ሓላፍነታት መሪሕነት ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፡
- ኣደ መንበር
- ዋና ጸሓፊት
- ተሓዚት ገንዘብ
- ተጠባባቒት
- ተጠባባቒት
ጉባኤ ንዝነበረ መሪሕነት ኣመስጊኑ ንሓዲሽ መሪሕነት ድማ ምሉእ ደገፍ ክበርክት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ብዘይካ’ዚ ሰልፍና ኣብ ሃገርና ፍትሒን ሰላምን ንምንጋስ ሓይልታት ተቓዉሞ ተጠርኒፉ ናይ ሓባር ጽላል ክተክል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቓልሲ ሰልፍና ዝጻወቱ ዘሎ ተራ ኣሞጒሱ። ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ኰይና እተበርክቶ ዘላ ኣወንታዊ ግደ ድማ ንኢዱ።
ኣብ መደምደምታ መትከላትን ዕላማታትን ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ንምዕዋት ሕኑን ቓልስን ጽዓትን ከካይድ ምዃኑ ብምንጻር ጉባኤ ተደምዲሙ።
ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!
ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!
ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ
ሰነ 22 2024