ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም
ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝነበረ ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ቀትሪ ምድሪ ብመጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ ድሃዩ ካብ ዘጥፍእ ሎሚ 14 ለካቲት 2022 ዓሰርተ ዓመቱ ኮይኑ። እዛ ዕለት እዚኣ ከኣ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ሕሰምን መከራን ኮይና፡ ከምተን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብጾት ዝጠፍኡለን ዕለታት እንዝክረላ ዕለት እያ። ከምዛ ንዕኡ ዘጋጠመቶ ሓደጋ መጭወይቲ ዘጋጠሞም፡ ናይ ቃልሲ ብጾትና፡ ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገ/ጻድቕን እውን ኣይንርሰዖምን ኢና። እዞም ክልተ ሓርበኛታት እውን ካብ ሱዳን ከተማ ከሰላ ካብ ዝጭወዩ ድሕሪ 2ተ ኣዋርሕ 30 ዓመት ክመልኦም እዩ። እነሆ ከኣ ዕድመ ማእሰርቶም ንዕድመ ማእሰርቲ ናይቲ ናይ መሰል ተቓላሲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኔልሰን ማንደላ ሓሊፍዎ።
ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ጣዕሚ ንእስነትን መተዓብይትን ከየስተማቐሩ፣ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽውፈዩ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ናብ ቃልሲ ካብ ዝወፈሩ ሓርበኛታት ሓደ ኢዩ። ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ፡ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝብህጉን ምእንታኡ ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ካብ ዘበርከቱን ኤርትራውያን ሓደ ኢዩ። ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ በጽሐ’ዩ ሰራዊት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ከይተወገደ ሰላምን ቅሳነትን ክርከብ ከምዘይካኣል ተገንዚቡ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ወተሃደራዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ስሳታት ዝነበሮ ጸገማትን ሕልኽልኻትን ተጻዊሩ መባእታዊ ሕክምናዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ኣብ 1970 ኣብ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ ኮይኑ።
ኣብ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ ብዛዕባቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ካብ ተሓኤ ዝተፈንጨለ ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ብመንጽር ሃገራዊ ስምረት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን መዚኑ ብዛዕባኡ እዚ ዝስዕብ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።
ሀ. ንኢሳያስን ብጾቱን ነዚ ናብ ሃገራዊ ስምረት ዝመርሕ መደብ ዕዮን ውሳኔታትን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ተቐቢሎም ክምለሱ ይጽውዕ።
ለ. መሪሕነት ተሓኤ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ገድልን ምእንቲ ክሕሎ፡ ከምኡ ድማ እዚ ጸገም እዚ ንኽፍታሕን ካብቲ ዝነበሮ ከይገድድን ዘድሊ ስጉምትታት ትወስድ፡ ብዝብል ዝወሰኖ ውሳነታት መስረት፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብ ኣባላት ናይታ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1972 ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ንኽትራኸብ ብመሪሕነት ተሓኤ ዝቆመት ሽማግለ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ግን ብሰንኪቲ « ንሕናን ዕላማናን » ዝብል ኢሳያስ ዘበገሶ ጸቢብን ዘይግሉጽን መደባት ካብ ምብትታን ኣይዳሓነን። እቲ ዝገደደ ምብትታንን ብርሰትን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና በጺሑ እነሆ። መሪሕነት ተሐኤ ምስቲ ዝነበሮ ጉድለታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ንምርግጋጽን ኣብዚ ሕጂ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ኲነታት ንኸይትወድቕ፣ ከቢድ ጻዕርታት ገይራ እያ። ኢሰያስ ታሪኻዊ ምስክርነት ቃልሲ ህዝቢ ንምቕባርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ከምእኒ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ንጹሃት፡ ተቓለስቲ ብዘይካ ንፍትሕን ሓርነትን ህዝቢ ካልእ ንዘይባሃጉ ተጋደልቲ ጨውዩ ከጥፍእ እዩ መርሆኡ።
ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፣ ክሳብ 1976 ቅድም መራሒ ሓይሊ ደሓር ከኣ ኮምሽነር ሓይሊ ኮይኑ ተቓሊሱ። ድሕርዚ ኣብቲ ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ዝካየድ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ኣብ ሶርያ ደማስቆ ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ብደረጃ መዓርግ ትሊንቲ (ሓለቓ100) ተመሪቑ ናብ ሜዳ ተመሊሱ ብዝዓበየ ዓቕሙ ቃልሲ ቀጸሉ። ብዙሕ ከይጸነሐ ከኣ፡ ኣብታ ኣብ ከበሳ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳብ 1978 መራሒ ሓይሊ ነይሩ። ቀጺሉውን ክሳብ 1980 : ኣብ ትሕቲ መራሕ ብሪገድ 61 ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ቀዳመይቲ በጠሎኒ መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።
ድሕሪ ውግእ ሕድሕድ፣ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዶባት ሱዳን ምእታዉ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ናይ ቃልሲ ፍናኑ ከየውደቐን ተስፋ ከይቆረጸን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምሕዳስን ንምቕጻልን ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብሚያዝያ 1982 ኣባል ናይታ ሰራዊት ንምምራሕ ዝቆመት ግዚያዊት ሽማግለ ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብ መወዳእታ 1982 ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ሸነኽ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዝተገብረ ሓድነታዊ ስምምዕ መሰረት፡ ኣባል ናይታ ብኣርባዕተ ተጋደልቲ ዝቆመት ወተሃደራዊ ሽማግለ ኰይኑ ንዝሰመረ ሰራዊት መሪሑ። ይኹን እምበር መሪሕነት ህሓሓኤ ነቲ ስምምዕ ብትሕዝትኡን መንፈሱን ክፍሑቊን ከፍርስን ምስ ዝጀመረ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተኣሲሩ። ህሓሓኤ ኣብ መፋርቕ 1984 ሓደ ውድብ ኮይኑ ክቕጽል ስለዘይካኣለ ድማ፣ ክንፊ ዑስማን ሳልሕ ሳበን ኣሕመድ ጃስርን ተባሂሉ ኣብ ዝተፋናጨለሉ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝርከቦም ልዕሊ 73 ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ብፖለቲካዊ ርእይትኦም ጥራይ፣ በብእዋኑ ተኣሲሮም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብወታሃደራዊ ክንፊ ጉጅለ ጃስር ካብ ዝተሓተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ብማእሰርቲ ተሳቐዩ።
ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣይሓለፈሉን። ሓይሊ ጃስር ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1988 ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተጠቕዐ፡ መደበራትን ቤት ማእሰርትን ጉጅለ ጃስር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህግሓኤ ስለዝኣተወን፡ ካብቲ ማእሰርቲ ናይ ምምላጥ ዕድል ስለዘይተረኽበን እንደገና ኣብ ቀይዲ ህዝባዊ ግንባር ኣተወ። ካብ ጸልማት ናብ ዝኸፍኤ ጸልማት ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክሳብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ ተኣሲሩ።
እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎን ሕሰምን ኣደራዕን ኣብ ምንቲ ምንታይ ኮን ይኸውን ? ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ፣ ኣብ መንጎ ፈራሓት መለኽትን ኣብ መንጎ ተባዓት ህዝባዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ ዝብጀዉ ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ ጥራሕ እተዘይኮይኑ ካልእ ብውልቁ ዝሓተቶ ጠቕሚ ኮነ ዝፈጸሞ ገበን የለን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምርጫኡ ንኽወስድ ንዝተዋቦ ዕድል ተጠቂሙ ምስ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾት ናብ ሱዳን ተመሊሱ ኣብታ ዋሕስ ህዝብና ክትከውን ዝጽበያ ውድብ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ተመሊሱ ኣንጻር ምልኪ ቃልሱ ቀጺሉ። ገለ ካብቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ማእሰርትን ናብ ሱዳን ናይ ምእታው ዕድል ረኺቦም ናብ ውድቦም ተጸንቢሮም ቃልሶም ዝቐጸሉ ተጋደልቲ ኣሰፋው በርሀ፡ ብርሃነ ተስፋጋብርን፡ ዑስማን መሓመድን ዝርከብዎም ነይሮም። ከምኡ ውን ብጻይ ተስፋይ ርእሶምን ካልኦትን ድሕሪ ነጻነት ካብ ኣስመራ ናብ ሱዳን ናይ ምእታውን ዕድል ካብዝረኸቡን ኣብ ውድቦም ብምጽንባር ቃልሶም ዝቐጸሉን ብጾት እዮም።
ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብዘጋጠሞ ማእሰርትን ስቅያትን ኣይተዳህለን ኣይሰኮነን ዝያዳኳ ዳኣ መሊሱ ሓሪኑ ካብ ናይ 1995 ራብዓይ ጉባኤ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ 2010 ዝነበረ እዋን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤታት ኣባል ባይቶ ተመሪጹ፡ ብደረጃ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ጽሕፈታትን ኮይኑ ተቓሊሱ። ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይን መስመርን ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምራጹ እውን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ኣብ ቃልሲ እንከሎ ብዕለት 14 ለካቲት 2012 ብጸጥታዊ መሓውር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ከተማ ከሰላ ምስ ተጨውዩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ኣብዘይርከበሉ፡ ድምጹ ኣብዘይስማዓሉ ካብ ጎዳጉዲ ምልኪ ተሰዊሩ ዘሎ።
ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ኣወዳትን እዩ። በዂሪ ወዱ ናስር ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህሓሓኤ ምስ ኣተወ ስለ ዝተወልደ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኣብኡ ከይሓቆፎ ዓብዩ። ዋላኳ ንይምሰል እንተነበረ፡ ጉጅለ ጃስር ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣብ ዝገበሮ በዓል ናይ 1986 ወይዘሮ ሓሊማ በዓልቲ ቤቱ ናብቲ በዓል ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ በረኻ ንሓጺር ግዜ ምስ ስድርኡ ክራኸብን ዓይኒ ንዓይኒ ክራኣኣዩን ዕድል ረኪቡ ከም ዝነበረ ይዝከር። ማጂድ ወዲ 19 ዓመት ምስበጽሐ፡ ኣብታ ኣቦ ዝደልየላ ናይ ንእስነቱ እዋን፡ ኣቡኡ ወፊሩ ክምለስ እንዳተጸበየ እንከሎ፣ ስለ ዘይመጾ ዘኽቲሙ ዓብዩ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ምልኪ ዘይዘኽተመትን ዘይተበታተነትን ስድራ ከምዘየላ ኩልና ንፈልጦ ካብ ኮነ፡ እታ ብደምን መስዋእትን ህዝባ ናጽነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወትሉ እዋን ንርከብ ካብ ሃለና፡ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና፡ ልኡላውነት ሃገርና ንምዕቃብና መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ቃልሲ ይጽበየና ከምዘሎ ተገንዚብና ክንላዓል ይግባእ።
ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ምልኪ ይፍረስ፣ ስርዓተ ሕጊ ይንገስ
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ጥልመት ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሩህ ስለ ዝኾነ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ጥልመት ማዕረ ህግደፍ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ሕጂ እውን መልከዓቱ እንዳቀያየረ ቀጻሊ ዘሎ እዩ። እቲ ናይ ኣቀጻጽልኡ ኣገባብ ብዙሕ እዩ። በብእዋኑ፡ 2%፡ ንኣካለ ስንኩላን ንደቂ ስዉኣት …. ወዘተ እንዳበልካ ዝካየድ ዝተመላኽዐ ቀዋሚ ምዝማት ገንዘብ ሓደ መልክዕ ኮይኑ፡ በብግዜኡ እናዘናጋዕካ ኣብ ጁባ ሰባት ኢድካ ሰዲድካ ዝካየድ ናይ “ገንዘብ ውለዱ ሃቡ” ወፈራታት እውን ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ።
እቲ ጉጅለ ቅድም-ቀዳድም ጸገምን ሻቕሎትን እዩ ዝፈጥር። ደሓር ካብቲ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ዝፈጠሮ ጸገም “ንምውጻእ” ብዝብል ጉልባብ ኣሰናቢዱ ናይ ምዝማት መርበባቱ ይዝርግሕ። ናይቲ ዝዋጻእ ገንዘብ መዓላ ግና ኣብቲ ንመመሳመሲ ዝተማህዘ ዛዕባ ዘይኮነ፡ ናብ ጁባ ናይቲ ጉጅለ እዩ ዝኣቱ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ገንዘብ ኣብ ሳጹኑ ምስ ኣተወ “ኣበይከ ኣውዒልካዮ?”; ዝብል ምትሕስሳብ ምቕራብ፡ ካብቲ ገንዘብ ዘይምኽፋል ዘይንእስ ገበን ገይሩ እዩ ዝወስዶ። ንኣብነት ናይ ህዝቢ ኣፍልጦ ዘየብሉን ንህዝቢ ዘየርብሕን ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ብጉልባብ መከላኸሊ ልኡላውነት “ክተት ንሃገር” ብዝብል ልብኻ ዝበልዕ ስብከት ኣዳህሊሉ ገንዘብ ኣዋጽኡ ይብል። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሓሪሱን ነጊዱን ዝበልዓሉ መንገድታት ዓጽዩ ጥሜት ይፈጥር እሞ “ንሕና እንከለና ህዝብና ኣይጠምን” ዝብል ነጋሪት ወቒዑ “ሕጂ’ውን ገንዘብ ኣምጺኡ” ይብል። እቲ ምኽንያት መመሊሱ ይፍጠር’ሞ እቲ ገንዘብ ሃቡ ከኣ ንዓኡ ተኸቲሉ ይቕጽል።
ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ተግባሩ ኣብቲ ብምዕጋብ ድዩ ብምድንጋር ሰማዒ እዝኒ ዝረኸበሉ ኣብ ዝተወሰነ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ከም ባህሊ ኣስሪጽዎ እዩ። ኣብዚ ኣገራምን “ገለ ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ይዕሾ ድዩ ዘሎ ይግራህ?” ዝብል ሕቶ የልዕል ኣሎ። ኣብዚ እቲ ኣዘራራቢ ዝኸውን፡ ስለምንታይ? ንእንታይ መዓላ? ክሳብ መዓስከ? ከይበልካ መመዚዝካ ገንዘብካ ምምጣው እዩ። ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ንተደጋጋሚ ገንዘብ ናይ ምኽፋል ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ዝተወሰነ ዲያስፖራ፡ “ኣብ ውግእ ኣቲና እሞ መዋግኢ ገንዘብ ኣዋጽኡልና?” ክበሃል እንከሎ፡ ቅድሚ ክኸፍልዶ ኣይከፍልን? ምባሉ፡ “እቲ ዝተኸፍተ ውግእ፡ ምስ መንዩ?፡ ንረብሓ መንዩኸ? እቲ እንኮ መፍትሒኸ ንሱ ድዩ ነይሩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ሓቲቱ መልሲ ክሳብ ዝረኽበሎም ክቕጽል ምተገበኦ። ምኽንያቱ ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም መልስታት እዮም እንተ ንምኸፋል ወይ ንዘይምኽፋል ክውስኑ ዝግበኦም። ጉዳይ ጥሜት እውን ከምኡ፡ ስለምንታይ እዩ ህዝብና ጻዕራምን ፈታው ስራሕን ክነሱ፡ ናይ ተኾብቲ ልግሲ ክጽበ ተገዲዱ? ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ዓለምና ንህዝቢ ኤርትራ ብናጻ ዝለገሰቶ ክታበት ኮቪድ-19ኳ ዝነፈጎ ጉጅለ፡ ንህዝብና ክዕንግለሉ ኢልና ነዋጸኦ ገንዘብከ ኣብ መዓላኡ ክውዕል ድዩ?” ኢሉ ክሓትትን መልሲ ክረኽበሉን እውን ናይ ግድን ክኸውን ምተገበአ።
ንሓደ ጉዳይ ኣብቲ መጀመርታ መሲሉካ ተቐቢልካ ከተተግብር እንከለኻ ክትዕሾ ወይ ክትግራህ ዘጋጥም እዩ ኢልካ ክሕለፍ ዝተለምደ እዩ። ደሓር ኣብ ጌጋ መንገዲ ከም ዝነበርካ ምስ ተረዳእካ፡ ነቲ ዝሓለፈ ንድሕሪት ክትመልሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኲርካ ኢደ-እግርኻ ምእካብ ምድግጋሙ ግና ንቡር ኣይኮነን። ነታ “ክትከይድ እንከለኻ ዝዓንቀፈትካ እምኒ፡ ክትምለስ እንከለኻ እንተደጊማትካ ንስኻ ኢኻ እምኒ” ትብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ከምዚ ኩነታት ምስትብሃላ ውሕልነት እዩ። ኣብ ቅድሚ ድሌታትን መደባትን ናይቲ ሓሲብካ ኢሉኳ ዘየናሕሲ ጉጅለ ህግደፍ “ኣይፋል ንኣገዲድካን ኣፈራሪሕካን ምውጻእ ገንዘብ” ኢልካ ምቅዋም ዋጋ ከም ዘኽፍል ማንም ኤርትራዊ ዝስሕቶ ኣይኮነን። እንተኾነ ሓቀኛን ቅኑዕን መንገዲ ብዘይዋጋ ከምዘይርከብ ንዝተረደአ ኣካል እቲ ዋጋ ቀሊል እዩ። ምናልባት ናብ ትውልዲ ሃገርካ ኬድካ፡ ኣብ ንግደት ዓድኻ፡ ኣብ መርዓን ቀብርን ቤተሰብካ ኣይትሳተፍን። ኣብ ኤርትራ ብዘጥረኻዮ ሃብቲ እንተልዩካ ዘይትጥቀመሉ ክትከውን ትኽእል። እተኾነ ብመንጽር ምእንቲ ሓቅን መሰል ህዝብን ምስላፍ እዚ ዋጋ ከቢድ ኣይኮነን። እንተተኽፍለ እውን ሓደ እዋን ብቃልስኻ ተዓዊትካ እትከሓሶ እዩ ዝኸውን። ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጉጅለኡን ጽባሕ ንውልቆም እምበር ህንጻታትን ኣባይትን ሒዞም ኣይኮኑን ክጽረጉ።
ብፍላይ እቲ ከምቲ ኣብዚ ሰሙንዚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገረ ጀርመንን ካለኦት ሃገራት ምዕራብን ዝጉስጐሰሉ ዘሎ ብኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግኣ ኢትዮጵያ-ትግራይ ኣሳቢብካ ንህግደፍ ዝወሃብ ገንዘብ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ጥራይ ኣይኮነን። ህይወት መንእሰያት ዘህልቕን ጸጋታት ሃገርን ዘህልኽን ዘሎ እዩ። ብዘይካዚ ኤርትራውን ዞባውን ሰላም ዝዘርግ ምዃኑ’ውን ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ይፍጽሞ ንዘሎ ገበን ዝሕተተሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ባዕሉ እዩ። ሎሚ ንዓኡ ገንዘብ ምሃብ ከኣ ክንድቲ ናቱኳ እንተዘይኮነ ብውሕዱ ብተሓባባርነት ሕልናዊ ተሓታትነትን ጣዕሳን ከም ዘኸትል እቶም ሎሚ ጅባኡ ዝመልእሉ ዘለዉ ገለ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ክዝንግዕዎ ኣይግበኦምን። ህግደፍ ኣይኮነንዶ ንጉዳይ ካለኦት ክከላኸል ንገዛእ ርእሱ ተሓታቲ ዝኾነሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ብልህነት እዩ።
እቶም ንህግደፍ ገንዘብ ዝኸፍሉ ዘለዉ ሰኣን ኣፍልጠኦም እዮም ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራውያን ነዚ ጉዳይ ብዘረድእ ሃብታም ተመኩሮ ስለ ዝሓለፉ። እቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍካ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታትኳ፡ ኣይኮነንዶ ኤርትራውያን ዓለም እውን ንሓቀኛ ወጻዒ ባህርያት ህግደፍ ፈሊጣቶስ ንኤርትራ ብሰንኩ “ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝብል ቅጽል ክሳብ ምሃብ ምብጸሓ ብሩህ እዩ። ምስዚ ኩሉ መርተዖታት፡ እዞም ውሑዳት ዲያስፖራ ኤርትራ እንዳፈለጡ እዮም ንጉጅለ ህግደፍ ዶላራትን ዩሮን ዘሕቁፍዎ ዘለዉ ኢልካ ምድምዳም ስለ ዘጸግም፡ “ገለ ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ይዕሸዉ ድዮም ዘለዉ ይግርሁ?” ክበሃሉ ባህርያዊ ይኸውን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ወጽዓ ኣብ ኩሉ መዳያት እዩ። እቲ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ዘሎ ዘይሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ብኩራት ብምርጫ ዝቖመ መሪሕነታዊ ትካላት፡ ምኽላእ ናጽነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ምስቲ ገደብ ዘየብሉ ግድዱ ዕስክርና ደሚርካ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ናጻ ኮይኑ ከይሓርስን ከይነግድን ብግጉይ ህዝቢ ዘየሳትፍ ፖሊሲታት ኢደ-እግሩ ኣሲርካ ግዳይ ዘይሕጋዊ ንግድን ናይ ራሺን ቁጠባን ከም ዝኸውን ምግባሩ እውን ካልእ ናይቲ ጭቆና መልክዕ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ከም ዘሎ፡ ኣብ መዳያት ሕክምናን ትምህርትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ስእነት ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት፡ ኣብ ስእነት ፍትሒ፡ ኣብ ኢደ ወነናዊ ኣልማማ ማእሰርትን ኣብዚ ሃገርዚ ተራእዩ ዘይበሃል ኣተሓሕዛ እሱራትን ግህሰትን ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን እንተሪኢና፡ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ከጋጥም ኢልካ ዘይትግምቶ ድሑር እዩ። ህዝብና ከኣ ስም ጥራይ ሒዛ ኣብ ዝተረፈት ሃገር “ቋሕ ተበልካ ሰማይ፡ ሰም ተበልካ ምድሪ” ኮይንዎ፡ ከምቲ “ናተይ ኢንተልካዮ መቓብር እውን ይመውቕ” ዝበሃል፡ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ኣብ ጸልማት ይነብር ኣሎ። መራሒ ህግደፍ እውን ባዕሉ “ኩሉ ነገር የለን” መግለጺ ኤርትራዊ ህይወት ምዃኑ ብዘይሕፍረት ብተደጋጋሚ ዝገለጾ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልሙት ህይወት ከም ዝነብር ዝገበሮ ከምቲ ከመሳምሶ ዝፍትን፡ ዓቕሚ ስኢኑ ወይ ከኣ ናይ ግዳም ሓይልታት ስለ ዝኣገድዎ ኣይኮነ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ዘይጉዳዩ እንዳተዋግአ፡ ምስምሳቱ ቦታ የብሉን። ቀንዲ ምኽንያቱ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕቶኡ ተመሊስሉ ንስልጣኑ ዝፈታተን ሕቶታት ከየቕርበሉ ስለ ዝሰግእ እዩ። እዚ እቲ ጉጅለ “ህዝቢ ኣእሚንካን ሕቶታቱ መሊስካን ዘይኮነ፡ ኣገዲድካን ገጽ ከሊእካንዩ ክምራሕ ዝግበኦ” ብዝብል እኩይ ኣተሓሳስባ ከም ዝምራሕ ዘርኢ እዩ። እቲ ካልእ እቲ ጉጅለ ዝጥቀመሉ ስልቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቀኛ ኩነታት ከይፍለጥ፡ ዘይመንግስታዊ ሚድያታት ዓጺኻን ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ናብ ኤርትራ ከይኣትዋ ከልኪልካን ነቲ ሓቀኛ ምስሊ ምሕባእ ኮይኑ ጸኒሑ። ሎሚ ሎሚ ግና ሳላ ዕቤት ናይቲ ሰንጢቕካ ናይ ምእታው ዓቕሚ ዘለዎ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ምሕባእ ዓቕሙ ተዳኺሙ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉጅለ ኮሚሽነራት ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ምእታዉ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።
ሓቢእካ ዘይሕባእ ዓለም ዘጨነቐ፡ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ወራር ካብ ዘካይድ ድሮ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዚ ክስተት ምስ ኣጋጠመ እውን ጉጅለ ህግደፍ ንዝተወሰነ ግዜ በቲ “ርኡይ ናይ ምሕባእ” ባህሪኡ ቀጺሉ። ደሓር ግና ድሕሪ ክንደይ ምዕጥጣይ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተኸሰተ ተኣሚኑ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ጉድኣት እንዳ ነከየ ነቲ ማህሰይቲ ከነኣእሶ ፈቲኑ። ብግብሪ ግና ዋላውን እቲ ንዓለም ዝንገር ይውሓድ እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ለበዳ ካብ ምልካፍን ሙማትን ኣይደሓነን። ዓለምና በዚ ኩነታት ተጨኒቓ ዝሓሸ ዓቅሚ ዘለወን ሃገራት ነተን ዓቕሚ ዘየብለን መከላኸሊ መሳርሒ ክልግሳ ምስ ጀመራ ህግደፍ ከምቲ ልማዱ ነቲ ልግሲ ነጺግዎ። እዚ ከኣ ካልእ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ናይ ምጉዳእ ዕላማ ከም ዝነበሮ ዘርኢ ጭብጢ ኮይኑ ተመዝገበ። ነቲ ህዝቢ ንኸይጥቀመሉ ኣናኣኢሱ ዝነጸጎ መከላኸሊ፡ ሂይወቱ ንምድሓን ግና ተጠቒምሉ እዩ።
ድሕሪ ክንደይ ናይ ሊቃውንቲ ዓለም ምምርማርን ጻዕርን ክታበት ምስተማህዘ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይርህራሀ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብናጻ ክረኽቦ ዝኸኣለ ክታበት እውን ነፊግዎ። በዚ መሰረት ከኣ ኤርትራ ከምቲ፡ ብምእሳር ጋዜጠኛታት፡ ብብዝሒ ስደተኛታትን ብዝሒ ኣብያተ-ማእሰርትን ቅድሚት እትስረዖ “እንኮ ንህዝባ ክታበት ዝነፈገት ሃገር” ተባሂላ ተመዝጊባ ኣላ። በዚ ከኣ ህዝብና እቲ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምሕያል ርኡይ ኣበርክቶ ዘለዎ ክታበት ተነፊግዎ ኣሎ። ምልስ ኢልና ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዘጋጠመ ዘይሓላፍነታዊ ምዕጻው ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስዚ ምእጋድ ክታበት ተደሪቡ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ መልከፍትን ሞትን ብኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ መመሊሱ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ በቲ መንግስቲ ብዝሓደሮ ሕማም ሞይቱ እንዳተባህለ ዝቐርብ ዘሎ ኣሃዛት ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዝተፈልየ ምዃኑ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ኣካላት ዝህብዎ ምስክርነት እዩ። ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክገሹ እንከለዉ ናብተን ዝኸድወን ሃገራት ንምእትው ክታበት ከም ቅድመ-ኰነት ሰለ ዘቕርባ ከይኣትዉ ይኽልከሉ ኣለዉ። ብሰንኪ ዘይምኽታብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ክሕከሙ ብዘይምኽኣሎም ዝሞቱ ኤርትራውያን ኣለዉ። ደራሲ ተስፋየ ገብራኣብ ካብ ኤርትራ ንሕክምና ናብ ሃገረ ሽወደን ከይዱ ብሰንኪ ዘይምኽታቡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ምምላሱ ካብ ጠንቅታት ሞቱ ሓደ ምንባሩ ምጥቃሱ ኣብነት እዩ። ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ ብሰንኪ ኣባላታ ዘይምኽታቦም ናብ ወጻኢ ከይዳ ካብ ምውድዳር ትእገድ ከም ዘላ ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ክቃላሕ ዝቐነየ ዜና እዩ።
ነዚ ተዓዚቦም ኩነታት ህዝቦም ስለ ዘተሓሳስቦም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ውጻኢ ዝነብሩ 62 ኤርትራውያን ክኢላታት ሕክምና ድምጺ ህዝቦም ኮይኖም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ክታበት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሓሉ ኩነታት ክፈጥር ምሕጽንታ ምቕራቦም ዝተባባዕ እዩ። ብወገኖም ካብኣቶም ዝድለ ከበርክቱ ድልውነቶም ምርግጋጾም ከኣ ዝነኣድ ተወፋይነት እዩ። እቶም ካለኦት ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ብጸጋ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ክታበት ኮቪድ-19 ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉቲ ንህዝቢ ኤርትራ ተነፊግዎ ዘሎ መሰል እንዳረኸቡ፡ ምስቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝኸልእ ጉጅለ ተጐዝጒዞም “ቀጽሎ፡ ንኺድ ጥራይ” ዝብሉ ወገናት ህዝቦም ይብድሉ ከም ዘለዉን ጽባሕ ከም ዘጣዕሶምን በዚ ኣጋጣሚ ኢደ-እግሮምን ገንዘቦምን ካብ ህግደፍ ክስሕቡ ነዘኻኽሮም።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ናይዚ ከባብና ክቃልሑ ካብ ዝቐነዩ ዛዕባታት ሓደ፡ እቲ “ደደቢት-ሚድያ” ዝተባህለት፡ ብዩቱብ ንኤርትራ ዝምልከት ዘቃለሓቶ መልእኽቲ እዩ። ኣርእስታ “ትግራይ ወናኒት ባሕሪ እያ፡ ባሕሪ ናይ ምውናን ታሪኻውን ሕጋውን መሰል ኣለዋ” ዝብል ኮይኑ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ግሂሱ ቀይሕ ባሕርናን ወደባትናን ናብ ምውናን ዝዓለመ ወስታ እዩ። ብዛዕባ ተጠቃምነት ወደባት ኤርትራ ኮነ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን ኣይመዛረበን። ምኽንያቱ ተጠቃምነት ንልኡላውነት ኤርትራን ዋንነት ባሕራን ወደባታን ብዘይትክፍ፡ ብፈቓድ ህዝባ፡ ኣህጉራዊ ሕግን እሞ ድማ ናይ ሓባር ረብሓ ብዝማእከሉ ቅጥዕን ውዑልን ዝትግበር ስለ ዝኸውን።
ብኣመሓደርቲ ደደቢት ሚድያ ክበሃል ዝተሰምዐ ግና፡ ቀይሕ መስመር ልኡላውነትና ሰጊሩ “እታ ዋናታት ዘለዉዋ ሃገር ኤርትራ ናትና እያ” ዘስምዕ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ናይ ቀትሪ ሕልሚ ስለ ዝኾነ፡ ብኹሉ መልክዑ ቅቡል ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ “ህልውና ትግራይ ንምርግጋጽን፡ ዝተወስደ መሬታ ራያን ወልቃይትን ንምምላስ ይቃለስ ኣለኹ” ካብ ዝብል ሚድያ “ጽባሕ ትግራይ ንኤርትራ ወሪራ ባሕርን ወደባትን ክትውንን እያ” ብዝብል፡ ምስ መግዛእቲ ዕድመኡ ብዘብቀዐ ስምዒት ተጐልቢብካ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ተጋራጫዊ ኣካይዳ እዩ።
ኣብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ጸረ ሰላም ሓይልታት ተሳዒሮም ናይዚ ጐረባብቲ ህዝብታት ሰላም ናብ ንቡር ይምለስ ኢሉ ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎ እዋን ብኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ፡ ዝተላዕለ ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ይውክልዩ ዝብል እምነት የብልናን። ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተኸቢቡ ንዓለም እውን ኣብ ዘጨንቕ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኩነታት እናሃለወ፡ ከምዚ ዓይነት ዛዕባ ምልዓል ብሓጺሩ ግጉይ እዩ። እዚ ዝያዳ ንምብራሁ “ተጋሩ ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደባቱን ብሓይሊ ክንውንን ኢና” ኢልካ ከተፈራርሕ ምህቃን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታትን ግዜን ቅቡል ኣይኮነን ማለትና እዩ።
ደደቢት ሚድያ ድምጻ ምስቶም ካብ ቀደሙ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ሎሚ እውን ተስፋ ዘይቆረጹ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስርዑ ኣዝዩ ዘሕዝን ኮይኑ፡ መርገጽ ህወሓት ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዝውክልዩ ዝብል እምነትና ጽኑዕ እዩ። ዝተፈላለዩ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝነጥፉ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ትካላት ዜናን ጸለውቲ ባእታታትን፡ ንቐጻሊ ሰላም፡ ምክብባርን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ንዓሻ ድፍረት ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ ዘስምዕዎ ናይ “ዓገብ” ድምጺ ዝድገፍን ሓላፍነታውን እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንጉዳይ ጉርብትና ምስ ህዝቢ ትግራይን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብመንጽር ፖሊሲ፡ ሰናይ ጉርብትና፡ ናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ኢድ ዘይምትእትታውን እዩ ከመሓድሮ ጸኒሑ። ሕጂ እውን ካብዚ ኣርሑቑ ዝጥምት ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዝማእከሉ፡ ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛኡ ፈልከት ኣይብልን እዩ። በዚ መዕቀኒ ንጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ኣተሓሳስባ ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ ብዘይንሕስያ ይቃወሞ። ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣብ ድሮዚ ናይ ደደቢት ሚድያ ዘይቅቡል ሓሳብ ምዝርጋሑ ብ29 ጥሪ 2022 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባኳ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ።” ዝብል ሓሳብ ዝርከቦ ውሳነታት እዩ ወሲኑ።
በዚ ኣጋጣሚ ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ፡ ኤርትራውያን ካብ ብዙሕነትና ዝነቅል ክመሓድር ዝኽእል ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትኳ እንተለና፡ ብዘይካ ወለቕዘለቕ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት ደቂ ልቢ ገርሃን ኣንጻር ከምዚ ናይ ደደቢት ሚድያ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ግህሰት ግና ሓደ ከም ዝኾነና ክርድኡ ነዘኻኽሮም። ንድፍረቶም ብኤርትራውያን ዝወሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘብርህ።
ስዉእ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ (ዓብዱልራሕማን ካይሮ)፡ ብ1 ጥሪ 1950 ኣብ ከረን ተወሊዱ። ታሕታዋይን ካልኣይ ደረጃን ትምህርቱ እውን ኣብ ከረን ወዲኡ። ኣብ ኣስመራ ብሞያ ናይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት (Nurse) ድሕሪ ምምራቑ ካብ 1971-1974 ዓ.ም ኣብ ከረንን ኣቑርደትን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1975 ዓ.ም ምስ ገለ ብጾቱ ካብ ሆስፒታል ኣቑርደት ብርክት ዝበለ መድሃኒትን መሳርሕታትን ሕክምና ሒዞም ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምርካብ ናብ ሱዳን ኣትዩ።
ስዉእ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ፡ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ኣብ ሱዳን ንኤርትራውያን ብናጻ ሕክምናዊ ኣግልግሎት ዘበርከተ፡ ኣብ’ቲ ምእንቲ ናጽነትን ዲሞክራስን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ድማ ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ግቡኣት እውን ዘበርከተ ተቓላሳይ ኣባል ኢዩ ነይሩ። ስዉእ ዓብዱልራሕማን ካይሮ፡ ብሱዳናውያን ዜጋታት እውን ከይተረፈ ብዝገበሮ ኣገልግሎት ኣዝዩ ምስጉንን ፍትውን ኢዩ ነይሩ።
ተጋዳላይ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ፡ ብ7 ለካቲት 2022 ኣብ ከተማ ፖርትሱዳን ተሰዊኡ። በዚ ኣጋጣሚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንስዉእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ራሕሱ ድማ የውርደሎም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
(ስእሊ ኣነተ ወበር ካብ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ)
ኣነተ ወበር ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ (terrorists) ናይ ምውጻእ ምይይጥ ይካየድ ከም ዘሎን ብተግባር ክፍጸም ተኽእሎ ከም ዘሎን ብ12 ለካትቲ 2022 ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ከም ዝሓበራ ብእንግሊኛ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ እትሕተም ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ገሊጻ።
እተን ፍልይቲ ልእኽቲ ኣተሓሒዘን፡ እቲ ንህወሓት ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ናይ ምውጻእ ምይይጥ፡ ኣብ ፓርላማ ዝካየደ ምዃኑ ጠቒሰን፡ እዚ እንተደኣ ተዓዊኢቱ ተኹሲ ናይ ምቁራጽን ርክብ ናይ ምቕጻል ተኽእሎን ከም ዝህሉ ሓቢረን።
ኣነተ ወበር፡ ኣተሓሒዘን ብመሰረት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበረኦ ርክብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ “ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣሎ” ዝብል እምነት ከም ዝሓደረን ሓቢረን። ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣሎ ዝበላሉ ምኽንያታት ክገልጻ እነከለዋ ከኣ ኣብ ናይ 11 ለካቲት 2022 ዝርርበን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዘይምእታዉን ናይ ብዙሓት ብጃምላ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተጋሩ ምፍታሕን ስምዒት ከም ዘሕደረለን ጠቒሰን። ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ ብ5 ጉንበት 2021 እዩ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ብኣዋጅ ቁጽሪ 1176/2020 ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራኦዲ ኣስፊርዎም።
ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦቦሳንጆ ዝገበረኦ ርክብ ብምጥቃስ ከም ዝበለኦ ከኣ፡ ኣውንታዊ ተስፋ ከም ዘለዎም ጠቒሰን፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ፡ ዝሓስብዎ ናብ ምቑራጽ ተኹሲ ምኻድ እዩ ከም ዝበልወን እውን ተዛሪበን።
ኦባሳንጆ ብወገኖም ብ10 ለካቲት 2022 ንናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽን ጉዳያት ፖለቲካን ጸጥታን ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ መብርሂኦም ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት፡ ብዛዕባቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ኩነታትን ጭቡጥ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕርን ግደ ዞባውን ዓለም ለኻውን ውሁድ ምላሽን ምትሕብባርን ከም ዘድሊ ምጽውዖም ናይቲ ሕብረት ኮሚሽን ፖለቲካን ጸጥታን ኣፍሊጡ።
ዩኒሰፍ UNICEF ኣብ 4ተ ሃገራት 5 ሚልዮን ህጻናት ከም ዝሓከመ ገሊጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ(ስእሊ ዩኒሰፍ UNICEF)
ዩኒሰፍ UNICEF፣ ብ8 ለካቲት 2022 ኣብ ጄኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኩነታት ቆልዑን ስድራቤታትን ኣዝዩ ኣሰካፊ ከምዘሎ፡ ብፍላይ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ጸገም ከም ዘለዉ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቤት ጽሕፈቱ መበል 18 ሓበሬታ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ብዝብል ዝዘርግሖ መግለጺ ምርዳእ ተኻኢሉ።
ዩኒሰፍ UNICEF ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማለት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልያን፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ንዝተጠቕዑ 5.5 ሚልዮን ቆልዑ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከም ዝሃበ ጥቒሱ ካብኣቶም ናይቶም 1.5 ሚልዮን ዝገደደ ምንባሩ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ እዋንዚ ጐንጽታት፣ ድርቅን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ተደማሚሩ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ከም መርኣያ ናይዚ ኣብዚ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን፣ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ቀረባት ማይን መግብን ከምዘድልዮም እቲ ኣህጉራዊ ትካል ቆልዑ ገሊጹ።ብዓንተቦ ዝናብ እንተዘይዘኒቡ ከኣ እቲ ኩነታት ዝያዳ ከም ዝብእስ ኣብቲ ናይ ዩኒሰፍ UNICEF ሓበሬታ ተጠቒሱ። ካብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ሕክምና ናይ ዝረኸቡ ህጻናት ኣሃዝ እቶም 465,683 ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ካለኦት እዚ ሕክምና ክረኽቡ ዝግበኦም ግና ዘይረኸቡ 723 ሽሕ ምዃኖም ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ናይቲ ትካል ሰፊሩ ኣሎ።
ዩኒሰፍ UNICEF ኣብ ምቕራብ ክታበት ቆልዑ፡ ቫይታሚን ኤን መኣዛዊ መግብታትን ዘተኮረ ኣብዘን ኤርትር እትርከብን ኣርባዕተ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ህወይት ሰባት ንምድሓን፣ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2022 ኣብ ዘሎ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዜ ናይ 123 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ከምዘድልዮ ብምጥቃስ ናብ ሓገዝቲ ሃገራትን ትካላ ግብረ ሰናይን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።
More...
ነፍሰሔር ፍስሃ ገብረማርያም
ነፍሰሔር ክቡር ሓውናን ኣቦናንን ኣቶ ፍስሓ ገብረማርያም (ሓወቦይ)ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል (Nord west krankenhaus) ፍራንክፎርት ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 10-02-2022 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ምህላዉ ምስ መሪር ሓዘና ንሕብር። ሓዘን ዝግበረሉ ቦታ ኣብ St. Hedwig Gemeinde Elsterstr 18, 65933 Frankfurt Griesheim (ኣብ ካቶሊካዊት ኪዳነ ምህረት ቤት ክርስትያን ግሪስሃይም ) ኮይኑ፣ ንሰኑይን ሰሉስን ዕለት 14-02-2022 ዕለት 15-02- 2022 ካብ ሰዓት 12.00 ክሳዕ ሰዓት 20.00 ዘሎ ሰዓታት ተፈቒዱልና ኣሎ። ቅዱስ ፍትሓትን ስነ-ስርዓት ቀብሪን ዝግበረሉ ዕለትን ቦታን ድሒርና ክንሕብር ምዃና ነፍልጥ።
መጓዓዝያ፣ ካብ ፍራንክፎርት ቀንዲ መደበር ባቡራት ንሆክስት ገጸን ዝኸደ Strassenbahn 11 ን 21
መላእ ስድራቤት
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ በ29 ጥሪ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባቲ ብሰንኪ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ውግእን፣ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ለውጢ ናይ ሓባር ጽላል ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፣ ግደ ሰዲህኤ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን ብሰፊሑ ተመያይጡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ዛዕባታት ብዝምልከት ሒዝዎ ዝጸንሐ መርገጻትን ዝምረሓሉ ፖሊሲታትን ተመስሪቱ ውሳነታት ኣሕሊፉ።
ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ብኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል እናተምርሐ ንሓያሎ ሰዓታት ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባኡ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከምዚ ሒዝዎ ዘሎ እንተቐጺሉ፡ እቲ ኣብ ትግራይን እቲ ውግእ ኣብ ዝበጸሖ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዘውረዶን ሕጂውን ዘውርዶ ዘሎን ዕንወትን ህልቂትን ርኡይ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ደቃ ብዘይ ድሌቶም ኣብቲ ውግእ ተጠቢሶም ዝጠፍኡዋ ዘለዉ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባና እውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ባይቶ ተገንዚቡ።
ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪቲ ኣብቲ ክልተ እዋናዊ ዛዕባታት ዘካየዶ ዓሚቕ ገምጋምን ሰፊሕ ምይይጥን እዞም ዝስዕቡ መደምደምታታትን ውሳነታትን ኣስፊሩ፡
- ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸስተ ውግእ ንምብላሕ ዝተኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዓቦ ብርሰትን ዕንወትን ኩኑን እዩ። እዚ ብሽርክነት ውግእ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ነቲ ንቡር ሕውነት ክልቲኡ ህዝብታት ኣዚዩ ዝሃሲ፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፣ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ስለ ዝኾነ ከኣ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ደጊሙ ኣውጊዝዎ። ባይቶ ሰ.ዲህ.ኤ ሕጂውን ስርዓት ህግደፍ ብወያነ ኲናት ተኸፊቱና ብዝብል ጉልባብ ካብ ደገፍቱን እናኣፈራርሀ ካብ ዘገድዶም ንጹሃት ዜጋታትን ገንዘብ ይእክብ ምህላዉ ስለዝተገንዘበ ኩሎም እቶም ንመፈጸሚ ጸረ ህዝቢ ስርሒታት ገንዘብ ዝውፍዩ ወገናት ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ተሪር መጠንቀቕታ ኣመዝጊቡ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ። ኣብ ርእሲ እዚ ኩሎም እቶም ኣብቲ ውግእ ግህሰት ዝፈጸሙን ብኣዕናዊ ተግባራት ዝሕተቱን ኣካላት ጉዳዮም ብነጻን ዘይሻራውን ኣካል ተጻርዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ህዝቢ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኑ ከቕርብ ኣኼባ ባይቶ የዘኻኽር። ብዝተተሓሓዘ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት፤ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ገበናት ህግደፍ ድኣእምበር ብእኡ ዝሕተት ከመዘይኮነ ክርድእሉ ነማሕጽን።
- እዚ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰፊሑ ዘሎ ውግእ መሰረታዊ ጠንቁ ፍልልይ ሕገመንግስታዊ ኣተረጓጉማን ፖለቲካዊ ኣረዳድኣን ስለ ዝኾነ፡ ማእከላይ ባይቶ ምቕጻል ውግኣት ክፈትሖ ከም ዘይክእል ይኣምን። ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ውግእ ጠጠው ብምባል እቲ ፍልልይ ብዘተ ንክፍታሕ ንዘቕረብዎ ዘለዉ ጻውዒትን ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ኣኼባ ባይቶ ደገፉ ኣረጋጊጹ። ክልቲኦም ወገናት ንዘተን ፍታሕን ቅሩባት ክኾኑ ከኣ ጸዊዑ።ንህዝቢ ትግራይን ንኩሎም ብውግእ ዝተሃስዩ ካልኦት ወገናትን በዂሩዎም ዘሎ ሕቶ መሰረታዊ ቀረባት ብህጹጽ ክምለሰሎምን፡ ብሰንኪ’ዚ ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃቦን ኣኼባ ተማሕጺኑ።
- ብሰንኪ’ቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክባ ኣእቲኻ ኣደዳ ዓጸቦ ምግባር ዝብል ዕላማ ወረርቲ ሓይልታት ከም ዝቋረጹ ተጌሮም ዘለዉ ኣገልግሎታት ሓይሊ መብራህቲ፡ መስመር ተሌፎንን ኢንተርነትን፡ ማይ፡ ባንክ፡ መጓዓዝያታትን ዝኣመሰሉን ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለሱ ባይቶ ደጊሙ ይጽውዕ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ በቲ ሰኣን መግብን ሕክምናን ዝመውት ዘሎ ህዝቢ መሪር ሓዘን ከም ዝስምዖ ባይቶ ኣስፊሩ። ካብዚ ንምድሓን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዋ ረዲኤት ንኸይበጽሖ ካብ ምዕንቃፍ ክቑጠቡ ይጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተማዛበሉ ኢትዮጵያውያን ከምዚ ዓይነት ኣረሜናዊ ተግባር ከይፍጸምን ረድኤት ኣብ ግዝይኡ ከምዝበጽሖም ክግበርን ድማ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።
- እቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ መደበራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን፡ ኣብ ልዕሊቲ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቱ_(መነባብርኡ) ተመዛቢሉ ኣብ ፈቐዶ መዕቆቢ ቦታታት ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ደብዳባት ነፈርትን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰታትን ጠጠው ክብል፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ግህሰታት ከኣ ሻራ ብዘይብሎም ወገናት ብግቡእ ተጻርዩ ፈጸምቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ኣኼባ ባይቶ ይጽውዕ። ኩሎም ኣህጉራዊ ትካላት ኣብዚ መዳይዚ ክጽዕቱ ከኣ ጸዊዑ።
- ምሩኻት ውግእ ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን ክትሓዙ፡ ብገበን ዝጥርጠሩ እንተለዉ ከኣ ጉዳዮም ብነጻ ኣካል ክሳብ ዝጻረ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መሰሎም ከይጓደል ዝከኣሎም ክገብሩ።
- ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምትእኽኻብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ናብቲ ዝተሓሰበሉ ሸቶ ክበጽሕ ይቀራረብ ምህላዉ ማእከላይ ባይቶ ርእዩ። በዚ መሰረት ሰልፍና ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ ኣብዚ እዋንዚ ግደታ እምበር ምርጫ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ሕቶ ምምስራት ሓቢርካ ዘቃልስ ጽላል ክሳብ ዝዕወት ቃልሱ ቀጻሊ ምዃኑ ባይቶ ወሲኑ። ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ጻዕሮም ከዛይዱ ከኣ ከም ወትሩ ጸዊዑ።
ኣኼባ ባይቶ፡ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ዘይህዱእ ኩነታት ረብሓን ሰላምን ህዝቢ ሱዳን ብዘውሕስ፡ መንገዲ ንክተሓዝ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።
በዚ ኣጋጣሚ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝብድሎ ዘሎ ከይኣኽሎ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ወራራት ፈጢሩ ዘወድኦ ዘሎ ህግደፍ ከይተሓለለ ቃልሱ ከሐይል ደጊምና ነዘኻኽሮ። ሎሚ እዚ ጉዳይ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምበር ናይ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ስለ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ብምዃኑ ኣብ መኸተናን ሓድነትናን ኣንጻር ወጻዒ ንኽሕይል ተርኡ ንኽጻወት ንጽወዖ። መላእ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ከኣ ከም ወትሩ ፖሊሲታት ሰልፎምን ውሳነታት መሪሕነቶምን ኣብ ኩሉ መዳያት በቲ ልሙድ ጽንዓቶም ተወፋይነቶም ምዕዋት ክቕጽልዎ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ይጽውዕ።
ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ
29 ጥሪ 2022
Statement of an Extraordinary Meeting of the EPDP Central Council
Written by EPDP Central CouncilThe Central Council of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) on 29 January 2022 held an extraordinary meeting to review and take appropriate measures on the following three issues of central importance at this moment in time: 1. To once more discuss the dangerous war that was ignited in Tigray and spread to several parts of Ethiopia; 2.to review the efforts of the Eritrean forces for change towards creating a common umbrella and the stage of their progress; and 3. to revisit the role of the EPDP in the two issues and take decisions on the basis of the existing Party positions and policies.
In this extraordinary meeting that lasted for several hours led by Party chairman, Tesfai Woldemichael (Degiga), the Central Council expressed deep concerns about worse consequences if the war is continued. It stressed that things could go out of hand in the entire region if hostilities continue in addition to the destruction so far witnessed in Tigray and other parts of northern Ethiopia as well as the long existing suffering inflicted upon Eritrea’s sons and daughters who were pushed into this war without their own will and decision.
At winding up discussions on the major two agenda times, the EPDP Central Council reached the following conclusions and decisions:
- The repressive Eritrean regime, which exported to Ethiopia the heinous crimes it has been inflicting upon the Eritrean people, must always stand condemned for its illegal interferences in the affairs of a neighbor and its criminal acts of igniting war by sharpening the differences between the Tigray region and the Federal authorities in Ethiopia. The tyranny in Eritrea has done this in addition to its unpardonable crime of causing untold suffering and destruction in Tigray. The unholy alliance of the Eritrean dictator with the Ethiopian PM Dr. Abiy Ahmed against the people and regional government of Tigray is irresponsible and extremely harmful to the future relations between the two peoples and has adverse implications to Eritrean sovereignty itself. As such, the EPDP Central Council condemns the unholy alliance with the strongest terms possible. Likewise, having learned that the Eritrean regime is extorting money from Eritreans with the false claim that Tigray is waging war of invasion on Eritrea, the Central Council advised and warned Eritrean nationals not to be accomplices in the regime’s continued war efforts. It stated that it was the Eritrean people who so far paid the heavy price for the war of interference in non-Eritrean affairs and it is now time to our people to defy all excuses and stand opposed to the regime’s war efforts. The meeting also reminds the Eritrean people to direct to world actors their demands for accountability against all those who perpetrated war crimes so that the perpetrators can face justice after their participation is investigated by independent and neutral bodies. The Central Council is of the firm belief that the Eritrean people are themselves victims of their own regime that shall solely be accountable for all crimes it commits in the name of the Eritrean people who had nothing to do with the regime’s criminal acts.
- The EPDP is of the conviction that the war started in Tigray and extended to other parts of Ethiopia is basically political with differing constitutional interpretations and cannot be solved with continued armed hostilities. It thus supports the peace initiatives being raised by several actors and urged the warring sides to accept a peaceful settlement of their differences. The CC meeting also called on the international community to respond adequately to the basic humanitarian needs of the Tigrayans and other peoples affected by the war in the region.
- The most urgent action required is to release without any further delay the supplies of electric power, water, banking facilities, communication lines and others which were interrupted long ago by the ill-intentions of the aggressive forces. The meeting expressed deep sorrow over the suffering and death of many innocent Tigray people because of lack of food and medical care and asked appropriate action by those concerned to prevent repeating such inhumane and brutal acts in Tigray and other Ethiopian regions.
- The CC meeting studied with deep sorrow and concern the criminal acts being perpetrated against Eritrean refugees and the aerial bombardments and related inhumane acts taken against displaced Tigrayans and once again called upon concerned bodies to investigate by independent bodies the criminal acts and grave violations against civilians and bring to accountability all their perpetrators.
- Furthermore, the meeting reminded that prisoners of war must be treated according to international conventions and laws and be considered innocent until their cases are reviewed by independent judicial bodies.
- The EPDP Central Council noted with measured satisfaction the approach towards finalization of the two-year coordination among sister political forces that are resolved to create a common umbrella. The Council insisted that joint work is not a choice but an obligation for Eritreans opposed to the regime in Eritrea and appealed to all concerned Eritrean forces to redouble their efforts towards finalizing the noble objective of creating one working national umbrella.
The CC extraordinary meeting also discussed about the unsettling political situation in the Sudan. While expressing serious concerns, the Central Council called upon all concerned parties to adopt peaceful means that guarantee the interests of the Sudanese people.
The EPDP Central Council took this opportunity to urge the Eritrean people to continue their struggle with added vigor against the tyrant regime which, on top of their existing bad situation, created new invasions against others to prolong its stay in power. We as a people are nowadays facing a national challenge that can only be resolved by a unified stand of a whole nation and not by one organization or community. The meeting also once more calls upon its members and committed supporters to work hard as ever before and help promote the objectives and action plans of the EPDP through implementing the policies and decisions of the Party’s Central Council.
We Struggle for Democratic Governance and Progress!
The EPDP Central Council
29 January 2022