ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባና ቀጻሊ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ምዕባለታት ዘስዓቦ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታትን ዝምድናታትን እውን ንዕዘብ ኣለና። ካብቶም ምዕባለታት ዘኸትሉ ዘለዉ ኣሰላልፋታት፡ ሩሲያ ኣንጻር ዩክረይን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣንጻር ትግራይን ኣብ መንጎ ቻይናን ታይዋንን ዘሎ ምትፍናን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳን ዝረኤ ዘሎ ምስሕሓብን ካለኦት ናብ ውግእ ዘይማዕበሉ ምትፍናናትን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ዝተጠቕሱ ተሰለፍቲ በበይኖም ዝቖሙ ዘይኮኑ፡ ብግሁድ ይኹን ብሕቡእ ዘዕጥቑን ዘስንቑን “ኣለናልካ” በሃልቲ ኣለዉዎም። በዚ መሰረት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣብቶም ውሱናት ቅድሚት ዝስለፉ ተሰሓሓብትን ተዋጋእትን፡ ዝድረት ዘይኮነ ነዊሕ ሰራውር ዘለዎ እዩ።
ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ኣካል ሕብረትሰብ ዓለም፡ ካብዚ ጽልዋን ኣሰላልፋን ወጻኢ ኣይኮናን። ጉጅለ ህግደፍ ድሮ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ዘይሕገመንግስታዊ፡ ዘይህዝባዊ፡ ዘይብዙሕነታውን ዘይደሞክራስያውን ፖሊሲኡምስቶም ኣንጻር፡ ዩክረይን፡ ታይዋንን ትግራይ ገለን ዘፈራርሑ ገለን ከኣ የራጉደለይ’ዩ ብዝብል ዝወሩ ዘለዉ ናይ ባህሪ መሓዝቱ ክለኣኾም ቅሩብ ኮይኑ ኣዳዕዲዑ ተሰሊፉ ኣሎ። ማእከላይ ስሕበት መምረጺ መዛምድቲ ህግደፍ፡ ህልዊ ጸገም ህዝቢ ኤርትራን መጻኢ መፍትሒኡን ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይኮነ፡ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ቅድሚት ዝሰርዕ እዩ። እዚ ኣሰላልፋዚ ከቢድ ዝሳዕቤንን ብቐሊሉ ዘይሓዊ ስንብራትን ዝገድፍ እዩ። እቲ ጉጅለ ነዚ ስጉምትታት ክወስድ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ምዃኑ ድማ ክሳብ ክንደይ መበገሲኡ ካብ ባህጊ ህዝብና ዝረሓቐን ዝተመስጠረን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሕልሚ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ዕድመ ልክዑ ኣብ ምድሃኾም ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ናይ ዞባና ተሰማዕን ጐብለልን ናይ ምዃኑ ምህሙን ተስፋ እውን ዝቐበጾ ኣይመስልን።
እቲ ጉጅለ ነዚ ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዝጓሰየ ኣሰላልፋ ክመርጽ እንከሎ ዝተኸተሎ ስልቲ፡ ሕሉፍ ተሓላቒ ሃገርን ልኡላውነታን መሲልካ ምቕራብ እዩ። “ኤርትራዊ ልኡላውነት ብዘይካይ ዘውሕሶ የለን” ዝብል ዝኣረገ ኣዳህላልነቱ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ማዕረ ማዕረዚ ግዳ ቀዳማይ ገሃስን ኣሕሊፉ ወሃብን ልኡላውነት ኤርትራ ንሱ ምዃኑ ክሓብኦ ዘይከኣለ ንመጻኢ እውን ዘይክእል ባህሪኡ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ከም ዝሕረም ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ደይ-መደይ ኢሉ ኢድ ምእታው፡ ምስቶም ጌና ኣብ ናጽነትና ሕቶ ምልዓል ዘየቋረጹ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ናይ ቀረባ ዝምድና ምምስራቱን ኤርትራ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት መዕንደሪት ከም እትኸውን ምግባሩን ከኣ ኤርትራዊ ሓልዮትን ተሓታትነትን ዘይብሉ ባህርያቱ ዘርኢ እዩ። ኣእሚኑ ዘይኮነ፡ ኣሰናቢዱን ኣደናጊሩን ደጋፊ ንምርካብ ድማ፡ ሎሚ ምስኡ ንዘይተሰለፈ ኤርትራዊ ከመዮ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” ዝበሃል፡ ከም ንልኡላውነት ኣሕሊፉ ዝሃበ ኣምሲሉ ክቕርቦ ይፍትን ኣሎ። ንኤርትራ ኣደዳ ኣራግጽ ናይ ግዳም ሓይልታት ክትከውን ዘፍቐደ ኣካል፡ ተሓላቒ ልኡላውነት ክኸውን ከኣ ብቕዓትን ሞራልን የብሉን። በዚ ሽፈጡ ተዓሽዮም፡ ልኡላውነት ሃገር ዝሕልዉ ዘለዉ መሲልዎም፡ ምስዚ ብክብሪ ህዝቢ ዝጣላዕ ጉጅለ ተሰሊፎም ዘጣቕዑ፡ ሰብኣዊ ልኡላውነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፡ ጐሓላሉ ምርኣይ ከኣ ቃልስና ጌና ዝተሓላለኸን ግቡእ መስርዑ ዘይሓዘን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ክሳብዚ ቀረባ ዓመታት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንሰማመዓሉ ካብ ዝነበርና ዛዕባታት ሓደ፡ ብሰንኪ ብሓባር ዘይምስራሕና ግዳይ ከፋፋሊ ህርፋን ህግደፍ ምዃና እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና ዓቂብና፡ ብምጽውዋርን ምክእኣልን ተገዚእናን ኣርሒቕና ብምርኣይን ንህግደፍ ዘሕምሞ ኣድማዒ ዓቕሚ ምፍጣር ክንቃለሰሎም ካብ ዝጸንሕና ዓበይትን ወሰንትን ዕማማትና ሓደ እዩ። ህግደፍ ብኣንጻሩ ነዚ ሕልሙ ዘምክን ምቅርራብ ሓይልታት ለውጢ፡ እንተ ኽኢሉ ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ፡ እንንተዘይክኢሉ ከኣ በታቲኑ ዘርሞዘርሞ ክገብሮ ክጽዕት ጸኒሑ። ብሓፈሻ ነቲ ዝተኸስተ ሓድሽ ኣሰላልፋ፡ ብፍላይ ከኣ ንተረኽቦ ውግእ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን መርወዪ ህርፋኑ ክጥቀመሉ ስምዒታት ኣነሃሂሩ። ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ሓድሽ ኣሰላልፋን ክስተትን ተኸቲሉ ሒዝዎ ክጐዓዝ ዝጸንሐ ፍልልያት ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዕማሙ ንድሕሪት ብዘይመልስ ከመሓድሮ ይግበኦ ነይሩ። ብግብሪ ግና ከም ዘይበቐዖን ኣብ ክንድኡ ኣብ ናይ ጫፋት ምውጣጥ ምእታዉን መርኣያ ድኽመቱ እዩ።
እቲ ዝገርም፡ ዝተበተነ ዓቕምኻ ኣማእኪልካ ብሓባር ምቅላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ክጭርሑ ዝጸንሑ ኣካላት ከይተረፉ፡ ከካብቲ ዝተጸግዕዎ ጫፋት ተመሊሶም ማእከላይ መፍትሒ ክረኽቡ ዘይምኽኣሎምን ኣብ ተመዓዳዲኻ ምፍርራድን ምንእኣስን ምውዳቖም እዩ። እዚ ኣብ ክንዲ ብመትከል እካን ሃባን፡ ከክንድቲ ክትከዶ ዝግበኣካ ርሕቀት ኬድካ ኣብ ማእከል ምርኻብን ኣተሓሳስባ ምትዕራቕን ኣብ ዘዘለኻዮ ኮይንካ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ” ምብህሃል ብዘይካ ንህግደፍ ንኻልእ ዘርብሕ ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ከኣ ካብቲ፡ “ህግደፍ ብየናይ ኣገባብ ይወገድ፡ ድሕሪ ህግደፍ ብኸመይ ብህዝቢ ናብ ዝተመርጸ መንግስቲ ንሰጋገር፡ ብኸመይከ ሕገመንግስቲ ነዲፍና ነጽድቕ” ኣብ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝጸንሓና፡ ብሓልዮትን ህዝባዊ ሓላፍነትን ክመሓደር ዝኽእል ፍልልይ፡ ኣብ “ብኸመይ ምስ ቃልሲ ጐረቤት ህዝቢ ትግራይ ንዛመድ?” ዝብል ዘረሓሕቕ ጫፋት ተጸሚድና ኣለና። ከምቲ ንቃወሞ ዘለና ናይ ኢሳያስ ኣገባብ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይካ ኣቐሚጥካ ናብ ደገ ምምዕዳው ይብርኽ ኣሎ። ያኢ እቲ “ምስ ሰራዊትና” ወይ “ምስ ሓይልታት ትግራይ” ዝብል ናይ ምቅርራብ ኣንፈት ዘየብሉ ዝመስል ጫፋት ቅኑዕ መርገጻት ተባሂሉስ፡ እቲ “ነዚ ሓደገኛ ጫፋት ኣወጊድና፡ ፍልልያትና ኣጻቢብና ኣብ ማእከላይ መፍትሒ ንራኸብ” ዝብል ሓላፍነታዊ ማእዝን ክሳብ “ናይ በለጽ ምርጫ” ዝብል “ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ” ዝዓይነቱ ስግንጢር ድምጽታት እውን ይስማዕ እዩ።
ካብዚ ክልተ ጫፋት “ወይከ ንቕንቕ” ምባል፡ ውሕሉል ኮነ ምቕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣይኮነን። ነቲ ዝጸንሓና ናይ ዘይምትእምማን ነቓዕ፡ውን መሊሱ ዘጋድዶ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ዓቕሚ እዩ” ኢልካ ምጭራሕ ጥራይ ትርጉም የብሉን። እዚ ክሳብ ዘይተቐየረ ንህግደፍ ስዒርና ሕቶ ህዝብና ንምምላስ ዝወስዶ ግዜ ሓጺር ኣይክኸውንን እዩ። ነዚ እንዳተረዳእካ ጫፋት ምውጣጥን ምምጣጥን ድማ፡ መፍቶ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ ትርጉም የብሉን። መፍቶ ህደፍ ምዃን ብኡ ንብኡ ንህዝብና ምብዳል’ዩ እሞ ነናብ ልብና ተመሊስና ብጽሞና ንሕሰብ።
ክልል ትግራይ፡ ብኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ውግእ ከም ዝተኸፍታ ከሲሳ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ 20 መስከረም 2022 ኣብ ዘውግሕ፡ ብሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ውግእ ከም ዝተኸፍተ ከሲሱ። በቲ ዝወጸ ሓበሬታ መሰረት እቲ ውግእ ዝተኸፍተሉ ከባቢ ካብ ሩባ ተከዘ ክሳብ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ዘሎ ዶባት ኤርትራን ትግራይ ኮይኑ፡ ማይ ኩሕሊ፡ ዝባን ገደና፡ ዓዲ ኣውዓላ፡ ራማ፡ ጸሮናን ዛላንበሳን ድማ ብፍላይ ተጠቒሶን።
ኣብዚ ሓድሽ ውግእ፡ ናይ ኢትዮጵያ ክልተ እዝታትን ሰለስተ ናይ ኮማንዶ ክፍለ ሰራዊታትን ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ክልል ኣምሓራን ምስ ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፎም ከም ዘለዉ ተጠቒሱ። ኤርትራ ኣቐዲማ ዑቑር ሰራዊታ ንክኸትት ጸዊዓ እያ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብብዝሒ ናብ ኤርትራ ከም ዝተጓዕዘ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ብወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ብክልል ትግራይ ዝቐረበ ክሲ ብዝምልከት ብወግዒ ዝተባህለ የለን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ፡ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ጻዕሪ ክገብሩ ጸኒሖም ናብ ሃገሮም ምስተመለሱ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም። ኣብ መግለጺኦም ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ናብ ትግራይ ከም ዝኣተወ ክከታተልዎ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ነቲ ተግባር ከም ዝዀነንዎ ምግላጾም ድማ ሮይተርስ ሓቢራ። ኩሎም ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ተዋሳእቲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ሓድነት ኢትዮጵያ ከኽብሩን ኩነታት ካብ ምግዳድ ክቑጠቡን ይግበኦም ከም ዝበሉ እውን ሮይተርስ ጠቒሱ።
ካናዳን ብሪታንያን፡ ዜጋታተን ኣብ ኤርትራ ምንቅስቓሶም ክድርቱ ኣጠንቂቐን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካናዳን ብሪታንያን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ዜጋታተን ብጸጥታዊ ምኽንያት ምንቅስቓሳቶም ክድርቱን ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩን ከም ከም ዝመዓዳ ካብ ሮይተርን ኤ ኤፍ ፒን ካብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ። እዘን ሃገራት ናብዚ ስጉምቲ ዘብጸሓ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንናይ ብዙሓት ዜጋታት ምምዝባልን ሞትን ጠንቂ ዝኾነ ውግእ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ምብርዑን ኤርትራ ድማ ዜጋታታ ናብ ዓውዲ ውግእ ንክኸቱ ኣጥቢቓ ተገድድ ምህላዋ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ካብ መንግስቲ ካናዳ ብ15 መስከረም 2022 ዝወጸ ምኽርን መጠንቀቕታን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታቱ፡ ኣብ ርእሲ ምንቅስቓሳቶም ምድራት ብመራኸብቲ ብዙሃን ዝወሃብ ሓበሬታ ብቐጻሊ ክከታተሉ ኣዘኻኺርዎም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓለዋ ኣብያተ-ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን ኤምባሲታትን ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ በቲ ወጺኡ ዘሎ ክተት ካብ ዝረሖም ወጺኦም ናብ ዓውዲ ውግእ ከይውሰዱ ስግኣት ከም ዘለዎም፡ ሓደ ስሞም ዘይተጠቕሰ ዲፕሎማት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝገለጽሉ ሮይተርስ ሓቢሩ። ሮይተርስ ኣስዒቡ ሓደ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ክልተ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣዝማዱ ናብ ውግእ ንክኸቱ ከም ዝተጸውዑን እንተዘይከቲቶም ግና ኣባይቶም ክውረስ ከም ዝኽእልን ከም ዝተሓበረ ጠቒሱሉ።
እቲ ካብ ብሪታንያ ዝተዘርሐ ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ብ14 መስከረም 2022 ዝወጸ ምዃኑ እቲ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን። ክልቲአን ሃገራት ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ፡ ተወሰኽቲ ሓጸርቲ ናይ ጥንቃቐ መልእኽቲ ከስዕባ ከም ዝኽእላ ነንዜጋታተን ኣብፍሊጠን።
ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ተሪር ናይ ሓባሬታ ዕጽዋ ዝካየደን ሃገራት ብምዃና ነዚ ብዝምልከት ድምጻ ከም ዘይተሰምዐ ኤ ኤፍ ፒ ኣቃሊዑ።
ኤርትራ ኣብቲ መጀመርታኳ ብተደጋጋሚ ትኽሕድ እንተነበረት፡ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚራ፡ ኣብ ጐኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ሓይልታታ ከም ዘሰለፈት ክልቲኦም ማዕከናት ዜና ጠቒሶም።
ግደ ደረስቲ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣብ ምስናድ ታሪኽ ኤርትራን ቃልስታታ
Written by ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤቀጺሉ ዝቐርብ መግለጺ፡ ነዚ ኣብ መዘከሪ ገጽ (ፖስተር) ሰፊሩ ዘሎ ስእልታት ናይ ዝተደርሱ መጻሕፍቲ ሓጺር መብርሂ ንምሃብ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ መጻሕፍቲ ንምፍላጥ፣ ገንጺልካ ብምንባብ ዝብጻሕ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ይኹን’ምበር ሓጺር መላለዪ ሓበሬታ፡ ማለት ብዛዕባ ደረስቱን ዕላማ መልእኽቲ መጻሕፍትን ዝእምት ሓበሬታ ኢና ከነስፍር።
ኣድላይነት ምስናድ ታሪኽ እንርድኦ ኣምር ስለዝዀነ፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራትን ሕብረተ-ሰባትን፣ ታሪኽ ተሰኒዱ ንመወከስን ሓበሬታን ይዕቆር፤ ንውሉድ ወለዶ ድማ ይመሓላለፍ። ነዚ ዕማም’ዚ ዝትግብራ ድማ ትካላትን ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያን ክህልዉ ይግባእ። ታሪኽ ሃገርና፣ ዘሕለፎ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ፣ ንሓርነቱ ዘካየዶ ቃልስታትን ዝኸፈሎ መስዋእትን ብግቡእ ተሰኒዱ ንህሉዋትን ቀጻሊ ወለዶታትን ክመሓላለፍ ይግባእ። ኣብ ሃገርናን ታሪኽ ጉዕዞ ቃልስናን ግን ዝተጠቕሱ ትካላትን ሰብ ሞያን ኣይነበሩን። ነቲ ሃጓፍ’ቲ ዝመልኡ ብተበግሶኦም፣ ወለንትኦም፣ ጻዕርታቶምን ወርቃዊ ጊዜኦምን ብነጻ ወፍዮም፤ ኣገዳሲ ሰነዳት ብመጻሕፍቲ ኣሕቲሞም ናብ ኣንበብቲ ዝዘርግሑ ብዙሓት’ዮም። ታሪኽና ብግዱሳትን ወለንተኛታትን እዩ ክስነድ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዝኾነ ድማ ብሓያለ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ብኣባላት ሰደህኤ ድማ ብፍላይ ሓያለ መጻሕፍቲ ተዳልዮም ተዘርጊሖም እዮም።
ኣብዚ ፖስተር) ተጠርኒፉ ቀሪቡ ዘሎ መጻሕፍቲ፡ ብግዱሳት ውልቀ ተቓለስትን ጉጅለታትን፡ ኣብ ተጋድሎና ንናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ፣ ገለን ዓጢቖም ኣብ ሜዳ ገለን ድማ ኣብ ድያስፖራ ዝተኻየደ ህዝባውያን ማሕበራት ተወዲቦም፡ ፖሊቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ግዲኦም ዘበርከቱ፣ ከምኡ’ውን ስርዓት ምልኪ ብምውጋድ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ዝቃለሱ ዘለዉ የጠቓልል። መብዝሕትኦም ደረስቲ ነቲ ብኣካል ዝተሳተፍዎ ተሞክሮ ፍጻሜታት ናይቲ ታሪኽ፣ ተዘክሮታቶምን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶታትን ከም ናይ ዓይኒ ምስክር ብምዃን ሰኒዶም ዘቕረቡ እዮም። ምሉእ ታሪኽ ብዝውዓሉ ጥራይ ዝቐርብ ክኸውን ኣይክእልን፡ ምኽንያቱ ደረስቲ ኣብ ኵሉ’ቲ ፍጻሜታት ዝተኻየደሉ ቦታን ዕለትን ብኣካል ክነብሩ ስለዘይክእሉ፡ ስለዚ ካብ መወከስታት በርቢሮም፣ ሓበሬታ ካብ ሓቀኛ ምንጭታቱ፡ በብዕለቱን ተዋሳእቱን ሰኒዶም ከቕርቡ፣ መጽናዕትን ፍተሻን ካብ ታሪኻዊ መወከስታት ኣካይዶም ዝሰነዱ’ውን ይርከብዎም።
ኣብ መዘከሪ ገጽ (ፖስተር) ሰፊሮም ዘለዉ መጻሕፍቲ፣ ብኣብ ሰዲህኤ ዘለዉን ዝነበሩን ኣባላት ዝተደርሱ እዮም። ብሕጂ ተደሪሶም ዝወጹ ሓደስቲ መጻሕፍቲ፣ ንዐኦም ዝወሰኸ ሓድሽ ፖስተር ክዳሎ ምዃኑ’ውን ንሕብር። በዚ ኣጋጣሚ፣ ስነጽሑፍን ስነዳን ንምምዕባል፣ ናይ ደረስቲ ማሕበር ብዝተወደበ መልክዕ ክምስረት ነተባብዕን ንጽውዕን።
ብሓልዮት ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ
ፕረሲደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ወተሃደራቶም ካብ ኤርትራ ንምምላስ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ክትሕግዞም ከም ዝሓተቱ ጋረው ኦንላይን/ GAROWM.ONLINE ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ15 መስከረም 2022 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። እቶም ሶማሊያዊ ፕረሲደንት ነዚ ሕቶ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘቕረቡ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዩ። እቲ ዜና ከም ዝገለጾ እዞም 5 ሺሕ ሶማላውያን ወተሃደራት ናብ ኤርትራ ብምስጢር ዝተላእኩ ፕረሲደንት ማሕሙድ ፋርማጆ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ ብ2019 እዩ።
እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እዞም ወተሃደራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሑ፡ ብግቡእ ዝተዓለሙ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣንጻር ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ምቅላስ ሓያል ፍናንን ቅሩብነትን ዘለዎም ምዃኑ በቲ ዜና ተገሊጹ። ኣብቲ ዝተላእክሉ ግዜ እዞም ናይ ሎሚ ፕረሲደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ወሲኽካ፡ ኣብቲ ግዜቲ ፕረሲደንት ሶማልያ ንዝነበሩ ማሕሙድ ፎርማጆ ነቶም መንእሰያት ናብ ኤርትራ ብምልኣኾም ይቃወምዎም ነይሮም። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነዞም ወተሃደራት ክመልሶምኳ ቃል ኣትዩ እንተነበረ፡ ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ ኣንጻር ፈጣር ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓያል ቃልሲ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘለዎ ምስ ኣረጋገጸ ግና ሓሳቡ ቀይሩ ከም ዝሓንገደ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ዜና ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካሳብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ይተሓጋገዝ ከም ዝነበረ ተቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ሶማሊያ ነቶም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ወተሃደራት ንምምላስ ሓያል ጻዕሪ ይገብር ከም ዘሎን ናይ ኣሚሪካ ሓገዝ እንተተወሲኽዎ ክዕወት ተስፋ ከም ዘለዎን ገልጹ። ሰብ መዚ ኣሚሪካ እውን ነቶም ወተሃደራት ናብ ሃገሮም ንምላስ ክተሓጋገዘ ቅሩባት ምዃኖም ከም ዘረጋግጹ ኣፍሊጡ።
ፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስተመረጹ ናብ ኤርትራ ከይዶም፡ ምስቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መደበራት ኤርትራ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሶማላውያን ከም ዝረኸብዎም እቲ ዜና ተጠቒሱ። እቶም ፕረሲደንት ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም ዝበል ተስፋ ስለ ዝነበሮም፡ ነቶም ቅድሚ ምርጫ ደቆም ክምለስሎም ዝሓቱ ዝነበሩ ቤተሰብ እቶም ወተሃደራት ምስ ደቆም ከም ዝራኸቡን ክሳብ ሽዑ ናይ ተለፎን ርክብ መስመር ከም ዝኸፍትሎምን ቃል ኣትየምሎም ከም ዝነበሩ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ናይ ኢሳያስ እምቢታ ክዕወት ከይዘይከኣለን ሓቢሩ።
እዞም ሶማላውያን ወተሃደራት ኣብቲ መጀመርያ ብምስጢር ናብ ኳታር ኢኹም ተባሂሎም ካብ ሃገሮም ከም ዝተወስዱን ብዘይፈልጥዎ መንገዲ ናብ ኤርትራ ከም ዝተወሰዱን ኣቐዲሙ ክሕበር ጸኒሑ እዩ። ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዚዞም ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተሉ ዘለዉ ሱዳናዊ ኮሚሽነር፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እዞም ሶማላውያን ኣብ ውግእ ትግራይ ተሳቲፎም ነይሮም ዝብል ጸብጻብ ከም ዘቕረቡ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ዓመጸኛ ምምሕዳር ህግደፍ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ይዋጋእ ኣሎ። ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ኢዱ ከእቱ ብዙሕ ፈተነታት ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን። እነሆ ኣብዚ ሶማልያ ምስ ኣሚሪካ ተሰማሚዓ ኣንጻር ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ቃልሲ ኣብ እተካይደሉ መድረኽ ከኣ ሰራዊታ ጀሆ ሒዙ ህውከት ይጽሕትር ኣሎ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን” ዝብል ኣበሃህላ፡ ንህልዊ ኰነታት ህዝብናን ሃገርናን ዝመስል እዩ። ምኽንያቱ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘይተፈጸመ በደል፡ ዘይተራእየ ጥልመትን ዘይተጋሀስ መሰልን ስለ ዘየለ። ኣብ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ሕሱም ምምሕዳር ህግደፍን ብዛዕባ ምኽባርን ዘይምኽባርን ሕግን ስርዓትን ኣየዛረብን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ውልቃዊ ገባሪ ሓዳግነት እምበር፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ህዝቢ ዝፈልጦን ናተይ ዝብሎን ሕጊ የለን። ኣብ ሃገርና ገዛኢ እምበር ሕጊ ብዘይምህላዉ፡ ህዝብና ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዘገርም ሕሱም ኩነታት ወዲቑ ከም ዘሎ፡ ርእዩ ከምዘይረኣየ ክኸውን ንዝደሊ እንተዘይ ኮይኑ፡ ዓለም ብዓለማ እትምስክሮ እዩ።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣቱን ዘርኣዮ ጥልመትን ንዕቀትን ንነዊሕ ዓመታት ዝተዘርበሉን ዝተጻሕፈሉን እዩ። መጻኢ ስንብራቱ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ኣይኮነንዶ ኣብቲ ኣደራዕ ዝወርዶ ዘሎ ዝተበደለ ህዝቢ፡ ኣብ ቅድሚ ካለኦት እውን ዝተመዝገበ ጸሊም ምልከት ስለ ዝኾነ፡ ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ፡ ኢልካ ዝዝርዘር ኣይኮነን። ብጥቕልሉ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን “ዓይንን ሓመድን” ምዃኖምን ቀዳማይ ጸላኢ ህዝብና እቲ ጉጅለ ምዃኑን ምጥቃሱ ግና ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝነቕልሉ ኩርነዓት ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ጸላኢ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት እዮም። ህዝብታት ታይዋን፡ ዩከርይንን ትግራይን ብቐረባ ካብ ዝጥቀሱ ኣብነት እዮም። ምስዚ ኩሉ መሰረታዊ ዘይምቅዳዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ከም ናይ ህዝቢ ሱዳን ዝኣመሰለ ቀጻልን በሪኽን ናይ ተቓውሞ ድምጺ ከምዘየስምዕ ዝተዓዘቡ፡ ህዝብና ነቲ ወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝተቐበሎን ዝተለማመዶን ዝመስሎም ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓዞ ዳኣ ሒዝዎ እምበር፡ ብርግጸኝነት ንመሪር ተግባራት ህግደፍ ናተይ ዝብለሉ ሕልና ፈጺሙ የብሉን።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ንህዝቢ ኩሉ መሰላቱ ጠሊሙ ዝጭቁነሎ ቅዲ ዘመናዊ ባርነት ከም ቅኑዕን ተወዳዳሪ ዘይብሉን ገይሩ እዩ ዝንየተሉ። ባዕሉ ንባዕሉ ደኣ የፍርሶ እዩ እምበር፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቱ፡ ሰላማዊትን ብልጽግትን ኣምሲሉ ክስእላ ዘይሓፍረሉ ኣጋጣምታት ኣሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ኢሳያስ መሳርሒ ምእንቲ ክኾኖም ዘረሳስንዎን ዘጸባብቕዎን ሓሰውቲ መሰኻኽር ዘለዉዎ ምዃኖም እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ኤርትራ ሰላማዊትን ኣብ ቀጻሊ ዕቤት ዘላን ሃገር እያ፡ እዚ ንሕና ጥራይ ንብሎ ዘይኮነ፡ ዓለም እውን ዝመስከረቶ እዩ” ዝበሎ፡ ንኣብነት ዝጥቀስ ናይ ዘመና ግጉይ ሚዛን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ብዙሕ ዘየቕለብናሉ ግን ከኣ ክሳብ ክንዳይ ሃገርና ብሕታዊት ርስቲ ሓደ ሰብ ኮይና ከምዘላ ዘርኢ “ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ካብ ዝእከብ ኣርባዕተ ዓመት ገይሩ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ካብ ዝፈርስ ከኣ ዕስራ ዓመቱ ኣሓሊፉ” ዝብል ጸብጻብ ካብ ማሕበራዊ መድያ ሰሚዕና። እዞም ካብ ምእካብ በዂሮም ዝተባህሉ መንግስታዊ ትካላት፡ ንዓና’ኳ ካብ ቀደሞም ስማውያን ምንባሮም ርዱእ እንተነበረ፡ እቲ ተረኽቦ ግና “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ውልቀ ሰብ?” ዘብልን ንዕቀትን ብደዐን እቲ ዲክታተር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ደረቱ ከም ዝሓለፈ ዘርእን እዩ።
እዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት፡ እቲ ዲክታተር ብዝኸፈቶ ሰልኲ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን ብዙሕ ተርእዮታት ዝተቐልቀለሉ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ ውግእ ጐረቤት ኣትዮም ዝሃለቕሉን ንብረት ኤርትራ ዝባኸነሉን ግዜ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ስንብራቱ ብቐሊሉ ዘይሓዊ፡ እንተቐጺሉ ዋጋ ከየኽፍል ዘስግእ ጽልኢ ዝተዘርኣሉ’ውን ነይሩ። እዚ ዘይውሕሉልን ዓመጸኛን ኣካይዳ ጌና ሎሚ’ውን ህያው ምህላዉ ድማ ዘሕዝን እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር፡ ብሰንኪ እዉጅ ናይ ህግደፍ ኣንጻር ውጹዓት ምስላፍ፡ ዝያዳ ብሻራነት ዝተለለየት’ውን ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ቀረባ ዓመታት እያ። ናብዚ ሓደገኛ ዝሳዕቤኑ ካብ ዝወደቐትሉ ጠንቅታት ሓደ፡ ናይ ሓደ ዘይጥዑይ ውልቀሰብ ብሕታዊት ርስቲ ምዃና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኩነታት ጥልመት መራሒ ህግደፍ፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ’ቶም፡ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ፈጻሚ ኣካል ህግደፍን ካልእን ዝብል ትርጉም ዘየብሉ መዝነት እናሃበ ዘላገጸሎም ኣካላት ብግብሪ ዘርኢ እዩ። ኣብ መጻኢ ከኣ እቲ ጥልመት፡ በቲ ዝጥለም ዘሎ ህዝቢ እምበር፡ በቲ ጠላሚ ጉጅለን ከም እንስሳ “እምባሕ” ዝብሉ ሳዓብቱን ዝቕየር ከምዘይኮነ ዕዙዝ ኣስተብሎ ዘድልዮ እዩ።
ዲክታተር ኢሳያስ እዚ ኣካይድኡ ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ዘየብሉ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ዘይምቕባል ጥራይ ዘይኮነ ኩነታት እንተዘይጸጊምዎ ህዝቢ ኤርትራ ክጐሓፈሉ ከም ዝደሊ እውን ይርዳእ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ንህግደፍ ናይ ምስዓሩ ሕልና፡ ድፍረትን ዓቕምን ንከይወነን ከምክኖ ወትሩ ዝፍትን። ነቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዘሎ ኤርትራዊ ወሳኒ ናይ ለውጢ ባእታ፡ መንእሰያቱ ብምብታንን ናይ ሕድሕድ ምእትእምማኑ ከም ዘየትርር ንምግባሩ ንድሕሪት ከይበለ ዝሰርሕ። እዚ ሓደገኛ ሓይሊታት ለውጢ ናይ ምድኻም ተንኮሉ ተሰዓሪ’ምበር ነባሪ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ብሓፈሻ ከኣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ናይ ዓወት ረቛሒ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ንምድኻሙ ንሓንሳብ ናይ ሃይማኖት ንሓንሳብ ከኣ ናይ ኣውራጃ ወይ ካልእ የገልግለኒ’ዩ ንዝብሎ ጸቢብ ስምዒታት፡ ክኢላ ዓቕሚ ሰብን ገንዘብን ከነሃህር ንዕዘቦ ኣለና። ስለዚ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ በሃግቲ፡ ጸረ ሓድነትና ዝኾነ ጉጅለ ንክንስዕሮ፡ ናይቲ “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ሓደ ሰብኣይ?” ዝብል ሕቶ ርጡብ መልሲ ረኺብና፡ ኤርትራ ናይ ኩልና ምዃና ዘውሕስ ሓድነት፡ ብቕዓትን ተበግሶን ክንውንን እውናዊ ግደታና ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።
ጉዳይ ህዝብን ሃገርን፡ እሞ ድማ ኣብ ወሳኒ መድረኽ፡ ህግደፍ ዝጻወተሎም ስማውያን ምዃኖም ዝዘንግዑ "መንግስታዊ” ዝበሃሉ ትካላትን ብሓደ ምግንዛብ ዝረሐቖ ሰብ እናተወሰነ ስም ጥራይ ሒዞም ዝተረፉ ሚኒስተራትን ካለኦት ሰብ መዝን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኢሎም ዘይኮነ፡ ነንገዛእ ርእሶም ክብሉ፡ ምስ ሕልናኦም ክመኽሩ ኣብ ዝግደድሉ ወሳኒ መድረኽ ምህላዎም ሎሚ’ውን ደጋጊምና ነዘኻኽሮም። ካብ ንህዝቦም ክሳብ ሎሚ ንውልቀ-መላኺ ኣዳልዮምን ብግዝያዊ ረብሓ ሰዲዖምን፡ መሳርሒ ሓደ ዘይርጉእ ኣእምሮን ንሃገርን ህዝብን ዘይሓልን ኢሳያሳ ኣፈወርቂ ኮይኖም ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ካለኦት ኣካላት ጸጥታን ኤርትራ ካልእስ ይተረፍ፡ ነቲ ንዘይኤርትራዊ ረብሓ ዝፈስስ ዘሎ ደሞምን ዝገሃስ ዘሎ መሰሎም’ውን ከም ዘየድሓኑ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽሮም። ሎሚ “ተመን ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብ ኢድካ” እናተባህሉ ርእሶም እንተ ኣድኒኖም፡ ጽባሕ ዘጣዕሶምን ኣብ ታሪኽ ዘሕትቶምን ክኸውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ደረጃኡ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ኩልና ኤርትራውያን ግዳይ ሓደ ሰብ ኮይና ብምህላውና፡ ሕራነ ሓዲሩና፡ “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ሓደ ሰብኣይ?” ክንብል ይግበኣና።
ስርዓት ህግደፍ ኩሎም “ዑቑር ሰራዊት” ዝብሎም ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣባላት ክኸቱ ብመንገዲ ምምሕዳራዊ መሓውሩ ከም ዝጸውዖም ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ዜና መሰረት እቲ መጸዋዕታ ካብ 14 መስከረም 2022 ከም ዝተተግበረ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣቐዲሞም ብዘይእዉጅ ናብ ግንባራት ዝተወስዱ ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ። ኣባልነት ዕቑር ሰራዊት ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ወተሃደራዊ ተመኩሮ ንዘለዎም ዘጠቓልል እዩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ኤርትራ ሓድሽኳ እንተዘይኮነ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ብምህላዉን ዜጋታት ኣብ ጐደናታት ከይተረፈ ናይ መንነት ወረቐት ከርእዩ ይድገዱ ስለ ዘለዉን ኣብ ህዝቢ ዓቢይ ሻቕሎትን ስግኣትን ኣሕዲሩ ከም ዘሎ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። እዚ ኣገዳዲ መጸዋዕታ ነቶም ኣባላት ዕቑራት ሰራዊት ኮይኖም ኣብ ግላዊ ጉዳዮም ዝጸንሑ ዝምልከት ኮይኑ፡ እቶም ኣብ መንግስታዊ ኣካላት ዘለዉ ግና “ትሑዛት እዮም” ብዝብል ኣብዚ ናይ ሕጂ ዙርያ ከምዘይተጸውዑ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
እዚ ኣገዳዲ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ እሞ ምምሕዳር ህግደፍ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ዓቕሙ ዝሳተፈሉ ዘሎ ውግእ ተኸቲሉ ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኤርትራ ኢድ ምእታዋ ጥራይ ዘይኮነ ገዚፍ ሰራዊትን ኣጽዋርን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብባሕርን ብኣየርን ብቐጻሊ ናብ ኤርትራ ይጐዓዝ ከም ዘሎ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ኣሻቒልዎ ዘሎ ኩነታት እዩ’።
ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለያ ኣህጉራውን ዓለምለኻው ኣካላት፡ ግደ ኤርትራ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ምግዳዱ ስለ ዝኾነ፡ ሰራዊታ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ ከተውጽእ ይጽውዓን የጠንቅቓን ኣለዋ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ደማ ጉዳዮም ብሰላማዊ መንገዲ ከይፈትሑ ይዕንቅፍዎም ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ፡ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ምዃኑ ብምግላጽ ህግደፍ ኢዱን እግሩን ክእክበሎም ይምሕጸኑ ኣለዉ። ምምሕዳር ህግደፍ ግና ነቲ ደቁ ኣብ መሬት ትግራይ ዝሃልቁ ዘለዉ ህዝቢ ኤርትራኳ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ባህግና Bahgna 83፣ መግለጺ ፈጻሚ ሽማገለ ሰዲህኤ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገርን ህዝብን 14.09.2022
Written by ባህግና Bahgna MediaMedia
More...
ኤርትራዊት ኣትሌት ራሄል ዳኔል፡ ብ11 መስከረም 2022 ኣብ ኮሎምቢያ ከተማ ካሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ከም ዝተዓወተት ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።
ራሄል ዳኔል ነዚ ናይ 10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቀት ወዲኣ ቀዳመይቲ ክትከውን ዝወሰደላ ግዜ 23 ደቓይቕን 23 ካለኢትን ምዃኑን ካለኣይትን ሳልሰይትን ኮነን ዝኣተዋ ኬንያውያን ተወዳደርታ ከኣ ሞኒካ ንጊገን ቬረኒካ ንያሩዋን ምዃነን ተፈሊጡ።
ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ኣትሌት ራሄል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2022 እውን፡ ኣብ ኔዘር ላንድስ ኣብዚ ናይ 10 ሺሕ ሜትሮ ርሕቀት ብኤርትራዊት ኣትሌት ወይኒ ቀላቲ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ-ወሰን ኣመሓይሻ ብ30 ደቓይቕ 39 ካልኢት ብምእታው ሃገራዊ ክብረ-ወሰን ከም ዝዓተረት እቲ ዜና ስፖርት ሓቢሩ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንሰላማዊ መፍትሒ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ኣብ ክልሉ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዘተ ንምፍታሕ የኽእል ዝበሎ መግለጺ ብ11 መስከረም 2022 ኣውጺኡ። ኣብቲ ብመንገዲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ፡ ድምጺ ጥይት ዘይሰምዓሉ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ኣድላይ ዘበለ ኣገልግሎትን ሰብኣዊ ቀረብን ዘይስእነሉ ኩነታት ክፍጠርን ተዛማዲ ሕሰማትን ስቓይን ክውገደሉን ጽኑዕ እምነቱ ምዃኑ ኣስፊሩ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ዘተኣማምን መስርሕ ሰላም ክቕጽል ከም ዝድግፍ ጠቒሱ፡ ሓባራዊ ህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ምባል ክካየድን በዚ ኣቢልካ ምቹእ ናይ ዘተ ሰላም ኩነታት ንምፍጠርን ብወገን ክልል ትግራይ ቅሩብነት ከምዘሎ ሓቢሩ። ምሉእ ብምሉእ ነቲ ጸገም ብሰላም ናብ ምፍታሑ ክብጻሕ ደጋጊሙ ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ። ናይቲ በይናዊ መግለጺ ምውጻእ ቀንዲ ዕላማ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ምርግጋጽ ምኹኑ ድማ ኣስፊሩ።
መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ክልል ትግራይ “ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ውጽኢታዊ መስርሕ ንጽበ ኢና” ምስ በለ፡ ኣብቲ መስርሕ ኣብ ርእሲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብኽልቲኡ ወገናት ተቐባልነት ዝረኸቡ ኣዛተይቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ምትእምማን ኣብ ምህናጽን ዝተበጽሓ ስምምዓት ኣብ ምትግብራርን ዝሕግዙ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ከም ዝህልዉ ሓቢሩ። ኣብ ምውህሃድ እቲ መስርሕ ዝሕግዙ ኣማኸርቲ ከም ዝህልዉ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ እቲ መግለጺ ቀጻሊ፡ መፍትሒ ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብመንገዲ ዘተ ጥራይ ከም ዝመጽእ ንተኣማመን ኢና እውን ኢሉ።
ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ቀጺሉ ዘሎ ናብ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምብጻሕ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዘሎ ጸገም ብፖለቲካዊ ዘተ ምሉእ ብምሉእ ናብ ምፍታሕ ከም ዝብጻሕ ኣስፊሩ። ክልል ትግራይ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳአን ብእባልነት ዝርከብዎ ተዛታይ ኣካል ኣዳልዩ ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ።
ብወገን ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ ሓድሽ መግለጺ የለን። እንተኾነ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘይቅድመ ኩነታት ክዛተ ቅሩብ ምዃኑ ክገልጽ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘውጸኦ መግለጺ ነዚ ናይ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘይቅድመ ኩነት ብኣላይነት ሕብረ ኣፍሪቃ ክዛተ ድልዊ ምዃኑ ደጊፍዎ ኣሎ። ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ንመርገጽ ክልል ትግራይ ደጊፉ፡ ከምቲ ልሙድ ንሓድነት ኢትዮጵያ ከም ዝከላኸል ኣነጺሩ። ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ነዚ ናይ ክልል ትግራይ መገልጺ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኤርትራን ካለኦት ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘጋድዱ ወገናትን ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።