ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ፣ ብ6 ሕዳር 2022 ኣብ ከተማ ኦስሎ ብኣካል ተራኺቦም ዕዉት ኣኼባ ኣሰላሲሎም። ኣብዚ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብኣካል ናይ ምርኻብ ኣኼባ ኣኼበኛታት ኣብ ኩነታትን መደባትን ጨንፈር፣ ዞባን ሰልፍን ዘተኮረ ዓሚቊ ምይይጥ ኣካይዶም። ኣብ ኩነታት ጨንፈር ብምኽንያት ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ዘኸተሎ ምስንባድ፣ ብሓፈሻ ኩሉ መዳያዊ ኣኼባታት ብፍላይ ድማ ብኣካል ናይ ምርኻብ ዕድላት ንሓያለይ ግዜ ተኾሊፉ ብምጽንሑ፣ ናህሪ ቃልሲ ብኡ መጠን ኣብ ዘገምታ ወሪዱ ከምዝጸንሐ ተገምጊሙ። ብመንጽር እዚ ኣኼበኛታት ናህሪ ቃልሶም ኣብ ንቡር ክመልሱን፣ ምስ ጠለብ ኩነታት ሃገሮምን ህዝቦምን ከቃንዩን ንኹሉ ኣብ ቀረባን ርሑቅን ዘሎ ኣባል ጨንፈር ከሳትፍ ዝኽእል ኣገባብን ግዜን እንዳተመርጸ ጽዑቅ ኣኼባታት ክካየድ ከምዘለዎ፣ ነዚ ድማ መሪሕነት ጨንፈር ዝያዳ ዓቲቡ ክሰርሓሉ ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ።

ኣባል መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ዝኾነ ሓው ሙሴ ዓማር ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ፣ ንኣኸበኛታት ብዛዕባ ኩሉ መደባት፣ መምሪሕታትን ኣካይዳን ዞባ እኹል ዝርዝራዊ መብሪሂ ሂቡ። ተጋባእቲ ንዝተዋህቦም ሓበረታ ምርኩስ ብምግባር፣ ንትግባረ መደባት ዞባ ብዘለዎም ዓቅሚ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም፣ ንምሕያል ጨናፍርን ዞባን ብዝምልከት መሪሕነት ዞባ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ ዝበልዎ ናይ ስራሕ እማመታት እውን ኣቕሪቦም።

ብምቅጻል ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ፣ ንኣባላት ብዛዕባ እቲ ንሱ ንጨንፈር ወኪሉ ብኣካል ዝተሳተፎ ኣብ ዕለታት  23 24 25 መስከረም ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝተኻየደ ሰሚናር ሰልፍን፣ ብዛዕባ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክካየድ ተመዲቡ ዝስረሓሉ ዘሎ 4ይ ጉባኤ ሰልፍን፣ ንዕዉት ኣተገባብራ ናይዚ ጉባኤ ብዝምልከት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፍን፣ ፍሉይ ኣሰናዳዊ ሽማገለ ጉባኤን ሓንጺጾምዎ ዘለዉ መደባትን ናይ ስራሕ ኣከፋፍላን ብዝምልከት መብሪሂ ሂቡ። ኣባላት ጨንፈር ብወገኖም ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብ ጎድኒ መሪሕነት ሰልፎም ምህላውዎም ኣረጋጊጾም። ብመሰረት እቲ ኣብ ሰሚናር ፍራንክፎርቲ ዝተበጽሐ ናይ ሓባር መረዳእታን ገምጋምን ድማ ሰልፍና ክሕይልን ሓዪሉ ንቅድሚት ክሓንንን ኣብ መንጎ ጨናፍርን፣ ዞባን ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፍን ዘሎ ሰንሰለታዊ ርክብ ሓያልን ህያውን ክኸውንን፣ ዝያዳ ኣብ ፖለቲካዊ መደባት ዘድሃበን ክኸውን ከምዘለዎን ተላብዮም።

ኣኼበኛታት ኣብ መወዳእታ ንመጻኢ ግዜ ዝራኸቡሉ ዕለተን ሰዓትን ስሩዕ ኣኼባ ብሓባር ወሲኖም ተሰናቢቶም።     

ዓወት ንዲሞክራስያውን ህዝባውን ቃልስና!

ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብጉልባብ ልምዓት ዝእክቦ 2% ካብ ኣታዊኦም ንክምርመር ኣባላት ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ከም ዝሓተቱ ዘጋርዲያን ገሊጹ። እቶም ኣባላት ፓርላማ እቲ ዝእከብ ገንዘብ ህግደፍ ኣብ ውግእን ዞባዊ ህውከትን የውዕሎ ከም ዘሎ ዝሓደሮም ስግኣት ገሊጾም

ዘጋርድያን ኣብቲ ዘሃውስ ኦፍ ሎርድስ” ብምጥቃስ ዘቕረቦ ሓበሬታ፡ እቶም ኣባላት ፓርላማ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብጉልባብ 2% ዝእከቦ ገንዘብ ብደቂቕን ወግዓውን ንክምርምሮ ከም ዝጸውዑ ኣስፊሩ። ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ብሪታንያ ብዛዕባቲ ክሳብ ሕጂ ብህግደፍ ብዘይሕጋዊ መንገዲ  ካብ ኤርትራውያን ዝተኣከበ ገንዘብ ኣፍልጦ እንተልይዎ ንፓርላማ ክሕብር  ጸዊዖም።

ኣብቲ ዜና ከም ዝተጠቕሰ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብኤምባሲታቱን ካልኦት ኣካላቱን ኣቢሉ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝእክቦ ገንዘብ፡ ንዳግመ ህንጻ ሃገር እዩ ዝብል’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቃሉ ጸኒዑ ኣብ መዓልኡ ከምዘየውዕሎ ኣቃሊዑ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፤ ኣቐዲሙ እውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ እቲ ናብ ኤምባሲ ኬድካ ብቕሉዕ ምኽፋል’ኳ እንተነከየ፡ ብዘይቅሉዕ መንገድታት እቲ መስርሕ  ምእካብ ከምዘይተረፈ እቶም ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ከም ዝሓበሩ እቲ ዜና ሓቢሩ። 

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብሕፈሻ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ካብ ዘጋጥም፡ ብፍላይ ድማ እቲ ምስሕሓብ ናብ ደማዊ ውግእ ምስ ተሰጋገረ፡ ኤርትራውያን ብዛዕባኡ ክንመያየጥን መርገጻትና ኣብቲ ጉዳይ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና። ክሳብ ክንድዚ ከም ኣጀንዳና ክንሕዞ ዘገደደና ከም ጐረቤት ስለ ዝጸልወና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘይጉዳዮም ኣትዮም ዝረገፍሉ ስለ ዝኾነን ህግደፍ ኣብ ዝኣተዎ ኣቲና ተግባራቱ ከነቃልዕ ናይ ግድን ስለ ዝኾነን ኢና።

ናይ ህግደፍ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ምእታዉ፡ ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ኣመዛዝናኡ ክፈላልየና ከም ዝጸነሐ  ንኹልና ብሩህ እዩ። ኣብ መንጎ እቶም፡ በቲ ሓደ ወገን “ትግራይ ትስዕር” በቲ ካልእ ወገን ድማ “ምስ ሰራዊትና” ክጭርሑ ዝጸንሑን ጌና ዘለዉን  ዝተራእየ ምውጣጥ ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ “ብዘይካ ናተይ ካልእ ቅኑዕ ምርጫ የለን” ክብል ዝጸነሓ ናይ ብዙሓት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ዝቐየረ ናይ ኣተሓሳስባ ምውጣጥ  እንፈልጦ እዩ። እዚ ናይ ፕሪቶርያ ናይ ሰላም ስምምዕከ ኣብ ኤርትራውያን ሓድሽ ኣሰላልፋዶ የምጽእ ኣየምጽእን ድማ ኣብ መጻኢ እንርእዮ እዩ፡  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ ሳልሳይ ጠቕላላ ጉባአኡ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻቱ ዘንጸባረቖም ሓሳባትን ብዝተፈላለዩ ትካላቱ ብዘመሓላለፎ ውሳነታትን እቲ መፍትሒ ኣብቲ ጫፋት ከምዘየለ ተገንዚቡ ብኣጋኡ ሰላማዊ መፍትሒ ኣሚቱ እዩ።

እቲ ውግእ ምስ ጀመረ ከይደንጐየ፡ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ: ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ መንግስታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን፡ ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና፣ ብፍላይ ድማ፡ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ  ምሕጽንታኡ የቕርብ።  ዝበሎ ምስዚ ሎሚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን በጺሖሞ ዘለዉ ስምምዕ ሰላም ኣገናዚብካ ክረአ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ኣርሒቑ ዝጠመተ  ርትዓዊ ርኢቶ ከም ዝነበረ ምርዳኡ ኣየጸግምን። ሽዑኳ  ከምቲ ዝድለ ሰማዒ እንተዘይነበሮ፡ ሎሚ ናብኡ ምምላሶም ምሉእ ዳኣ ይግበሮ እምበር፡ ዘሓጉስን ዝድገፍን እዩ።

ብዛዕባቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ኣፍካ መሊእካ ንምዝራብ ናይቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ሰብ ጉዳይ ዝርዝር መብርሂታት ምጽባይ ዘድልዮ እዩ። ብውሕዱ ግና “ንወያነ ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፋእ” ዝብል ጭረሖ ኣምሪሑ፡ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተዓራሪኹ፡ ናብ ፖለቲካዊ ማዕበል ኢትዮጵያ ኢዱ ሰዲዱ ኣብ ውግእ መንእሰያት ኤርትራ ዘወደአ ህግደፍ ቀዳማይ ተሰዓሪ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ምኽንያቱ ወያነ ቅድም ብውግእ ደሓር ብስምምዕ ሰላም ህልውናኡ ስለ ዘውሓሰ። ኣብቲ ኢሳያስ እንተተኻኢሉ ከይካየድ፡ እንተተኻይዱ ድማ  በዓል ጉዳይ ኮይኑ ኣትዩ ከምክኖ ከንባህቖሉ ዝጸንሐ ዘተን ስምምዕን፡ ስም ኤርትራ ዘይምጥቃሱ፡ ናይ ህግደፍ ክብደትን ተፈራሕነትን ዘርኢ ኣይኮነን። ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ዝጸንሐ  ዘራጊቶ ምዃኑ ከም ዝተመዝነ ዘርኢ እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ወያነ ክሳብ እትጠፍእ ንዋጋእ” ዝብል ሃላሊ ምኽሪ ኢሳያስ ዘየዋጸኦ ምዃኑ ፈሊጡ፡ ዘዋጸኦ መንገዲ ዘተን ሰላምን ምምራጹ እውን ካልእ ህግደፍ ከም ዝተሳዕረ ዘርኢ መረዳእታ እዩ። በቲ ስምምዕ መሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ሓላው ዶብ ሰራዊቱ ምስ ኣስፈረኸ፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ከም ዝጸንሐ ይርደኦዶ ይኸውን?፡  ከምዛ ሓጻር ጣፍዶ ምሉቕ ኢሉ ይወጽእ ወይ ኣንጻርቶም ከእንግዶም ዝጸንሐ ሰራዊት ፈደራል ይዋጋእ ክረአ እዩ። መሓዙቱ ፋኖ ግና በቲ ስምምዕ ከምኡ ቆዘምቲ ምዃኖም ምልክታት የርእዩ ኣለዉ። እቲ ሓቁ እምበኣር “ክረኣያ ክብላስ  ይእረያ” እዩ።

ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ወገናት ናብቲ ዘተ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ሒዘሞ ዝቐረቡ ርኢቶታት ዝተረሓሓቐ ምንባሩ ዝተዓዘብናዮ እዩ። እቲ ዝኸተምዎ ስምምዕ ግና ንናይ ሓዲኦም ርኢቶ ጥራይ ዘንጸባርቕ ዘይኮነ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝተወስደ መዋጸኦ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ምዝታይ ማለት እንካን ሃባን ሰለ ዝኾነ። ምስዚ ኩሉ ብክልቲኦም ወገናት ሰለምንታይ ናትና ርኢቶ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ስምምዕ ተቐባልነት ኣይረኸበን ዝመንቀሊኡ ተቓውሞ ከም ዘጋጥሞም ዝጽበይዎ እዩ። ስለዚ ካብቲ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝኸፈልዎ ዋጋ ዘይንእስ፡ ተቐቢሉ ዘተግብር ባይታ ንምፍጣርን ውሑስን ቀጻልን ሰላም ንምርግጋጽን ካብ ምምካት ሸርሕታት ህግደፍ ጀሚርካ ዝጽበዮም ሓያል ብደሆታት ከም ዝህሉ ምልክታት ይቕልቀል ኣሎ።  

በቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ እገለ ከሰበ እገለ ከሰረ ዝብሉ ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ በዚ ውግእዚ እናሞተን እናተቐንዘወን ዝመጸ ህዝቢ ቀንዲ ተረባሒ ናይዚ ስምምዕ ክኸውን እዩ።  በዚ መንጽር ብልኡላውነት ኤርትራ እናተመጻደቐ ልኡላውነት ካለኦት ምድፋር ከም ሓላል ዝወስድ ህግደፍ ምስቶም ኣስኪርዎም ዝጸንሐ ኣካላት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ከሳራይ እዩ። እቶም ተዛትዮም ኣብ ስምምዕ ዝበጽሑ ወገናት ግና ብሚእታዊት ሓሲብካ እገለ ክንድዚ ከሲቡ እገለ ድማ ክንድዚ ከሲሩ ዝበሃሃሉ ዘይኮኑ፡ ብውሕዱ ዋላ ንሓንቲ ማዓልቲ ትኹን ህይወት ወገናቶም ካብ ህልቂት ብምድሓኖም  ከሰብቲ እዮም። ማእከላይ ነጥቢ ስምምዖም ሕገመንግስቶም ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ኣብቲ ክኾነሎም ክምነይዎ ዝጸንሑ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ክኸውን ዝግበኦ እዮም ተሰማሚዖም ዘለዉ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክልተ ዓይኒ ምርኣይ ኣይቅኑዕን እዩ። ምስዚ ኩሉ እቲ ጉዳይ፡ ቀንዲ ዋኒን ኢትዮጵያውያን እዩ። ኤርትራውያን ድማ ቀዳምነትና ኣጽኒዕና ዋኒንና ንግበር።

ህዝቢ ትግራይ ንኹሉ ዘጋጠሞ ሞት፡ ምምዝባል፡ ጥሜትን ብኩራት መሰረታዊ ነገራትን ተጻዊሩ ስኑ ነኺሱ ፈልከት ከይበለ ኣብ ጐኒ ደቁ ኮይኑ ዘርኣዮ ጽንዓትን መኸተን ኣብዚ ስምምዕ ንምብጻሕ  ኣስተዋጸኦኡ ልዑል ሰለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ጥልመትን ብደዐን ህግደፍ ንምስባር ክመሃረሉ ዝግበኦ ተመኩሮ  እዩ። ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ እውን ካብዚ ጌና ኣብ መስርሕ ምትግባር ብደሆታት ዝጽበዮ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያውያን፡ ንመሃሮ ሕድገትን ምጽውዋርን ከም ዝህሉ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣብ ደውታ ኣትዩ ዝጸንሐ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር መድረኽ፡ ኣበራቢርና ናብ ግብራዊ ስራሕ ንእቶ። እንተ’ቲ “ቀጻሊ ሰላም  ብዘተ’ምበር፡ ብወግእ ኣይረጋገጽን” ዝብል ሓሳብ ህያው እዩ።

Saturday, 05 November 2022 21:26

Dimtsi Harnnet Sweden 05.11.2022

Written by

ስእሊ: መርበብ ሓበሬታ ሰቲት

ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ 2022፡” ዝተሳተፈት ኤርትራዊት ወይዘሪት ኣይዳ መብራህቱ፡ ተዓዋቲት ወይዘሪት ኣፍሪቃ ከም ዝኾነት ብዙሓት ማዕከናት ዜና ኣረጋጊጸን። ኣብ’ቲ ብርኪት ዝበላ ኣፍሪቃዊያን መንእሰያት ደቀ-ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ፡ 4 ሕዳር 2022  ዝተኻየደ ውድድር እያ ኣይዳ ተዓዊታ።

ኣይዳ መብራህቱ  ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት፡  መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ  ዓወት፡ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተማህረት፡ ከም ኩሎም ኤርትራውያን ተመሃሮ ብህግደፍ ተገዲዳ ኣብ መበል 25  ዙርያ ናብ ወተሃደራዊ መደበር ሳዋ ዝተወስደትን ኣብ ኮለጅ ስነ-ጥበብ ዓዲ ቀይሕ ድማ  ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ከም ዝተማህረት  ድሕረ-ባይታኣ ይገልጽ።

ኣይዳ መብራህቱ ከም ኩሎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብ2016 ናብ ስደት ኣምሪሓ። ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣብ ዓውዲታት ስነ ልቦናን  ምምኽኻርን ትመሃር ዘላ መንእሰይ እያ።

ወለዲ ናይቶም ካብ 2019 ጀሚሮም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሶማላውያን ወተሃደራት፡ መንግስቶም ናብ ሃገሮም ንክመልሶም የጨንቕዎ ከም ዘለዉ፡ ኤረና ንመርበብ ሶማሊ ጋርድያን/ Somali Guardian  ብምጥቃስ ሓቢራ። እዞም ወለዲ ብ17 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ብፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝምራሕ መንግስቲ ሶማሊያ፡ ነቶም ንስልጠና ተባሂሎም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ 5ሺሕ መንእሰያት ቀልጢፉ እንተዘይመሊስዎም ተቓውመኦም ከም ዘዛይዱ ኣፍሊጦም።

እቶም ሶማላውያን ወለዲ፡ ነቲ ፕረሲደንት ሸኽ ማሕሙድ ንምርጫ ክወዳደር እንከሎ እንተተመሪጹ ደቆም ካብ ኤርትራ ክመልሰሎም ምዃኑ ዝኣተዎ ቃል ብምጥቃስ እዮም ተቓውመኦም  ዘስምዑ ዘለዉ። ኣብቲ ምልክታኦም ካብቶም ሶማላውያን መንእሰያት ዝሙቱ፡ ኣካሎም ዝጐደሉን ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘጋጠሞምን ከም ዘለዉ እውን ጠቒሶም።

እቲ ናይቶም ወለዲ ሻቕሎት ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ኣብ ናይ ሶማሊያ መዲያታት እቶም ሶማላውያን ወተሃደራት ምስ ኤርትራውያን ናብ ውግእ ትግራይ ኣትዮም ዝብል ዜናታት ምስ ተቓለሐ እዩ።

ፕረሲደንት ሶማሊያ ስልጣን ምስተረከበ፡ ብጉዳይ እዞም መንእሰያት ናብ ኤርትራ ከይዱ ረኺብዎም ነይሩ። ብድሕሪኡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስ ገሸ ድማ፡ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ኩነታት ርጉእ ኣይኮነን ብዝብል ጉልባብ ናብ ዓዶም ክምለሱ ክፈቕደሎ ቅሩብ ከይዘይኮነ ጠቒሱ ነይሩ። ምስዚ ብዝተተሓዘ መንግስቲ ኣሜርካብ ኣብ ምምላስ እዞም መንእሰያት ክትተሓባበሮ እውን ተማሕጺኑስ ኣሜርካ እውን ቃል ኣትያትሉ ምንባራ ዝዝከር እዩ። ብዛዕባዚ ሓድሽ ምልዕዓል ናይቶም ወለዲ ግና ዝኾነ ነገር ከምዘይበለ እቲ ካብ መርበብ ሶማሊ ጋርድያን/ Somali Guardian  ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

Friday, 04 November 2022 00:17

Dimtsi Harnnet Kassel 03.11.2022

Written by

EPDP Magazines