Thursday, 09 November 2023 21:14

Dimtsi Harnnet Kassel 09.11.2023

Written by

ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱን  22 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ዝተፈርደ ያቆብ ገ/መድህንን

ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛን መስራትን ተለቪዥን ኣሰና፡ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ጉድኣት ከውርድ ዝፈተነ ዕሉል ደጋፊ ጉጅለ ህግደፍ ያቆብ ገብረመድህን 22 ኣዋርሕ ንክእሰር ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝበየነ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ሓቢረን።

ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባቲ ተረኽቦ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ዕሉል ደጋፊ ህግደፍ፡ ካብ ብሪጣንያ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሸሉ፡ “ክቐትለካ እየ” ዝብል ናይ ቴለፎን መልእኽቲ ሰዲድሉ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ እዚ ገበነኛ ኣብ 2019 እውን ኣብ ልዕሊ ኣማኑኤል ብደረጃ ጉጅለ ጉድኣት ብምውራድ ተኸሲሱ፡ ናብ ኣማንኤል ገጹ ከይቀርብ ተኣዚዙ ነይሩ።  እንተኾነ ነቲ ትእዛዝ ብዘይምኽባሩ 5 ኣዋርሕ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።  ድሕሪ እዚ ናብ ቤት ፍርዲ እንዳተመላለሰ ክሱ ክከታተል ምስ ጸንሐ እዩ ብ7 ሕዳር 2023፡ 22 ኣዋርሕ ንክእሰር ተፈሪድዎ።

ያቆብ ገብረመድህን ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደስ፡ ጋዜጠኛ፡ ተመራማርን ደራስን ማርቲን ፕላውት እውን መጥቃዕቲ ክፍጽም ፈቲኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

አቶ ዓለም ገብረ ዋህድ፡ ወ/ሮ ሊያ ካሳን ኣቶ አማኑኤል አሰፋን

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣርባዕተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ መንግስታዊ መዝነቶም ከም ዘውረደ ማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ሓቢረን። እቶም ካብ መዝነቶም ዝወረዱ፡ ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ ብመዓርግ ምክትል ፕረሲደንት፡ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ፕረሲደንት ናይ ህዝባዊ ውደባ ኣማኻሪ፡ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት፡ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ኣማሓዳሪት ዞባ ደቡባዊ ምብራቕን ኣቶ ተኽላይ ገብረመድህን ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብን ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኣቶ ጌታቸው ናብዞም ካብ ሓላፍነት ዝወረዶም ሓለፍቲ ብ25ን 26ን ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ስንብታ ደብዳበ፡ ነቲ ከበርክትዎ ዝጸንሑ ኣመስጊኑ መውረዲኦም ምኽንያት ግና ከምዘይጠቐሰ ተፈሊጡ። ብደረጃ ውድብ ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ክኸውን እንከሎ እቶም ሰለስተ ድማ  ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ  ህወሓት እዮም።

ብዘይካዚ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት እውን፡ 6ተ ብደረጃ ዞባ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነቶም ከም ዘውረደ ዝዝከር እዩ

ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ኩምሳ ደሪባ/ጃል መሮ (ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

 “ጃል መሮ” እናተባህለ ዝጸዋዕ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኩምሳ ደሪባ፡ ዝሳተፈሉ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር 2ይ ዙር ዘተ ብ7 ሕዳር 2023 ኣብ ኣብ ከተማ ዳረሰላም-ታንዛንያ ከም ዝተጀመረ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢራ።

እቶም ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ፡ ኩምሳ ደሪባ፡ ብሓገዝ ነቲ ዘተ ዘሳልጡ ዘለዉ ወጻእተኛታት እዩ ካብ ወለጋ መዓርፎ ነፈርቲ ደንቢደሎ ናብቲ  ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ንመጀመርያ ግዜ ብኣካል ዝተራኸብሉ  ቦታ ተወሲዱ። ካልኦት ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ ከኣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዛተ ኣካል፡ ጀነራል ጌታቸው ጉዲና ብዝበሃል ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝምራሕ እዩ።

ኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝገለጸቶ፡ ቅድሚዚ 2ይ  ዙር ዘተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ላዕለዎት ኣዘዝቲ  ክልል ኦሮሞን ክልተ ካብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ብስቱር ክዛተዩ ከም ዝጸንሑን ዘተኦም ኣውንታዊ ውጽኢት ከም ዝነበሮን ተሓቢሩ። እቶም ኣብቲ ናይ ቅድመ-ወግዓዊ ርክብ ዝተሳተፉ ኣካላት እንተደኣ እዚ 2ይ ዘተ ተዓዊቱ ኣብ ምክታም ስምምዕ ተበጺሑ ኣብቲ መድረኽ ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

ዞባዊ ትካል ኢጋድ ካብቶም ቀንዲ ኣቀራረብቲ ናይዚ 2ይ ዙር ዘተ ኮይኑ፡ ናይቲ ትካል ፈጻሚ ዳይረክተር ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ክልቲኦም ወገናት ጥቡቕ ርክብ ስለ ዘለዎ፡ ናይቲ ርክብ ናይ ምዕዋት ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ እቶም ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ይግምቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2023 ኣብ መንጎ እዞም ኣካላት ዝተኻየደ ቀዳማይ ርክብ፡ ኣብ ስምምዕኳ እንተዘይበጽሐ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጽታት፡ እቲ ርክብ ኣንታዊ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ ከም ዝቕጽልዎ ቃል ምእታዎም ዝዝከር እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ውዕል ሰላም ከቲሙ፡ ሎሚ ድማ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዘተ ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከኣ ኣብ ሓያል ውግእ ኣትዩ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብጉዳይ ህጻናት ዝግደስ ትካል ዩነሴፍ፡ ሕብረተሰብብ ዓለም ህጻናት ሱዳን ካብቲ ብሰንኪ ውግእ ዝሓልፍዎ ዘለዉ መከራ ንምድሓን ኣባርክተኦም ከሕይል ጸዋዒት ኣቕሪቡ። ናይቲ ትካል መግለጺ ኣተሓሒዙ “ህጻናት ሱዳን ብሰንክ’ቲ ዘይፈጠርዎ ውግእ ከቢድ ናይ ህይወት  ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ’ውን” ኢሉ።

መግለጺ ዩነሴፍ ኣተሓሒዙ ኣብዚ እዋንዚ ሱዳን ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ ቁጽሪ ህጻናት ዝተመዛበሉላ ሃገር ኮይና ከምዘላ ኣስፊሩ፡ 3 ሚልዮን ህጽናት ካብቲ ዝወርዶም ዘሎ ግህሰት ንምድሓንን መግቢ፡ ውሑስ መዕቆብን ጥዕናን ንምርካብን ኣብ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጽእን ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ይሃድሙ ከምዘለዉ  ጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን 14 ሚልዮን ህጻናት ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓን ሰብኣዊ ሓገዝ ይደልዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ። መብዝሕትኦም ኣብ ትሕቲ ናይ ሞት፡ መቑሰልትን ግዱድ ዕስክርናን ሓደጋ ዝነብሩ ዘለዉ እዮም። እቲ ጸገም ጾታዊ ዓመጽ እውን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ብፍላይ ድሕሪ ውግእ ኣብ ካርቱም፡ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ምሕያሉ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ህጽናት ዝወርድ ዓመጽ መሊሱ ይገድድ ከም ዘሎ እቲ መግለጺ ኣቃሊዑ።

ኣብዚ እዋንዚ 19 ሚልዮን ህጽናት ሱዳን ካብ መኣዲ ትምህርቲ በዂሮም ኣለዉ። እዚ ከኣ ሱዳን ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ትምህርታዊ ቅልውላው ዝወደቐት ሃገር ኮይና  ተመዝጊባ ኣላ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዩነሴፍ ኣብ ሱዳን ኮነ ጐረባብቲ ሃገራት ህይወት ህጽናት ንምድሓን ናይ ጽሩይ ማይ፡ ሕክምና፡ መግቢ፡ ውሑስ መጽለልን ትምህርትን ሓገዝ ይገብር ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ናይ ቀረብ ሕጽረት ከም ዘጋጠሞ   ኣፍሊጡ።

ብዘይካዚ ከም ናይ ኮሌረላን ዓሶን ዝኣመሰሉ ሕማማት ኣብ ሱዳን የስፋሕፍሑ ስለ ዘለዉ፡ በዚ ሓደጋ ይጥቅዑ ካብ ዘለዉ ህጻናት መብዛሕትኦም ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ዩነሴፍ ኣስፊሩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ኤርትራ፡  ህዝብና ብዘተኣማምን ዋና ጉዳዩ ክኸውን ዘይምብቅዑ ካብቶም ጐሊሖም ክረኣዩ ዝጸንሑን ዘለዉን ተርእዮታት እዩ። እዚ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከጋጥም እትጽበዮ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ዕላማ ገዛእትን ባህጊ ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ክኾኑ እሞ ኣብቲ መስርሕ ህዝቢ ወሳኒ እጃም ክህልዎ ዘይትጽበዮ ስለ ዝኾውን። ብፍላይ ኣብ መግዛእታዊ ተመኩሮና፡ ሓይልታት መግዛእቲ  “ኤርትራ፡ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ክሳብ ምባል በጺሖም ከም ዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ  እዩ። ናይ ሽዑ ታሪኽ ከም ዘረደኣና ከኣ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረን ህዝቢ ኤርትራ ስኑ ነኺሱ ንኽቃለስ ዘገደዶን እዚ ናይ ገዛእቲ ወራሪ ብደዐን ጥልመትን  እዩ።

ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዝእ ጉዳዩ ጓና ምዃን ድሕሪ’ቲ ብቓልሱ ዘውሓሶ ናጽነቱ ምቕጻሉ  ድማ  ንፖለቲካዊ ተመኩሮ ኤርትራ ፍሉይን ዘይንቡርን ዝገብሮ እዩ። እዚ ከጋጥም ከም ምኽንያት ካብ  ዝውሰዱ “ደቅናሲ ከም ገዛእቲ ኣይክጠልሙናን እዮም” ዝብል ካብ ቅንዕና ዝነቅል እምነት  ህዝብና ከም ዝነበረ ምግማቱ ኣየጸግምን። ህግደፍ ብኣንጻሩ፡ ነቲ ህዝቢ ዘንበረሉ እምነት  እዩ ጠሊምዎ።  ህግደፍ ብዘይንሕስያ፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመረጾ መሪሕነት፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ልዕልና ፍትሕን ክነፍጎ ምስ ኣስተውዓለ ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ጥልመት ከይሳዕረረ “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብ ዘይትኣምን ተመለስ” ከም ዝባሃል፡ ብዓንተቦ ክበራበር ነይርዎ። ከምኡ ዘይምግባሩ ድማ እነሆ ክሳብ ሎሚ ንብዙሓት ዘገረመ ኩለ መዳያዊ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጠላም ኣካይዳ ህግደፍ ብስቕታ ዝሓለፎን ዝሓልፎ ዘሎን፡ ስለ ዘይተረድኦ ወይ ስለ ዘየሕመሞ እዩ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣገዳስነት ልዕልና ሕጊ፡ ካብ 50ታታት ጀሚሩ ድማ፡ ኣንፈት ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ትርጉም ምርጫ፡ ወሳንነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ዝተረደአ ስለ ዝኾነ። ኣየሕመሞን ከይበሃል ከኣ፡ እቲ ጭቆናን መሪር ሳዕቤናቱን፡ ማዕጾ እንዳ ኹሉ ኤርትራዊ ስድራቤት ዝኩሕኩሕን  ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ዝዘርግን ዘሎ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ “ህዝቢ ኤርትራሲ ስለምንታይ እዩ ነዚ ኩሉ ወጽዓ ጉጅለ ኢሳያስ ዝዕገሶ?”  ዝብል ብተደጋጋሚ ዝለዓልን መልሲ ክትረኽበሉ ዘጸግምን ሕቶ ዝኸውን።

እቲ ዝያዳ ዘገርም ከኣ ናይቲ ዝበዝሐ ካብ ህዝብና “ርኢኻ ከምዘይረኣኻ” ኮይንካ ርእስኻ እናነቕነቕካ ስቕታ ምምራጽ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ዘደንጹ፡ ነዚ ብዝኾነ መለክዒ መዚንካ ጥዑይ ዘይትረኽበሉ ምምሕዳር ናይቲ ጉጅለ ኣጸባቢቖም ዘቕርቡን ዝሕለቑን ኤርትራዊ ወገናት ምህላዎም እዩ። እዞም ህግደፍ፡ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባራት ክፍጽም፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ጣልቃ ኣትዩ ኤርትራዊ ህይወት ክህልቕን ንብረት ከብርስን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ቤተሰቦም ከይተረፈ ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ገበናትን ክፍጽም እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ዓገብ ምባል “ንኺድ ጥራይ”  ዝብልዎ ወገናት ምህላዎምሲ ምስምንታይ ይቑጸር!!!። እዞም ብዛዕባ መሰልካን ናጽነትካን ምሕሳብ ዘዋደቕዎ ኣካላት ክንድታ ንእኩይ ተግባራት ህግደፍ ዘጸባብቕዋን ዕድመኡ ክነውሕ ዝልምንሉን፡ ካብ ባህግን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝርሓቑ ክግንዘቡ ይግበኦም። ነዚ ተግባሮም ግዜ ምስ ኣፍቀደ ዝሕተትሉ ምዃኖም ተረዲኦም፡ ሕጂ እውን መስዩ እምበር ስለ ዘይዓረበ ሕሳቦም ክገብሩ ደጊምና ነዘኻኽሮም።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ካብ ተመኩሮኡ ዘይመሃርን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዋኒኑ በዓል ጉዳይ ምዃኑ ዘይስቆሮን፡ ገታርን ጠላምን ምምሕዳር ህግደፍ፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈጥሮ ቀጻሊ ራዕድን ህውከትን ኣይወጸን። ብደረጃ ዞባ እውን ብርኡይ ህውከት ክጽሕትርን መጣፍእቲ ዝኾንዎ መሻርኽቲ ከናድን ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ዝርአ ዘሎ ምዕልባጣት ኣሉታዊ ሳዕቤን  ከፋል ዕዳ ንሱ ምዃኑ ተረዲኡ “ባዕሉ ይፈልጥ” ብዝብል ክሓልፎ ኣይግበኦን። ራህዋ እናተጸበየ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ናይቲ ጉጅለ፡  ናብ ዝገደደ ደልሃመት ይሽመም ከም ዘሎ ከኣ ከስትውዕል ይግበኦ። ምስትውዓል ጥራይ ዘይኮነ ንዓኡ ዝምጥን ህዝባዊ እምቢታ ከርኢ ይግበኦ። እቲ እምቢታ ክሳራታት ከም ዘለዎኳ  ፍሉጥ እንተኾነ፡ እቲ ስቕታ እውን ዋጋ ካብ ምኽፋል ከምዘየድሓኖ ዝረአ ዘሎ  እዩ።

ካልእ ይትረፍ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ፡ ቀንዲ ሃንዳሲኡ ህግደፍ ምዃኑ ዘይስሓት “ሰሓቦ ጉተቶ”፡ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፤ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ዝብልዎ፡ ቀንዲ ተሓተቲ ህግደፍን መዳምቕቱን ምዃኖም ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ባዕሉ  ኣብቲ ናይ “ተደሚርና ኢና” ወደኽደኽ ህዝቢ ኤርትራ ክዕዘቦ ዝጸንሐ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ኣብ ኣስመራስ ወረ “ተደሚርና ኢና፡ ሓደ ኮይንና ኢና” ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ተወሲኽዎ ነይሩ እዩ። ብዛዕባዚ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን ዘሎ ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተሓታትን ቀንዲ መሳወርን ምዃኑ ናይ ነዊሕ ግዜ ተዘክሮ ዘለዎምን ብቐረባ ዝፈልጥዎን ነባራት ኢትዮጵያውያን ፖለቲኸኛታት ከይተረፉ፡  ምስክርነቶም የቐርቡ ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ክንዲ “ባዕልኻ ኢኻ ተሓታቲ” ኢልካ ምውጣሩ፡ ነቲ ምዕልባጡ ከተማኻንየሉን ከተጸባብቐሉን ምፍታን ቅቡል ኣይኮነን።  ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ንጭቆና ተለማሚድካ መዕንደሪ ወጽዓን ወጻዕትን ምዃን ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ ናጽነት ዘምጸአ ንያቱን ሓቦኡን ከሕድሶ እዋኑ እዩ።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ህግደፍ ንምቅላዕን ንምስዓርን ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ፡ ካብቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ኣቕጣጫ ብዝያዳ ሓድነት ከበርኽዎ ክጽዕቱ ይጽዉዑ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣበርክቶ ናይዞም ተቓወምቲ፡ ንግደኡ ዘራጉድ እምበር ዝትክእ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ብምዕልባጥ ህግደፍ ከይተዓሸወ፡ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ቃልሱ  ንከሕይል ከም  ወትሩ መጸዋዕታና እዩ።

Sunday, 05 November 2023 14:06

Dimtsi Harnnet Sweden 04.11.2023

Written by

 ገዲም ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን፡ ዓርቢ 3 ሕዳር 2023  ብሕማም ምኽንያት ከም ዝዓረፈ ተረዲእና ብመሪር ሓዘን ተቐቢልናዮ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን ስለ ናጽነትን ሃገራዊ ክብርን ኤርትራ ዘበርከቶ ሰፍ ዘይብል ተወፋይነትን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ ሰፊሕ ኣገልግሎትን እናዘከረ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፋልነቱ ይገልጽ።

ተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን፡ ካብ ስሳታት ጀሚሩ ኣብ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ኤርትራ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ1971 ኣብ እዋን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ናብ ሜዳ ክስለፍ እንክሎ፡ ኣብ ኢጣልያ ብመሃንድስነት ትምህርቱ ኣጠናቂቑ፡ ኣብ ፊያት ካምፓኒ ተቖጺሩ ጀሚርዎ ዝነበረ ስራሕ ጠንጢኑ እዩ ተሰሊፉ። ድሕሪ ምስላፉ ኣብ ሃገራዊ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተሓኤ፡ ኣውራ ድማ ኣብ ምምሕዳር ጸጥታ፣ ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት፣ ኣብ ክፍሊ ምርምርን መጽናዕትን፣ ኣብ ዜናዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ብዓቢ ብቕዓትን ብተወፋይነትን ኣገልጊሉ። ሓው ኸሊፋ ዑስማን ብዕምቈት ፍልጠትን፡ ብስፍሓት ፍልስፍናዊ ርእይቶን ዝፍለጥ፡ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ብፍላይ ድማ ዓረበኛ ዝመልኽ ዓቢ ናይ ስነ-ጽሑፍ ክኢላ ተቐላሳይ ምንባሩ ዝምስከረሉ እዩ።

እንሆ እዋን ኣኺሉ፡ ኣብታ ምሉእ ዕድሜኡ ዝኸፈለላ ሃገር፣ ምስቲ ምሉእ ዕድሜኡ ዘገልገሎ ህዝቢ፣ ኣብ ናጻ ኤርትራ ህይወት ከስትማቕርን መሬት ሃገሩን ከረግጽ ዝተነፍገ ተጋዳላይ ኮይኑ ኣብ ግዳም ዓሪፉ ኣሎ።

ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ኸሊፋ፡ ዑስማን ኣብ መላእ ስድራቤት፣ ቤተ ሰብን፡  መቓልስቲ ብጾቱን፡ ወሪዱ ዘሎ ሓዘን፡ ከቢድ ምዃኑ እናተረዳኣና፡ ኣኻእሎን ጽንዓትን ይሃብኩም ይሃበና፡ ጠሉ ይግደፈልኩም ንብል።

ንተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን ከኣ መንግሰተ ሰማይ የዋርሶ!  

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር

Thursday, 02 November 2023 22:02

Dimtsi Harnnet Kassel 02.11.2023

Written by