ሓሳባትን ርእይቶን ሂወታዊ ባህርያዊ ነጻነት ናይ ወዲ-ሰብ ኮይኑ፡ ሰብ ከማኻ ን32 ዓመት ሕዋሳትካ ከምክኖም ክልተ ሞት’ዩ።
ዝኸበርካ/ኪ ኤርትራዊ/ት፡ ኣርእስተይ ተኸቲለ ሓሳባተይ ክገልጽ እንከለኹ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰበይ ምስታ ዝፈትዋ ሃገረይ ሕልናዊ ዕረፍቲ ክህበኒ እንከሎ፡ ብርእሰተኣማንነት ሓበንን ክብርን ይስመዓኒ። እዚ ከኣ ነፍስ-ወከፍ ወዲ-ሰብ ንክብሪ ሰብኣውነቱን ንክብሪ መንነቱን “ ኣነ - ኣነ እየ “ ምስ በለ፡ እቲ ሓቀኛ መግለጺኡን እቲ ናይ መጀመርያን መወዳእታን እቲ ሓቀኛ ሓሳባቱን ርእይቶኡን’ዩ።
ዝኸበርካ/ኪ ኤርትራዊ/ት፡ ኣነ ከም ኤርትራዊ ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ኣብዚ ናይ ሓደ ወለዶ 32 ዓመታት፡ እቲ ስርዓት ባህርያዊ ነጻነትካን መሰልካን ደዊኑ ዝኸይድ ዘሎ ዘስደምም’ዩ እብል። ዝመጽእ ወለዶኸ እንታይ’ዩ ክብለካ? እወ ኣብዚ 32 ዓመታት፡ ዓመት መጽአ ከም ሰብ ነቲ ስርዓት እናተዓዘብኩዎ ብዝኸድኩ፡ መመሊሱዩ ዘስደምመኒ። ኣታ ህዝቢ ደቅኻ ስኢንካ መኣዲ ስድራ-ቤት በረውረው ኢሉ፡ ህድሞ መጽለሊትካ ካብ ተረገጠን ኣብ ግዳም ካብ ተደርበኻን፡ ካብዚ ንደሓር እንታይ ትጽበ ኣሎኻ። እቲ ስርዓት ብድሕራይ ሳዕሪ ኣይትብቈላ እናበለካ፡ ኣነ ስቕታኻ ደንጽዩኒ’ሎ።
ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ደፊሩ ደኣ ኣይትበሉኒ’ምበር፡ ኣብዚ ሓደ ነገር ዝብሎ - ንሕና ኤርትራውያን ደቂ-ሰባት ብምዃንና ኣእምሮ ዝተዓደለና ካብ እንስሳታት ዝተፈለና ክንስና፡ ን32 ዓመታት ክብርናን መሰልናን ተረጊጹ መግለጺ ዘየብሉ ሂወት እናኣሕለፍና፡ ሕጅስ መግለጺ ስኢነሉ ስቕታና።
ስማዕ ሓወይ ኤርትራዊ፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኢኻ ትነብር ዘሎኻ። እምበርከ ናይ ምንባር ሂወት ትፈልጦ ዲኻ? ጽባሕ ንግሆ ዝመጽእ ወለዶ ክሓትተካ ምዃኑ ኣይጠራጠርን’የ። ንሕቶ መንእሰይ ወለዶ ኣቦ ኣደ ኣያታት መልሲ’ውን ትረኽበሉ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሓደ ሕብረተሰብ - ህዝብን ሃገርን ክንስኻ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ክብርኻ በቲ ስርዓት እናተደምሰሰ ብስቕታ ክትሓልፎ፡ እዚ ታሪኻዊ ዕሽነት ተባሂሉ ንወለዶታት ክስነድ’ዩ። ሕሰብ ኤርትራዊ፡ ጽባሕ ንግሆ ደኒንካ ከይትኸይድ እቲ እዋን ሕጂ’ዩ ብሓባር ነቲ ስርዓት ኣልግስ በሎ። መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ፡ ሃገርካ ኣድሕነኒ ትብለካ’ላ፡ ሃገር ናትካ’ያ።
ስማዕ ኤርትራዊ፡ ሃገር ብህዝቢ’ያ ትቐውም። ህዝቢ ሃገር’ዩ ሃገር ከኣ ህዝቢ’ዩ። ብዘይወዲ-ሰብ ብዘይ ህዝቢ ሃገር ዝበሃል የሎን። ሕጂ’ውን ስማዕ ኤርትራዊ ይብለካ ኣለኹ - 32 ዓመት ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ባርነት ድንቁርና ኣብ መዋእል እምኒ ኣይኮንካን ትነብር ዘሎኻ። ኣብ መዋእል ዲጂታል ዓለም ተለዊጣትሉ ዘላ ኢኻ ትነብር ዘሎኻ። ሕሰብ ኤርትራዊ ተመሊስካ ሕዋሳትካ ኣዛርቦም።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ - ቃለመሓትት ናይቲ ስርዓት ወንጮ እንተገልበጥካዮ ወንጮ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ኣየገርሞን’ዩ። እንተ’ቲ ናይ ከንያ ጋዜጣዊ ዋዕላሞ፡ ከም ኤርትራዊ ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ሓፊረ’የ። ንሓተትቲ ጋዜጠኛታት ድማ፡ ዋላኳ ሞያዊ ስርሖም ይኹን’ምበር፡ እቲ ኤርትራዊ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ክሓትቶ ዝግብኦ ብምሕታቶም፡ ክብሪ ወዲ ሰብ ብምሃቦም (ብምቕራቦም) ደጋጊመ የቕንየልና እብሎም። ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ ድማ፡ ጋዜጠኛታት ኤርትራውያን ካብዚ ናይ ከንያ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተማሂርኩም ክትኮኑ ተስፋ እገብር። ሽግርኩም ይርድኣኒ’ዩ፡ ተመሊስኩም ንሕልናኹም ከም እትሓትቱን ኣበየናይ ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና ከም እትብሉን ኣይጠራጠርን እየ።
ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ
ክፍላይ ተኪአ
ጀርመን
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ማዝያ 2023 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ መስርሕ ምድላው 4ይ ጉባአን ፈስቲቫል ኤርትራ 2023ን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ መዚኑ። እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ክልቲኦም ብዛዕባታት በቶም ነቲ ምድላዋት ዝመርሑ ዘለዉ ብጾት ዝቐረበሉ ጸብጻባት ሰሚዑ።
ብጻይቲ ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ፡ ነተን ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብይ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ዝነጥፋ ዘለዋ ንኡሳን ሽማግለታት፡ ምድላው ናብ ጉባአ ቀሪቡ ዝጸድቕ ሰነዳት፡ ቀረብ ሎጂስቲክን ገንዘብን፡ ምምራጽ ተሳተፍቲ ጉባአን ዜናን ጠቒሳ እቲ መስርሕ ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዘረድእ ዝርዝር ጸብጻብ ኣቕሪባ።
ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ዝመዘነሉ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ በታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተዓመ ስረሓት ዕዉት ምዃኑ ብምምዛ መምርሒ ኣብ ዘድልዮም ነጥብታት ከኣ መምርሒ ሂቡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ቅድሚ ጉባአ ክሳለጥ ተወጢኑ ዘሎ ኮንፈረንስ መላእ ኣባላት ሰልፊ ብዓወት ዝሳለጠሉ መደባት ወጢኑ። ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ከም ወትሩ ጉባአ ንምዕዋት ዘርእይዎ ዘለዉ ተወፋይነት ንኢዱ። ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ኮንፈረንስ ብምልኣት ክሳተፉ ዘለዎ ትጽቢት ከኣ ኣስፊሩ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ላዕለወቲ ተኸታታሊት ምድላው ፈስቲቫል ኤርትራ ብወገኑ፡ እታ ኣብቲ መስርሕ ብቐጥታ ትሳተፍ ዘላ ብብጻይ ጸሃየ ቀለታ እትምራሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዛዕባቲ ካብ ዕለት 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ዝካየድ ፈስቲቫል ክሳብ ሎሚ ዘሰላሰለቶም ስረሕት ዝሓቖፈ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ፍሉይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ንፈስቲቫል ዝምልከት ዛዕባ’ውን ክሳብ ሕጂ ንዝተሰርሐ ንኢዱ ኣብ ግምት ክኣትዉ ይግበኦም ብዛዕባ ዝበሎም ጉዳያት ድማ መዘኻኸሪ ኣሚቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ነቲ ፍሉይ ኣኼባ ብዝመርሐ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ንዝቐረበ፡ መስርሕ ሓባራዊ ስረሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ቅድሚ 4ይ ጉባአ ከሰላስሎም ብዛዕባ ዝግበኦ ናይ ምድላው ስረሓትን ዝመልክት ሰፊሕ ሓበሬታ ኣቕሪቡ። እቲ ህጹጽ ኣኼባ ድማ ኣብቲ ጸብጻብ ተመያይጡ ውሳነ ኣብ ዘድልዮም ጉዳያት ወሲኑን መደባት ሰሪዑን።
ካብዚ ሓሊፉ ኣኼባ ፈጻሚ ሽሽማግለ፡ ብፍላይ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ዞባና ዝገሃድ ብዛዕባ ዘሎ ሓድሽ ሓሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሓበሬታ ተለዋዊጡ
ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ፡ ብ1 ማዝያ 2023 ኣብ ዝገበረቶ ኣኼባ መስርሕ ጉባአ፡ ኣብ ቀረብ ንጉባአ ዘድሊ ገንዘብን ናውትን፡ መስርሕ ምይይጥ ኣብ ንድፊ ሰነዳትን ምቅርራብ ተሳተፍቲ ጉባአን በቲ ዝተታሕዘሉ መደብ ይካየድ ከም ዘሎ ተረዲኣ።
ባህግና Bahgna 127፣ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ስልፊ፣ ላምሲ ብኢዳ ዝቀርባ ብእግራ ትሓክኽ!
Written by Bahgna MediaMedia
ምምሕዳራት ህግደፍ ንነዊሕ ግዜ ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ዓቚርዎ ዝጸንሐ ተበላሽዩ ክጐሓፍ ዝግበኦ እኽሊ፡ ብኣስገዳድ ናብ ህዝቢ ይሸይጥ ከም ዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ነዚ ዝተበላሸወ እኽሊ ዘይገዝኣ ሰብ፡ ካብቲ ብሕሱር ዝባሃል ብኩበን ዝግዛእ ከም ዘይትን ሽኮርን ዝኣመሰሉ ቀረባት ክረክብ ኣይክእልን።
ስለዚ ስድራቤታት ይኹና ውልቀሰባት ናይ ኩቦን ተጠቀምቲ፡ ይብልዕዎ ኣይብልዕዎ ናይ ኩቦን መቑነን ንኽረኽቡ ክብሉ ሓደ ኩንታል ዝተበላሸወ መሸላ ወዲዓከር ብሓሳብ 400 ናቅፋ ክገዝኡ ይግደዱ። ምናልባት ናይ ሓንቲ ወርሒ መቑነን ከይዓደገ እንተ ኣሕሊፉ ኣብ እትቅጽል ወርሒ ክገዝእ እንከሎ ናይታ ዘሓለፈት ወርሕን ናይታ ዝመጸላ ወርሕን ብድምር 2 ኩንታል ክገዝእ ከም ዝሕተት እቲ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ዓመጸኛ ኣገባብ ብፍላይ ነቶም መርዓን ካልእ ውራያትን ዘሕልፉ ወገናት ዝያዳ ወጻኢ ክገብሩ ስለ ዝግደዱ ሃሳያ ዘስዕበሎም ምዃኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህግዲፍ ነቶም ጠወርቲ ዘይብሎምን ብዝተፈላለዩ ሕማማት ንዝሳቐዩን ኣረጋውያን ወለዶም ገዲፎም ንኸይከቱ፡ ጻዊዕት ምመንግስቲ ነጺጎም ክሕቡእ ንዝጸንሑ ውልቀሰባት ክሳብ ናብ በረኻታት ብምኻድ ይሃድኖም ከምዘሎ ምንጭታት ሰዲህኤ ኣቃሊዖም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቶም ኣብ ግፋ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣካላት ናይቲ መንግስቲ ብዘይዝርዝር ሓበሬታ ናብ ልምዓት ኢኹም ትድለዩ ዘለኹም እናበሉ ከም ዝጉስጉሱ ተፈሊጡሎ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብቲ ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ግፋ፡ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ደረቱ ዝሓለፈ ገንዘባዊ መቅጻዕትን፡ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ኣካላት ህግዲፍ ኢድ ከምዘሎዎምን፣ መኻፍልቲ ናይቲ ብመልክዕ መቅጻዕቲ ዝእከብ ማእለያ ዘይብሉ ዶላራት ከምዝኾኑ ተለቪዝን አሪሳት ምንጭታታ ብጥቃስ ኣብ ናይ 30 መጋቢት 2023 ፈነወኣ ጸብጺባ። እዚ ድማ ምስቲ ኣቀዲሙ ብመደብ ባህግና ተሓቢሩ ዝነበረ፡ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት አምባሲ ኤርትራ ኣብ ሊዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሓተቲ ፓስፖር ዝገብርዎ ናይ ጉቦን ሰነዳት ምትምናይን ኣተሓሒዝካ ክረአ እንከሎ፡ ህግዲፍ ንህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኡን ጠንቂ ኩሉ ሽግራቱን ምዃኑ የርኢ።
ፖለቲካዊ ኣካላት ሱዳን ነቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ብዛዕባ መጻኢ ጸጥታዊ ጽገና እታ ሃገር ዝረዳድእሉ ግዜ ሂብዎም ድሕሪ ምጽንሕ፡ 6 ማዝያ 2023 ፖለቲካዊ ስምምዕ ክፍርሙ ከም ዝተሰማምዑ ተፈሊጡ። ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳንን ዕጡቕ ቅልጡፍ ሓይልን ብዛዕባ ተሓናፊጽካ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ምምስራት ፈጢረምዎ ብዝጸንሑ ፍልልያት እቲ ብ1 ማዝያ 2023 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ምፍርራም ፖለቲካዊ ስምምዕ ተደናጉዩ ከም ዝጸንሐ እውን ተሓቢሩ።
ኣዛዚ ሓይልታት መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን መራሒ ዕጡቕ ቅልጡፍ ሓይሊ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ብዛዕባቲ ክፍረም ተዳልዩ ዘሎ ፖለቲካው ስምምዕ ምስ መሓዙቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ ተራኺቦም ድሕሪ ምምይያጦም እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ሓይልታት ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ከም ዝተፈትሐ፡ እቲ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሱዳን ትሪቡን ዝተዘርግሐ ዜና ኣረዲኡ።
ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ወሃቢ ቃል፡ ካልድ ዑመር የሱፍ ብወገኖም፡ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ እቲ ፖለቲካዊ ስምምዕ ዝፍረመሉ ግዜ ንምቅልጣፍ ካብኣቶም ዝድለ ከበርክቱ ዘለዎም ድልዉነት ከም ዝገለጹ መስኪሮም። እቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ብዛዕባ መስርሕ ምትሓንፋጽ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ብቐሊሉ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ምርድደኦም ድማ ተፈሊጡ።
እቶም ወሃቢ “ቃል፡ እቲ ተነዲፉ ዘሎ ካልእ ሰነድ መሰጋገሪ ሕገ መንግስቲኸ መዓስዩ ክፍረም?” ኣብ ዝብል ዝሃብዎ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ ክልቲኡ ሰነዳት ማለት ፖለቲካዊ ስምምዕን መሰጋገሪ ሕገ መንግስትን ብሓባር ክፍረም ይኽእል እዩ ኢሎም ዝግምቱ ወገናት ዘለዉ ።
ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ወጻእን ተጽዕኖታት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘይጉዳዩ ኢዱ ብምእታው፡ ሓደ ካብቶም ንከይዕወት ዝዕንቅፉ ዘለዉ እዩ።
ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብ30 መጋቢት 2023 ንድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዝጽውዕ ብ“ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንፍትሒ” ዝተወደበ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ቢቢሲ ትግርኛ ሓቢራ። ተሳተፍቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዖም።
ተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ ከተማ ለንደን ፊትንፊት ኤምባሲ ሱዳን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ናብ መንግስቲ ሱዳን መዘክር ከቕርቡ እንከለዉ፡ ኣብቲ መዘክሮም “ውሕስነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ይተሓሎ፡” ዝብል ጭረሖ ኣንጸባሪቖም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ዘይምኽኑይ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ክቋረጽ ብትሪ ከም ዝጸውዑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዝተፈላለዩ ምስምሳት ብምፍጣር ብኣባላት ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ከም ዝእሰሩን ካብ ማእሰርቲ ንምውጻእ ድማ ካብ 400 ክሳብ 500 ዶላር ዝበጽሕ ብነፍሲ ወከፍ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱን ዝፍለጥ እዩ። ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታት ከም ዝብልዎ፡ ኩነታት ብከምዚ ደረጃ ንክጋደድ ካብቲ ጠንቅታት ሓደ እቲ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዝነበሮ ቤት ጽሕፈት ኣብዚ እዋንዚ ምዕጻዉ እዩ።
ኣብዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሱዳን ብቐጻሊ ድምጾም ክስማዕ ዝጽውዕሉ ዘለዉ ግዜ፡ እዚ ናይ ከተማ ለንደን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ካልእ ከባብታት ዓለም እውን ክቕጽል ዝግበኦ እዩ።
ተሳተፍቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ እቲ ኩነታት ሱዳን ብ1951 ዝኣተወቶ መሰል ስደተኛታት ናይ ምኽባር ዝጥሕስ ምዃኑ ብምጥቃስ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ ኣብቲ ናብ ኤምባሲ ሱዳን ዘቕረብዎ መዘክር ኣስፊሮም።
More...
ላዕለዎት ወ/ሮ ኬርያን ዶ/ር ኣብረሃምን፡ ታሕተዎት ኣቶ ዱሩይን ዶ/ር ኣዲስኣለምን
ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ፕረሲደንት ትግራይ ነበር ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤልን ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ፈደራል ብገበን ተኸሲሶም ናይ ዝነበሩ ሓለፍቲ ትግራይ ክሲ ብ30 መጋቢት 2023 ሰሪዙ። ድሕርቲ ምስራዝ ክሲ ክልተ ሰዓታት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ካብ ዝተፈትሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትግራይ ዝነበሩ፡ ወይዘሮ ከሪያ ኢብራሂም ኣደመንበር ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያን ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህወሓትን ዝነበራ፡ ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተ ድሕሪ ብደረጃ ፈደራል ሚኒስተር ገንዘብ ኮይኖም ምግልጋሎም፡ ምክትል ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህወሓትን ዝነበሩ፡ ዶ/ር ኣዲስኣለም ባለማ ብደረጃ ፈደራል ዳይረክተር ፖሊሲን ምርምርን ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህወሓትን ዝነበሩን ኣቶ ድሩይ ኣስገዶም ኣቦመንበር ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ዓሲንባን ምዃኖም ተሓቢሩ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ወይዘሮ ከሪያ ኢብራሂም ተማሪኸን ዘይኮኮና ኣብቲ ግዜ ውግእ ኣብ ከተም መቐለ ባዕለን ኢደን ዝሃባ እየን። በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ 42 ኣብ መዝገብ ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተ ዝተኸሱ ክምስክራ እሞ ክፍተሓኳ ተበይኑለን እንተነበረ፡ “ኣብ ልዕሊ ብጾተይ ኣይምስክርን” ስለ ዝበላ እየን ክሳብ ሎሚ ተኣሲረን ጸኒሐን። ኣቶ ድሩይ ኣስገዶም ድማ ኣቦመንበር ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ዓሲንባ ኮይኖም፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2021 ጀሚሮም ብዘይፍርዲ ተዳጒኖም ዝጸንሐ ምዃኖም እቲ ዜና ጠቒሱ።
ናይዞም ዝተፈትሑ ሓለፍቲ ጠበቓታት ኣተሓባባሪ ኣቶ ሃብቶም ከሰተ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም ብ30 መጋቢት 2023 ዝተፈትሑ እዞም ኣስማቶም ዝተጠቕሱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ መዝገብ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል 16 ካብ መዝገብ ጀነራል ታደሰ ወረደ ድማ 20 ሲቪልን ወተሃደራውን ክሱሳት ከም ዝተፈትሑ ክጠቕሱ እንከለዉ፡ ካለኦት ምንጭታት ከኣ ቁጽሪ ናይቶም ዝተፈትሑ ተጋሩ 62 ከም ዝበጽሕ ሓቢሮም። ምፍታሕ ናይዞም እሱራት ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።
ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ብ28 መጋቢት 2023 ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓመታዊ ጸብጻብ 2022፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ መሊሱ ዝገድድ ዘሎ እምበር ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ከምዘይተመሓየሸ ሓቢሩ።
ኣምኒስት ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓመተ-2022 እውን ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት፡ መንግስቲ ነቲ ኣብ ምእሳር ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ፖለቲከኛታት፡ ሰዓብቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት፡ ገደብ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ቀረባትን ጥሕሰት ሰብኣዊ ሕግታትን ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት ከመሓይሽ ዝኾነ ይኹን ተበግሶ ዘይምውሳዱ ኣስፊሩ።
እቲ ጸብጻብ ኣተሓሒዙ፡ ህግደፍ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ውትህድርናን ምስኡ ተተሓሒዙ ክኽሰት ዝጸንሐ፡ ምዝመዛ ጉልበት መንእሰያትን ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መደበራት ታዕሊምን ካልእ ኣጋጣምታትን ከምዘይተመሓየሸ ተጠቒሱ። ኣምኒስት ካብዚ ዛዕባዚ ከይወጸ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ሰፊሕ ግፋን ኣብ ልዕሊቶም ደቆም ዝተሰወሩ ስድራቤታት ክፍጸም ዝጸንሐ ዝተፈላለየ በደላትን ጠቒስዎ።
ኣምኒስት ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦ ካልእ ነጥቢ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 47 ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ክንሳ፡ ንኽብሪ እቲ ባይቶኳ ዝኾነ ኣውንታዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኮነ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ብምኽባር ዘይምትሕብባራ እዩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ኤርትራ እቲ ብ2012 ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራ ብዝምልከት ሰብኣዊ ኩነታት ከጻርን መፍትሒ ሓሳብ ከቕርብን ዝተመዘዘ ፍሉይ ኮሚሽን ኣትዩ ንከጻሪ ንዝቀረበላ ሕቶ መልሲ ዘይምሃባ ከም ዘተሓሳስቦ ሓቢሩ። ብኣንጻሩ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ሰፊሕ ስግረ-ዶባዊ ግህሰት ከም ዝፈጸመ ጸብጺቡ።
ኣብ ርእሲዚ ኤርትራ ካብ ኣፍሪቃ በይና፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት፡ ንኮቪድ-19 ዝምልከት ህዝበን ከታበትን ካልእ ሓገዝን ከይረክብ ኣፍደጊኤን ዝዓጸዋ ሃገራት ምዃና እቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣምኒስቲ ኣቃሊዑ።
ምስሊ መደበር እምኩሉ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ
ኣብ ኤርትራ ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኣስታት 10 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ፡ እንኮ መደበር ስደተኛታት ኣብታ ሃገር፡ ኣብ መወዳእታ 2022 ምሉእ ብምሉእ ከም እተዓጽወት ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብዛ መደበር ዝነበሩ ሶማላውያን ስደተኛታት ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ኣብዛ 25 ዓመት ዝዕድሚኣ መደበር ስደተኛታት ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 3 ሺሕ ዝበጽሑ ሶማላውያን ስደተኛታትኳ እንተነበሩ መብዛሕቶም ኣብ ከባቢ 2019 ተገዲዶም ከብታ መደበር ከም ዝለቐቑ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብወገኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2018 ጀሚሩ ነቲ መደበር ናይ ምዕጻው ድሌት ከም ዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ኣብ ከባቢ 2019 ኣስታት 2,100 ሶማላውያን ስደተኛታት ኣብታ መደበር ከም ዝነበሩ ጠቒሱ። ኣብቲ ዓመት ብህግደፍ ብዝሓደሮም ስግኣት 1, 300 ዝኾኑ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዝሰገሩ እቲ ኮሚሽን ኣብቲ እዋንቲ ብዘቕረቦ ጸብጻብ ሓቢሩ። እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን መንግስቲ ኤርትራ መሰል ስደተኛታት ከኽብርን ብኢደወነንካ መደበር ዓጺኻ ንስደተኛታ ናብ ሶማሊያ ምስዳድ ዘይሰብኣዊ ብምዃኑን ከጠንቅቕ ከም ዝጸንሐን ሓቢሩ።
ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ መደበር ስደተኛታት እምኩሉ ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ጨካን ኣሰራርሓ ህግደፍ እቲ ኣብ ካለኦት ሃገራት ንስደተኛ ዝፍቀድ መሰል ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥያስን ኣብታ ሃገር መንበሪ ፈቓድ ምርካብን ተነፊግዎም ከም ዝጸንሐ ምሕባሮም እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ስደተኛ መሰሎም ተገፊፉ ብዘይድሌቶም ናብ ዕጡቓት ተቓወምቲ ክጽንበሩ ወይ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዘይፈልጦ ሑቡእ መደበር ክዳጐኑ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ኣቃሊዑ።
ምምሕዳር ህግደፍ እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኣብ መደበር እምኩሉ ዝተዓቖቡ ስደተኛታት ዝወሰዶ ዘይሰብኣዊ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛት ክድገም ተንኮላት ይምህዝ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
ኣቦመንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ (ዉኣት ሓርነት)፡ ሓው መስፍን መንግስቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሱዳን ከሰላ ናብ ዝርከብ ናይቲ ማሕበር መደበር ከም ዝበጸሓ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ። ሓው መስፍን መንግስቱ ኣብ መገሻኡ ኩነታት ናይቶም ኣካለ ጽጉማን ብኣካል ተዓዚቡ ምስኣቶምን ምስ ኣመሓደርቲ ናይቲ ማሕበርን ድማ ከም ዝተመያየጠ ተሓቢሩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብዚ በዓላት ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን ዝቀራርበሉ ዘሎ ቅነ፡ ኣብ ባሕቲ ሚያዝያ 2023 ነዚ ማሕበር ኣብ ዝምልከት ሰፊሕ ርክብ ክካየድ ከምዝኮነ ካብዝዘርግሖ ምልክታት ምርዳኣ ተኻኢሉ ኣሎ። ካብ ጨናፍር ማሕበር ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ነቶም ጽጉማን ሓገዝ ናይ ምእኻብ ናዝ ድራር ምስዮታት ርክባት ዝግበር ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብምኽንያት ኮቪድ-19 ተቛሪጹ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ጀርመን ዝርከብ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኩሎም ግዱሳት ዝሳተፍዎ ንዕለት 01 ሚያዝያ 2023 ዝግበር ናይ ድራር ምስዮት ጸውዒት ኣቕሪቡ፡ ብኣካል ምኽንያታት ክሳተፉ ዘይከኣሉ ግዱሳት ብሕሳብ ባንክ Eritreischer Verein 2010 – 60439 Frankfurt a.M. BLZ 50010060 BIC PBNKDEFF IBAN ክልግሱ ከም ዝኽእሉውን ተገሊጹ’ሎ።
ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ኮሎም ኤርትራውያን ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ነዞም ብውግእን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ኣካሎም ዝጐደለን ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝሳቐዩ ዘለዉን ኤርትራውያን ክልግስዎ ንዝጸንሑ ኣመስጊኑ። ኣብ መጻኢ እውን ሓገዞም ከይፍለዮ ተላብዩ።።