ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡ ድሕሪቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ዝበሃል ብጀነራል ደጋሎ ዝእዘዝ ሰራዊት ብዘይ ኣፍልጦኡ፡ ሓድሽ ወፍሪ ብምክያዱ፡ ብ13 ማዝያ 2023 ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ ከም ዘውጸአ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ኣፍሊጠን። እቲ ሓድሽ ወፍሪ “ህጹጽ ራዳኢ ሓይሊ” ኣብ ከትማታት ካርቱምን ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሱዳን ካብ ካርቱም 210 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ መረውን ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ።

እቲ ወተሃደራዊ መጠንቀቕታ ዝወጸ፡  ምውፋር ናይቲ ሰራዊት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት  ናብተን ዝተጠቕሳ ከተማታት  ከም ዝተኻየደ ዝሕብሩ ጸብጻባት ምስ እተዘርግሑ ምዃኑ ተፈሊጡ።  ነበርቲ ከተማ መረዊ ናይቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ኣብ ከባቢቲ ናይ ሱዳንን ግብጽን ነፈርቲ ውግእ ዝርከባሉ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጸሐ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዝነበሮም፡ እንተኾነ ከምዘይቀጸልዎ ተፈሊጡ።

ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡  ነቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ናይ ምኽባቡ መደብኳ እንተነበሮ፡ እንተኾነ እቲ  “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ናብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ምውፋሩ፡ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰባትን ዕጸ-ፋርስን ንምቑጽጻር ምዃኑ ዝገልጽ ምኽንያት ከም ዝሃበ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቢል ዓብደላ ብኣንጻሩ ናይቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ሓድሽ ምንቅስቓስ ብኣፍልጦ ኮነ ብምትሕብባር ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ኮነ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን  ዝተኻየደ ከምዘኮነ ብምጥቃስ ተቓዊመምዎ።  እቶም ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ኣተሓሒዞም፡ ምንቅስቓስን ቦታ ምቕያርን  “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ኣንጻር መምርሒታት  ሃገራዊ ኮሚተ ጸጥታ ሱዳን ምዃኑ ጠቒሶም፡ በዚ ኣካይዳ እንተቐጺሉ፡ ናይታ ሃገር ጸጥታ ፈጺምካ ናብ ፍጹም ምዝራግን ዘይምርግጋእን ክመርሕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም። ቅድሚ ሕጂ ብ29 መጋቢት 2023 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ሰሚናር፡ ንምትሕንፋጽ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳንን ህጹጽ ረዳኢ ሓይልን ዝምልከት ብዘይምርድዳእ ከም ዝተሓለፈ ከኣ ኣዘኻኺሮም።

እቲ መግለጺ  መጠንቀቕታ ኣብ መወዳእታ፡ ሰራዊት ሱዳን ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን እታ ሃገር ዝኸፈሎ ዘሎ ዋጋ ብምጥቃስ፡  ብዛዕባቲ እናሓደረ ዝዛይድ ዘሎ፡ ሃገራዊ ቦታኡ ዘስእን ሓደጋ ብዝምልከት ንፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ኣጠንቂቑ።

እዚ ከምዚሉ እከሎ፡ ፍሉያት ልኡኻት፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ነርወይ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን በቲ ኩነታት ዝሓደሮም ስግኣት ዝምልከት ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ መግለጺኦም ሱዳናውያን ሲቪላውን ወተሃደራውን  መራሕቲ እቲ ወጥሪ ንምህዳእ ህጹጽ ስጉምቲ ንክወስዱ ጸዊዖም።

Thursday, 13 April 2023 21:23

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 13.04.2023

Written by

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ካብ ዝርከባ ክልተ ገዳማት ኣስታት ሓምሳ መነኮሳት ብጫካናት ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ከም ዝተኣስሩ፡ ተለቪዥን ኣሰና ሓቢራ። እዞም ካብ ክልቲኡ ጾታታት ተዓፊኖም ዝተኣስሩ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣቡነ ኣውኔናስ ትምዛእን ደብረ ሳህሊ ዛይደከሎምን ምዃኖም ተፈሊጡ።

እታ ተለቪዥን ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ማእሰርቲ ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ እሞ ኣብ መንገዲ ከይመቱዎም ዝገደፍዎም እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም መነኩሳት ናይተን ገዳማት ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ። እዞም መነኮሳት ዝተኣስሩ ኣብዚ እዋንዚ ኦርቶደኩሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ “ይመርሑ ኣለዉ”፡ ዝበሃሉ ኣባ መከጻቕ ዝተባህሉ ናይ ህግደፍ መሳርሒ ብዝሃብዎ ትእዛዝ እዩ። እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ መነኮሳት ዝተኣስርሉ ቦታ ኣይተፈለጠን።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እዞም ኣቦታት ዝተኸሰስሉ ምኽንያት፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይቶም ድሕሪ ነዊሕ ማእሰርትን ስቓይን ዝዓረፉ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣብነ ኣንጠንዮስ ተሳቲፍኩም ከተብዑ፡ ሎሚ እውን ኣብ ቅዳሴ ስሞም ትጽውዑ ኣለኹም ዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ። እዞም ኣቦታት ንከይእሰሩ “ዝፈጸምናዮ ተግባር ጌጋ እዩ” ኢልኩም ፈርሙ እኳ ተባሂሎም እንተነበሩ፡ ንሳቶም ግና ኣንጻርቲ ኣሚኖም ዝፈጸምዎ ሃይማኖታዊ ተግባር ኮይኖም ክቐርቡ ፈቓደኛታት ኣይኮኑን።

ህግደፍ ከም ኣካል ናይቲ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ግፋ ስጉምቲ፡ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን እውን ኣገልገልተን ይስእና ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እዩ።

ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝዳሎ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ከም ዝጋባእ ናይቲ ፈስቲቫል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓቢራ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ኣብዚ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ተቛሪጹ ዝጸንሐን ድሕሪ ምዝዛም ራብዓይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝጋባእን ፈስቲቫል ንኽትሳተፉ እናጸውዐት፡ ናይ ቦታ ፈስቲቫል ንጹር ኣድራሻን ዝርዝር መደባቱን ከተስዕብ እያ።

ራብዓይ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ 23 ክሳብ 26 ሓምለ 2023 ዝካየድ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ኣብዚ ፈስቲቫል ክንገር እዩ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ብሰንኪ  ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል መንግስትን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝተፈጥረ ቅልውላው፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ናይታ ክልል ሓያል ወጥሪ ተፈጥሪሩ’ሎ። ናይቲ ወጥሪ መንቀሊ ፈደራላዊ ሓይሊ ምክልኻል ብውሳነ እቲ ብልጽግና ዝመርሖ መንግስቲ መሰረት፡ ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ዕጥቂ ከፍትሕ ክንቀሳቐስ እንከሎ፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ከኣ ብሓይሊ ዝተሰነየ ናይ “ዕጥቅና ኣይንፈትሕን” ተቓዎሞ ስለ ዘርኣየ ምዃኑ ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ናይቲ ክልል መራኸብቲ ብዙሃን ኣፍሊጠን።

በዚ መሰረት ኣብ ኩሉ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ብሰላማዊ ሰልፍን ሰራዊት ፈደራል ዝንቀሳቐሰሉ መንገድታት ብምዕጻው  ቀጻሊ ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ። ከም ጐንደርን ደብረብርሃንን ኣብ ዝኣመሳላ ከተማታት ድማ ድሮ ናይ ምንቅስቓስ ገደባት ተወሲኑ ኣሎ። ናይ ክልል ኣምሓራ መንግታዊ ትካላት ዳርጋ ንቡር ስረሐን ከቋርጻ እንከለዋ፡ ሓሓሊፉ እውን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሓይልታትን  ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ወተሃደራዊ ጐንጽታት  ይኽሰት ኣሎ።

በቲ ሓሓሊፉ ዝፍጠር ዘሎ ወተሃደራዊ ጐንጽታት ብዘይካ ናይ ክልቲኡ ወገናት ዕጡቓት፡ ሰቪል ሰባት እውን ይጉድኡ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ከም ዝጠቐሰቶ፡ ሲ ኣር ኤስ/CRS ዝተባህለ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እትንቀሳቐስ ኣሚሪካዊት ትካል  ረዲአት፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ  ከባቢ ከተማ ቆቦ ክልተ ኣባላታ ብሰንኪ ኣብቲ ቦታ ዝተኸፍተ ተኹሲ  ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ውሳነ፡ ነቶም ዕጥቆም ዝፈትሑ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ወይ ፈደራል ፖሊስ ናይታ ሃገር ናይ ምእታው ዳግመ-ስርርዕ ኮይኑ ኣብ ኩለን ክልላት ዝትግበር እዩ ዝብል መግለጽታት ይህብ  ኣሎ። ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ብኣንጻሩ፡  ቀንዲ ቆላሕታ ናይቲ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን  ኣምሓራ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ድማ ወልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ኣሕሊፍካ ንምርካብ ዝዓለመን እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም እዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ወልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ንምምላስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝተሰማማዓሉ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምስዚ ንኢትዮጵያ ናብ ዝገደደ ሰፊሕ ውግእን ምብትታንን ከይወስዳ ዘስግእ ዘሎ ቅልውላው ብዝተጠሓሓዘ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ፡ ምሁራት፡ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ይእሰሩን “ሕጋዊ ኣይኮነን”  ብዝብል ምኽንያት ኣባይቶም ይፈርስን ምህላዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ሓድሽ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጐኒ ኣምሓራ ከምዘሎ ክንገረሉ ዝጸንሐ ህግደፍ፡ ድሕሪ እቲ ኩነታት ናብ ወተሃደራዊ ጐንጺ ምዕራጉ ድምጹ ኣየስምዐን። ክጠልሞም ድዩ ክሕግዞም እውን ኣይተፈልጠን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ከባቢና ኣዛረብቲ ኮይኖም ካብ ዝቐነዩ ክስተታት፡ ናይቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ ጉዕዞ እገዳ ብዝተወሰኖ ጀነራል ዝምራሕ ልኡኽ ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ እዩ። እቲ ልኡኽ ኣዛራቢ ዝኾነሉ ተኣምር ዝፈጥር ኮይኑ ዘይኮነ፡ ናይ ህግደፍ ዓቕሊ ጽበታዊ ሸበድበድ ካብ ዘመልክቱ ሓደ ጌርካ ስለ ዝተወስደ እዩ። እዞም ላዕለዎት ጸጥታውን ወተሃደራውን ኣዘዝቲ ብኽንድዚ ብዝሕን ርኡይ ኣገባብን ምጉዓዞም ዘይልሙድ ምዃኑ እውን ነቲ ኣዛራብነት ኣንሂርዎ እዩ።

ጐኒንጐኒ መገሻ ናይዚ ጉጅለ፡ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣብ ኢትዮጵያ ብምግጣሞም፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ምኽንያት ዝበልዎ ግምታት ይህቡ ኣለዉ። ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምሕዳስ ዝምድና ምስ ፈደራላዊ መንግስትን ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ብልጽግናን “ብህግደፍ ይሕገዝ ኣሎ” ዝበሃል ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ምግዳዱን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቂ ናይቲ ፍሉይ ሓይሊ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ምጅማሩን ካብቶም ጐኒንጐኒ መገሻ ጸጥታውን ወተሃደራውን ኣዘዝቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝተፈጥሩ ተርእዮታት እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ካብቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝረአ ዝነበረ ብዝገደደ፡ ብኹሉ ኣቕጣጫታት ብፍላይ ከኣ ብመስመር ኦሞሓጀር-ሑመራ፡ ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዙ ምህላዎም እውን ካልእ ኣብ ግምት ዝኣቱ ተረኽቦ እዩ።

ናይቶም ኣዘዝቲ መገሻ ኣጀንዳ ብመንጽር መንነት ናይቶም ልኡኻትን ብሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተዓደሙ ብምዃኖምን፡ ኣጀንዳኦም  ወተሃደራውን ጸጥታውን ከም ዝኸውን ምግማት ይከኣል። ከምኡ እንተዘይነብር እሞ፡ እቶም ኣዲስ ኣበባ ዝለመዱ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ኣይመተረፉን። እቲ ዕድመ  ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ነበረ፡ “እንታይ ስለ ዝደለየ እዩ ዓዲምዎም?” ዝብል ሕቶ ይለዓል። ነዚ  ሕቶ በቶም ቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላትኳ መልሲ እንተዘይተዋህቦ ግምታዊ መልሲ መሃብ ይከኣል እዩ። በዚ መሰረት ንሰለስተ ጉዳያት ከም ዝተዓደሙ ይግመት።

እቲ ሓደ ክኸውን ዝኽእል ምኽንያት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝፈረሞ ስምምዕ ሰላም፡ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ ሓይልታት ካብ ትግራይ ከውጽእ ፈራሚ እዩ። እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተባሂሉ ኣብቲ ስምምዕ ዝተጠቕሰ ናይ ኤርትራ ምንባሩ ብሩህ እዩ። ህግደፍ ናይቲ ስምምዕ ተጻራሪ እዩ። ኢሳያስ ብወግዒ “ኣሜሪካ ውግእ ኮሊፋትና’ያ” ዝበሎ ዘይዕግበቱ ዝገልጽ እዩ። ከም መግለጺ ናይ ዘይዕግበቱ ድማ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ኣብ ምውጻ ሓንጊዱ ጸኒሑ። እቲ ምሕንጋዱ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዘቕርቦ ክስታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት፡ መንግስታትን  ማሕበራትን ዘረጋገጽዎ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብዘይምውጽኡ ተወጢሩ ከም ዝጸንሐ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብኻልእ ወገን ነቲ ዝኸተመሉ ስምምዕ ከተግብር ክብል ምስ ኤርትራ ኣብ ረጽሚ ክኣቱ ኣይደፈረን። ስለዚ ነዚ ልኡኽ ዓዲሙ፡ ጋቢ ከዲኑን በትሪ ኣባ ገዳ ኣዕቲሩን ብምቅብጣር ከም ዝወጸሉ ምግባር እሞ “ብሓደ እምኒ ክልተ ዑፍ”  ከም ዝበሃል፡ በቲ ሓደ ወገን ምስ ህግደፍ ዘይምጽላእ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስቲ “ሰራዊት ኤርትራ ኣየውጻእካን” ክብሎ ዝጸንሐ ወገን ንምትዕራቕን በዂርዎ ዝጸንሐ ሓለፋታት ንምርካብን ዝወጠኖ ክኸውን ከም ዝኽእል ርኡይ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ናይ ብልጽግና ፈጻሚ ኣካል ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ዕጥቁ ከውርድ፡ ናይ ኦሮሞ ግና ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ዕጥቁ ክጸንሕ ወሲኑ ኣሎ። ብወገን ኣምሓራ ድማ ኣንጻርዚ ውሳነ ብጐንጺ ዝተሰነየ፡ ሓያል ተቓውሞ የርኢ’ሎ። ፈደራል መንግስቲ ነዚ  ውሳነኡ ከተግብር ኣንጻር ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ናብ ምውሳድ ኣምሪሑ’ሎ። ስለዚ ህግደፍ ነዚ ጉዳይ ክርዳእ እሞ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ምድግጋፍ ተቖጢቡ ኣብ ጐኒ  ብልጽግና ንክስለፍ ንምዕጋቡ ክኸውን ከም  ዝኽእል  ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ልኡኽ ህግደፍ እንተኾነ’ውን ካብዚ ዝቐነየ ወደኽደኽን ዳንኬራን ክኸስቦ ዝተለሞ ከም ዝነብሮ ዘይግመት ኣይኮነን። ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ገበናት ከም ዝፈጸመ፡ ካብ መንግስቲ ኣሚሪካ ጀሚርካ ክሳብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካላት ብቐጻሊ ይኽሰስ ኣሎ።  ኣዘዝቲ ሰራዊቱ ብጽንተት ሰባት ከይክሰሱ ብዝለዕለ ስግኣት ተዋሒጡ’ሎ። ተቐይዶም ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከይቀርቡ’ውን ይፈርሕ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዚ ንምህዳም ወጢንዎ ዘሎ  ንጉዳይ ሰብኣዊ ጥሕሰት ብደረጃ ኢትዮጵያ “ናይ መድረኽ ምስግጋር ፍትሒ”  መህደሚ ንክልቲኦም ዘድሕን ስለ ዝኾነ፡ ህግደፍ በዚ ልኡኹ ኣቢሉ ንብልጽና ከተባብዖ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ሕሳብ ዘየብሉ ናይ ምዝንጋዕ መገሻ  ነይሩ ጌርካ ምውሳዱ ግርህነት እዩ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደ ወገን ናይ መገሻ እገዳ ዘለዎም ከም ኣብረሃ ካሳ ዝኣመሰሉ ምዕዳሙ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብቲ ንዓኣቶም ዘእንገደሉ ድራር ንድሕሪት ተመሊሱ ቋንቋ ውግእን ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዘመጉስን መደረታት ምቅልሑ፡ ኣብ ቅድሚ ምዕራባውያን ኮነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ። ምኽንያቱ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ውግእ ዝመርሑ ጀነራላት ኤርትራ ሎሚ’ውን “ናይ ሕማቕ ግዜ ሰብ ጽቡቕና” እዩ ኢልዎም።

እዚ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሓሉ፡ መደበር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ህንጸት ዓብይ ግድብ ኣባይ፡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ማእከል ፈደራል ፖሊስ፡ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዞባ ኣሩሲ ዘሎ መንግስታዊ ሕርሻ ስርናይን ካለኦት ማእከላትን እውን በጺሑ እዩ። ኣብ ማእከልቲ ሰፊሕ ሕርሻ ብዝተሳእሎ መሰረት ኢና ድማ “ኣባ ጉንባሕሲ ዘይግራቱ ይኾልል” ዝበልናዮ። ኣብቲ ዝበጽሕዎ ትካላት ዝገልጽሎም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ክኢላታት፡ ንመብዛሕትኦም ደቂደቆም ምንባሮም ከኣ ንበሓትነት ስልጣን መራሕቲ ህግደፍ ዕርቃኑ ዘውጸአ መስሓቕ ትርኢት ነይሩ። ጀነራላት ህግደፍ ክምቲ ልማዶም ብውሽጦም፡ “ነዚ ስርናይሲ ካብ ዓውዱ እንተትወርሶ” እናበሉ ከም ዘንባህቑ ርዱእ እዩ።

ውሑዳት ተስፋ ዘይቆረጹ ኤርትራዊ ወገናት፡ መራሕቲ ህግደፍ ነዚ ዝበጽሕዎ ትካላት ሪኦምስ “ቅዱስ ቅንኢ” ደኾን ይሓድሮም? ክብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ ሕልሚ ቀትሪ እዩ። ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘይሃንጽን ዘየልምዕን፡ ናይ ካለኦት ተመኩሮ ስለ ዘይረኣየ ኣይኮነን። ክሃንጽን ከልምዕን ከም ዝነበሮ ድማ ኢሳያስኳ ኣብ ቃለ-መጠይቓቱ ኩሉ ግዜ “ከምዚ ክግበር ነይርዎ” እናበለ  እዩ ኣዝኒ  ሰማዕቱ ዘጽምም። እንተኾነ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ሃገር ናይ ምህናጽን ምልማዕን ሕልናኡ ዓሪቡ ስለ ዝኾነ፡ በቲ “ዘይቅዱስ” ሕልሙ ምቕጻል እንተዘይኮይኑ፡ “ቅዱስ ሕልምስ” ኣይክሓድሮን እዩ እሞ ንቕበጾ። እቶም ቅዱስ ቅንኢ ሓዲሩና፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ኣማዕቢልና ህዝብና ካብ ጭቆና ከነናግፍ ዝግበኣና ንሕና እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኢና።

ምስሊ፡ ከተማ ሰንዓ ካብ ማሕበራዊ መዲያ

ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸን ቀጻልን ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ንምብጻሕ  ኣብ ዋና ከተማ የመን ሰንዓ ልኡኽ ሱዕድ ዓረቢያ ምስ ጉጅለ ሑቲ  ኣብ ምዝታይ ከም ዝርከብ ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ቅልውላው የመን ዝትንትኑን ዝከታተሉን ኣካላት ኣፍሊጦም። ነቲ ዘተ እትሽምግል ናይ ዘላ ሃገር ዖማን ልኡኽ ኣብ ሰንዓ ከም ዝርከብ እውን ተፈሊጡ። ከተማ ሰንዓ ካብቲ መንግስቲ የመን ብሓይሊ ዝሰጐጉሉ 2015 ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ጉጅለ ሑቲ እያ እትርከብ።

ኣብ የመን ኣብ መንጎ ሑቲን ብሳዕዲያ ዝምራሕ ሕብረትን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ፡ የማናውያን ተገዲዶም ሃገሮ ምልቃቕ ቀጺሎም። በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ የመን 80% ኣብ ምጽባይ ረዲአት ወዲቑ ከም ዘሎ እቲ ሓድሽ ጸብጻብ ኣስፊሩ።

ብዛዕባዚ ተረኽቦ ብሓለፍቲ ሱዕድያ ዝተዋህበ መረጋገጺ የለን። እንተኾነ፡ ብጉጅለ ሃውቲ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ናይ ሱዑዲያ ልኡኽን ሸምገልቲ ዖማናውያንን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከተማ ሰንዓ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ሑቲ መራሒ መሓመድ ዓሊ ኣል-ሃውቲ፡ መንነቱ ንምሕባእ ገጹ ሸፊኑ ምስ ሓላፊ ሱዑዲ ዓረቢያ ሰላም ክበሃል እንከሎ መሊቑ ዝወጸ ስእሊ ኣቃሊዑ። እዚ ምስሊ ናይ ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ ኣብ ናይ መወዳእታናይ ምብጻሕ ድሌቶም ዘርኢ ምዃኑ ብሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ  ሓላፊ ዝተዋህበ ሓሳብ ኮይኑ፡ ቅድሚ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ማዝያ 2023 ስምምዕ ክኽተም’ዩ ዝብል ግምት ሂቡ።

ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ብወግዒ ዝተገልጸ የለን። እንተኾነ፡ ምኽፋል ዝሓለፈ መሃያ ህዝባዊ ሰራሕተኛታት የመን፡ ዳግመ-ምኽፋት ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን፡ ኣብ ርእሲዚ ዳግመ-ህንጻ ሃገረ የመን፡ ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብታ ሃገር፡ ምምስራት ናይ ስግግር ፖለቲካን ዝብሉ እውን ኣብ ግምት ከም ዝኣትዉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። እዚ ምስቲ ናብ ግዝያዊ ተኹሲ ምቁራጽ ኣብጺሑ ዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጻዕሪ ማዕረማዕረ ዝረአ እዩ። ብሳላቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ግዝያዊ ተኹሲ ምቁራጽ፡ ሓያሎ እገዳታት ከም ዘቃለለን ክሳብ ናብ ምልውዋጥ ምሩኻት ከም ዘብጸሐ እውን ተገሊጹ።

ጉዳይ የመን ዝተሓላለኸን ኣልቃዒዳ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሓይልታት ኢዶም ዘእተውሉ ስለ ዝኾነ፡ በዚ ኣብ መንጎ ልኡኻት ሱዑድያን ሑቲን ክብጻሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ስምምዕ ጥራይ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ሱዑድያን ኢራንን ኣብ የመን ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ኢድ ኣዙር ውግእ ናብ ምውዳኡ እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።

በቲ ሓደ ወገን፡ ጉጅለ ህግደፍ ቅድም ምስ ኢራን ወጊኑ፡ ደሓር ሰልፉ ቀይሩ ምስቲ ሱዑድ ዓረቢያ እትመርሖ ወገን ተሰልፉ ኣብ ውግእ የመን ከም ዝተሳፈን ንወገን ሱዕድያ ወተሃደራዊ መደበር ፈቒዱ ዶላራት ከም ዝተኸፍለን  ዝዝከር እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዙሕ ዘይዝረበሎም ኣብ የመን ዝሳቐዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ።

Saturday, 08 April 2023 21:54

Dimtsi Harnnet Sweden 08.04.2023

Written by

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ6 ማዝያ 2023 ብኣወሃህዲ ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያት ኣቢሉ፡ ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብዚ መጸዋዕታኡ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዝተወሰኑ ኣካላት ይወርዶም ብዘሎ ዝተፈላለዩ በደላት ኣዝዩ ከም ዝሻቐል ገሊጹ። እቲ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ከም ዝተጸብጸበ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ካብኡ ገንዘብ ንምእካብ ብዝተጸንዐ ሓደገኛ መስመር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ከም ዘስፈሮ፡ እቶም ስደተኛታት፡ መንበሪ ፈቓድ ወይ ናይ ስደተኛ መንነት የብልኩም ብዝብል ምስምስ ይእሰሩ እሞ፡ ድሕሪኡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክፍትሑ ብነፍሲ ወከፍ ክሳብ ሓደ ሺሕ ዶላር ዝግመት ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ። እቲ ኣሲርካ ገንዘብ ንምሕታት ዝካየድ ግፋ ቀጻሊ ኮይኑ፡ እዚ ተግባር  ዘይተለምደ ናይ ብልሽውና ስልቲ ምዃኑን ብምትሕብባር ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ናይታ ሃገር ዝፍጸም ምዃኑን ኣብቲ መጸዋዕታ ሰፊሩ። ዝተሓተትዎ ዓቐን ዶላር ዘይምኽፋል ድማ ዝያዳ ስቓይን ተወሳኺ ማእሰርትን ከም ዘኸትል’ውን ተጠቒሱ። ምናልባት እውን ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስ ከም ዘኸትል ተሓቢሩ።

እቲ መግለጺ፡ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘቆበ ብምጥቃስ፡ እዚ ልግሱ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ምምሕዳር ኢሳያስ እውን ከም ዝቐጸሎ ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉን ካብዚኣቶም 19, 000 ዝኾኑ ኣብ መደበራት ስደተኛ ከም ዝነብሩን ኣብቲ መጸዋዕታ ሰነድ ሰፊሩ። እዚ ኣሃዝ ነቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝጸንሑን ምስ ሕብረተሰብ  ሱዳን ዝተሓወሱን ዝውስኽ ኣይኮነን።  ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝፍጸሙ ዘለዉ በደላት ነቲ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ዝውክሉ ዘይኮኑ፡ ውሑዳት ስሱዓት ዝፈጠርዎ ምዃኑ ኣብቲ መጸዋዕታ ተነጺሩ።

ኤርትራውያን በቲ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ክወሃቦም ዝጸንሐ ኣቀባብላን ልግስን ሕጉሳት ኮይኖም፡ ኣብዚ ሕማቕ ግዜ’ውን እቲ ናይ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ደገፍ ቀጻሊ ክኾነሉ ዝጽበይዎ እዩ።  ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ነቲ ክቡርን ለጋስን ህዝቢ ሱዳን ዝውክል ዘይኮነ፡ ውሑዳት ስሱዓትን ዘይሰብኣውያንን ዝፈጠርዎ ምዃኑ እቲ መጸዋዕታ ኣስፊሩ።  ልኡኻት ዲክታተርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብቲ ኩነታት ኢዶም ኣእትዮም ስደተኛታት ኣገዲዶም ናብ ኤርትራ ንክመልሱ ዕድል ዝረኽብሉ ኣጋጣሚ ከይፈጥር ከም ዝሰግእ እቲ መጸዋዕታ ኣተንቢሁ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) በዚ መጸዋዕታኡ፡  ንጸገም ዝተቓለዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዘየብሎም እሞ ብሰንክዚ ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ከይምለሱ ዝያዳ ከም ዝሰግእ ጠቒሱ። ላዕለውይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ሕብረተሰብ ዓለምን እዚ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ዝውገደሉን ገበነኛታት ዝሕተትሉን ኩነታት ንክፈጥሩ ድማ ጸዊዑ።

Page 90 of 598