ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ20 ማዝያ 2023 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳንን ህጹጽ ረዳኢ ሓይልን ብዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዝሓደሮ ስንባደን ስኽፍታን ገሊጹ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ከተማ ካርቱም እቲ ወተሃደራዊ ጐንጺ ድሕሪ ምግጣሙ ዝለዓለ ጉድኣት ከም ዝወረደ ብምጥቃስ፡ ብኣማኢት ሰባት ከም ዝሞቱን ብኣሸሓት ድማ ከም ዝቖሰሉን ኣስፊሩ።
እቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት፡ ተኹሲ ኣቋሪጾም፡ ፍልልያቶም ብዘተን ልዝብን ንክፈትሕዎ ተማሕጺኑ። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ውግእ ዘኸትሎ ዕንወት ብምዝርዛር፡ እቲ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሰላም ናይ ምንባር መሰሉ ክሕለወሉ ከም ዝግበእ ጸዊዑ።
ጋዜጥዊ መግለጺ ፖሓኤ፡ ሱዳን ካብተን ብዙሓት ስደተኛታት ዘዕቁባ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃናን፡ ካብቶም ስደተኛታት ኣማእቲ ኣሸሓት ኤርትራውያን፡ ቅድም ኣብቲ 30 ዓመታት ናይ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ብሰንኪ ጭቆና ህግደፍ ካብ 1991 ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ኣብ ሱዳን ተዓቊቦም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ህዝቢ ሱዳን ለጋስን ለዋህን እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ኤርትራውያን ንሱዳን ከም 2ይቲ ሃገሮም ከም ዝቖጽርዋ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኤርትራውያን ከም ሱዳናውያን ቀዳማይ ግዳይ ናይቲ ውግእ ኮይኖም ኣለዉ ኢሉ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ቅድሚቲ ውግእ ምጅማሩ እውን፡ ብሰንኪ ውሑዳት ሓላፍነት ዘይስምዖም ኣባላት ጸጥታ ናይታ ሃገር፡ ኣብ ጨንቂ ከም ዝጸንሑ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ። ብምትሕሓዝ ድማ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት፡ ብህጹጽ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ኩሉ ኣገልግሎት ህዝቢ ናብ ንቡር ክምለስን ሱዳናውያን ኮኑ ስደተኛታት ብሰላም ናይ ምንባር መሰሎም ክምለስ ጸዊዑ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብኢድ ኣእታውነት ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከም ዝሰግእ ብምጥቃስ፡ ንዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ከም ዝነጽግ ኣመልኪቱ። ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦት ኣካላትን ተኹሲ ጠጠው ንክብል ዘቕረብዎ መጸዋዕታ፡ እቲ ዲፕሎማሲያዊ ኣወሃሃዲ ኮሚተ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዘለዎ ደገፍ ኣነጺሩ።
ብሓፈሻ ኣብ መላእ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ካርቱም ካብ 15 ማዝያ 2023 ዝጀመረ፡ ደማዊ ውግእ ሕድሕድ ጠጠው ናይ ምባል ፈተነታት ኣይተዓወተን። ሓንሳብ ን4ተ ሰዓታት ድሕሪኡ ድማ ን24 ሰዓታት ተኹሲ ጠጠው ክብል እሞ፡ ነበርቲ መሰረታዊ ቀረብ ከዳልዉን ኣብ ፈቐዶ ጐደናታት ቆሲሎም ዝወደቑ ሰባት ንክለዓሉን ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ፈተነኳ እንተነበረ ከምዘይተዓወተ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ ውግእ ስለ ዘይተቛረጸ፡ ብኢጋድ ተመዚዙም ናብ ሱዳን ከይዶም ምስቶም ነቲ ውግእ ዝመርሑ ዘለዉ ጀነራላት ከዘራርቡ ተሓሲቦም ዝነበሩ መራሕቲ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ጉዕዘኦም ክስርዙ ተገዲዶም። ዜጋታተን ካብ ካርቱም ከውጸኣ መደብ ሰሪዐን ዝነበራ ሓያሎ ሃገራት እውን ብሰንኪ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዓውዲ ውግእ ኮይኑ ምህላዉ ኣይከኣላን። በቲ ውግእ ዝተጐድኡ ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ዝሕበር ዘሎ ኮይኑ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት እንታይ ይገብር ከምዘሎ ኣይተፈልጠን። ልዕሊ 10 ካብ ዜጋታታ በቲ ውግእ ዝሞቱዋ ኢትዮጵያ ብወገና ፍሉይ ኣካል ኣቚማት ትከታተል ከም ዘላ ተነጊሩ።
ምስ ምቕጻል እቲ ውግእ፡ ክሳብ 5ይ መዓልቱ ልዕሊ 300 ሲቭል ሰባት ሞይቶም ዝያዳ 2000 ድማ ከም ዝቖሰሉን እቲ ኣሃዛት ቅልጡፍ ወሰኽ ዘርኢ ምዃኑን ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ካርቱም ካብ ዘለዋ 59 ሆስፒታላት እተን 39 ገሊአን ብነፈርቲ ተወቒዐን ገሊአን ከኣ ሓይሊ መበራህትን ካለኦት ቀረባትን ስኢነን ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ኣቋሪጸን። ኣብታ ልዕሊ 5 ሚልዮን ነበርቲ ከም ዘለዉዋ ዝንገረላ ከተማ ካርቱም፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ቀጻሊ ደብዳብ ከቢድ ብረትን ነፈርትን፡ ኩሉ መሰረታዊ ቀረባት ስለ ዝተሳእነ ብዙሓት ካብ ነበርታ፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ብዝተረኽበ መጐዓዝያን ይሃድሙ ኣለዉ።
ካብቶም ተዋጋእቲ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳንን ቅልጡ ረዳኢ ሓይልን፡ ኣየናዮም እንታይ ተቖጻጺሩ ኣሎ ብንጹር ዘይተፈልጠ ኮይኑ፡ እቲ ዝኸበደ ውግእ ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ካርቱም፡ ሃገራዊ ቤተመንግስቲ፡ መደበር ተለቪዥንን ላዕለዋይ መእዘዚ መደበር ሰራዊትን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ይሕብሩ ኣለዉ።
ብዙሓት ሃገራት ኣብቲ ውግእ ኢድ ከም ዘለወን ስመን ዝጥቀስ ዘሎ ኮይኑ፡ ብንጹር “መን ምስ መን” ብጋህዲ ከም ዝተሰለፈ ዝተገልጸ የለን። “ግብጺ ነቲ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ደጊፋ ናይ ነፈርቲ ሓገዝ ትህብ ከም ዘላን፡ እቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ድማ፡ ኣብ ሊቢያ ካብ ወገን ጀነራል ሃፍታን ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ክረክብ ጀሚሩ ኣሎን” ዝብሉ ግና ብሰፊሑ ዝዝረበሎም ዘለዉ እዮም። እቲ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ዘተ ክእተው ዝጽወዓ ዘለዋ ሃገራት ብዙሓት ኮይነን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብተን ቀንዲ ተውሳእቲ ኮይና’ላ።
PRESS RELEASE Eritrean Political Forces’ Concerns on the Military Conflict in Sudan
Written by EPF Diplomacy Coordination CommitteeLibyan Militia and Egypt’s Military Back Opposite Sides in Sudan Conflict
Written by Martin Plaut
|
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቱ ከይተረፉ “ትርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ ውግእ ንኤርትራውያን ገዲፉሎም ዝሓለፈ ኣሉታዊ በሰላን ምክልባትን ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ዘጉሂ ከኣ በዚ ትርጉም ዘይነበሮ ውግእ ዘይተማህረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ መንእሰይ ኣብቲ ደማዊ ውግእ ትግራይ ንምእታዉ ዝወሰዶ ናይ ጥፍኣት ስጉምቲ እዩ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ኤርትራዊ መንእሰይ ግዳይ ኩሉ ሕሰማት ዝኾነሉን ዝተነወረሉን ውግእ ትግራይ፡ ዝወረደ ክሳራ ናይ ቀረባ ግዜ ስለ ዝኾነ፡ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ከም ዝነበረ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ዕምቆት ናይቲ ሰብኣዊ ክሳራ ንክፈልጥ ወግዓዊ መርድእ እዩ ዝጽበ ዘሎ።
ብሓፈሻ ብሰንኪ’ቲ ተደጋጋሚ ጻሕታሪ ባህሪ ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ በዚ ዳሕረዋይ ውግእ ትግራይ፡ ምስሊ ኤርትራ “ዘራጊቶ” ተባሂሉ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ተደዊኑ እዩ። ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ንምሕዋዩ ግዜ ዝወስድ ዘይምትእምማን ተፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ሕድሕድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ምውጣጥን ምርሕሓቕን እውን፡ ሓላፍነት ንዝስመዖን ኣርሒቑ ንዝጥምትን ወገን ብቐሊሉ ዘይግመት ሃስያን ትዕዝብትን ገዲፉ እዩ። ዘይተጋህደ ዝነበረ ናይ ሕድሕድ ዝምባሌታትና እውን ኣፋሊጡና እዩ።
ኣብ ጐረቤት ሃገር ዝፍጠር ህውከት፡ ከምቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝብልዎ ብኣሉታ ይጸልወካ እዩ። ዘሊልካ ክትጥበሶ ግና ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ እንተዘይጸኒሑካ ናይ ግድን ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮና ነዚ ጉዳይካ ኣቐሚጥካ፡ ናብ ጉዳይ ካለኦት ኢድካ ምእታው፡ ብገለ ግሩሃት ኤርትራውያን ከም ትብዓትን ብልህነትን ይቑጸር ምህላዉ ዘሕዝን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ክልተ ብጥንቃቐ ክተሓዙ ዝግበኦም ተርእዮታት ጐረባብትና ይምዕብሉ ኣለዉ። እቲ ሓደ ውግእ ሕድሕድ ሱዳን እዩ። እቲ ካልእ ድማ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ዝረአ ዘሎ ናብ ወተሃደራዊ ጐንጺ ዝዓረገ ምውጣጥ እዩ። ምናልባት ካብዚ ዞባና ወጻኢ እንተ ኣመዓደና ድማ ህግደፍ ተሃንዲዱ ዘምጸኦም፡ ናብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ’ውን ዝመጣጠሩ ዘለዉ፡ ምትፍናናት፡ ሩሲያ-ዩክረይ፡ ቻይና-ታይዋንን ምቁማት ምዕራባውያንን …….. ወዘተ ስግኣታት ኣለዉ።
ዝተፈላለዩ ወገናት ህግደፍ ብመንጽርቲ ናይ ክሳብ ሕጂ፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይካ ንምህዳም፡ ናይ ጐረባብቲ ህውከት ናይ ምጉህሃር ተመኩሮኡ ነቒሎም፡ ኣብዚ ኣብ ሱዳን ተኣጒዱ ዘሎ ህውከት ክኣቱ እዩ ኢሎም ይግምቱ ኣለዉ። ካብ መጀምርታኡ ነቲ ህውከት ኣብ ምእጓዱ ከይነበሮ ኣይተርፍን’ዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዲክታተር ኢሳያስ ብዘይ ኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ ሱዳን ናብ ፖርት ሱዳን ዘካየዶ ብጽሖትን፡ ቅድሚ መንፈቕ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዓዲሙ ክእክቦም ፈቲኑ ብማእከላይ መንግስቲ ሱዳን ምዕጋቱን ጠመተ ሩሲያ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ድማ ከም መበገስታት ንኢድ ኣእታውነቱ ዝውሰዱ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ሓደ ወርሒ፡ ናይ ደሓን ከምዘይነበረ ክሕመ ዝጸንሐ፡ መገሻ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ናብ ኤርትራ፡ ምስዚ ዝተጠቕሰ ደሚርካ ዝውሰድ ዘሎ ምልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ድሕሪ’ቲ ውግእ ምጅማሩ ህግደፍ ብድሕሪ መጋረጃ ከም ዝህሉ ዝተፈላለያ መድያታት ፖለቲከኛታት ብምጥቃስ ግምተን ይህባ ኣለዋ።
ንህዝቢ ኤርትራ ከገድሶ ዝግባእ ህግደፍ ናብ ሱዳን ኣትዩ ምስ መነኦም ከም ዝውግን ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ ነቲ ጣልቃ ኣቲኻ ነቲ በዓል ጽቡቑ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝቢ ሱዳን ምንቛት እዩ ከወግዞ ዝግበኦ። ኣብዚ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ማሕበራትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ውግእ ጠጠው ኢሉ፡ ብሰላም ክፍታሕ ዝጽውዓሉን ዝሻቐላሉን ዘለዋ እዋን፡ ብዛዕባዛ ብዙሕ ካብ ህዝብና ዝነብረላ ሱዳን፡ ከም ኤርትራውያን ናይ ሰላም ድምጽና ከነጥፍእ ወይ ህክውከት ከነተባብዕ ኣየጸብቐልናን ኣየምሕረልናን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታዉ፡ ዝወረዶ መረረ ስለ ዝፈልጥ፡ ሎሚ ዘለዎ ምርጫ ድምጽኻ ሓቢእካ ምጽቃጥ ዘይኮነ፡ ዓው ኢልካ ህውከትን ሳዕቤናቱን ምኹናን እዩ።
እቲ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ዘጋጠመ፡ ካብዚ ናይ ሎሚ ናይ ሱዳን ጉዳይ ዝተፈልየ መልክዕ ከም ዝነበሮ ዝከሓድ ኣይኮነን። ዘይሩዘይሩ ግና ክልቲኡ ዝጸልወና ጉዳይ ጐረባብቲ ስለ ዝኾነ፡ ብማዕረ ዘሕመናን ድምጽና ከነስመዓሉ ዝግበኣናን ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና ጉዳይ ትግራይ-ኢትዮጵያ ንልኡላውነትና ዝያዳ ዝህድድን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሃገርና ዝዋፈርን ዝዓጥቕን ምናብሩ ብምርሳዕ ኣይኮነን። እንተቲ ህግደፍ ኣብ ዘዝኣተዎ እንዳሰዓብካ ምቅልዑ ቀጻሊ ኣካል ቃልስና እዩ። መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩን ወጻእን ዝረጋገጽ፡ ነቲ ህግደፍ ብሃገራውነት እናሸፈጠ፡ ዝኸፍቶ መደንዘዚ ኣጀንዳታት ብምርዓም ዘይኮነ፡ ካብ መሰረቱ ብምውጋዱ እዩ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብምእታዉ ዝወረዶ ጉድኣት ካልእ መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ተደጋጋሚ ተመኩሮ እናሃለዎን ብረቱ ኣንጻር ህግደፍ ከቕንዕ እናተጸውዐን፡ ቃል ህግደፍ ከየዕብር ክብል፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ብምእታዉ ኤርትራውያን ከም ዝተቐየምዎ ይግነዘብ እዩ ዝብል ግምት ኣለና። እንተኾነ ግንዛበኡ ብግሁድ “ብእምቢታ ኣንጻር ህግደፍ” ክሳብ ዘይተሰነየ፡ ካብ ወቐሳ ኣይክድሕንን እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዘይጉዳዩ ብምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራ መዋፈሪትን መዕለሚትን ናይ ግዳም ሓይልታት ከምዘይትኸውን ናይ ምግባራ ሓላፍነት ከምዘለዎ’ውን ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያውያን ስምረት ትንሳኤ ትግራይን ፋኖ ኣምሓራን ከምኡ እውን ሱዳናውያን ተቓወምቲ ኣብ ኤርትራ ብምስጢር ይዕለሙ ከም ዘለዉ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ጭራኻ ደጒልካ ኣዕናዊ ትእዛዝ ኢሳያስ ምትግባር ወጺኡ፡ ህዝባዊ ውገናኡ ከርኢ ብዘላቶ ጸባብ ዕድል ካብ ምጥቃም ካልእ ምርጫ ከምዘየብሉ ነዘኻኽሮ።
ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ምልዕዓላትን ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ተፈቲነን እየን። ኣብቲ ፈተነ ናይ መርገጻት ዘርጠብጠብን ምግልባጥን ተራእዩ እዩ። ኣብ ጉዳይ ሱዳንከ፡ እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ዘርጠብጠብ፡ ካብ ተመኩሮ ብምምሃር ክእረም ድዩ ወይ ክድገም ኣብ መጻኢ ዝረኣይ እዩ። ጉዳይ ሱዳን ካብቲ ናይ ትግራይ ብዘይፍለ ክጸልወና ታሪኻዊ ምኽንያት ኣለዎ። ምኽንያቱ ህዝቢ ሱዳን ዋላ መንግስታት እንተተቐያየሩ፡ ካብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ጀሚሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕቋብ ዝተዘርግሐ ኣእዳዉ ክሳብ ሎሚ ዘይዓጸፈ ለጋስ ህዝቢ እዩ። ካብዚ ተመኩሮዚ ነቒሎም “ሱዳን ካለኣይቲ ሃገርና እያ” ዝብሉ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ሎሚ እውን ኣብ ሱዳን ገለ ኣብ ፈቐዶ መደበር ስደተኛታት ተዓቚቦም፡ ገለን ድማ፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ህይወቶም ዝመርሑ’ሞ በዚ ውግእ ግዳይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ስለዚ ውግእ ሱዳን ዘሻቕለና ምእንቲ’ቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝብና’ውን እዩ’ሞ፡ ንህዝቢ ሱዳን ራህዋን ሰላምን ንምነየሉ።
ሓደ ካብ ፖለቲካዊ ተልእኾታት ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019
ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ካብ ዝበዓል ልክዕ 20 ዓመት ኮይኑ። እዚ ሓደ ካብቲ ሰዲህኤ ዝቕጽሎ ዘሎ እወንታዊ ውርሻታት ተሓኤ- ሰውርዊ ባይቶ እዩ። ይኹን እምበር ብሰሪቲ ኣብ ምሉእ ዓልም ኣጋጢሙ ብዝጸንሐ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንሰለስተ ዓመታት ምብኳሩውን ምኽንያታዊ እዩ ነይሩ። እዚ ዓመት’ዚ ግን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኣገዳስነት ፈስቲቫል ከምወትሩ ኣዕዚዙ ስለዝርኣዮ፡ ድሮ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መዚዙ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ኣብ ፍራንክፎርት ክግበር ከምዝኾነ ሓበሬታዊ መግለጺ ሽማግል ፈስቲቫል ኣቐዲሙ ኣመልኪት ኣሎ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ጽባሕ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ስለ ዝካየድ፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ካልእ ሓደስቲ ምዕብልናታትን ናይቲ ጉባአ ዝግለጸሉ ብምዃኑ ፍሉይ ድምቀት ክህልዎ እዩ።
ፈስቲቫላ ኤርትራ፣ ማሕበራው፡ ፖለቲካውን ባህላውን መዳያት ምንጽብራቕ ካብ ቀንዲ ዕላማታቱ ኮይኑ፣ እቲ ተፈላልዩ ዝጸንሐ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ካብዝተፈላለየ ሃገራት መጺኡ ዝራኸበሉን ካብ ምንፍፋቑ ወጺኡ ናይ ዓመት ስንቂ ሕውነትን ፍቅርን ደሊቡ ናብ ንቡር መነባብራኡ ዝምለሰሉን ኩነት ስለ ዝፈጥር ኣገዳሲ ናይ ርክብ መኣዲ እዩ። ኮቪድ ዝባሃል ሕማም ግን ነዚኣውን ከሊኡና እዩ ነይሩ።
ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እንተኾነውን ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝኾነ ዜጋ ብዘይዝኾነ ይኹን ኣፈላልይ ዝጋባኣሉ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ማሕበራትን ተራኺቡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝዝትየሉ፣ ናይ እንካን ሃባን መድረኽ ስለዝፈጥር፣ ተበሃጊ እዩ። ከመይሲ ሓደ ካብቲ ኣብ ሃገርና ጠሪሱ በዂሩ ዘሎ መድረኽ ሓሳባካ ናይ ምግላጽ መሰል፣ ኣብ ዓዲ ጓኖት ክትረኽቦን ከተስተማቕሮን ከለኻ፣ ንምርግጋጹ ክግበር ዘለዎ ቃልሲ ዘንህርን ዘተስፉን ስለዝኾነ እዩ።
ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፎርት፣ ዝተዓደሙ መራሕቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳቤታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን፣ ተወከልቲ ጀርመናዊ ሰልፍታትን ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርትን ካልኦት መሓዙት ኤርትራውያንን ዝሳተፍዎ ክኸውን ትጽቢት ክህሉ እንከሎ፣ ኩሉ ደላይ ለውጥን ዲሞክራስን ኤርትራዊ ዜጋ ድማ ኣብ ውራዩ ተሳታፋይ ስለዝኾነ፣ ፍሉይ መጸዋዕታ ኮነ ዕድመ ዝጽበ ኣይመስልናን። ዕድሜናን ትጽቢትናን ግን፣ ዋንነት ተሰሚዕዎ ንመጽእ ኣለና’ሞ እንታይ ክንሕዝ ክብል ከሎ እዩ ግርማኡ።
በዚ መሰረት፡ ኩልና ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብፍላይ ተቐማጦ ጀርመን፣ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ ቆጸራና ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ይኹን።
ብዳሓን የራኽበና።
ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ንናጽነት ንክዕወት ካብ ዝደረኹ ረቛሕታት ሓደ፡ ኣብ ሕቑፊ ህዝቡ ኮይኑ፡ ብህዝቡ ዝሰንቕን ዝዓጥቕን ምንባሩ መሰረታዊ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ናብ ናጻናትን ልኡላውነትን ዘብጸሖ መስርሕ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ንቃልሱ ከም ብሌን ዓይኑ ዓቂቡ፡ ዝሓብሓበሉ ጉዕዞ ኣብ ታሪኽና ፍሉይ ቦታ ዝወሃቦ ፍጻመ እዩ። ነዚ ዝተዓዘቡን ብጽንዓት ህዝብና ዝተመስጡን ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ሓደ እዋን “ኤርትራ ኣይኮነንዶ ህዝባ፡ መሬታ’ውን ተዋጋኢ እዩ” ከም ዝበሉ ዝዝከር እዩ። ሎሚ ብዘይ ትማልን ጽባሕን ትርጉም ስለ ዘየብላ፡ እዚ ናይ ትማሊ ናይ ቃልሲ ጸጋናን ውርሻናን ንመጻኢ እትምርኮሰሉን እትሕበነሉን እምበር፡ ኣስተናዒቕካዮ ዝሕለፍ ሕለገት ኣይኮነን።
ኣብ መዋእል ቃልሲ ንናጽነት፡ ህዝብና ካብ ዓድታት ጀሚርካ ክሳብ ኣውራጃታት ዝነበሮ ሓባራዊ ምምሕዳራዊ ዝርጋሐ፡ ምምስራት ሽዑ ህዝቢ ከም መድረኽ መኸተ ዝሳተፈለን ህዝባዊ ማሕበራትን፡ ንመጻኢ ድማ ናይ ህዝቢ ዲሞክራሲያዊ ዋንነት ስልጣን መንጸፍ ዘንበረለን ትካላት እየን ነይረን። እንተኾነ እቲ ናጽነት ክርከብ ታሪኽ ሕድርን ሓላፍነትን ዘረከቦ ጉጅለ ኢሳያስ ስለ ዝጠለመ፡ ህዝብና ድሕሪ ናጽነት ክረኽቦ ትጽቢት ዝነበሮ ህዝባዊ ስርዓተ-ምሕደራ፡ እነሆ ክሳብ ሎሚ ኣይተረጋገጸን። ንሕና ከኣ ነቲ ዝተጠልመ ሕድሪ ንምምላስ ንቃለስ ኣለና።
ሎሚ ነካይዶ ዘለና ምልኪ ናይ ምውጋድ ቃልሲ፡ ካብቲ ቀንዲ ብደሆታቱ፡ ምስ ሃገርናን ህዝብናን ተመዓዲና ነካይዶ ዘለና ምዃኑ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ብኣካል ምርሕሓቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራ ብዘመናዊ ሜላ ምስ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ ክትራኸበላ ዘይትኽእል ብዕጽዋን ጽዑቕ ስለያ ህግደፍን ዝሰኮነት ምዃና ከኣ ነቲ ምርሕሓቕ፡ ምርሕሓቕ ዝውስኸሉ ዘሎ እዩ።
ናብቲ ብሰንኪ ህግደፍ ዝተኽተሎ በሓቲ ፖሊሲ፡ ናብ ህዝብና ንምቕራብ ከም ዝሓሸ ምርጫ ዝውሰድ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ምህላው እዩ። እዚ ብፍላይ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ክፍተን ዝጸንሐን ጌና ቀጻሊ ዘሎን ውጥን እዩ። እንተኾነ እዘን ጐረባብትና ሃገራት በብግዜኡ መልክዖም ብዝቐያይሩ ቅልውላዋት ነናተን ጸገም ዘለወን እየን። ህልዊ ብውግኣት ዝተሰነየ፡ ዘይርጉእ ኩነታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ።
ምስተን ሃገራት ዝግበር ዝምድና፡ ኣብ መንጎ መንግስታትን ትሑት ዓቕሚ ዘለወን ሰልፍታትን ውድባትን ዝጸምድ ስለ ዝኾነ፡ ብኹሉ መልክዓቱ ተመጣጣኒ ኣይኮነን። እዚ ዘይምምጥጣን ዝፈጥሮ ዘይምምዕርራይ ከኣ ተጽዕኖኡ ቀሊል ከምዘይኮነ ክርአ ዝጸንሐ እዩ። ጐረባብትና መጻኢት ኤርትራ ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓአን እትቃነ ክትከውን ከም ዝደልያ ውሁብ እዩ። ንሕና ድማ ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ረብሓ፡ ሰላምን ሓድነታን ክትቅየስ ስለ ንቃልሰ፡ ናይ ፖለቲካዊ ሕሳባት ምውጣጥ ንሓንሳብ ብጋህዲ፡ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር ክረአ ናይ ግድን እዩ። ናይ ህግደፍ ምስ ኩለን ጐረባብትና በብግዜኡ ብዘይረትዓዊ ምኽንያታት ውግእ ምኽፋት ድማ ነዚ ምውጣጥ ዘጋድዶ እዩ።
ህግደፍ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ካብኡ ሓሊፉ ኣብዛ ዓለም ድምጾም ከይስማዕ ከይደቀሰ ስለ ዝሓድር፡ ንምረት እቲ ካብ ህዝብኻ ርሒቕካ ዝካየድ ቃልሲ ዝያዳ የጋድዶ። ህግደፍ ስግኣት ዝደረኾ ጉሒላ መደባቱ ንምዕዋት ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ መስ ጐረባብትና ሃገራት ክኽትሞ ዝጸንሐ ጸጥታዊ ስምምዓት፡ ዝቃወምዎ ኣካላት ንምጭዋይን ምቕታልን ንክሕግዞ ምንባሩ፡ ጨካን ባህርያቱ ካብ ዘርእዩ ተግባራት እዩ። እቲ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ናይ ስለያ መርበባት እናዘርሐ ኤርትራውያን ከይቀስኑ ዝኣልሞ ተንኮላትን ገንዘቦም ንምዝማት ዝምህዞ ውዲታትን ከኣ ክሳብ ክንደይ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ብዘለዎም ኤራትራውያን ወገናት ኣዝዩ ዝሰግእ ፈራሕ ጉጅለ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
ከምዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ በቲ ዝረኸብካዮ ጸቢብ ዕድል ተጠቒምካ ናይ ዘይምድማዕ ድኽመትካ፡ በቲ “ምረት ቃልሲ ካብ ህዝብኻ ርሒቕካ” ኣመሳሚስካ ንምሕባእ ዝዓለመ ክኸውን ኣይግበኦን። ዝተወሰና ተቓወምቲ ውዳበታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበራሉ፡ ኢህወደግ ኣይሓገዘንን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪት ጐቲትወን ዝብል መረረ ብተደጋጋሚ ይለዓል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ውድባት ዋላ ሓንቲ ኣይገበራን ዝብል፡ “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ” ዝዓይነቱ ሸፈጥን ንሰልፍታትን ውድባትን ኤርትራ ኣብ ሓደ መጉእ ምውቃጥን ይስማዕ እዩ። ኣብዚ ቅድም ክለዓል ዝግበኦ “ነታ ዝነበረት ኣዝያ ውስንቲ ዕድልከ ተጠቒምናላዶ?” ዝብልዩ ክኸውን መተገበአ። ከም ኣቀማምጣ እውን ብዛዕባ ድኽመትን ብርተዐን ክዝረብ እንከሎ፡ ብኣኻ ምጅማር እዩ እቲ ቅኑዕ ኣቀማምጣ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ፡“ንውዳበታት ምሕዝነትን ኪዳንን፡ ንመድረኻት ኣቃቂ፡ ኣዋሳን ደበረዘይትን፡ ክሳብ ክንደይ ተጠቒምናሉ?” ኢልካ ምሕታት ሓላፍነታዊ እዩ።
ምስ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዝተተሓሓዘ፡ ኢህወደግ ካብ ዝንቀፈሉ ብዙሓት ዛዕባታት ሓደ “ውድባት ንምርባሕ የተባብዕ ነይሩ” ዝብል እዩ። ኣብዚ ስለምንታይ ኤርትራውያንከ መሰረታዊ ናይ ውድብ መምዘኒ ቀትዕታት ከየማልኡ “ውድብ እየ እሞ መርቑንን ሓግዙንን ይብሉ ነይሮም?” ኢልካ ምሕታት ክቕድም ይግበኦ። ከምቲ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ዝብልዎ፡ ኣብቲ ኢህወደግ ፈጺምዎ ዝበሃል ዕንቅፋታት፡ ናይ ኤርትራውያን ዘይርትዓዊ ተግባራት ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ኣሉታዊ ተዘክሮ እዩ።
ድሕሪ 2018 እውን’ኮ ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ እዮም ዝብሉ፡ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም” ብዝብል ዝኸፈቶ ጠላም ኣፍደገ ዘንጊዕካ፡ ናብቲ ኢትዮጵያውያን ኣንጻር ልኡላውነትና ዘርእይዎ ወስታታት ጥራይ ምምጣጥን ምቁማትን ቅኑዕ ኣይኮነን። ኮታ ብዘይኤርትራዊ ወገን፡ ኢድ ኣእታውነት ዘተባብዕን ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዘስሕትን ምልክታት ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ጌጋ ይፍጸም ኣሎ’ሞ ዓገብ ምባል፡ “ብዘይብኣኻትኩም ስለ ዘይኮነልና ኣብቲ ጉዳይና ኣኹድዱ” ዝብሉ ኤርትራውያን እንተ ነይሮም፡ እቲ ቅድም ክውቀስ ዝግበኦ መን ምዃኑ ርኡይ እዩ።
ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት፡ ንዝመዓድ ምዒዱ፡ ንዝግሰጽ ከኣ ገሲጹ፡ መሰረታዊ መንገዲ ናይ ምትሓዝ ሓላፍነት ዝነበሮ ህዝባና ክኸውን እንከሎ፡ እቶም “ንድሕነት ህዝብና ንቃለስ ኣለና” ዝብሉ ኣካላት’ውን ሓላፍነቶም እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ከስተብህሉ ምተገበኦም። እንተኾነ ብሰንኪ ካብ ህዝብና ርሒቕና ንቃለስ ምህላውና፡ እዚ ዕድልዚ ኣይተረኽበን። ከምቲ “ርሑቕ ዓድሲ መሕሰዊ” ዝበሃል፡ እቲ “ምእንቲ ህዝቢ እየ” በሃላይ ብዙሕ እዩ። “ኣይናይ እዩ እቲ ንሓቀኛ ኣተሓሳስባን ባህግን ህዝቢ ዝውክል?” እምበኣር፡ ኣብ መጻኢ ብህዝባዊ መንፊት ክንጸር እዩ።
ኣብ ከተማ ኣስመራ “ሓበሬታ ዘርጊሕክን” ብዝብል 25 መሸጢ መሳርሒ ኤለክትሮኒክስ ንሓደ ወርሒ ክዕጸዋን ነፍሲ ወከፈን 10 ሺሕ ናቕፋ ክኸፍላ ከም ዝተወነን፡ ሓንቲ ካብ ልሳናት ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነት ኣብ ትሕቲ ”መንግስታዊ ሚኒስተር ዜና” ናይቲ ጉጅለ እትመሓደር፡ ኤሪቲቪ/ERITVI” ብ14 ሚያዝያ 2023 ኣብ ዘቃለሓቶ ዜና ተኣሚና።
እታ ተለቪዥን ንኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጠቒሳ ከም ዝሓበረቶ፡ እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጨንፈር “ሕግን ስርዓትን” ብዝባሃል ህግደፋዊ ትካል እዩ። እተን ትካላት ዝተኸሰሳሉ ምኽንያት “ምስ ባህሊ ኤርትራ ዘይከይድ ፍልምታት ብዩቱብ ዘርጊሐን” ብዝብ ናይ ሓሶት ሸፈጥ እዩ።
ነቲ ተግባር ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ኣካላት ከም ዘቃለዕዎ ግና፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣስመራ ብዩቱብ ዝዝርግሑ ዘለዉ ቬድዮታት፡ ከምቲ እታ ተለቪዥን ዝበለቶ ኣንጻር ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮኑ፡ ንጸረ ህዝቢ ተግባራት ምምሕዳር ህግደፍ ዘቃልዑን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝተቐድሑ ኣገደስቲ ቃለ-መጠይቓት ካለኦት ፖለቲካ መልእኽታትን እዮም።
ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ኢንተርኔት ዕጽዋ፡ እቲ ብውሽጠ-ውሽጢ ዝዝርጋሕ ዘሎን ነቲ ጉጅለ ዓቕሉ ዘጽብበሉን ቪድዮታት፡ ካብ ሱዳን ኢትዮጵያን ካለኦት ዝሓሸ ናይ ኢንተርኔት ዓቕሚ ዘለዎ ከባብታትን ብሞባይላት ተጻዒኑ ናብ ኤርትራ ዝኣትው እዩ። ኣካላት ጸጥታ ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ጥርጠራ ስለ ዝሓድሮም ሓደሓደ ግዜ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከይተረፈ ካብ መገሻ ናይ ዝተመልሱ ሰባት ሞባይላት ከም ዝፍትሹ ዝሕብሩ ኣካላት’ውን ኣለዉ፣
ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ነቲ ምቁጽጻር ከስፍሕዎ መደብ ስለ ዘለዎም፡ ተዓዘብቲ ኤሪቲቪ እቲ ናይ ኤለክትሮኒካ ትካላት ምዕጻውን ምቕጻዕን ኣብ ኣስመራ ተደሪቱ ክተርፍ ኣይግበኦን ከም ዝበሉ ኣምሲሎ ምልዕዓላት የከይድ ስለ ዘለዉ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ዘለዉ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ከሎ ጌና ክጥንቀቑን ካልእ ሜላታት ክበላሓቱን ይግበኦም።
More...
ኣብ ሱዳን ብ15 ሚያዝያ 2023 ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝእዘዝ ሃገራዊ ሰራዊትን ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ሕመቲ ዝምራሕ፡ ቅልጡፍ ረዳኢ ሓይልን ሕድሕድ ውግእ ተኸፊቱ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ውግእ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ከተማ ካርቱምን ኣብ ከተማ መረውን ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መደበራት፡ ቤተ-መንግስትን መደበራት ሓይሊ ኣየርን እዩ ተጀሚሩ። ነቲ ውግእ መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ክልቲኦም ወገናት ምክሳስ ቀጺሎም ኣለዉ።
እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን፡ ነፈርቲ ውግእ ዝተጠቕመ ኮይኑ፡ እቲ ውግእ ኣብ ካለኣይ መዓልቱ ናብ ኩሉ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ልሒሙ። በዚ መሰረት ኣብ ከተማታት፡ ፖርትሱዳ፡ ከሰላ፡ ገዳርፍ፡ ደማዚን፡ ካድጉሊን ኮስትን ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበራት ናይቲ ቅልጡፍ ረዳኢ ሓይሊ፡ በቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሓይሊ ሱዳን ከም ዝተታሕዙ፡ ሱዳን ትሪቡ ኣፍሊጣ። እቲ ብመሓመድ ደጋሎ ዝእዘዝ ሰራዊት ብወገኑ፡ መደበር ሓይሊ ኣየር መረዊ ተቖጻጺሩስ ኣብኡ ዝጸንሑ ወተሃደራት ግብጺ ከም ዝማረኸ ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሑ።
ብሰንክቲ ውግእ ዝወረደ ሓፈሻዊ ዕንወት ብንጹርኳ እንተዘይተገልጸ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ብዝብልከት ግና፡ ክሳብ 16 ሚያዝያ 2023 ንግሆ 56 ሲቪል ሰባት ከም ዝሞቱን 600 ዝኾኑ ድማ ከም ዝቖሰሉ ናይ ሱዳን ማሕበር ሓካይም ሓቢሩ።
መጻኢ ኩነታት ሱዳን ዘተሓሳሰበን፡ ኣሜሪካ፡ ዓረብ ሊግ፡ ሳዑዲ ዓረን ሕቡራት ዓረብ ኢመሬትን፡ ክልቲኦም ወገናት ውግእ ኣቋሪጾም ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ክመጹ ጸዊዐን። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኖዮ ጉተርዝ ብወገኖም ብወሃብ ቃሎም ኣቢሎም፡ ውግእ ኣቋሪጾም ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ኣተሓሳሲቦም። እንተኾነ ክልቲኦም ወገናት እቲ ሓደ ነቲ ካልእ “ብሓይሊ ከወግዶ እየ” ብዝብል መርገጾም ቀጺሎም ኣለዉ።
እቲ ናብዚ ውግእ ዘብጸሐ ጠንቂ ብመሰረቱ ናይ ስልጣን ውድድር ኮይኑ፡ ኣብቲ ክምስረት ዝሰረሓሉ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ክልቲኡ ሰራዊት ክተሓናፈጽኳ ኣብ ስምምዕ እንተበጽሑ፡ “መስርሕ ምትሕንፋጽ ክንደይ ግዜ ይውሰድ? ነቲ ዝተሓናፈጸ ሰራዊትከ መን ይምረሓዮ?” ኣብ ዝብሉ ግና ጐሊሖም ክንገሩ ዝጸንሐ ፍልልያቶም እዮም።
መሓመድ ደጋሎ ሕመቲ፡ ኣብዚ ከባቢና ምስ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ። ብኣህጉራዊ ደረጃ ድማ ምስ ሩሲያ ዝምድና ዘለዎ እዩ። በዚ መሰረት ጉዳይ ሱዳን ናይ ብዙሓት ናይ ኢድ ኣዙር መዋግኢ ከይከውንን ነቲ ኣብ ዞባና ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ መሊሱ ዘጋድዶ ከይከውንን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ፡ ጉዳይ ሱዳን ናብ ዝኸፈአ ወጥሪ ይዓርግ ምንባሩ ብምጥቃስ ብዕለት 14.04.2023 ኣጠንቂቑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ 2023: ንነባሪ ሰላም እናማዕደወ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ጾመ-ልጓም ፈቲሑ፡ ናብ ዕለት ትንሳኤ ኣብጽሓና ብማለት ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ። ናይ 2023 በዓል ትንሳኤ፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወረደ ጉድኣትን ምክልባትን ስዒሩ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኰነ ኣብ ከባቢናን መላእ ዓለምን ሰላም፡ ጥዕናን ማሕበራዊ ፍትሕን ከስፍን ይትስፎ።
ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)
ኣቦ መንበር፡ ሰዲህኤ
እዚ ቀጺሉ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ ብቛንቋ ሽወደን ዝተጻሕፈ መጽናዕትን ምርምርን ናይዚ ኣብ ኣርእስቲ ዘሎ መንግስታዊ ትካል`ዩ። ቀንዲ ዕላማ እዚ ጽሑፍ መንግስታት ሩስያ: ቺና: ኢራን: ሶርያን ኤርትራን ኣብ ዲያስፖራ( ስደት) ንዝነብሩ ህዝብታትቶም ንምጽላውን መላእ ህይወቶም ብግቡእ ብስለያዊ መገዲ ኣጽኒዕካ ንምቊጽጻርን ዝዓለመ ስርሖም ዝተገብረ ምርምርን መጽናዕትን`ዩ። እቲ ኣብዚ ተተርጒሙ ሰፊሩ ዘሎ ግን ስራሕ ስለያን ብኡ ኣቢልካ ዝግበር ምቊጽጻርን ኤርትራውያን ብስርዓት ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ኢዩ። ከም ዝርአ ድማ ኤርትራ ኢሉ ይጅምር።
ኤርትራ:-
ኤርትራ ምስ ህዝባ ኣዛሚድካ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቊጽሪ ዜጋታት ኣብ ዲያስፖራ/ወጻኢ ዘለውዋ ሃገር ኢያ። ናይታ ሃገር ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነብሩ ተቓመጦኣ ኣዕሙቑ ዝተሰረተ ፖለቲካ ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ምጽናዕ መንግስቲ ማእከላይ ተራ ኣለዎም። ብፍላይ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር። ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ጸቕጢ ሃሊይዎም ብፍላይ ጽልዋ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቊጠባ ኢዩ። ካልእ ኣብቲ ስለያዊ ስራሕ ዘርእዮ ጸቕጥታት ምፍርራህ: ዓመጽን በቲ መንግስቲ ዝግበር`ዩ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ኣገባብ ናይቲ መንግስቲ ምቊጽጻር ተጠቒምካ ካብ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝእከብ ግብሪ ኢዩ። ቆንስላዊ ኣገልግሎት ዝርከብ ከም ምሕዳስ ፓስፖርት ዝኣመሰለ ገንዘብ ኣኽፊልካ ዝግበር ኢዩ። ስድራኻ ካብ ኤርትራ ንምምጻእ እቲ ካልእ መማእረሪ ገንዘብ ኢዩ። ስለዝኾነ ግብሪ ዋላ ካብ ተቛወምቲ ገንዘብ ከም ዝእከብ ይግበር። ካልእ እቲ መንግስቲ ዝጉስጒሰሉ ንሃገራውያን ኣብ መንግስቶም እሙናት ክኾኑ ዝግበር ምስሉይ ምሕብሓብ ኢዩ። እዚ ብምድላው ፈስቲቫላት: ስሚናርን በዓላትን ካብ ዝጥቀሙሎም ኣገባባት ኢዮም።
ብመሰረት ፍሉይ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት 16% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ/ወጻኢ ይቕመጡ። እዚ ብመሰረት መጽናዕቲ Hirt Mohammad ን 30% ካብቲ ህዝቢ ኮይኖም ኣብ ዓመት 5000 ዝግመቱ ሰባት ካብታ ሃገር ይግዕዙ። ኤርትራ ብሓደ ሰልፊ እትመሓደር ብምልካውነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብናቱ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስን ትግዛእ። ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ብ 1991 ዓ.ም ነጻ ወጺኣ። እቲ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ነጻነት`ውን ቀጺሉ ኢዩ። እቲ ስርዓት ሓፈሻዊ መስርሕ ሃገራዊ ወታሃደራዊ ምዕስካር ዝመስል ኮይኑ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዝሓወሰ ኢዩ። ንደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝምልከት ኮይኑ ናይ ግዜ ገደብ የብሉን። እዚ ገደብ ዘይብሉ ቆዋሚ ውተሃደራዊ ኣገልግሎት ብሕቡራት መንግስታት ክግለጽ ከሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ`ዩ ኢሉ ይድምድም።
ኤርትራውያን ኣብ ስደቶም እውን ተወሳኺ ዶብ ሃገር ዝጠሓሰ ተወሳኺ ጽልዋ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይግበረሎም። ነዚ መጽናዕቲ´ዚ ዘሰነየ ብዙሕ ምንጭታት ኣብዚ ጽሑፍ ሰፊሮም ኣለው። (ይኹን እምበር ብምሉኣቶም ኣብዚ ትርጉምዚ ኣይሰፈሩን) መጸውዒ ስሙ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ቁጽሪ ህዝቢ 3.6 ምልዮን ርእሲ ከተማኡ ኣስመራ ኢዩ።
ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ካብቶም ዝዓበዩ ስደተኛታት ኢዮም። ኣብ ዓመት 2021 ኤርትራ ካብቶም ዝዓብዩ ዑቚባ ዝሓተቱ ኮይኖም 48000 ሺሕ ሰባት ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ ኢዮም። ብመሰረት ጸብጻብ 31 ታሕሳስ 2021 ብውሑድ 20,000 ሺሕ ሰባት ሓደ ካብ ኤርትራዊት ወይ ኤርትራዊ ዝተወልዱ ኢዮም። ይኹን እምበር እቶም ስደተኛታት ካብዚ ቊጽር`ዚ ዝብዝሑ ኢዮም። ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ 1991 ዓ.ም ብኢትዮጵያውያን ዝተመዝገቡ ብዙሓት ኮይኖም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣለው። ካልኣይን ሳልሳይን ወለዶ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ የለውን። ይኹን እምበር ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዜጋታት ኢዮም ዝቚጸሩ። እዚ ዝተጠቕሰ መስርሕ ቅሉዕ ኮይኑ መጽናዕትን ውሳኔን ሕቡራት ሃገራት: ጸብጻባት ሰብ-ስልጣናት ንኣብነት ብዓል ስልጣን ሚግረሽንን ወጻኢ ጉዳይ ሽወደንን ሰነዳት ባይቶን ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ዝተፋላለየ ጸብጻባት ተዛማዲ ሓባር ስእሊ ዝህብ ኢዩ። ዋላኳ ኣብቲ ዝርዝራት ሰነዳት ፍልልይ እንተለዎ። ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝርከብ ወግዓዊ ናይ ድያስፖራ ፖለቲካ ፍሉይ ዝህቦ ቀዳማይ ኢድ ሓበረታ ብዙሕ ሕጽረታት ዘለዎ ኢዩ።
ሺለ ዝብሃል ዲያስፖራ ዲፕሎማሲ ብጉዳይ ፊናንሳን ኣታዊኡን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣቱ Muller ን Beloni ን መጽናዕቶም ዘተኲረሉ ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያንን ኣሎ። ውሑዳት ተመራመርቲ እውን ናንይ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝገበሮ ተወሳኺ ጽልዋ። Hirt ብውልቅን ምስ Mohammad ን ነቲ መንግስቲ ንምጽናዕ ዝጥቀሙሉ ሜላ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ኣሎ። ንሱ ድማ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ዝገብሮ ጎስጓስ ንደገፉን ፊናንስን ዝምልከት ኢዩ። Tecle ን Golding ን ከም ዘጽንዕዎ ካብ ነጻን ፍቶትን ዝግበር ወፈያታት ሓሊፍካ ኣብ ዲስፖራ ብግብሪ ዝድፋእ ተግባር ኣሎ። Kibreab ተረኦም ኣብ ሃገራዊ ነጻነትን ምህናጽን ከምኡውን ኣብ ግዜ ግጭትን ዝገብሮ መጽናዕቲ። ማዕከን ሓበሬታ ኲነታቱ ኣብ ሽወደን ሕጽረት ሃልዩ፣ ገለ ዝተዘርግሐ ኣሎ። ሓደ ኣብነት ወጻኢ ጉዳይ ናንይ ነዘርላንድ መጽናዕቲ ዝጠለቦ ኣሎ። ግብሪ 2% ንኤርትራውያን ኣብ ድያስፖራ ሓቅን ቊጽርን ተመክሮን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ። እቲ መጽናዕቲ ብነጻ ጉጅለ ትካል ኣብ 2017 DSP-groep ን Tillburg Univer-city እውን ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኤርትራውያን ኣብ ነዘርላንድ ብኸመይ ከም ተወደቡ ዘርኢ ኣሎ። ካልኦት ብዙሓት ትካላትን ተመራመርቲ ሰባትን ዝገበርዎ እውን ኣብዚ መጽናዕቲ ሰፊርዎ ኣሎ።
ኣገባብ ጽልዋ መንግስታት::
መንግስቲ ኤርትራ ዝተፋላለየ ኣገባብ ብምጥቃም`ዩ ጽልውኡ ዘዘውትር። ጽልዋን ምቊጽጻርን ዲያስፖራ ኤርትራውያን ብምንጽጻልን ጸቕጥን ቅቡል ንምዃን ዝገብሮ ስራሕ ኣብ ስነ-ጽሑፍ Glasius ይጥቀስ።
- ኣዋጅ ፈስቲቫል ንምጒህሃር ሓርበኝነት ብመገዲ እተን ኣብኡ ዝኣምና ማሕበራትን ቤት-ክርስታያንን።
- ብስለላ ዝተጽንዐ ጎስጓስን ብምግዳድን ንሰባት ናይ ጣዕሳ ደብዳበ ምጽሓፍን ምፍራምን።
- ቁጠባዊ ጎስጓስ ንምንግስቲ በቲ ግብሪ ዲያስፖራን ይውሓድ ይብዛሕ ብፍቓድ ዝግበር ሓገዝን ብሓወላ ናብ ሃገር ዝኣቱ ገንዘብን።
- ብምፍርራህን ኣብ ሃገር ብዝነብሩ ስድራን መቕርብን ተበሊጽካ ዝግበርን ኣብ ስደት ንዝነብሩ ዜግነቶም ክፍቀደሎም ዝግባእ መሰላት ብምዕንቃፍን ምድሃልን።
- ምቁጽጻር ማሕበራትን ቤተ ክርስትያንን ስርዓት ኤርትራ ነተን ምስኡ ምትእስሳር ዘለወን ቤት-ክርስትያናትን ማሕበራትን ኣቢሉ፣ ዝገብሮ ጽልዋ። ኣገዳሲ ክፋል ናይዚ ንድያስፖራ ሓርበኝነት ሰቢኽካ ንስርዓት ህግደፍ እሙናት ምግባር። እቲ ኣብቲ ስነ-ጽሑፍ ንድያስፖራ ዝግለጽ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣእቲኻ ፈስቲቫላትን ሰሚናራትን መደባት ተለቭጅንን ተጠቒምካ ማሕበራዊ ጸቕጢ ምፍጣርን ምስላልን። (ኤሪትራዊ ህይወት ናይ ቅድም ኤርትራዊ ደም) ጨንፈር ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስን እቶም ኣብ ውሽጢ ዲያስፖራ ዝነጥፉ ኢዮም። መደበር ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ፍራንክፈርት ኮይኑ መጽናዕቲ ነዘርላንድ ክፋል ኣካል ምላሻ ህግደፍ ኢዩ። ህይወት ኤርትራ ምስ ጸጥታዊ ኣካል ህግደፍን መንእስያቱን ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፣ ከም ምክልኻል Body gurd ኮይኑ ዘገልግል ኢዩ። ኣገልግሎቱ ነቶም ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዘለው ኣባልት ሰልፊ ኢዩ። ኣብ ሽወደን ክልቲኦም ነቐፍቲ መንግስትን ደገፍቲ መንግስትን ኣለው። እቲ መንግስታዊ ሰልፊ ህግደፍ: ማሕበር መንእሰይን ጒጅለ ሚሊሻ ኤሪ ህይወትን ኲሎም ኣብ ሽወደን ኣለው።
መሓዙት መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሎም ዝረኣዩ ማሕበራት ኤርትራውያን እውን ኣለው። ብመሰረት ሓበሬታ መድያ ቤተ- ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዋ ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ኤርትራ ኢያ። ስራሕ እዛ ቤተ- ክርስትያን ምቊጽጻር ኤርትራውያን ኣብ ድያስፖራ ኢዩ። ኣብ መንጎ 2013-2015 ኣብ ልዕሊ ኣባላት ነቐፍቲ መንግስቲ ሓያሎ ፍጻሜታት ምፍርራህ: ምድሃልን ምንሻውን ምጽላምን ክሳብ መጥቃዕትን ኣብ ሽወደን ዝበጽሖም ነይሩ። እቲ መጽናዕቲ ነዘርላንድ ንናይ ህግደፍ ምሊሻ ኤሪ ህይወት ኣብ 2014 ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ሓዊ ተቐሚጡ፣ ንሓደ ሰብ ጎዲኡ። ኣብ መንጎ 2013-2015 ተወሳኺ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም። ካብ ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ ሰሜን ስቶክሆልም ንስርዓት ኤርትራ ገንዘብ ዝእክቡ ፈስቲቫላት ይግበር። ብመሰረት መድያ ብውሑድ 2 ሚልዮን ኩሩኖር ይእከብ። ኣብ ድያስፖራ ዝነብሩ ኣንጻርዚ ስርዓት ተቛውሞ ምግባሮም ይጥቀስዩ። ኣብ ዓመት 2022 እቲ ፈስቲቫል ተቛሪጹ ነይሩ። ንሱ ዝኾነሉ ድማ ገለ ካብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ተቛውሞ ስለ ዘርኣዩ ኢዩ። ኣብ 17 መስከረም 2022 ኣብ ስሜን ስቶኮሆልም ወገን ተቛወምቲ ዲስፖራ ብዘርኣይዎ ተቛውሞ ኣብ ልዕሊ ፈስታ ኣዕሩኽ መንግስቲ: ግጭት ኮይኑስ በቲ ዕግርግር 105 ሰባት ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
እቲ ብጽሞና ኣብ ድያስፖራ ዝግበር ስለያ ብብዙሕ መገዲ`ዩ ዝካየድ። ገለ ካብኡ ናይ ጣዕሳ መልእኽቲ ከምኡውን ብመገዲ ምኽፋል ግብሪ ድያስፖራ፣ ካልእ በቶም ኣዕሩኽ ስርዓት ዝግበር ናይ ስለያ ስራሕ ኢዩ። ብዘይ ግቡእ ካብ ኤርትራ ንዝወጹ ናይ ጣዕሳ ደብዳበ ብምጽሓፍ ክፍርሙ ኣለዎም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤማባሲ ከኣ ኢዩ ዝካየድ። እቲ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ዘቕርብ ሰብ ብዘይ ፍቓድ ካብ ኤርትራ ምውጹኡን ሃገራዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምዘይገበረን: ነቲ ዝግብኦ መቕጻዕቲ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉን ዘጠቓለለ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ይፍርም። ኣብ ግዜ ምፍራም ወረቐት ጣዕሳን ምኽፋል ዲያስፖራ ግብርን: እቲ ውልቀ ሰብ ዝርዝራዊ ሓበረታ ህይወቱ ክህብ ኣለዎ። ንኣብነት ርክቡ ምስ ሰባት: ትምህርቱ: ኣዝማዱ: ዘእትዎ ገንዘብን ቁጽሪ ሕሳብ ባንኩን ኮይኑ፣ እቲ ሓቤረታ ብወረቐት ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት ናይ ማእቶቱ ወረቐት ንበዓል ስልጣን ግብሪ ሓቲቱ ከቕርብ ኣለዎ።
ግብሪ ዲይስፖራን ኣተኣኻኽብኡን። ግብሪ ዲያስፖራ እቲ ዝዓበየ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ንምቊጽጻር ዝጥቀመሉ መሳርያ ኢዩ። ንምእካብ ሓበረታን ነቲ ስርዓትን ምእካብ ግብርን። ግብሪ ዲያስፖራ 2% ግብሪ ካብ እቶትካ ምኽፋል ማለት`ዩ። እዚ ግብር`ዚ ካብቲ ኤርትራ ዝገደፈሉ ግዜ ተጸብጺቡ ዝኽፈል ኢዩ። እዚ ድማ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ እቲ ስርዓት ዝግበር ኢዩ። ምኽፋል ግብሪ 2% ቅድመ ኲነት ቆንስላዊ ኣገልግሎት ኢዩ። ንኣብነት ምሕዳስ ፓስፖርት። ወይ ድማ ቤት-ሰብካ ኣብ ኤርትራ ዝወሃቦም ኣገልግሎት ንዝምልከት። ንኣብነት ንኽትምርዖን ንመቕርብካ ንምቕባርን። ንዘካረዩኻ መሬት ወይ ድማ ገለ ዕዮ ኩባንያ ንምግባር ዝኣመሰለ። እዚ ንነቕፍቲ መንግስትን ንደገፈቲ ስርዓትን ዝሓወሰ ኢዩ።
ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጸጥታዊ ቤት ምኽሪ ንግብሪ ዲያስፖራ ኮኒንዎ ኢዩ። ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ ውሳኔኡ: ኤርትራ ንግብሪ ዲያስፖራ ከተቋርጾን: ንምፍርራህ: ዓመጽን ምጥፍፋእን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራትን: ንምእካብ ግብሪ ዲያስፖራ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ስርዓት ኤርትራ ደው ከብል ወሲኑ። እቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል እውን መንግስታት ኣድላይ ስጒምቲ ክወስዳ ወሲኑ። ካብኡ ንድሕሪት ብዙሓት መንግስታት ኣብ ግብሪ ኣውዒለነኦን ዲፕሎማትስ ኤርትራ ስጒጎንን። እቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ካልእ ምምእራር ገንዘብ እውን ኣሎ። ንኣብነት ምሻጥ ቦንድን መሬት ምክራይን ይውሓድ ይብዛሕ ብፍቓድ ዝግበር ወፈያን። ኣብ ግዜ ተላገብ ኮቪድ 19 ግደታዊ ዲፕሎማሲ ምእካብ ገንዘብ ንመደብ ምክልኻል ተላገብ ኮቪድ ተኻይዱ። ስርዓት ኤርትራ ነቲ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ንኤርትራ ንቤተ ሰቦም ዝስድዎ ገንዝብ ፊናንሳዊ ምቊጽጻር ይገብር። ካብቲ ዝስደድ ገንዘብ ገዚዑ ይወስድ። በዚ መደብ`ዚ እቲ ስርዓት ኣብ ዓመት 300-400 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዓመት ይረክብ። ሓደ ሲሶ ባጀት እቲ ስርዓት ብኸምዚ ኣገባብ ከም ዘእትዎ ይግምገም። እንተኾን እዚ ገንዘብ`´ዚ ኣብ ምንታይ ከምዝውዕል ዝፍለጥ ኣይኮነን። ኤርትራ ባጀት ዝበሃል ገይራ ኣይትፈልጥንያ። ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብእማመ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እገዳ ገይሩ`ዩ። እቲ እገዳ ንኤርትራ ብገንዘብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ንኣልሸባብ ምድጋፉ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ርግኣት ዝኸልእዩ ብምባል ዝተገብረ እገዳ። እቲ እገዳ ግን መረጋገጺ የብሉን ብምባል ብ 2018 ከልግስ ተገይሩ።
ኣምባስደር ኤርትራ ኣብ ስቶኮሆልም ግብሪ ድያስፖራ ይውሓድ ይብዛሕ ብወለንታ ምእካብ ገንዘብ ኣብ ሽወደን የካይድ። እዚ ስራሕ`ዚ ደው ንምባል እማመ ንውሳኔ ኣብ ባይቶ ሽወደን ብዙሕ ግዜ ንኣብነት ኣብ 2012-2014 ብመሰረት ውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ጸጥታዊ ባይቶ ኣንጻር ምእካብ ግብሪ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ቀሪቡ ነይሩ። ሽማገለ ፍትሒ ባይቶ ሽወደን እውን ንመንግስቲ ሽወደን ንምኽልካሉ ርእይቶ ሂቡ ነይሩ። መረጋገጺ ኣይተረኽበን ብምባል ግን ውሳኔ ምኽልካል ግብሪ 2% ኣይተገብረን። ነቐፍቲ ኣባላት ዲያስፖራ፣ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሽወደን ብዝገብሮ ግብሪ 2% ክኽልከል ኣብ ፖሊስ ክሲ ኣቕሪቦም ነይሮም። እንተኾነ ገበን ኮይኑ ኣይተረኽበን። ብመሰረት ሓበሬታ መድያ ግን ሓደ ዲፕሎማት ስርዓት ኤርትራ ብዛዕባ ዝገበሮ ጎስጓስ ምኽፋል ግብሪ 2% ብ 2014 ካብ ሽወደን ተስጒጉ። ኣብ ዓመት 2020 እንደገና ጉዳይ ግብሪ 2% ኣብ ባይቶ ሽወደን ተላዒሉ ነይሩ። ኣብቲ ርእይቶ ሽማገለ ፍትሒ ነቲ እማመ ብምቕባል ምእካብ ግብሪ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሽወደን ከቋርጽ ኣለዎ ብምባል ንመንግስቲ ሽወደን ርእይቶኡ ኣቕሪቡ። መንግስታዊ በዓል ስልጣን ሚግረሽን ሽወደን ካብ 2021 ፓስፖርት ዘይብሎም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቚባ ናብ ሰብ ስልጣናት ኤርትራ ከድኩም መንነትኩም ኣምጽኡ ምባል ኣቋሪጽዎ። እቲ ምኽንያት ሓታቲ ዑቚባ ግብሪ ንኸይከፍል ንምድሓኑ ኢዩ ነይሩ። እዚ ውሳኔ`ዚ ብ ቤት ፍርዲ ሚግረሽን ዝተወሰን ኮይኑ፣ ንጹር መርኣያ ጽልዋ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሽወደናዊ ትካላዊ ስልጣናት ዘለዎ ቅጥታዊ ጽልዋ ዘመስክር ኢዩ። ብተወሳኺ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ንዘለው ኤርትራውያን ንምቊጽጻር ኣብ ኤርትራ ንዘለው ቤት ሰቦም ተጠቒሙ ብምቊጽጻር ምኽፋል ግብሪ ይጥቀመሎም ኢዩ። ን ቤተ ሰብ ኤርትራ ከም ምርኮኛታት ብምጥቃም ኣገልግሎት ንኸይረኽቡ ይኽልክል። ብተወሳኺ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ኤርትራዊ ኣብቲ ስርዓት ብዘርእዮ ነቔፈታዊ ተግባር ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ንዘለው ቤተ ሰቦም መጥቃዕትታትን ውርደትን የጋጥሞም ኢዩ።
መደምደማታ።
ዓብላሊ ስርዓት ኤርትራ ንዲያስፖራ ብቐዳምነት ዝሰርዖ ከም ናይ መጨቆኒ መሳርያ ምጥቃም`ዩ ኢሉ ይርእዮ። Glasus እቲ ጭቆና ስርዓት ኤርትራ ብኣስገዳድነትን ምፍርራህን ቅድመ ኩነታዊ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ምእካብ ስለያዊ ሓበረታን ገንዘብ ንምምእራርን`ዩ። እዚ ዕላማዚ ቀንዲ መለልይኡ ከኣ ብምድላይ ሓርበኝነት ዲያስፖራ ኮይኑ፣ ብምቊጽጻር ህይወት ማሕበራትን ምድላው ፈስቲቫላትን ይስነ። በቶም ክልተ ዕላማታት ኣብ መእተዊ ምዕራፋት ዝተገልጹ ጽልዋታት ዲያስፖራ: እቲ ሰረት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘለዎ ደገፍ`ዩ ነቲ ናይ ድያስፖራ መገዲ ዕብለላ ዘካይዶ። እቲ ማእከላዊ እቲ ስርዓት ንምህላው ዝጥቀመሉ መስርሕ ንምርግጋጽ ቀጻሊ ቁጠባዊ ጎስጓስ ኢዩ። ኤርትራ ከም ፍሉይ ጉዳይ መጽናዕቲ ንጹር ዝኸውን ጽልውኡ ኣብ ዲያስፖራ: ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘቕንዐ ስርዓት ኢዩ። እቲ ስርዓት ብዘይ`ዚ ናይ ዲያስፖራ ምትእስሳር ብታሪኹ ርኢኻ ክህሉ ኣይምኸኣለን። ሓደ ካብኡ ኣብ ግዜ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዲይስፖራ ዝረኽቦ ወፈያ ዋላውን ነቐፈታዊ ርእይቶ ብዝነበሮም ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ብዝገበርዎ ሓገዝ ምህናጽ ሃገር ኢዩ። ግብሪ ዲያስፖራ ሎሚ ካብቲ ስርዓት ዘይፋላለየሉን ካብቲ ዝገብሮን እዚ ዘሎ ምትእስሳር ሰብን ንግድን ኢዩ። እዚ ድማ ሽወደን ንሽወደናውያን ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ከምዚ ጭቆና ብኸመይ ትካላኸለሎም ሕቶ ዘልዕል ኢዩ። እቲ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ: ንምፍርራህ ሽወደናውያን ኤርትራውያን ንኤርትራ እንተ ገሾም ዘሎ ስእሊ ፍርሂ ዘርኢ ኢዩ።
እማማ ንቕጻሊ ምርምር።
ዋላኳ ብተዛማዲ ውሱን መጽናዕቲ እንተሎ: ከምዚ ዝረአናዮ ኣገባብ ስርዓት ኤርትራ ንምቊጽጻር ዲያስፖራ ህያው ኢዩ። ገለ ቀረባ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መድያን ንምቊጽጻር ዲያስፖራ ምጽላውን ስርዓት ኤርትራ እንታይ ይግብር ዝብል ኢዩ። እዚ መጽናዕት`ዚ ብፍላይ ኣብ ሽወደን ዝግበር ጽልዋን ምቊጽጻርን ዝምልከት፣ ስርዓት ኤርትራ ዱርትነት ከም ዘለዎ ኢዩ። ዲያስፖራ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዘለው እውን ዝያዳ ሓቤረታ የድሊ ኢዩ። ተወሳኺ መጽናዕትን ትንተናን ዘድልዮ ካልእ ዝስመ ድማ ስርዓት ኤርትራ ነተን ዲያስፖራ ኤርትራውያን ዝነብርወን ሃገራት ጽልውኡ ከመይ ምዃኑ ኣብቲ ተገይሩ ዘሎ መጽናዕቲ ኣይተጋህደን ዘሎ። ክልተ ጽሑፋት ብ Hirt ን Mohammad ን ዘስፈርዎ ኣሎ። እንተኾነ ብዘይ ዓሙቚ መግለጺ ኢዩ። ብ Hirt ከም ዝግለጽ ኣብ 2011 ሕቡራት ሃገራት ንስርዓት ኤርትራ እገዳ ኣብ ዝወሰነሉ ግዜ እሙናት እቲ ስርዓት በቲ ስርዓት ተደፊኦም እንጻርቲ እገዳ ምንቅስቓሶም ኣርእዮም ነይሮም። Hirt ን Mohammad ን ከም ዘስፈርዎ ንኣብነት ንሕብረት ኤውሮጳ ንምጽላው ስርዓት ኤርትራ ጃምላዊ ስደተኛታት ብምፍናው ካብ ማዕከን ምዕባለ ኤውሮጳ ገንዘብ ከምተዋህበ ይጠቕሱ።
ትርጉም ካብ ቋንቋ ሽወደን
ረዘነ ተስፋጽዮን
ሚያዝያ 12-2023