ትካል መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ምቕራብ ረዲአት እኽሊ ናብ ዝተወሰነ ከባቢታት ትግራይ ከቕርብ ከም ዝጀመረ ብ8 ነሃሰ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ መጀመርታ ዝቐረበ ረዲአት 15 ጽዕነት መካይን እዩ። በብደረጃ ክውስኽ ድማ ትጽቢት ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2023 ምቕራብ ረዲአት ዘቋረጸ፡ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ዝግበኦ ዝነበረ ረዲአት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ትግራይ ወስኽካ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኢትዮጵያ ከም ዝተሰርቀ ምስ ኣረጋገጸ እዩ።
እቲ ናብታ ልዕሊ 20 ሚልዮን ተጸበይቲ ረዲአት ዘለውዋ፡ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካለኣይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ዝተቛረጸ ሓገዝ መግቢ ብትካል መግቢ ዓለም ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ትካል ረዲአት ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ እውን በተመሳሳሊ ምኽንያት ኣቋሪጹ እዩ ጸኒሑ። ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ኣብ መጻኢ ረዲኤት ዘይስረቐሉ ኣገባብ ንምፍጣር ምድላወይ ኣይወዳእኩን ብዝብል ናብ ትግራይ ኮነ ብሓፈሻ ናብ ኢትዮጵያ ዘቋረጾ ሓገዝ ምቕራብ ኣይጀመረን።
ኣብ ትካል መግቢ ዓለም ናይ ሓደገኛን ህጹጽን ኩነታት ሓላፊ፡ ኣንሲ ከም ዝገለጽዎ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ውግኣትን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ልዕሊ 35 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲአት ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ ናይ ትግራይ ካብቲ ዝገደደ ዝበሃል ከባቢ ምዃኑ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ሓቢሮም
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሓገዝ ዘይምቕራቡ ዝሰዓበ ጥሜት፡ ከባቢ 1500 ሰባት ከም ዝሞቱ ካብቲ ክልል ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኩነታት ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ፡ ናብኡ ዝግበር በረራ ተቛሪጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቤት ምኽሪ ምኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ብ4 ነሃሰ 2023 ኣብ ክልል ኣምሓራ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኩነታት ህጹጽ ግዜ (STATE OF EMERGENCY) ኣዊጁ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ብ8 ነሃሰ 2023 ናብን ካብን ክልል ኣምሓራ ዝግበር በረራታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቋረጸ ኣፍሊጡ።
ነቲ ዝተኣወጀ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግብሪ ዘውዕል ላዕለዋይ ኣካል ብኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ዳይረክተር ሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ኮይኑ፡ 4ተ ናይ እዚ ከባብታት ከም ዝህልዉዎ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት ኣብቲ ክልል “ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ኩነታት ሰላምን ዝፈረሰ ምምሕዳራዊ ትካላትን ናብ ንቡር ምምላስ” ብዝብል ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት እቲ ክልል ደማዊ ውግእ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ውግእ ኣብ ኩሉ ከተማታት እቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ጎንደር፡ ባህርዳር፡ ደብረማርቆስ፡ ድበረብርሃን፡ ኣጣየን ሽዋሮቢትን ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት የውርዱ ከምዘለዉ ይሕበር ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት ድማ ናይ “ኣነ እየ ተዓዊተ” ዜናታት ይዝርግሑ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ደብረብርሃንን ከባቢኡን ዝካየድ ግጭት እቲ ውግእ ናብ ክልል ኦሮሞ ከይልሕም ኣስጊኡ ኣሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእስቲ ክልል ኣምሓራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝራኽብ ናይ መሬት መጐዓዝያ ምዕጻዉ ምዃኑ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ናብ ዝርዝር ምኽንያት ከይኣተወ፡ ካብ 8 ነሃሰ 2023 ጀሚሩ ካብን ናብን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ባህርዳር፡ ጎንደር፡ ላሊበላ፡ ኮምበልቻን ደበረማርቆስን ዝገብሮ በረራታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቋረጾ ኣፍሊጡ።
ክልላዊ መንግስታት ኢትዮጵያ ነቲ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝኣወጆ ኩነታት ህጹጽ ግዜን ኣንጻር ፋኖ ዘካይዶ ዘሎ ውግእን ክድግፋ እንከለዋ፡ ብወገን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግና ብወግዒ ዘውጸ መግለጺ የለን። እዚ ውግእ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ተመሳሳልነት ከም ዘለዎን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ፓርላማን ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝርከብዎም፡ ኣሸሓት ተወለድቲ ኣምሓራ ይእሰሩን ካብ መገሻ ይኽልከሉን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
ብዙሓት እቲ ውግእ ንኢትዮጵያ ናብ ምብትታን ከይወስዳ ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት፡ ውግእ ጠጠው ኢሉ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከበሉ ይምሕጸኑ ኣለዉ። እንተኾነ ብዘይካ ፈደራላዊ መንግስቲ “ናይ ሰላም ኣፍደገ ዕጽዊ ኣይኮነን” ምባሉ ካልእ ዝተራእየ ተስፋ ሰላም የለን።
ባህግና Bahgna 160፣ ኣገዳሲ ሃገራውን ከባብያውን ሰሙናዊ ዜናታት 06.08.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ዝረብሓሉ፡ ብሕገመንግስቲ ዝቕለስን ብትካል ዝምራሕን ፖሊሲ ዝምድና የብሉን። እዚ ግና ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ዘረግቲ፡ ትዕቢተኛታትን ሃለልትን ኣይዛመድን ማለት ኣይኮነን። ዝገብሮ ዝምድና ንሱ ጥራይ ዝረብሓሉ ተበላጺ እምበር፡ ንመዛምድቱ ዕድል ዘይህብ ስለ ዝኸውን ቀጻልነቱ ውሑስ ኣይኮነን። ብሰንክዚ ዘይዕጉስን ስሱዕን ህርፋኑ እዩ ከኣ ዝመንዘዐ መንዚዑ ብምህዳም፡ ምስቲ ሓደ ክዛመድ ምስቲ ካልእ ክፋታሕ ኣብ ዘይርጉእ መስርሕ ዝምድና ዝነብር። እዚ ካብቲ ብዙሕ መግለጽታት ጠላም ባህርያቱ ሓደ እዩ።
ዝምድና ንምምስራት ዘውጸኦ ቅዲ “ምስ ሓደ ንክትዛመድ ምስ ካልእ ምጽላእ” ዝሕመረቱ እዩ። ስለዚ ከኣ፡ ኣብ ኣተሓሳስባቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ “ምስ ሓደ ንምዝማድ ምስ ካልእ ክትጻላእ ናይ ግድን ኣይኮነን” ዝብል ኣምር ቦታ የብሉን። ኣብ ክንድኡ ምስ ሓደ ንክፋቐር ምስቲ ካልእ ጽልኢ የሳውር። ናይ ቀረባ ኣብነትኳ እንተወሰድና ምስ ብልጽግና ንክፋቐር ምስ ትግራይ ተጻሊኡ፡ ምስቲ ምብራቓዊ ዓለም ዝባሃል ደንበ ንክጽጋዕ ኣንጻር ምዕራብ ይጻረፍ፡ ንቻይናን ራሻን ከቀባጥር ከኣ ኣንጻር ኣሜሪካን ኔቶን ኣብ ቆይቊ ይኣቱ። እነሆ ከኣ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምቕጻል፡ ፋኖ ኣሰልጢኑ ንምዕጣቕ ምስ ብልጽግና ንክባተኽ ኣብ ድርኩዂት ኣሎ። ምስ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ኢራን፡ ኢማራት፡ ቀጠር፡ የመን፡ ሶማሊያን ካለኦትን ዝሰርሖን ዘፍርሶን ዝምድናታት እውን ብመንጽር “ናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ እዩ” ብዝብል፡ ግዝያዊ ረብሓ ዝተቓነየ እዩ።
እቲ ሕሉፍ ዲክታተር ኣብ ዝገብሮ ዝምድና ዓቕሙ ዘይፈልጥ፡ ስሱዕ፡ ንሱ ባዛዕባ ካለኦት ዝፈልጥ እምበር፡ ካልኦት ብዛዕባኡ ዘይፈልጡ ዝመስሎ ኮይኑ ስለ ዝቐርብ፡ ወትሩ ንነብሱ ተናዒቁ ንኤርትራ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙንናት፡ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ ምስ ልኡኽ ሩሲያ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ንምዕራባውያን ጸሪፉ ተቐባልነት ንክረክብ ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። ግደ ምዕራባውያን ኣብ ዘመነ-ባርነትን ወራር ዝተፈላለያ ሃገራትን ዘርዚሩ። ኣብ መወዳእታ ዝሑል ውግእ ናይ ሶቬት ሕብረት ምፍራስ ጌጋ ከም ዝነበረ ንሩሲያውያን ክነቅፍ ተደናዲኑ። ኣብዚ እዋንዚ ኣሜሪካ ኮነ ኔቶ ኣብ ኣፍ ሞት ከም ዝወደቑ ንመራሕቲ ሩሲያ ክገልጸሎም ተሰሚዑ። መራሕቲ ሩሲያ ብዛዕባ’ቶም ዘልዓሎም ነጥብታት ኣይፈልጡን እዮም ኢሉ ምግማቱ ጥራይ ክሳብ ክንደይ ከም ዘገረሞም ካብቲ ኣጠማምታኦም ንምርዳእ ዘጸግም ኣይነበረን። ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ኢሳያስ ካብቲ ዝፈልጥዎ ንላዕሊ ከም ዝተዓዛዘሮ ተገንዚቦም። ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ወዲ ገዛ ክረምሊን መሲሉ መልሓሱ ምንውሑ፡ እቲ እንኮ ንወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ዝደገፈ መራሒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ከም ንሩሲያ ግንዖት ዝገበረላ ሓሲቡ ይኸውን። ንምግራም መራሕቲ ሩሲያ ድማ ኣድላይ ባእታ ኮይኑስ፡ በቲ ዝበሎ ዝተመሰጡ መሲልዎ ይነብር። ፑቲን ዝርከቦም ፖለቲከኛታት ሩሲያ ኣብቲ ጉዳዮም ካብ ኢሳያስ ሓድሽ ዘይተረድእዎ ሓሳብ ክጽበዩ ግና ዘይግመት እዩ።
ኣብዚ “ስለምንታይ እዩ እዚ ዲክታተር ትንፋስ ክሳብ ዝሓጽሮ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ሩሲያ ዝሃውተተ?” ዝብል ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ እዩ። ብመሰረቱ መንቀሊኡ ዓቕሊ ጽበት እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ገጢምዎ ብዝነበረ ተነጽሎ ካብ ዝሓደሮ ሕማም ከምዘይሓወየ ርዱእ እዩ። ካብዚ የውጸኣኒ እዩ ብዝብል፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ነቲ ኩሉ ዝፈልጦ መወዳድርቲ ዘየብሉ ኩለ-መዳያዊ ኣበሳኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢኡ ኣድላይ ባእታ ምዃኑ ክፍለጠሉ ይጽበ እዩ። ብፍላይ ናብ መራሕቲ ሩሲያ ከመሓላለፎ ዝደለዮ መልእኽቲ ድማ ካብቲ ካብ ምዕራብ ከይወርዶ ዝፈርሖ መቕጻዕቲ ንምድሓን መጸግዒ ክኾንዎ ንምምሕጻን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ “እንተደኣ ኣጸጊዕኩሙኒ ዝበልኩሙኒ ክገብር ድልዊ እየ” ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፍ ከም ዝደሊ እውን ርዱእ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ፡ ኩሉ ከምኡ ብጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘይሓሊ ስለ ዝመስሎ፡ “ናብ ፕረሲደንት ፑቲን ናይ ብደርጃ ዓለም ክንዋጋእ መርሓና” መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ያኢ ንመራሕቲ ሩሲያ ጠፊእዎምስ “እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩሲያን ኣይኮነን” እናበለ ኣጣቚሱ። እቲ ንፑቲን ምርሓና ምባሉ ከምቲ ንኣብይ ኣሕመድ “ኣንጻር ትግራይ ክንዋጋእ ምርሓና” ዝበሎ እዩ። እዚ ከኣ ንእግረ መንገዱ እንትርፎ ምስ ካልኦት ተለጢፉ በይኑ ገጢሙ ከም ዘይዕወት ዘርኢ ባህሪኡ እዩ።
“እቶም ካብ ሩሲያዊ ንላዕሊ ሩሲያዊ መሲሉ ብዛዕባቲ ዝያድኡ ዝፈልጥዎ ጉዳያቶም ከህተፍትፍ እንከሎ ጺን ኢሎም ዝሰምዕዎ መራሕቲ ሩሲያ፡ ክሳብ ክንድዚ ዕድል ዝሃብዎኸ እንታይ ካብኡ ዝደልይዎ ስለ ዘለዎም እዮም?” ዝብል እውን ካልእ ሕቶ እዩ። ነቲ ሩሲያ ኣብዚ እዋንዚ ኣትያቶ ዘላ ወጥሪ መዋጽኦ ዝኸውን ሓሳብ ካብ ኢሳያስ ክርከብ ይኽእል እዩ ኢሎም ከምዘይጽበዩ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ናይ ኤርትራ እስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ተለኣኣኺ ክኾኖም ከም ዝሓጽይዎ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ዓስቡ ከኣ ዝተወሰነ መዕገሲ ናይ ውግእ ወልፉ ብዝኾኖ ኣጽዋር ምጥባሩ ከም ዘድልዮም ድሮ ዘጽንዕዎ እዮም ዝመስሉ። ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሮም ከይዱ ከም ዝሰኣል ምግባሮም ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ። ኣብ ዞባዊ ኣሰላልፋ ልኡኽ ንክኾኖም ከም ዝሓጽይዎ’ውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። እቲ ኣብ መዳይ ቁጠባ ዓዘፍዘፍ ዝበሎ ንመዳምቕቲ እንተዘይኮይኑ፡ ብዘይካ ዕንወት ትሕተ-ቅርጺ ኤርትራ ምጽብጻብ ኣብ ህንጸት ከምዘየሎ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊሙ ዝነገረና እዩ።
ምጽሕታር ጽልኢ ንህግደፍ ሎሚ መጀመርታኡ ዘይኮነ፡ ዕድመ ልክዑ ዝሕበኣሉ በዓቲ እዩ። በዚ ዘይተፈተነት ጐረቤት ሃገር ኤርትራ እውን የላን። ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዝፈተኖ ዝምድና፡ ኢትዮጵያውያን ኩነታቶም መዚኖም ምስ ትግራይ ዘዋጸኦም መንገዲ ሰላም ምስ መረጹ፡ “ኮሊፎሙና” ብዝብል፡ እቲ ምስ ብልጽግና ኮይንካ ኣንጻር ክልል ትግራይ ብቐጻሊ ምውጋእ ምስ ፈሸሎ፡ እነሆ ምስ ፋኖ ኣምሓራ ኮይኑ ኣንጻር ብልጽግና ክስለፍን ነቲ ህውከትን ውግእን ናብ ደረጃ ዞባ ከስፍሖን ይሸባሸብ ከም ዘሎ በብኩርናዑ ይግለጽ’ሎ።
እዚ ነቲ ኣብ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ወይለኻ” ዝተሰረተ ዘይእሙን ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ሕድሕድ ኤትራውያን ሓድነት ኣዳኺምካ ፈላሊኻ ንምግዛእ ክጥቀመሉ ንዝጸንሐን ዘሎን ዝያዳ ዘጉልህ እዩ። ናይቲ ኣብ ቅድሚ መዛምድቱ እሙን ዘይምዃን መሰረቱ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሖ ዘይእሙንን ጠላምን ተግባራቱ እዩ። ስለዚ ናይ ኢሳያስ ምጽሕታር ጽልኢ ኣብ መንጎ ሩስያን ኣሜሪካን ወይ ኣብ መንጎ ፋኖ ኣምሓራን ብልጽግና ኢትዮጵያን ጥራይ ዝተራእየ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዝፈሓሶ ተንኮል እዩ እሞ ናይ ምፍሻሉ ቃልሲ እውን ብቐንዱ ንኤርትራውያን ዝምልከት እዩ።
እቲ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ቀጻሊ ምድላው ክግበረሉ ዝጸንሐ ራብዓይ ምዱብ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ካብ23 ክሳብ 26 ሓምለ 2023 ኣብ ሃገረ ጀርመን ተቓኒዑ። እዚ ጉባአ በቲ ሓደ ወገን ውጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ኣብ ዝገደደሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዞባናን ኣህጉርናን ኣዝዩ ኣብ ዝተሓላለኸሉ እዩ ተኻይዱ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ እውን ጉዳይ ኤርትራ ከምዘይናቱ ጠንጢኑ፡ ከምቲ ቅድም ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ዶር ኣብይ ኣሕመድ ምርሓና” ዝብሎ ዝነብበረ፡ ሎሚ ድማ እነሆ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ ሩሲያ ከይዱ፡ ንብዙሓት ተዓዘብቱ ብዘገረመ “ፕረሲደንት ፑቲን ይምረሓና” ብዝብል ናይ ዓለም ውግእን ህውከትን ክመጸሉ ኣብ ዝተማህለለሉ ቅነ እዩ ጉባአ ሰዲህኤ ተሳሊጡ።
ኣብ ርእሲዚ ፖለቲካዊ ምትሕልላኽ ጐረባብትና ሃገራት ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኣብ ዝኾነሉ እዩ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ተኻይዱ። ብሰንክዚ ዘይርጉእ ኩነታት ጐረባብቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ድማ ብዙሓት እዮም። ብመንጽርዚ ሓላፍነት ሰዲህኤ ኣብ ጉባአኡን ድሕሪኡን ከቢድ ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ኣብዚ ብኹለ-መዳያዊ ዘይሕለል ቃልስን ተወፋይነትን ኣባላቱ ተሰናዲኡ ዝተኻየደ ጉባአ፡ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ዝገበሮ ምንቅስቓስ በብመዳዩ ዝዳህሰሰ ጸብጻብ ቀሪቡ ድሕሪ ዓሚቕ ምይይጥ ጸዲቑ። ሰዲህኤ ንመጻኢ ዝምረሓሉ ኣገደስቲ ሰነዳት ከኣ ጸዲቑ። ናይዚ ጉባአ ምክያድ፡ ናይ መወዳእታ ዓወት ኣይኮነ፡ ንቐጻሊ ቃልስን ዓወትን መንገዲ ዝጸርግን ሓደስቲ ዕድላትን ብደሆታትን ኣብ ግምት ዘእቱን ፍጻመ እዩ። ውጽኢት ጉባአ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ዝሕበንሉ ኮይኑ፡ ውሳነታታቱ ንምትግባር ንዝለዓለ ቃልስን ኣብ መስርሕ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዕንቅፋታት ንምብዳህን ብሓድሽ መንፈስ ሓላፍነት ወሲዶም ዝዳለውሉ መድረኽ እዩ።
ኣብዚ ጉባአ ብዘይካቲ ምጽዳቕ ቀወምቲ ሰነዳትን ምውጻእ ደምዳሚ መግለጽን፡ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝዳህሰሱ ፖለቲካዊ ውሳነታት እውን ተወሲኖም እዮም። በዚ ምሰረት ጉባአ፡
- ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሕሱም ሃለዋትን ልኡላውነት ሃገሩ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ከም ዘሎ ተገንዚቡ፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ኣብ ኢዱ ከም ዘሎ ተገንዚቡ ምስ ውዳበታቱ ሓቢሩ ቃልሱ ዝያዳ ከበርትዕ ጸዊዑ።
- ብሓፈሻ ኩሎም ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዝሳተፍሉ ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ምቅርራብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝያዳ ንምብራኽ ሰዲህኤ ከም ውትሩ ኩሉ ዝከኣሎ ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ። መመሊሱ እናሰሰነ ይኸይድ ንዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንሕጋዊ መኸተን ተወፋይነትን ብሪገድ ንሓመዱ ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡
- ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝሓለፎ ጸረ ህዝቢ ተመኩሮ ከስተውዕል፡ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ሃላሊ ፖሊሲ መራሕቲ ህግደፍ ክወርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ክሳራ፡ ውርደትን ተሓታትነትን ተረዲኡ ድሕሪ ሕጂ ነብሱ ከድሕንን ዋልታ ኮይኑ ህዝቡ ንምኽሓስን ብረቱ ናብ ህግደፍ ከቕንዕ ብጽኑዕ ጸዊዑ።
- ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ የጋጥም ንዘሎ ሕሰምን መከራን ብምድህሳስ ድማ ኩሉም ዝምልከቶም ኣካላት ብመሰረት ንስደተኛ ዝምልከት ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ሕግታትን ውዕላትን መሰል ኤርትራዊ ስደተኛ ንክሕልዉን ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ህግደፍ ተጽዕነኦም ከትርሩን ተማሕጺኑ።
- ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ካብቲ ቀንዲ ንምስሊ ኤርትራ ደዊኑ ህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ብሰንኪ ጨካን ተግባራት ህግደፍ ፍትሒ ሓሪምዎም ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ኣብ ጸልማት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ፍትሒ ንክረኽቡ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ሰብኣዊ ትካላትን ማሕበራትን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ኢሳያስን ጉጅለኡን ንከሕይሉ ኣዘኻኺሩ።
- ንህልዊ ኩነታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳህሲሱ ድማ፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ህግደፍ ኢድ ኣእታውነትን ዘኸተሎ ዘሎ ዕንወትን ግህሰትን ኮኒኑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሎም ኣብ ውግእን ምትፍናንን ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ኣዕናዊ ሳዕቤን ውግእ ተረዲኦም ጉዳዮም ብሰላማዊ ኣገባብን ዘተን ንክፈትሑ ብትሪ ጸዊዑ።
ጉባአ ውሳነታት ትውስነሉን መሪሕነት እትመርጸሉን መድረኽ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብርሲዚ ተግባራት ዝሓለፍካዮ እትግምግመሉን መጻኢኻ እትመዝነሉን ትምህርታዊ መድረኽ እውን እዩ። ስለዚ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ጉባአ ንምዕዋት ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ንምትግባሩ እውን ብፍላይ ምስዚ ኣብ ከባቢና ዝገሃድ ዘሎ ምዕባለታት፡ ድርብ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክዝንግዑ ኣይግባእን። ኣብዚ እጃም ናይቲ ኣብ ጉባአ ዝተመዘዘ መሪሕነት ዝለዓለን ኣብነታውን ክኸውን ይግበኦ።
ዘለናዮ ተሃዋሲ ኤርትራዊ ኩነታት ኮነ ዞባዊ ምዕባለታት፡ ብናይ ሓደ ኤርትራዊ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበርን ምንቅስቓስን ዝዕመም ኣይኮነን። ስለዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ተኸኣኢሎምን ቀዳምነቶም ኣነጺሮምን ፍልልያቶም ኣጻቢቦም ነቲ ዘራኽቦም ኣሕይሎም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ግዜ ከየባኸኑ ብሓባር ኣንጻር ወጽዓ ክኸቱ ይግበኦም። እዚ ኣብ መድረኽ ጉባአ እውን ዝተንጸባረቐ መጸዋዕታ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብወገኑ፡ ንውጽኢት 4ይ ጉባኤኡ ከም መንጠሪ ንዝያዳ ቃልስን ዓወትን ብምጥቃም፡ ሰልፋዊ ዓቕሙ ብምድላብ ኮነ፡ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ሓባር መድረኽ ንምሕያል ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ድልዊ እዩ።
ኣብ ቀዳማይ፡ ቀዳመ-ሰንበት ወርሒ ነሃሰ 2023 ኣብ ስያትልን ተረንቶን ተወጢኖም ዝነበሩ ናይ ህግደፍ ናይ ሸፈጥን ሸርሕን ፈስቲቫላት ኣሰር ጊሰንን ስቶክሆልምን ተኸቲሎም፡ “ወፍሪ ላምፓዱሳን ሰላምን” ብዝብሉ ጭረሖታት ብሓያልን ዘይሕለልን መኸተ ብ5 ነሃሰ 2023 ከም ዝፈሸሉ፡ ማዕከናት ዜና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ዓለምን ብምስልታት ኣሰንየን ሓቢረን።
ብሪጌድ ንሓመዱ ስያትል ቅድሚ ናብ መኸተ ምውፋሩ ኣብ ልዝብ
ኣብቲ ስያትል ዝነበረ ፈስቲቫል ህግደፍ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ተሓለቕቲ ለውጢ ንፍትሕን ዲሞክራስን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ፡ “ኣይተኸውንን እያ፡ ፍትሒ ንደሊ፡ ፈስቲቫል ዲክታተር ይሰረዝ” ዝብሉ ዝርከብዎም ጭረሖታት እናቃልሑ ተቓውሞኦም እናስምዑ እንከለዉ፡ ናይቲ ፈስቲቫል ወደብቲ ደገፍቲ ህግደፍ ብዝጀመርዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ፡ ነብሶም ክከላኸሉ ጀሚሮም ብኡንብኡ ድማ ኩሉቲ ውራይ ህግደፍ ንምድማቕ ተተኺሉ ዝነበረ ዳሳት ምስ ምሉእ ትሕዝቶኡ ካብ ጠቕሚ ቀጻኢ ኮይኑ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ከየትከሉ እግረይ ኣውጽእኒ ሃዲሞም።
እቶም ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ፈስቲቫል ዘፍሸሉ ኣዝዩ ዝነኣድን ስሙርን ኣወዳድባን ምንባብን ዝነበሮም ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ፡ ፖሊስ ስያትል ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ተልእኮኦም ፈጺሞም፡ ንቀጻሊ ቃልሲ’ውን ድሉዋት ምዃኖም እናገለጹ ናብቲ ዝተበገስሉ ኣዳራሽ ብዓወት ተመሊሶም። ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ ዘድሊ ምድላው ብአደታት ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ከኣ ኣብነታዊ ነይሩ።
ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ብተመሳሳሊ፡ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ናብቲ ኢርል ስኮርት ኣብ ዝተባህለ ፓርክ፡ ዝተዳለወ ፈስቲቫል ህግደፍ ከይዶም ፊትንፊት ኣብቲ ዝተፈቕደሎ ኩርናዕ ኮይኖም፡ ናይ ተቓውሞ ድምጾም እናስምዑ እንከለ፡ በቲ ድምጺ ዝረዓዱን ዓቕሎም ዝጸበቦምን፡ ሕልነኦም ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ብዝሸጡ ኤርትራውያን መጥቃዕቲ ምስ ተኸፈቶም ኣብ ዝገበርዎ ምክልኻል ብዝተፈጥረ ህውከት ዳሳት ህግደ ዓነውነው እንከሎ፡ ኣብቲ ዕግርግር 9 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ቶሮንቶ ኣፍሊጡ። እቲ መጉዳእቲ ብዘይካ ናይ ሓደ ናይቶም ካለኦት ቀሊል ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱን ፖሊስ ቶሮንቶን ኣብ ዝተፋጠጥሉ
ድሕዚ ኩነታት ዓሰርተታት ኣባላት ፖሊስ ከተማ ተረንቶ ኣብ ማእከል ተቓወምትን ደገፍትን ተሰሪዖም ንነዊሕ ሰዓታት ተፋጢጦም። ድሕሪኡ እውን ፖሊስ “ነቲ ፈስቲቫል ሰሪዝናዮ ኢና” ዝበሎ ቃል ስለ ዘየኽበረንን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ነብሶም ዳግማይ ክሰርዑ ስለ ዝፈተኑን፡ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ሓደ ካብ ቀንዲ ጐደናታት ተረንቶ ዓጽዮም፡ ኣብ መኪና ብዝተሰቕለ ንህግደፍ ዘቃልዕ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተሰንዮም ተቓውመኦም ስለ ዝቐጸሉ፡ ወጥሪ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ትካል ዜና ሲቢሲ/CBC NEWS ኣፍሊጣ። ደሓር ግና ምምሕዳር ከተማ ተረንቶ “ምእንቲ ሰላምን ድሕነትን ሕብረተሰብ ነቲ ፈስቲቫል ሰሪዝናይ ኣሎና። በዚ መሰረት 6 ነሃሰ 2023 ኣይክቕጽል እዩ” ዝብል መግለጺ ከም ዘውጸአ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣፍሊጠን።
ከምቲ ድሕሪ ፍሽለት ፈስቲቫላት ህግድፍ ኣብ ጊሰንን ስቶክሆልምን ዝተራእየ ፍሽለት፡ ፈስቲቫላት ህግደፍ ስያትልን ቶሮንቶን እውን ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለምን ፖለቲከኛታት ኣጀንዳ ክኸውን ክኢሉ።
ኣብ ፈስቲቫል ዝተረኽቡ ኣባላት ሓድሽ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ራብዓይ ጉባኤኡ ኣብ ፊስባደን ኣቓኒዑ፣ ኣብ ፍራንክፎርት ድማ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ምክያዱ ዝዝከር እዩ። እዚ ክልተ ተረኽቦታት፡ ብሳላ ሓያል ተሳትፎ ኣባላት ሰልፍን ደገፍቶምን እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ተሰላሲሉ። ኣብቲ ፈስቲቫል ንኣርባዕተ ዓመታት ንሰልፊ ብኣቦመንበርነት ክመርሕ ዝጸንሐ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ንዝሓለፈ ሃገራዊ፣ ዞናውን ዓለም ለኻውን ጉዕዞ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘጣመረ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ። ንዝርዝር መግለጺ ኣብ መንበር https://harnnet.org/index.php/articles-corner/tigrina-articles/item/8881-2023
ኣብ መጠረስታ ከምቲ ኣብ 2019 ኣቦመንበርነት ሰልፊ ክርከብ እንከሎ ዝተገብረሉ ምልላይ፣ ማእከላይ ባይቶ ንሓው ገረዝግሀር ተወልደ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሰልፊ ከም ዝመረጸ ጠቒሱ ኣላልይዎ።
ስዒቡ፣ ውጽኢት ናይቲ ንሰለስተ ማዓልታት ዝተኻየደ ጉባኤ መጠቓለሊ፣ ከቢብዎ ዝነበረ ኩለ- መዳያዊ ኲነታት ዝገልጽ፣ ሓያሎይ ካብ ፖለቲክዊ ውሳኔታት ጉባኤ ዝሓዘ ደምዳሚ መግለጺ ብብጸይቲ ኣስገደት ምሕረታኣብ ቀሪቡ። ብዘይካዚ ኣስገደት ኣቐዲማ ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ወኪላ ብኣደ መንበር ናይቲ ማሕበር ሓውቲ ጸጋ ወልደማርያም ዝተላኣከ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ምቕራባ’ውን ዝዝከር እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ https://harnnet.org/index.php/news-and-editorial/item/8880-4
ድሕር’ዚ፣ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ መስርሕ ምስግጋር/ምርካብ ሓላፍነት ጉባኤ ካብ ተፈጸመሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክሰላሰል ቅዋማዊ’ኳ እንተኾንነ እቲ መስርሕ ሰላማዊ ምስግጋር ሓላፍነት ናይ ኣቦመንበርነት ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል እዩ ተጀሚሩ። ክመርሕ ዝጸንሕ ኣቦ መንበር ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣብቲ ኣጋጣሚ “ ኣነ ነዚ ሒዘዮ ዝጸናሕኩ ሰልፊ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ እየ ተረኪበዮ። ምትሕብባር ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ከይተፈልየኒ ድማ ኣብዚ በጺሐ። ሎሚ ተራይ በጺሑ ንሓድሽ ዝተመርጸ ኣቦ መንበር ብጻይ ገረዝግሀር ተወልደ የረክብ ኣለኹ። እቲ ንዓይ ዝተገብረለይ ምድግጋፍ ከምዘይፍለዮ ድማ ይኣምን እየ” ብዝብል ቃል’ዩ ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ቃል ንኸስምዕ ዝዓደመ።
ነዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽተሎ መስርሕ ሰላማዊ ምስግጋር ናይ ዝጸንሓካ ይንኣስ ይዕበ ሓላፍነታት፡ ካብ ህግደፍ ጠሪስካ ዘይንጽበዮ ኮይኑ፣ ኣብ ተመኩሮ ሰውራ ኤርትራ ኮነ ናይ ሎሚ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራውን ካብቲ ሓደ ጠንቂ ናይ ምፍልላይን ምንጽጻግን ኮይኑ ዝጸንሐ ተርእዮ እዩ። ኣብ ቃልሲ ሓላፍነት ብውልቂ እትረብሓሉ ሓለፋ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፣ ሰዲህኤ ዝኽተሎ ቅዋማዊ መስርሕ ምስግጋር ከም ኣብነት ወሲድና ቀጻሊ ልምድን ባህልን ክንገብሮ ዝግበኣና እዩ።
ሓው ገረዝጊሀርን ተስፋይ ደጊጋን ድሕሪ ናይ ኢድ ሰላምታ ምልውዋጥ፣ ሓድሽ ዝተመርጸ ኣቦ መንበር መድረኽ ፈስቲቫል ተረኪቡ ካብ ዘስምዖ ቃል ድማ፣ “እዚ ተረኺቡ ዘሎ ምዕባለ ምስቶም ኣብኡ ዘብጽሕዎ ኣብ መዓልበኡ ከነብጽሖ ቃል እኣቱ። ዝካኣለና ክንገብር ኢና። ኩልኹም ከኣ ተትኽእልዎ ከተበርክቱ ድማ ተስፋን ትጽቢትን ኣለኒ። እዚ ሓደ ካብ’ቲ ስትራተጂ ናይ ዓወትና እዩ። ምልካዊ ስርዓት ክጓሓፍ እንተኾይኑ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ክእከብን ብሓደ ልሳን ብሓደ ድምጺ ክዛረብን ክኽእል ይግበኦ። እቲ መስርሕ ዓመታት ሓሊፍዎ ደንጒና ግን ካኣ እቲ ጉዳይ ኣብ መዓልበኡ ስለዘይበጽሐ ክንቅጽሎ ኣለና። ብጻዓት ናይ ህዝብን ብድፍኢት ናትኩምን ክረጋገጽ ድማ እዩ። እንተዳኣ ተጠርኒፍና ምቹእ ፖለቲካዊ ኲነታት ምህላዉ ንኩላትና ብሩህ እዩ” ኢሉ።
ቀጺሉ፡ “እዚ ገባቲ ስርዓት ክድርበን ክጓሓፍን እንተኾይኑ፣ ፍርሒ ራዕዲ ክቕንጠጥ ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ናብ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ዘእትወና። ናይ ሓደ ኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰል ክግፈፍ እንከሎ ዓገብ እንተዘይ ኢልና ድማ፡ ጽባሕ ናትና መሰል ክድፈር ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። እዚ ገባቲ ስርዓት ንህዝብና ከም ድላዩ ዝዕንድረሉ ዘሎ ምኽንያት ሰብኣዊ መሰላት ክድፈር እንከሎ ዓገብ ናይ ዘይምባል ባህሊ ስለ ዘርኣና እዩ”።
ሓው ገረዝጊሀር ኣስዒቡ ገለ ካብቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮነ ተጋደልቲ ነበር ዝፈጸሞ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክጠቕስ እንከሎ፣ ኣብቲ እዋን ስለምንታይ ከምኡ ይግበር ዝብልን ብኣግኡ ዓገብ ዝብልን ስለ ዘይነበረ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኢሳያስ ካብ ሜዳ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ “ካብ ሕጂ ንዳሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን” ክብል እንከሎ’ውን፡ ኣይፋልካን ንስኻ ወድና እቶም ዘይኣተወ’ውን ኩልኹም ደቅና ብሓደ ኣብዚ ክትመጹ ኢና እንደሊ እንተዝባሃል፡ እታ ምልኪ ብኣግኡ ምስተኾልፈት ነይራ። ግን ኣይተባህለን”።
ኣተሓሒዙ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክህልወና ዝግባእ ዝምድናታት ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ሕጂ ንወደባት ብዝምልከት ኣብ መድረኻት ዝላዓል ዘሎ ሕቶ፣ መበገስቱ ክልብሙን ዓሰብ ኮነ ምጽዋዕ ልኡላዊ መሬት ናይ ኤርትራ ምዃኑ ኣሚኖም ሓቢርና ብሰላም ክንነብር፡ ንተጠቓምነት ወደባት ዝምልከት እንተኾይኑ ድማ ብኣህጉራውን ዞባውን ውዑላት ተሰማሚዕካ ዘይንበር ኣይኮነን ብምባል መግለጺኡ ደምዲሙ።
ኣብ መደምደምታ፣ ሓው ደስበለ መሓሪ ኣባል ምምሕዳር ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ናይ ደገፍ ቃል ብምቕራብ ቀዳማይ ክፋል ፈስቲቫል ክድምደም እንከሎ፣ ድሕሪኡ ዝ ቐጸለ ወግዒ፡ ማሕበራዊ ዕላላትን ብዲጀይ ዝተሰነየ ሙዚቓን ነይሩ።
ፕረሲደንት ክልል ኣምሓራ፡ ዶር ይልቃል ከፋለ ብ3 ነሃሰ 2023 ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገም ብስሩዕ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ምቁጽጻር ስለ ዘይተኻእለ፡ ፈደራል መንግስቲ ኣድላይ ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዕም። እቶም ፕረሲደንት ኣብቲ ክልል ብሰንክቲ ኣብ መንጎ ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ብጉጅለ ህግደፍ ናይ ስልጠናን ዕጥቅ ደገፍ ይግበረሉ ዝበሃል ሓይሊ ፋኖን ዝተኻየደ ውግእ ሰብኣዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ጉድኣት ከም ዝወረደ ጠቒሶም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪቲ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርንነት ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ውዕል ሰላም ምፍራሙ፡ እዚ ሎሚ “ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ” ብዝብል ኣንጻር መንግቲ ዝዋጋእ ዘሎ ሓይሊ ፋኖ ከምቲ ህግደፍ ተኾሊፍና ዝበሎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ “ዘስሩዕ ዕጡቕ” ዝተባህለ ፋኖ ድማ ዕጥቂ ኣፍቲሑ ዳግመ-ውደባ ክግበረሉ ምስ ወሰነ እዩ ኣንጻር መንግስቲ ምንቅስቓሱ ዝያዳ ዘሕየለ እዩ። ናይ ስግኣትን መንገዲ ዓመጽ ምምራጽን ቀንዲ ምኽንያት፡ ከምቲ ህግደፍ ውግእ ጠጠው ብምባሉ ዘይዓገበ፡ በቲ ውዕል ሰላም መሰረት፡ ውልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ከይምለስ ብዝሓደሮ ስግኣት እዩ።
ብፍላይ ካብዚ ቀረባ ግዜ ሓይሊ ፋኖ ብመስመር ሑመራን ኦሞሓጀርን ምስ ህግደፍ ከም ዝራኸብን ኣባላቱ ኣብ ኤርትራ ኣሰልጢኑን ኣዕጢቑን ኣብ ሑመራ ከም ዝመረቐ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ብሰፊሑ ክሕበር ዝጸንሐ እዩ። ክሳብዚ ቀረባ ግዜ መጻኢ ፖለቲካዊ ዕላማ ፋኖ እንታይ ምዃኑኳ ንጹር እንተዘይነበረ፡ ሎሚ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሪስካ ብደረጃ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ምምሕዳር ምትካል ምዃኑ ክገልጽ ይስማዕ ኣሎ።
ብናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ መሰረት ፈደራላዊ መንግስቲ ብዘይወግዓዊ መጸዋዕታ ናይ ክልል መንግስቲ ሰራዊቱ ኣብ ክልላት ኣብ ዝካየድ ውግእ ከውፍር ኣይክእልን እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሜሪካ እትርከበን ሃገራት ዜጋታተን ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ናብ ዘዋስኑ ከባብታትን ክልል ኣምሓራን ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ፍሉይ ጥንቃቐ ንክግበብሩ ኣተሓሳሲበን።
More...
The Visionary Leadership of EPDP: A Path Towards Democracy in Eritrea
Written by Haile Tinsaewኣብ ስቶክሆልም ካብ 3 ክሳብ 6 ነሃሰ 2023 ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፈስቲቫል ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቱ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣይትኸውንን እያ” ዝብል ሓያል መኸተ መንእሰያት ኤርትራ ከም ዝመኸነ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ብምስሊ ኣሰንዮም ሓቢሮም። እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ንመኸተ ናብ ስቶክሆልም ክጐዓዙ ዝቐነዩ መእሰያት ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ማዕዶ እቲ ንህግደፍ ዝተፈቕደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ ፈቓድ ከም ዝነበሮም፡ ደሓር ብዝተራእየ ምዕባለ፡ ናብቲ ፈስቲቫል ዝተዳለወሉ ቦታ ጥሒሶም ምስ ኣተዉ፡ ክሳብ ምፍራስ ዳሳት ህግደፍ ከም ዝበጽሑ ተፈሊጡ።
ድሕሪቲ ኩነታት መንግስቲ ሽወደን ብሄሊኮፕተራትን ዘንብዕ መሳርሕታትን ዝተሰነየ ሓይሊ ፖሊስ ከም ዘዋፈረን ካብቶም መንእሰያት ሓያሎ ከም ዝተኣሰሩን ተፈሊጡ። ኣብ ልዕሊዚ ብንጹር ቁጽሮም ዘይተፈልጡ መንእሰያት ጉድኣት ኣጋጢሙ ዝብል ሓበሬታ እውን ኣሎ።
ህግደፍ ነዚ ምትእኽኻቡ፡ ባህሊ ናይ ምልላይንን ምምዕባልን ዝብል መሸፈኒኳ ዝህቦ እንተኾነ፡ ብግብሪ ግና ኤርትራውያን ተገዲዶም ናብ ኣዳራሻት ፈስቲቫል ከም ዝሳተፉ ጌርካ ገንዘብ ምእካብን ኣንጻር ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያንን ጐረባብቲ ህዝብታትን ናይ ጽልኢ ምልዕዓላትን ዝጥቀምሉ መድረኽ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ፈስቲቫላትን ኣኼባታት ህግደፍ ኣብ ጀርመንን ዓባይ ብሪታንያን ፍሽለት ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ መዓልታት ኣብ ከናዳን ስያትል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ተወጢኑ ዘሎ ፈስቲቫላት ብተመሳስሊ ኣገባብ ንክፈሽል ኤርትራውያ ዝሰርሕሉ ዘለዉ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ኣንጻር ፈስቲቫላት ህግደፍ እናሓደረ ዝግንፍል ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ብዝምልከት፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝተቓነዐ 4ይ ጉባአኡ “ህዝባዊ ማዕበል ብሓፈሽኡ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝካየድ ምንቅስቃስ ድማ ብፍላይ ንመጻኢ እውን ብቀንዱ መሰረቱ ሕጋዊ ኣገባብ ዝኽተል፣ ንህግዲፍ ካብተን መንግስታትን ህዝብን ብዝንጽልን ብዘይምዝመዝን ኣገባብ ክቕጽሎ ኣተባቢዑ። ኣብ ርእሲዚ ሰዲህኤ ኣብ ጐኒ ሕጋውን ትካላውን መኸተ ብርጌድ ንሓመዱ ኮይኑ፣ ዘድሊ ምትሕብባር ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ። ምባሉ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ኤርትራ ብ1 ነሃሰ 2023፡ ከባቢ ሰዓት 8፡15 ናይ ምሸት፡ 5.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ናይ ጀርመን ትካል ጂኦ-ሳይነስ ኣፍሊጡ። በዚ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ካብ ከተማ ኣስመራ 65 ኪሎሜተር ወይ 40 ማይላት ኣብ ዝርሕቀቱ ከባቢ ኢራፋለ-ፎሮ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ሽዑ ንሽዑ ዝተመዝገበ ሓደጋ የለን። እዚ ምንቅጥቃጥ ከባቢ 10 ኪሎሜተር ዕምቆት ከም ዝነበሮ ተሓቢሩ። እቲ ምንቅጥቃጥ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኤርትራን ሰሜናዊ ክፋል ትግራይን ስምዒት ኣሕዲሩ።
ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ክኢላታት፡ ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ቀልጢፉ ዝተመዝገበ ጉድእትኳ እንተዘየለ፡ ድሕሪ ምጽራይ ዝፍለጥ ገለ ጉድኣት ኣውሪዱ ከም ዝኸውን ግና ግምት ኣለዎም። ነዚ ንምፍላጥ ከኣ ብፍላይ ኣብቲ መራኸቢ ዘየብሉ ርሑቕ ከባቢ ዝተወሰነ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።
ብሰንክቲ ምንቅጥቃጥ ጉድኣት ምውራዱን ዘይምውራዱን ንምጽራይ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናብቲ ከባቢ ዝወስድ መጐዓዝያ ንግዜኡ ከም ዘቋርጽዎ ግምት ኣሎ። በዚ ምቁራጽ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ጸገም ከጋጥም ዝኽእል ኮይኑ፡ ድሕሪ ምጽራይ ግና ቀልጢፉ ናብ ንቡር ክምለስ እዩ። ኣብቲ ቀንዲ ማእከል ናይቲ ተረኽቦ ግና ኣገልግሎት እውን ንግዜኡ ከቋርጽ እዩ ዝብል ስግኣታት ኣሎ።
ንግዜኡ ክሳብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ዝህቡ፡ ኣብ ነዋሕቲ ርሻናት ዝነብሩ ሰባት ካብኡ ክርሕቁን ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ዝወሃብ ቀጻሊ ሓበሬታ ክከታተሉን ዝምልከቶም ኣካላት ይምዕዱ።
ብተመሳሳሊ ብ2 ሓምለ 2023፡ ሰዓት 7፡51 ምሸት፡ 4.2 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑን 10ኪሎሜተር ዝዕምቈቱን፡ ኣብ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ዝማእከሉ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ይዝከር።