ሰሚናር ብዛዕባ መርማሪት ኮሚሽን አብ ኦክላንድ

2014-11-10 21:27:44 Written by  ሰሎሙን ገብረእየሱስ Published in Human Rights Read 9663 times

       ውርይቲ ተጣባቒት ሰብአዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም መቐጸልታ ናይቲ አብ ሰሜን አሜሪካ ማለት አብ ቦስቶን፡ አብ ኒው ዮርክ፡ አብ ዋሽንግቶን ዲሲ፡ አብ ዴንቨር ዘካየደቶ ዑደት እያ ናብ ከተማ ኦክላንድ መጺአ ብዛዕባ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንአፍልጦ ዝሕግዝን ሓበሬታ ዘስንቕን ህዝባዊ ሰሚናር ዘካየደት። አብ አስተምህሮአ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም እዚ ኮሚሽን ከመይ ከምዝቖመን ክንደይ ጻዕርታት ከምዝሓተተን ብዝርዝር አብሪሃ።          coi-2ዕድመ መርማሪት ኮሚሽን ስጋብ ዝመጽእ ግንቦት 2015 ዓ.ም ኮይኑ ከም አድላይነቱ ስጋብ ሹዱሽተ ዓመት ከም ዝቕጽል ሓቢራ። አብ ዓለም እዚ ኮሚሽን መርማሪት ዝተበየነለን አብ ሓድሕዳዊ ኵናት ዘየለዋ ሃገራት ኤርትራን ሰሜን ኮርያን እየን ድሕሪ ምባላ፡ ወ/ሮ ኤልሳ ነዚ ዕድል ምርካብና አዝዩ ጽቡቕ ዕድል ምዃኑን፡ ነቲ ዕድል ድማ ክንጥቀመሉን ብዋዛ ካብ ኢድና ከይነውጽኦን ተማሕጺና። ስርዓት ህግደፍ ንመርማሪት ኮሚሽን ንከተዓናቕፍን ከነአእስን ዝገብሮ ዘሎ ኩሉ ሽርሕታት አቃሊዓ።        coi-3 አብ መደረአ ወ/ሮ ኤልሳ ንሕና ኤርትራውያን አብ ልዕሌና ብስርዓት ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ገበን አዝዩ አሰቃቒ ክንሱ ከም ንቡር ጌርና ንወስዶ ምህላውና አዝዩ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ። ህዝቢ ድማ አብ ነብሱ ኮነ አብ ቤተሰቡ ንዝወረዱ ግፍዕታት ኮነ ገበናት ብትብዓት ክሕብርን ቃል ምስክርነቱ ክህብን ተላብያ። እዚ አብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ደው ስጋብ ዝብል ድማ ቃልሳ ደው ከምዘይተብል እታ ዋዕሮ አንጻር ኩሉ ተጻብኦታት ደው ኢላ ብትብዓት እትምክት ካብ ዓረ ዝተርር ሞራላዊ ሕልና ዘለዋ ኤልሳ ቃል አትያ። ካብ ህዝቢ ቤይ ኤርያ ድማ ናይ አጆኺ አብ ጎድንኺ አለና ዝብል ሞራላዊ ድጋፍ ተዋሂብዋ።         coi-1አብቲ አኼባ አዝዮም አገደስቲ ነጥብታት ከም ሕቶን ለበዋን ክቐርቡ ከለው፡ እቲ አኼባ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ብስለትን ተሳተፍቲ ዝተራእየሉ፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ርዝነትን ዝዓሰሎ ምንባሩ ከይተጠቐስኩ ክሓልፍ አይደልይን። አብ እዋን ሰሚናር ሓደ ካብ ወለንተኛታት መርማሪት ኮሚሽን መንእሰይ አሰናይ ሙሴ ብዛዕባ እቶም ወለንተኛትት ዘካይድዎ ዘለዉ ስርሓትን፡ ህዝቢ ከመይ ጌሩ ነቲ ወብ ሳይት ክጥቀመሉ ይኽእልን ብዝርዝር አረዲኡ። አብቲ ወብሳይት ካብ ህዝቢ ኽቐርቡ ንዝኽእሉ ሕቶታትን መልስታቶምን፡ ከምይ ጌርካ ሓበሬታኻ ክትህብ ከም እትኽእልን አካል ናይዛ ወለንተኛ ጉጅለ ትኸውንን ብፕሮጀክቶር አሰንዩ ናብ ህዝቢ አቕሪብዎ። አብ ሓጺር ሰሙን ዘይመልእ ጊዜ ንዝተዳለወ ሰሚናር ክንድዚ ዝአኽሉ ደቂ አንስትዮ ዝርከብኦም ተሳተፍቲ ምርካቦምን እቲ ሰሚናር ውጺኢታዊ ብምንባሩ፡ ንኹሉ ጉዳያቶም አወንዚፎም ዝተሳተፉ ደቂ ሃገር ክምስገኑ ይግባእ። ድሕሪ ሰሚናር ነበርቲ ቤይ ኤርያ ንኤልሳ ጭሩም ናይ ድራር ግብጃ ጌይሮምላ፡ ብዝከአሎም አብ ጎድኒ መርማሪት ኮሚሽን ደው ኢሎም ዝግብኦም ከም ዝፍጽሙ ብሓደ ድምጺ አረጋጊጾም።

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ኦክላንድ - ካሊፎርንያ

11 ሕዳር 2015 ዓ.ም    

Last modified on Monday, 10 November 2014 22:54