ኢትዮጵያ ዘለዋ ዕዳ ወጻኢ ክንደይ'ዩ? መን'ከ ይኸፍሎ?

2022-07-22 19:55:56 Written by  BBC Published in English Articles Read 790 times

ባንዴራ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

22 ሓምለ 2022, 08:23 EAT

ኢትዮጵያ ዘለዋ ዕዳ ወጻኢ፡ ዓመታዊ ይውስኽ ኣሎ። ባንክ ዓለም ከም ዝብሎ፡ ስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ክእለ እንከሎ ኢትዮጵያ ትሸዓተ ቢልዮን ዶላር ዕዳ ነይርዋ።

እንተዀነ፡ ብ2006 ዓ.ም [ኣ.ኤ] እዚ ዕዳ ናብ 2.2 ቢልዮን ዶላር ወሪዱ ነይሩ። ድሕሪኡ ግን፡ ዕዳኣ ዓመታዊ ብቢልዮን ዶላራት እናወሰኸ መጺኡ።

ባንክ ዓለም ብ2020 ዘውጽኦ ጸብጻብ እንተወሲድና፡ መንግስቲ 30.36 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ከም ዘለዎ የመልክት።

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ድማ፡ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝወሰደቶ ልቓሕ 56.6 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሐ ሚኒስተር ፋይናንስ ገሊጹ።

እታ ሃገር ዘለዋ ዕዳ፡ ክንዲ ፍርቂ ዕብየት ሓፈሻዊ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ [ጂዲፒ] እታ ሃገር ስለ ዝዀነ፡ ኣለቃሕቲ ኣብ ጕዳይ ዕዳ እታ ሃገር ክዝትዩ ጀሚሮም ኣለው።

ንኢትዮጵያ ዝለዓለ ልቓሕ ካብ ዝህባ ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ቻይና ምስ ፈረንሳ ብምዃን ድማ ነዚ ኣኼባ ይመርሓኦ ኣለዋ።

ኣለቃሕቲ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም’ዮም ኣብ ዛዕባ ዕዳ ኢትዮጵያ ክመያየጡ ጀሚሮም ዘለው።

ይዅን’ምበር ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት እቲ ጕዳይ ተወንዚፉ ጸኒሑ።

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ]፡ ባንክ ዓለምን ካልኦት ትካላት ገንዘብን፡ ከምኡ'ውን ቻይናን ካልኦት ኣለቃሕትን ኢትዮጵያ፡ ጫድን ዛምቢያን ብዛዕባ ዘለወን ዕዳ ዳግመ ግምት ንኽገብራሉ ይሓቱ ኣለው።

ዳይሬክተር ኣይኤምኤፍ ክሪስታሊና ጆርጂዮቫ፡ ምስ ዕድአን ተወሳኺ ፈተናታት ዝገጥመን ዘሎ ሃገራት ፍታሕ ክረኽባ ኣለወን ክትብል ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪባ።

ንምዃኑ፡ ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ክንደይ ዝኣክል ዕዳ ወጻኢ ኣለዋ? ዕዳኣ እንተዘይከፊላ ዘጋጥማ ሽግር ከ እንታይ’ዩ?

'እቲ ልቓሕ ኣብ መዓላ ኣይወዓለን'

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብ2018 ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ፡ ኢትዮጵያ ኣስታት 28 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ከም ዝነበራ ኣየለ ገላን [ዶክተር] ይዛረብ።

እዚ ተንታኒ ስነ ቝጠባ ከም ዝብሎ፡ ኣብቲ እዋን ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ጽገና ዝርኣዩ ኣለቃሕቲ፡ ንኢትዮጵያ ገንዘባዊ ሓገዝን ልቓሕን ሂቦም'ዮም።

“እቲ ኣብ 2018 ዝተፈጥረ ተስፋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስቲ ዝተለቅሖ ገንዘብ ግን ኣብ ጥቕሚ ከውዕሎ ኣይከኣለን። ነቲ ልቓሕ ተጠቒሙ ተወሳኺ ገንዘብ ከእቱ ዘይምኽኣሉ፣ እዅል ዕድላት ስራሕ ዘይምፍጣሩን እቲ ገንዘብ፡ ተወሳኺ ሸርፊ ወጻኢ ከምጽእ ዘይምኽኣሉን" ጸገማት ከም ዝፈጠረ ይዛረብ።

እቲ ምሁር፡ ቅድሚ ምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ ዝነበረ መንግስቲ ዝተለቅሖ ገንዘብ ከይተኸፍለ፡ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መንግስቲ ብውሑዱ ተወሳኺ 10 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ምውሳዱ ነቲ ዕዳ ሓፍ ክብል ገይሩዎ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

“ልቓሕ ምኽፋል፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኵነታት ሎሚ ዝያዳ ኣጸጋሚ እናዀነ መጺኡ’ዩ” ኢሉ።

ንኢትዮጵያን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ልቓሕ ካብ ዝህቡ ትካላት ገንዘብ ሓደ ዝዀነ ኣይኤምኤፍ፡ ኣብ 2020 ንኢትዮጵያ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ኣጽዲቑላ።

ካልኦት ከም ባንክ ዓለም ዝበሉ ኣለቃሕቲ ትካላት ድማ፡ ተወሳኺ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶላር ክህብዋ እንከለው፡ ነዚ ስዒቡ ዕዳ እታ ሃገር ናብ 38 ቢልዮን ዶላር ክብ ክብል ከም ዝኽእል እቲ ተንታኒ ይዛረብ።

ኣይኤምኤፍ፡ እቲ ልቓሕ ቅድሚ ምጽዳቑ ብ2019 ኢትዮጵያ ልቕሐን ንምምላስ ካብ መንጐ ዝተጸገማ ሃገራት ከም ዝዀነት ገሊጹ ነይሩ።

“እዚ መጠንቀቕታ፡ መጠን ዕዳ ኢትዮጵያ ብኽልተ ቢልዮን ዶላር ኣብ ዝነከየሉ ግዜ ዝወጽአ’ዩ” ክብል ዶክተር ኣየለ ይገልጽ።  

ዕዳ ዳግም ምውቓር [Debt Restructure] እንታይ እዩ?

መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣለቃሕቲ ንኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዘለወን ዕዳ ዳግም ንከዋቕሩ [ደብት ሪስትራክቸር ንኽገብሩ] ብተደጋጋሚ ይሓትት ነይሩ።

ኣብዚ ቅንያት ድማ፡ እቶም ኣለቃሕቲ ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላት ገንዘብን ድማ ኣብዚ ዙርያ ዘተ ጀሚሮም ኣለው።

መንግስቲ፡ በጀት 2015 ዓ.ም [ግ] ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ልቓሕ ምምላስ ቀንዲ ትዅረት መንግስቲ ከም ዝዀነ ገሊጹ’ዩ።

ኢትዮጵያ ዘለዋ ዕዳ

ቅድሚ ኣብታ ሃገር ዝወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ኢትዮጵያ ምሽልሻል ዕዳ ንኽግበረላ ሕቶታት ከተቕርብ እኳ እንተጸንሐት፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ግን ምስቶም ኣለቃሕቲ ትካላት ዝነበራ ርክብ ከም ዝሓርፈፈ ኣየለ ገላን ይዛረብ።

“መንግስቲ፡ ዓመታዊ ባጀት ኣብ ዝምድበሉ እዋን፡ ዕዳ ምኽፋል ቀዳምነት ገይሩ ከቐምጥ ሰሚዐ ኣይፈልጥን” ዝብል እቲ ተንታኒ እቲ ዕዳ ዘሕደሮ ጸቕጢ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ይብል።

“እቲ ሕጂ ዝቐረበ ዳግመ ምውቓር ዕዳ ፡ ብሓጺሩ ‘እቲ ልቓሕ ልዕሊ ዓቕመይ ስለ ዝዀነ ምምሕያሽ ይገበረለይ’ ማለት’ዩ” ብምባል እቲ ኣሸላሻል ብቐንዱ ሰለስተ መገዲታት ዝተኸተለ ከም ዝኸውን የብርህ።

እቲ ሓደ፡ ዕዳ ልዕሊ ዓቕመይ ስለ ዝዀነ ይሰረዘለይ ኢልካ ምስቶም ኣለቃሕቲ ክትሰማማዕ ጻዕሪ ምግባር ኰይኑ፡ ካልኣይ ወለድ እቲ ልቓሕ ልዑል ስለ ዘዀነ ምንካይ ይገበረለይ ዝብል እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ፡ ልቓሕ ዝኽፈለሉ ግዜ ንኽናዋሕ ምሕታት ከም ዝዀነ ይጠቅስ።

ብደረጃ ዓለም፡ ልቓሕ ወሲድካ ብእዋኑ ዘይምምላስ ገበን’ዩ ዝብል ተንታኒ ስነቝጠባ ኣየለ ገላን፡ “ነዚ ንምውጋድ ሃገራት እቶም ኣለቃሕቲ ምሕረት ክገብሩለን ጻዕሪ ይገብራ እየን። እዚ እንተዘይኰይኑ ግን ኣብ ጸሊም መዝገብ [ብላክ ሊስት] ይኣትዋ። እዚ ክኣ ዝኸፍአ ጸገም’ዩ ዘምጽእ” ኢሉ።

ቅድሚ ሕጂ ኣለቃሕቲ ትካላት፡ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ልቓሕ ከም ዝሰረዙ ዘዘኻኽረ እቲ ክኢላ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ድርድር ድማ እቲ ናይ መኽፈሊ ግዜ ኣናውሑለይ ዝብል ከም ዝኸውን ይግምት።

“ግዝያዊ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ግዜ እናነውሐ ክኸይድ እንከሎ ግን መጠን ወለድ እናወሰኸ’ዩ ዝመጽእ። እዚ ‘ሾርት ተርም ገይን፤ ሎንግ ተርም ፐይን’ዩ’ [ንግዚኡ ትረብሕ፡ ንሓዋሩ ግን ትሳቐ] “ብምባል ንዝኸፍአ ድኽነት ዘቃልዕ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

ምብዛሕ ዕዳ ዝፈጠሮ ጸቕጢ

ብዙሓት ትካላት ልምዓት፡ 40 ሚእታዊት ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ልቓሕ ከም ዝርከባ ይገልጹ።

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ] ብ2018 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ዕዳ ትጥሕል ኣላ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ቍጽሪ ስግኣት ዕዳ ዘለወን ሃገራት ብዕጽፊ ወሲኹ።

ቻይና፡ ንሃገራት ኣፍሪካ ዝለዓለ ልቓሕ ካብ ዝህባ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። 20 ሚእታዊት ዕዳ መንግስታት ኣፍሪቃ ካብ ቻይና እዩ።

35 ሚእታዊት ልቓሕ፡ ካብ ከም ባንክ ዓለም ዝኣመሰሉ ትካላት ዝተረኽበ ክኸውን እንከሎ፡ 32 ሚእታዊት ድማ ካብ ውልቀ- ኣለቃሕቲ ዝተወስደ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ [ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2014 ኣብ ዘሎ ግዜ] መንግስቲ 330 ቢልዮን ብር ንምእካብ መደብ'ኳ እንተነበሮ፡ 309 ቢልዮን ብር ጥራይ’ዩ ኣኪቡ፡ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ 500 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

ኣብ መንጐ ኣታውን ወጻእን እታ ሃገር ዘሎ ፍልልይ ክሰፍሕ ዝገበሮ ድማ፡ ዝተኣከበ ዕዳ እታ ሃገር ከም ዝዀነ ጠቒሱ።

“ኣብዚ ዓመት፡ 1.7 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ከፊልና ኢና፤ እዚ ኸኣ ኣስታት 100 ቢልዮን ብር እዩ” ኢሉ።

ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ በጀት 2015 ዓ.ም እታ ሃገር 786.6 ቢልዮን ብር ክኸውን ሰሊዑ’ዩ።

እዚ፡ መብዛሕትኡ ዕዳ ንምኽፋል ዝውዕል ኰይኑ፡ ንዳግመ ህንጸትን ምጥንኻር ሰራዊት ምክልኻልን ዝውዕል ምዃኑ ሚኒስትሪ ገንዘብ ሓቢሩ’ዩ።

ክኢላ ስነቝጠባ ኣየለ፡ ኢትዮጵያ ንድሕሪት ካብ ዝጐቱዋ ጸገማት እቲ ሓደ፡ ዘለዋ ዕዳ ብዙሕ ምዃኑ’ዩ ይብል።

መንግስቲ ነቲ ብሕታዊ ጽላት ዘተባብዕ ፖሊሲ እንተዘይሓንጺጹ፡ ቍጠባ እታ ሃገር ንምዕባይ ክጽገም’ዩ ኢሉ ይኣምን።

“ፖለቲካዊ ኵነታት እታ ሃገር፡ ጉዳይ ማክሮ-ኢኮኖሚ [ንኣብነት ዝቕባበ ዋጋ] ከምኡ’ውን መንግስቲ ዘለዎ ውዙፍ ዕዳ ዓበይቲ ማሕለኻታት’ዮም” ይብል።

መንግስቲ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ባጀትን ብኽነትን ከምኡ’ውን ውሽጣዊ እቶት ናይ ምእካብ ዓቕሙ ዘይምዕባዩ፡ ዝኣመሰሉ ጸገማት ከም ዘለውዎ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣልዒሎም ነይሮም።

ቍጠባዊ ዕብየት ኢትዮጵያ፡ ካብ 2011 ክሳብ 2013 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ትሕቲ ውጥን ዝዀነ ናይ 7.1 ሚእታዊት ዕብየት ከም ዘርኣየ ይግለጽ።

ኢትዮጵያ ልቓሕ ክትወስድ እንከላ እንታይ ተትሕዝ?

ሃገራት፡ ዝወሰዳኦ ልቓሕ ምኽፋል ክጽገማ እንከለዋ ዘለወን ፕሮጀክታት ከም ትሕጃ ክህባ ስምምዕ ምግባር ይልመድ ኣሎ።

ንኣብነት፡ እቲ እንኮ መገዲ ኣየር ዚምባብወ፡ ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸፍሎ ዝግባእ ዕዳ ብዘይምኽፋሉ ክሳብ 2019 ተታሒዙ ጸኒሑ።

እቲ መገዲ ኣየር ብ2019 በረራ ክጅምር እንከሎ፡ ብሰንኪ ንዓመታት ዝተኣከበ ውዙፍ ዕዳ፡ ብ2017 ልዕሊ ፍርቂ ሰራሕተኛታቱ ከሰናብት ተገዲዱ ነይሩ።  

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኤይር-ዚምባብወ ብሰንኪ ስግኣት ድሕነት ኣብ ክሊ ኣየር ሃገራት ኤውሮጳ ዝበረሉ ፍቓድ ተሓዲጉ።

ቻድ ድማ ንኣንጎላ ክትከፍሎ ዝግብኣ ዕዳ፡ 100 ሚልዮን ዶላር ክትመልስ ብዘይምኽኣላ ዘለዋ ከብቲ እናሸጠት ትኸፍል ምህላዋ ጋዜጣ እታ ሃገር ብ2020 ጸብጺቡ ነይሩ።

በዚ መሰረት፡ ዓለምለኻዊ ኣለቃሕቲ፡ ልቓሕ ክህቡ እንከለው ኣብ እዋኑ ዘይምለስ እንተዀይኑ ከም ትሕጃ ዝሕዝዎ ሃብቲ ወይ ንብረት ኣሎ ማለት እዩ።

ተመኵሮ ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ'ዩ።

ሃገራት፡ ልቓሕ ክወስዳ እንከለዋ ዘትሕዛኦ ነገር ብግልጺ ስለ ዘይፍለጥ፡ ኣብ መንጐ መንግስትን ኣለቃሕቲ ትካላትን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ናብ ሕጊ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ቃልዕ ይወጽእ።

ኣየለ፡ ኣብ መንጐ ኬንያን ቻይናን ዝተፈጥረ ኵነታት ብኣብነት የልዕል።

“ኬንያ ካብ ቻይና ኣብ ዝወሰደቶ ልቓሕ ዘይምርድዳእ ምስ ተፈጥረ፡ ቻይና ወደብ ሞምባሳ ናተይ'ዩ ምባል ምስ ጀመረት እቲ ወደብ ከም ትሕጃ ተታሒዙ ከም ዝነበረ ግልጺ ኰይኑ" ይብል።

ዛምቢያ’ውን ካብ ቻይና ልቓሕ ክትወስድ እንከላ፡ መመንጨዊ ጸዓት ዝዀነ ትካል ኣትሒዛ ምንባራ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘይምርድዳእ ምስ ተፈጥረ'ዩ ተፈሊጡ።

ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ምስ ልቓሕ ብዝተሓሓዝ ዝኣተወቶ ቅርሕንቲ ስለ ዘየለ፡ እንታይ ኣትሒዛ ከም እትልቃሕ ብወግዒ ኣይፍለጥን።

እቲ ዕዳ መን’ዩ ዝኸፍሎ?

ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ዕዳ፡ እቲ 97 ሚእታዊት ናይ ነዊሕ ግዜ ልቓሕን ‘ፐብሊክን ፐብሊክሊ ግራንትድን’ ዝተባህለ ዓይነት ልቓሕን ከም ዝዀነ እቲ ክኢላ ስነቝጠባ ይዛረብ።

“ናይ ነዊሕ ግዜ ማለት፡ እቲ ክፍሊት ካብ 30 ክሳብ 50 ዓመታት ኣብ ዘሎ ግዜ ዝፍጸም ማለት’ዩ። እዚ ማለት፡ ነዚ ልቓሕ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ናይቲ ዝተለቅሐ መንግስቲ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ።”

‘ፐብሊክን ፐብሊክሊ ግራንትድን’ ድማ [ብዋሕስ ሃብቲ ህዝቢ ዝተረኽበ ልቓሕ] ድማ፡ እቲ ክፍሊት ክምለስ ኣለዎ ኣብ ዝተባህለ ግዜ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ዝወስድ ኰይኑ፡ እቲ ልቓሕ ዝመልሶ ግን ናይ ሕጂ ወለዶ ኣይኰነን ማለት እዩ ክብል የረድእ።

Last modified on Friday, 22 July 2022 21:59