Report: Shewit Yacob, son of fighters and disabled veterans, shot dead in Mendefera

2020-02-09 22:00:37 Written by  Martin Plaut Published in English Articles Read 1754 times

February 9, 2020 News

The death is reported of Shewit Yacob, son of fighters and disabled veterans, killed on 04 February 2020 in the centre of Mendefera.

Screenshot 2020-02-09 at 10.46.08

This was in accordance with President Isaias’s ‘shoot to kill’ policy.

This happened in the very area where the EU road project is taking place, using national service conscripts trapped in slave labour.

Screenshot 2020-02-09 at 10.46.23

ወዲ ስውእ ተጋዳላይን ስንክልቲ ተጋዳሊትን ዝኾነ መንእሰይ ሸዊት ያቆብ በቲ ተኩስካ ቅተል ዝብል መምርሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማእከል ከተማ መንደፈራ ብዕለት 4 ለካቲት 2020 ብግፍዒ ተረሺኑ

መንእሰይ ሽዊት ያቆብ ብዕለት 25 ግንቦት 1993፥ ካብ ኣብኡ ስውእ ተጋዳላይ ያቆብ ገብረትንሳኤን ካብ ኣዲኡ ስንክልቲ ተጋዳሊት ጸጋ ገብረሂወት ተወልደ።

ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናይ መባእታ ትምህርቲ ኣብ ከተማ መንደፈራ ጀሚሩ፥ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ዓዲ ወግሪ ስጋዕ 11 ክፍሊ ተማሂሩ ናይ 12 ክልተ ደረጃ ትምህርቱ ንምውዳእ ብ2011/2012 ዓመተ ትምህርቲ ኣብ መበል 25 ዙርያ ንሳዋ ወረደ።

ኣብኡ ናይ 12 ክፍሊ ደረጃ ትምህርትን ወታደራዊ ስልጠናን ብምጥቕላል፥ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ከሕልፍ ዘኽእል ነጥቢ ስለዘይረኸበ፥ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት፥ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኮይኑ፥ ናብቲ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ጨንፈር ሓይሊ ባሕሪ ተመዲቡ ኔሩ።

ኣብቲ ዝተመደበሉ ንገለ ዓመታት ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ ንስንክልቲ ኣዲኡን ንምንኣስ ሓውን ንምርኣይ ናብ መንደፈራ ንዕረፍቲ መጸ። እንተኾነ ህሉው ኩነታት መነባብሮ ናይ ስድርኡ ኣዝዩ ስለዘሻቐሎን ስለዘጨነቆን ብዓቕሙ ክገብሮ ዝኽእል ንኽገብር፥ እቲ ዝነበሮ ብጊዜ ደረት ዘይብሉ ኣገልግሎት ራሕሪሑ፥ ስድራቤቱ ክናብይ ወሰነ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፥ ኣብ እንዳ ፋጉሮ ምዓልታዊ ስራሕ እንዳሰርሕ ብዝረኽቦ ኣታዊ ንስድራ ቤቱ ክናብይ ጸኒሑ። ብዕለት 4 ለካቲት 2020፥ ሸዊት ከም ኩለን ዝሓለፍ ምዓልታት ንጉሆ ተሲኡ ናብ ስርሑ ወፈረ። ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣኺሉ ምስተፈደሰ ድማ፥ ገዛ ቅድሚ ምእታው ምስ ገለ መሳትኡን የዕርኹቱን፥ ኣብ ውሽጢ መንደፈራ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤት ሻሂ ንሓዳር ጊዜ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ካብታ ቤት ሻሂ ምስ የዕሩኽቱ ከወጽእ ከሎ ምስቶም ኣብቲ ከተማ መንእሰያት ክገፍ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ዘምሰዩ፥ ኣባላት ምክልኻል ስለዝተራኸበ፥ ብኡ ንቡኡ ምስ ዓርኩ ተታሒዙ፥ ኣብ ኣእዳዎም ፌሮ የእትዮም እንዳኸብከቡዎም ከለው፥ መንእሰይ ሸዊት ምስ ዓርኩ ክሃድሙ ፈቲኖም ካብቶም ሓለውቶም ብዝተተኮሰ ጥይት ልክዕ ስዓት ትሽዓተ ናይ ምሽት ህይወት መንእሰይ ሸዊት ሓለፈት።

መንእሰይ ሽዊት ክሳብ እቲ ኣገልግሎት ጠንጢኑ ስድራቤት ክናብይ ዝጀመረሉ ስዓት ንሃገሩ ብቅንዕናን ብተኣማንነትን ኣገልጊሉ እዩ። ብጀካ እዚ ካብ ክልተ ተጋደልቲ ኣቦን ኣደን ዝተወልደ ኤርትራዊ መንእሰይ እዩ።

መንእሰይ ሽዊት ስነስርዓት ቀብሩ ብዕለት 6 ለካቲት 2020፥ ፍርቂ ምዓልቲ ሓመድ ለቢሱ።

እዚ ጨካን ስርዓት ብተመልከተለይ ናይ ንጹሃት ዜጋታት ክቡር ህይወት ክቐዝፍ ካብ ዝጀምር ብዙሕ ዓመት ኮይኑ እዩ። ብኸምዚ ዝዓይነቱ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ናይ ዝጥፍእ ህይወታት ኤርትራውያን ንሂወት መንእሰይ ሸዊት ወሲካ ቁጽሩ ውሑድ ክኸውን ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ።

ሕልፈት መንእሰይ ሸዊት ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለዝኾነ ድኣ እዩ ክፍለጥ ክኢሉ እንበር፥ ኣብ ኩለን ዶባት ሃገርና በዚ ከርፋሕ መነባብሮ ናይዚ ስርዓት፥ እሱ ደስዓቦ ግዱድ ባርነት ኣንጸርጺሮም እግሮም ናብ ዝመርሖም ካብ ዝፈትውዎም ስድርኦምን ሃገሮምን ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ እናፈተኑ በዚ ተኩስካ ቅተል ዝብል ኣረሜናዊ ፖሊስ ናይዚ ስርዓት ኣብ ዶባት ብተመልከተለይ ዝትቐዝፈን ሬስኦም ሓመድ ከይለበሰ ቀለብ ኣራዊት ዝኾኑ ዕሸላት መንእሰያት ኣዲኦም ትቑጸሮም።

እግዚኣብሄር ንመንእሰይ ሽዊት ያቆብን ንኹሎም ብተመሳሳሊ መገዲ ህይወቶም ዝሓለፍ ኤርትራውያን ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበሎም።

ንስድራቤት መዋቲ ድማ ጽንዓት ይሃቦም!

ፍትሒ ንዝተበደሉ፥ ጉቡእ መቕጻእቲ ድማ ንበደልቲ ስጋዕ ዝረጋገጽ፥ ቃልስና ክቕጽል እዩ።

ኤልሳ ጭሩም
8 ለካቲት 2020

Last modified on Sunday, 09 February 2020 23:02