ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣስመራ ኣትዩ

2019-07-18 11:42:57 Written by  BBC Published in English Articles Read 1755 times

 

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን Image copyright ሚኒስትሪ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ክፍጽም ሎሚ ንግሆ ኣስመራ ከም ዝኣተወ ሚኒስትሪ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

ክልቲኦም ወገናት 'ኣብ ክልተኣዊ ምትሕብባር ከምኡ'ወን ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን ረብሓታትን' ክዘራረቡ ምዃኖም ኣቶ የማነ ኣብ ትዊተሩ ገሊጹ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽዴ ኣካል እቲ ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ዝገብር ዘሎ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም'ውን ሓደ ካብቶም ናብ ኣስመራ ዝበጽሑ ዘለዉ ልኡኻት ኢትዮጵያ እዩ።


ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 9 ሓምለ 2018 ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ሓባራዊ ስምምዕ ተፈራሪመን ነይረን። እተን ስምምዓት፡

  1. ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ። ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ተራሕዩ ኣሎ።
  2. ክልቲኦም መንግስታት፡ ህያው ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጒምን፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ጸጥታዊ ምትሕብባር ክሰርሑ እዮም።
  3. ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ናይ መጓዓዝያን ንግድን ተለኮሚኒኬሽንን ርክብ፡ እንደገና ክጅምር፡ ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ክሕደስ እዩ።
  4. ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኪትግበር እዩ።
  5. ክልቲአን ሃገራት ዞባዊ ሰላምን ልምዓትን ምትሕብባርን ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሓ እየን።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49028656

Last modified on Thursday, 18 July 2019 13:49