ሱዳን፡ ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም ህይወት ሰባት ጠፊኡ

2018-12-21 10:45:39 Written by  BBC Published in English Articles Read 1859 times

 

ኣብ ሱዳን ኣንጻር መንግስቲ ዝተልዓለ ተቓውሞ በርቲዑኣብ ሰሜንን ምዕራብን ሱዳን፡ ኣብ ሞንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ብዝተወልዐ ግጭት፡ ሸሞንተ ሰባት መይቶም።

ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ኣል-ገዳርፍ ኣብ ዝተልዓለ ናዕቢ ኣንጻር መንግስቲ፡ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘን፡ ሰዓት እቶ እቶን ክእወጅ ምኽንያት ኮይኑ።

ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኣትባራ ብዝነበረ ግጭት ድማ ክልተ ሰባት ምሟቶም ናይታ ሃገር ሚዲያ ጸብጺቡ።

ኣብ ከተማ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ድማ ናህሪ ዋጋታት ባንን ነዳድን ዘንቀሎ ዓመጽ ተጎሃሂሩ'ዩ ዘሎ።

እዚ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ከተማታት ኣትባራ፣ ኢድ-ዳማርን በርበርን ዝተወልዐ ጎንጺ፡ ኣንጻር መንግስቲ ዝጭርሑ ሰልፈኛታት ብምንባሮም፡ ፖሊስ እቲ ሰልፊ ንምብታን መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ።

ጸኒሑ ግን እቲ ጎነጽ ስለ ዝተጋደደ ብዙሓት ሰባት ክሞቱ ምኽንያት ኮይኑ።

መሰኻኸር ዓይኒ ከም ዝበሉዎ እንተኾይኑ ድማ፡ ሓይልታት ምክልኻል እቲ ተቓውሞ ንምብታን ኣይኣተውን፤ እኳ ድኣ ነቶም ሰልፈኛታት ክድግፉ ተራእዮም።

ኣብ ከተማ ኣል-ገዳርፍ ብሓሙስ ምስ ፓሊስ ኣብ ዝተኻየደ ጎንፂ፡ ሓደ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተቐትለን፡ ሓያሎ ካልኦት ከም ዝቖሰሉን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

"ኣብ ኣል-ገዳርፍ ዘሎ ኩነታት ሓደገኛ እናኾነ'ዩ መጺኡ። ዓመጽቲ ድማ ተቐጻጸልቲ ነገራት ምጥቃምን ስርቅን ጀሚሮም፤ ኩሉ ነገር ካብ ቁጽጽር ወጻኢ'ዩ ኾይኑ ዘሎ" ኢሉ ሓጋጊ ሕጊ ሙባረክ ኣል-ኑር።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-46643941

 

 

Last modified on Friday, 21 December 2018 11:49