ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-02-05 06:14:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን Published in English Articles Read 2027 times

መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ስ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳም ዕለት 3 የካቲት 2018 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ።

ኣጀንዳ ኣኼባ ሰልፍና ንምዕባይን ንምሕያልን እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል ኮይኑ ነዚ መደብ’ዚ ንምትግባር ብነፍስውከፍ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ ናይ ስራሕ መደብ ብዕምቆት ዘትዩሉ። ናይ ሓድሕድ ምክብባርን ህድኣትን ዝሰፈኖ ቦኽሪ ኣኼባ ዞባ ሽማግለ፡ መሰረታት ዞባና ንምስፋሕን ቁጠባዊ ሓይሉ ከምኡ’ውን ምስ ኣብ ዞባና ዝኸይድ ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ዝምድናኡ ከደልድልን ናይ ስራሕ መደባት ኣጽዲቑ። ዝሓንጸጾ መደባት ኣብ ግብሪ ንምውዓል መሪሕነት ዞባ ሽማግለ ብዕቱብ ክሰርሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ክንዕወት ኢና!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.

3 የካቲት 2018

Last modified on Monday, 05 February 2018 07:17